ነታ ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ዚኸውን ምትዕርራያት
እዚ ነታ ብ1996 እተሓትመት ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ዚኸውን ኣገዳሲ ምትዕርራያት እዩ። እዚ ንገሊኡ ኣሃዛዊ ምትዕርራያት ኣየጠቓልልን እዩ: ምኽንያቱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሃዛዊ ለውጥታት ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝወጸ ዓመት መጽሓፍ ወይ ኣብ ካልእ ጽሑፋት ኪርከብ ይከኣል እዩ።
ምዕራፍ 4
ገጽ 19: ¶4: ኣብ መወዳእታ ዘሎ ጥቕሲ ይደምሰስ:- ማቴዎስ 25:31-33
ምዕራፍ 5
ገጽ 24: ¶3: እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- * ዝርዝር መግለጺ ንምርካብ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 88-92፣ 215-18 ርአ።
ምዕራፍ 6
ገጽ 30: ¶12: ሻድሻይ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናይ ሮሜ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ: ንሃይማኖት “ክርስትና” ሃገራዊ ተፈላጥነት ከም ዚረክብ ገበሮ: እዚ ኸኣ ህዝበ-ክርስትያን ከም እተስፋሕፍሕ ገበረ እሞ: ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ሽሕ ዓመት ንኺገዝኡ ሓይሎም ኣተሓባበሩ።
ገጽ 32: ሳጹን: ቀዳማይ ሕጡብ ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- የሱስ ኣብ ጥቅምቲ 29 ድ.ክ. ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ንጉስ ንኪኸውን ተጠምቀን ተቐብአን። ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን: ብ33 ድ.ክ. ኸኣ ናብታ ናይ የሩሳሌም ቤት መቕደስ ብምኻድ ነቶም በዓቲ ጐሓሉ ዝገበርዋ ሰባት ኣባረሮም። እዚ ነቲ የሱስ ኣብ ሰማይ ብጥቅምቲ 1914 ምስ ነገሰ ኽሳዕ እቲ ነቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ኪዕዘብን ፍርዲ ድማ ብቤት ኣምላኽ ኪጅምር ዝመጽኣሉ ዝነበረ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚመሳሰል እዩ። (ማቴዎስ 21:12, 13፣ 1 ጴጥሮስ 4:17) ኣብ መጀመርታ ናይ 1918 እቲ ናይ ህዝቢ የሆዋ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጠሞ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ናይ ፈተና ግዜ ነበረ: እቶም ፈራሃት ከኣ ተመምዮም ወጹ። ብግንቦት 1918 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ብዘሳወርዎ ኣካየድቲ ውድብ ግምቢ ዘብዐኛ ተኣስሩ: ይኹን እምበር ትሽዓተ ወርሒ ጸኒሖም ተፈትሑ። ጸኒሑ ድማ እቲ ብሓሶት ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ኽሲ ፈሸለ። ካብ 1919 ኣትሒዞም ድማ ውድብ ህዝቢ ኣምላኽ: ተፈቲኖምን ጸርዮምን: ንደቅሰብ ተስፋ ኽትኰኖም እትኽእል እታ ብክርስቶስ የሱስ እትምራሕ መንግስቲ የሆዋ ምዃና ንኼፍልጡ ብቕንኣት ንቕድሚት ገስገሱ።—ሚልክያስ 3:1-3
ምዕራፍ 8
ገጽ 40: ¶8: 4ይ መስመር: “125 ጌጋታት” ዚብል በዚ ይተካእ:- 130 ጌጋታት
ገጽ 40: ¶10: ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚድግፍ 50 ውሳነታት ብምትሕልላፉ ተዓዊቶም እዮም።
ምዕራፍ 10
ገጽ 50: ¶11: እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- * ንኣብነት: ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2003 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ “ኣኽቢርካ ዝርኣያ ንየሆዋ ዘምልኻ እሙናት ክርስትያን ኣንስቲ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
ምዕራፍ 11
ገጽ 56: ¶9: ካልኣይ ክፋል እቲ ሕጡብ ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- ምስ እዚ እተተሓሓዘ ግምቢ ዘብዐኛ “ርእስኹም መርምሩ” ከምኡውን “ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን” ዚብል ኣርእስትታት ብምግላጽ ምትብባዕ ሂቡ እዩ።* ከምዚ ዝበለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ረዲኤት ስለ ዘሎና: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናና ሓሊና ብትሕትናን ጸሎትን ክንመላለስ እናፈተንና ውሽጥና ኣዕሚቝና ንመርምር።—መዝሙር 26:1-3፣ 139:23, 24
