ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/06 ገጽ 2
  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 14 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 21 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 28 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 4 መስከረም እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 8/06 ገጽ 2

መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት

14 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 13 (124)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መዓስ ከም ዚግበር እንተ ተፈሊጡ ሓብር። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ሓምለ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሓምለ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ነቲ “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገዳስነት የብለይን” ዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ኣርኢ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 9 ርአ።

12 ደቒቕ:- “ናይ ተኣማንነት ኣብነት ገዲፎም እዮም።” ኣብ ጽሑፋት ዝወጸ ተመክሮ ናይ ፍሉያት ፈለምቲ ወይ ኣብ ጉባኤኹም ፍሉይ ፈላሚ እንተ ደኣ ኣልዩ ምስኡ ዚግበር ቃለ-መጠይቕ ዜጠቓልል መደረ።—ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ (እንግሊዝኛ) “ፍሉያት ፈለምቲ” (“Special Pioneers”) ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ተወከስ።

23 ደቒቕ:- ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚህሉ ዕርክነት ደረቱ ዚሓልፍ መዓስ እዩ፧ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2006 ንቕሑ! ገጽ 17-19 (እንግሊዝኛ) ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነቶም ኣብ ናይ የሆዋ መሳኻኽር ስድራቤት ዚዓበዩ ውሉዳት: ወለዶም ነቲ ዜጋጥሞም ብድሆታት ብዓወት ንኺዋጽኡሉን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት ትምህርቶም ኣብ ግብሪ ንኼውዕሉን ብኸመይ ከም ዝሓገዝዎም ኪገልጹ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ዚህቡ ሰባት ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 19 (164)ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 8 (53)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ካብ ገጽ 3ን 4ን እተመርጸ ምልክታታትን።

12 ደቒቕ:- ካብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ካብ ህዝባዊ ኣኼባን ምጥቃም። ካብ ገጽ 59 ክሳዕ ኣብ ገጽ 64 ዘሎ ንኡስ ኣርእስቲ እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል (ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ) ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።

25 ደቒቕ:- ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ መድብ! መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት እንተ ወሓደ ሓንሳእ ሓጋዚ ፈላሚ ናይ ምዃን መደብ ኬውጽኡ ኣተባብዕ። (1 ቈረ. 9:26) ገሊኦም ሓንቲ ኻብተን ከም መስከረም: ጥሪ: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ዝኣመሰላ ፍሉይ ንጥፈታት ወይ በዓል ወይ ከኣ ዝያዳ ቐዳመ-ሰናብቲ ዘለወን ኣዋርሕ ይመርጹ ይዀኑ። ነቶም ተኣከብቲ ኸምዚ ኢልካ ሕተቶም:- “ቅድሚ ሕጂ ሓጋዚ ፈላሚ ኽትኰኑ ኸለኹም ንዘጋጠመኩም ብድሆ ብኸመይ ሰጊርኩምዎ፧ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል እንታይ በረኸት የምጽእ፧ ባህጊ እንተ ኣለኩም ግን ከኣ ርግጸኛታት እንተ ዘይኴንኩም: ብዛዕባኡ ኽትጽልዩ ዘሎኩም ስለምንታይ እዩ፧ (ግብ. 4:29፣ 2 ቈረ. 4:7፣ ያእ. 1:5) ነዚ ምስ ኣባላት ስድራቤትኩምን ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤኹምን: ምናዳ ኸኣ ምስቶም ተመሳሳሊ ዅነታት ዘለዎም ምምይያጥ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳ. 15:22) መዓስ ኢኹም ሓጋዚ ፈላሚ ዄንኩም ከተገልግሉ እትምድቡ ዘለኹም፧

መዝሙር 23 (200)ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 15 (127)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣስፋሕቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ነቶም ኣዘውቲርካ መጽሔት እተበጻጽሓሎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሎም ከለኻ: ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ሓምለ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሓምለ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።

15 ደቒቕ:- ምንጪ ምትብባዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 1:11, 12) መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ቍጽሪ ስሩዓት ፈለምቲ እታ ጉባኤ ሓብር። ንዓታቶም ምንኣድ: ብዛዕባ ናይ ፈላሚ ኣገልግሎት ዜምጽኦ በረኸታት ምዝራብ: ምስኦም ሓቢርካ ምግልጋል: ምሳሕ ወይ ድራር ምዕዳም: ከምኡውን ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታቶም ምሽፋን ገለ ኻብቲ ምትብባዕ ክንህበሉ እንኽእል መገድታት እዩ። ንስሩዓት ፈለምቲ ኻልኦት ብኸመይ ከም ዜተባብዕዎም ኪገልጹ ዓድሞም። እታ ጉባኤ ስሩዓት ፈለምቲ እንተ ዘይብላ: ንሓገዝቲ ፈለምቲ ብኸመይ ከነተባብዖም ከም እንኽእል ተመያየጡ።

20 ደቒቕ:- ኣብ ወርሒ መስከረም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ትኽእልዶ፧ መደረን መርኣያን። ኣብ መስከረም ነቶም ንመጀመርታ ምብጻሕ እንገብረሎም ሰባት: በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣቢልና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ድማ: ነታ መጽሓፍ ከነበርክት ከለና: ምስቲ ብዓል ቤት ሒደት ሕጡብ ጽሑፍ ንኽንመያየጠሉ ጻዕሪ ንገብር ኢና ማለት እዩ። በቲ ምስቲ ኸባቢ ዚሰማማዕ ጕዳያት ጌርካ: ክልተ መርኣያታት ከም ዚቐርብ ግበር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ: ተመሊስካ ንምብጻሕን ነቲ ምይይጥ ንምቕጻልን ንጹር መሰናድዎ ኸም እተገብረ ኣርኢ።

መዝሙር 9 (37)ን መዕጸዊ ጸሎትን

4 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 20 (93)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ነቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ንምፍላጥ ዚግበር ዓለምለኻዊ ወፍሪ። (km 4/06 ገጽ 5 ርአ) ንዅሉ ሕጡብ ጽሑፋት ኣንብቦ።

20 ደቒቕ:- “ብዘይ ኣድልዎ ብምስባኽ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።” ነታ ኣብ መዛዘሚ ቝጽሪ 2 ተጠቒሳ ዘላ ሮሜ 1:14 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ካብ ኢንሳይት ጥራዝ 1 ገጽ 255 ኣብ ትሕቲ “ባርባርያን” (“Barbarian”) ዚብል ኣርእስቲ ዘሎ ሓጺር ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ንቝጽሪ 3 ምስ ተመያየጥኩምላ ድማ: ነቲ ኣብ ገጽ 2 እታ ጉድ ኒውስ ፎር ፒፕል ኦቭ ኦል ኔሽንስ (ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዚርከብ ሰለስተ ነጥብታት ድገሞ። ነታ ጽሕፍቲ ብኸመይ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ከም እትጥቀመላ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