ገጽ 56: ¶9: እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- ናይ 15 ሓምለ 2005 ከምኡውን 15 መጋቢት 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።
ምዕራፍ 12
ገጽ 61: ¶14: እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- # እዚ ብኽፍሊ ዮሃንስ እናተዳለወ ዚወጽእ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዕዮ ስብከት ብዝከኣለካ መጠን ምሉእ ብምሉእ ክትካፈልን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ምጥቃም ህጹጽነትን ምጕላሕ ቀጺሉ እዩ፣ ንኣብነት ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ኵሉ ሰብ ክብሪ የሆዋ ይኣውጅ” ከምኡውን “ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ” ዚብል ዓንቀጻት ርአ። እታ “እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ብሩኻት እዮም” እትብል ዓንቀጽ ናይ 1 ሰነ 2004 ሕታም: በቲ “ክፉት ደገ” ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምእታው ተጕልሕ። ኣብ ሓንቲ ወርሒ ናይ 2005 ዝለዓለ ቝጽሪ እቶም ጸብጻብ ዘቕረቡ ፈለምቲ 1,093,552 በጺሑ ነበረ።
ምዕራፍ 13
ገጽ 71: ¶14 3ይን 4ይን መስመር: “ብ1995 ክልቲኦም ልዕሊ 29 ሚልዮን” ዚብል በዚ ይተካእ:- ብ2006 ክልቲኦም ልዕሊ 59 ሚልዮን
ገጽ 73: ¶23: ኣብ 8ይን 9ይን መስመር ዘሎ ጥቕሲ ይደምሰስ:- ማቴዎስ 25:31
ምዕራፍ 16
ገጽ 90: ¶4: ካልኣይ እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- * የሱስ ብ1914 መንግስቲ ኸም እተቐበለ ምሉእ መርትዖ እንተ ደኣ ደሊኻ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ገጽ 215-18 ርአ።
ገጽ 91: ¶9: ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- ዝበለጸ ዕቤት እተራእየ ኸኣ ኣብተን ናይ ካቶሊክ ሃገራት ከምኡውን ኣብተን ከም እኒ ጀርመንን ኢጣልያን ጃፓንን ዝኣመሰላ ዝመረረ መስጐግቲ ዝነበረን ሃገራት እዩ: ሎሚ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጠቕላላ ልዕሊ 600,000 ጸብጻብ ንጡፋት ኣገልገልቲ ወፍሪ ይህቡ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 54:17፣ ኤርምያስ 1:17-19
ገጽ 97: ¶28: ሕጡብ ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- ሕጂ ኸነስተብህለሉ ደሊና ዘሎና “ፌራ” እዩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዙሕ ዕንወት ፈጺሙ ምስ ሓለፈ: ናይ ስጳኛ ኢንፍልወንዛ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ናይ 1918-19 ካብ 20 ሚልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ቀዘፈ። ኣብ ብዘላ ዓለም ካብዚ መዓት እዚ ዘምለጠት ቦታ: እታ ንእሽቶ ደሴት ናይ ሰይንት ሄለና ጥራይ እያ። ኣብቲ ሰባት ብብዝሒ ዝሞትሉ ቦታታት ድማ: ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሬሳታት ብሓንሳእ ጸፋጺፍካ ሓዊ ብምንዳድ ተፈጸመ። ሎሚውን መብዛሕትኡ ብሰንኪ ትምባኾ እተላዕለ ሕማም ልብን መንሽሮን ብዜሰምብድ ብዝሒ ይርአ ኣሎ። ኣብተን “ግናያት ዓሰርተ ዓመታት” ተባሂለን እተጸውዓ ናይ 1980ታት: ኣንጻር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ምንባር ዜምጽኦ ናይ አይድስ መዓት ነቲ “ፌራ” ወሲኹሉ እዩ። ኣብ ዓመት 2000 ሓደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰርጀን ጀነራል ኣብ ዜቕረቦ ጸብጻብ ንሕማም አይድስ “ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ለበዳ ሕማም” ኢሉ ጸውዖ። ንሱ 52 ሚልዮን ሰባት ብኤች.ኣይ.ቪ./አይድስ ከም እተለኽፉ: ካብኦም 20 ሚልዮን ዚዀኑ ድማ ድሮ ኸም ዚሞቱ ሓበረ። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ካብቲ ብዙሕ ሕማም ዜመሓላልፍ ምንዝርን ካብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ደምን ብሳላ እቲ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ናይ ቃሉ ስለ ዝረሓቑ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኣመስገንቲ ዀን እዮም!—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣረኣእዮ።
ምዕራፍ 18
ገጽ 106: ¶7: ሕጡብ ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ካልእ ናይ ናዕቢ ማዕበል ሒዙ መጸ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርአ ዘሎ ንኣሽቱ ውግኣትን ግብረ-ሽበራን ንምድሪ የናውጻ ኣሎ። እቲ ዜስግእ ራዕዲ ግበረ-ሽበራ ወይ ሃገራት ዚውንናኦ ብጅምላ ኼጥፍእ ዚኽእል ኣዕናዊ ኣጽዋር ንብዙሓት ሰባት የተሓሳስቦም ኣሎ።
ገጽ 107: ¶11: ራብዐይቲ ምሉእ ሓሳብ በዚ ትተካእ:- ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ድማ እዚ ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታ እዚ ኺንገራ ጸኒሑ እዩ።*
ምዕራፍ 20
ገጽ 123: ¶11: ራብዐይቲ ምሉእ ሓሳብ በዚ ትተካእ:- እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽትሕተም ከላ ኣብ ልዕሊ 125 ዚርከብ ቦታታት ብእተፈላለየ ዓይነት መፕስ ተዓዩሉ እዩ: እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ወርሒ ኽልተ ግዜ ዚወጽእ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደ ግዜ ብ130 ቋንቋታት ኪሕተም ኣኽኢሉ እዩ።
ገጽ 128: ¶30: ናይ መወዳእታ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- ነቶም ብስጋ ኺጸንሑ ዚኽእሉ ተረፍ እቶም 144,000 ሕቱማትን ነቶም ዓብዪ ጭፍራን ሓዊስካ ሒደት ካብ ደቅሰብ ጥራይ እዮም “ደው” ዚብሉ: ማለት ዚድሕኑ።—ኤርምያስ 35:19፣ 1 ቈረንቶስ 16:13
ምዕራፍ 22
ገጽ 143: ንኡስ ኣርእስቲ በዚ ይተካእ:- ሎሚ ዘሎ ናይ ኣንበጣ መዓት
ገጽ 146: ¶16: ድሕሪ ራእይ 9:10 ዘሎ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- እዚ እንታይ ማለት ኪኸውን ይኽእል፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኪፍጽሙ ኸለዉ: ብቓልን ብጽሑፋትን ገይሮም ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ዚእመን ሓሳባት ይህቡ። ብዛዕባ እታ ቐሪባ ዘላ መዓልቲ ሕነ የሆዋ ስለ ዜጠንቅቑ: መልእኽቶም ከም ናይ ዕንቅርቢት ዚመስል መንከስቲ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 61:2) እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ናይ መንፈሳዊ ኣንበጣ ኸይሓለፈ ኸሎ: እቲ ብመለኮታዊ መገዲ ፍርድታት የሆዋ ንምእዋጅ እተዋህቦ ዕዮ—ነቶም ንኣምላኽ ዚጻረፉ ተረርቲ ኽሳድ ብዚጐድእ መገዲ—ኺውዳእ እዩ።
ገጽ 147: ¶17: እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- * እዚ መጽሔት እዚ: ብ1937 ኮንሶለሽን ብ1946 ከኣ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተባሂሉ ተሰምየ።
ምዕራፍ 24
ገጽ 160: ¶21: ኣብ 9ይን 10ይን መስመር “ኣጣል መሰል” ዚብል በዚ ይተካእ:- ተጻረርቲ።
ገጽ 160: ¶21: ኣብ መበል 14 መስመር ዘሎ “ማቴዎስ 25:31-34, 41, 46” በዚ ይተካእ:- ፊልጲ 1:27, 28
ገጽ 160: ሕቶ 21 (ለ): በዚ ይተካእ:- እቲ ብስራት ነቶም ተጻረርቲ ሕማቕ ወረ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
ምዕራፍ 25
ገጽ 162: ¶4: እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- * ምሉእ መግለጺ እዛ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ እዚኣ ንምርካብ ነታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ “ናይ የሆዋ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ” እትብል ዓንቀጽ ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1972 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “እተምልኸላ እንኮ ናይ ሓቂ ቤት መቕደስ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
ገጽ 162: ¶5: ሳልሳይ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- ኣብ ትንቢታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስፋር: ብመሰረት እቲ ፍጹም መዐቀኒታት የሆዋ ፍትሒ ኸም ዚግበር ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ።
ገጽ 162: ¶7: ድሕሪ ራእይ 11:2 ዘሎ ኻልኣይ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- ክንርእዮ ኸም ዘሎና: እዚ ኣብዚ ተመልኪቱ ዘሎ ግዜ: እቲ ዅሎም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ኣብ ብርቱዕ ፈተና ዚኣተዉሉ ኻብ ታሕሳስ 1914 ክሳዕ ሰነ 1918 ዝነበረ ቓል ብቓሉ 42 ወርሒ እዩ።
ገጽ 165: ኣብ ትሕቲ እቲ ስእሊ ዘሎ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- እቲ ብዘሩባቤልን እያሱን እተገብረ ናይ ዳግመ ምህናጽ ዕዮ: ኣብ መዓልቲ ጐይታ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንንኣሽቱ ምጅማራት ዓበይቲ ወሰኻት ኪስዕቦ ምዃኑ ይሕብር። ከምዞም ኣብዚ ላዕሊ ዘለዉ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዚርከቡ መሳለጥያታት እቲ ዚድለ ምእንቲ ኼማልኡ ኣጸቢቖም ኪሰፍሑ ነበሮም
ምዕራፍ 27
ገጽ 185: ¶28: ናይ መጀመርታ ኽልተ ምሉእ ሓሳባት በዚ ይተካእ:- እዚ እኩይ ውሕጅ ናይ መስጐግቲ እዚ: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጽሐ። ኣብ ኣውሮጳ 12,000 ዝዀኑ መሰኻኽር ኣብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታት ተኣስሩ: ኣስታት 2,000 ዝዀኑ ኸኣ ሞቱ።
ምዕራፍ 28
ገጽ 187: ¶4: እግረ-ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- * ዝያዳ ዝርዝር ንኽትረክብ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 165-79 በጃኻ ርአ።
ምዕራፍ 29
ገጽ 202: ¶14: ቀዳማይን ካልኣይን መስመር በዚ ይተካእ:- እዞም 144,000 “ካብ ምድሪ እተዐደጉ:” “ካብ ደቂ ኣዳም እተዓደጉ” እዮም። ከም ደቂ
ምዕራፍ 30
ገጽ 209: ¶10: ቀዳማይ መስመር በዚ ይተካእ:- ክሳዕ 1870ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ ቕቡኣት ክርስትያናት ንገዛእ ርእ
ገጽ 209: ሕቶ ቝጽሪ 10: በዚ ይተካእ:- ክሳዕ 1870ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ እንታይ ተፈጸመ፧ ዓባይ ባቢሎንከ ነዚ ብኸመይ መለሰትሉ፧
ምዕራፍ 32
ገጽ 231: ¶27: ካብታ “ማቴዎስ 24:42, 44 ንድሕሪት ዘሎ ናይ መወዳእታ ኽፋል ሕጡብ ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- (ማቴዎስ 24:42, 44፣ ሉቃስ 12:37, 40) ሃዋርያ ጳውሎስውን ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ብምቅላሕ “መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ: . . . ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም” ኢሉ ኣሎ። ነዚ ናይ ሓሶት ኣዋጅ “ሰላምን ደሓንን” ከም ዚእወጅ ዚገብር ዘሎ ሰይጣን እዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:2, 3
ምዕራፍ 33
ገጽ 243: ¶21: ካብ መወዳእታ ኣብ ካልኣይ ዘሎ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- እቲ ዜገርም: እቲ ጳጳስ ኣብ መደረኡ ንየሱስ ክርስቶስ ወይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ኣየተኰረሉን።
ምዕራፍ 34
ገጽ 246: ¶1: ካብ መወዳእታ ኣብ ካልኣይ ዘሎ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- እቲ ትርኢት ግን ኣብዚ ግዜና ዜደንጹ ኽውንነት እዩ።
ገጽ 250: ¶12: እግረ-ጽሑፍ: “1981” ዚብል በዚ ይተካእ:- 1993
ገጽ 251: ¶14: ሕጡብ ጽሑፍ በዚ ይተካእ:- ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ፖለቲከኛታት ነቲ ደቅሰብ ዜውጽእዎ መደባት ኪገልጹ ኸለዉ ነታ “ሰላምን ደሓንን” እትብል ሓረግ ተጠቒሞምላ እዮም። መራሕቲ ዓለም ዚገብርዎ ዘለዉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ን1 ተሰሎንቄ 5:3 ፍጻሜኣ ኸም እትረክብ ይገብራ ድዩ፧ ወይስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ነቓልቦ ዓለም ዚስሕብ ኣዝዩ ጕሉሕ ፍጻመ ጥራይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዚርድኣና: ድሕሪ ምፍጻሙ ወይ ፍጻሜኡ ኣብ ዝረኽበሉ እዋን ጥራይ ስለ ዝዀነ: ነዚ ኽንጽበዮ እዩ ዘሎና። ክሳዕ ሽዑ ግን: ሃገራት ሰላምን ደሓንን ከም ዚረኸባ እኳ እንተ ተዛረባ ብመሰረቱ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይልወጥ ክርስትያናት ይፈልጡ እዮም። ስስዐ: ጽልኢ: ገበን: ምብትታን ስድራቤት: ጾታዊ ርኽሰት: ሕማም: ሓዘንን ሞትን ገና ኺህሉ እዩ። ንትርጕም ፍጻመታት ዓለም ነቒሕካ ትከታተሎ እንተ ደኣ ኣሊኻን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ እንተ ደኣ ኣቕሊብካሉን ንዓኻ እቲ ናይ “ሰላምን ደሓንን” ኣዋጅ ኣይኬታልለካን እዩ።—ማርቆስ 13:32-37፣ ሉቃስ 21:34-36
ምዕራፍ 36
ገጽ 265: ¶22: ኣብ መወዳእታ ዘሎ ጥቕሲ ይደምሰስ:- —ምስ ማቴዎስ 24:15, 16 ኣርኣእዮ።
ገጽ 266: ¶28: ሳልሳይን ራብዓይን ምሉኣት ሓሳባት በዚ ይተካእ:- ካብቲ ዝሃበቶ ዕጽፊ ኽትቅበል እያ። ንግዳያታ ምሕረት ስለ ዘየርኣየት: ምሕረት ኣይኪግበረላን እዩ።
ምዕራፍ 38
ገጽ 277: ¶17: ናይ መወዳእታ ኽልተ ምሉእ ሓሳባት በዚ ይተካእ:- ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ብህይወቶም ዝጸንሑ እንተ ደኣ ዀይኖም: ክርስቶስ ስዕረቱ ምስ ፈጸመ ብኡንብኡ ናብቲ ሰማያዊ ዓስቦም ኪኣትዉ: ምስቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኣባላት እታ ብጕጅለ ዝቘመት መርዓት ከኣ ኪሓብሩ እዮም። ሽዑ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ መርዓ እቲ ገንሸል ኪግበር ይኽእል!
ገጽ 277: ¶18: ቀዳማይ ምሉእ ሓሳብ በዚ ይተካእ:- እቲ ኣብ መዝሙር 45 ዘሎ ትንቢታዊ ጻብጻብ ነዚ መስርዕ ፍጻመታት እዚ የረጋግጽ።
ምዕራፍ 41
ገጽ 296: ¶5: ናይ መጀመርታ ሰለስተ ምሉእ ሓሳባት በዚ ይተካእ:- እታ ኣረጊት ምድርን እቲ ኣረጊት ሰማይን ድሕሪ ምህዳሞም: ዚፍረዱ መን እዮም፧ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይቶም 144,000 ኣይኰኑን: ከመይሲ እዚኣቶም ድሮ ተፈሪዶምን ተሓቲሞምን እዮም። ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ድሕሪ ኣርማጌዶን ገና ብህይወት ዚጸንሑ እንተ ደኣ ኣልዮም: ድሕሪኡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኺሞቱን ተንሲኦም ከኣ ሰማያዊ ዓስቦም ኪረኽቡን ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 4:17፣ ራእይ 7:2-4)
ምዕራፍ 43
ገጽ 311: ¶19: ድሕሪ “ራእይ 11:15፣ 12:10” ዘሎ ምሉእ ሓሳባት በዚ ይተካእ:- ኣብዚ ዘመን መወዳእታ እዚ: እቲ መንፈስን እታ መርዓትን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ማይ ህይወት ብናጻ ኺወስዱ ይዕድምዎም ኣለዉ። እቲ ኻብቲ ርባ ዚውሕዝ ማይ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዝን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ሓዳስ ዓለም: ማለት ‘ሓዳስ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ምስ ወረደት’ ምውሓዝ ኪቕጽል እዩ።—ራእይ 21:2
ገጽ 312: ¶26: ናይ መጀመርታ ኽልተ ምሉእ ሓሳባት በዚ ይተካእ:- እቲ ኻብቲ ርባ ብዚወጽእ ማይ ኣጸቢቑ ዝሰተየ ኣእዋም: ነቶም 144,000 ኣባላት እታ ሰበይቲ እቲ ገንሸል ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኸለዉ ኻብቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘዳለዎ ናይ ህይወት ምድላው ይሰትዩ እዮም። እቲ ዜገርም: እዞም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ኣሕዋት ክርስቶስ እዚኣቶም ብትንቢታዊ መገዲ “ኣእዋም ጽድቂ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 61:1-3፣ ራእይ 21:6)