ስርዓታዊ ዄንካ መጽሔታት ብምብጽጻሕ ተገዳስነት ኰስኵስ
1. ስርዓታውያን ኴንና መጽሔታት ብምብጽጻሕ ተገዳስነት ክንኵስኵስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
1 ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤቶም ብጽቡቕ ይቕበሉና: ጽሑፋትና ድማ ተሓጕሶም ዚወስዱ እኳ እንተዀኑ ስርዓታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ግን የድሓርሕሩ እዮም። ሓደ ኻብቲ ተገዳስነቶም ክትኵስኵሰሉ እትኽእል መገዲ ስርዓታዊ ዄንካ መጽሔታት ብምብጽጻሕ እዩ። ንሓደ ሰብ መጽሔት ከተብጽሓሉ ኸለኻ: ስሙ: ኣድራሻኡ: ምብጻሕ ዚገበርካሉ ዕለት: ኣርእስቲ ናይታ ዘብጻሕካሉ መጽሔት: እተመያየጥኩምላ ጥቕሲ ኸምኡውን ገለ ንስኻ እተዓዘብካዮ እቲ ሰብ ብፍላይ ዚግደሰሉ ኣርእስቲ እንተሎ መዝግብ። ሓዳስ መጽሔት ምስ ተቐበልካ: ነቶም ስርዓታዊ ዄንካ መጽሔታት እተብጽሓሎም ሰባት ዜገድሶም ነጥብታት ኣናዲ: ተመሊስካ ኽትበጽሖም ከለኻ ድማ እዚ ነጥብታት እዚ ኸም ዚጐልሕ ግበር። (1 ቈረ. 9:9-13) ድሕሪ ገለ ግዜ: እቲ እንገድፈሎም መጽሔታት ምስ ኣንበብዎ ተገዳስነቶም ኬለዓዕልን ዝያዳ ንኺመሃሩ ኸም ዚህንጠዩ ኺገብርን ይኽእል እዩ።
2. ሎሚ ሰባት ውዓል ሕደር ከይበሉ ንየሆዋ ኺደልይዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ: ንኽንሕግዞምከ መጽሔታት ካብ ምብጽጻሕ ንላዕሊ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
2 ይኹን እምበር: ዚበዝሑ ሰባት ንመጽሔታትና ብብሕቶም ጥራይ ኣንቢቦምዎ ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ኸም ዘይክእሉ ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ሰባት ውዓል ሕደር ከይበሉ ንየሆዋ ኺደልይዎ ስለ ዘለዎም: ንኽንሕግዞም መጽሔታት ካብ ምብጽጻሕ ንላዕሊ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ጸፎ. 2:2, 3፣ ራእ. 14:6, 7) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መጽሔት እነብጽሓሉ ግዜ ሓንቲ ብጥንቃቐ እተመርጸት ጥቕሲ ምስኦም ኴንና ብምምይያጥ ተገዳስነቶም ክንኵስኵስ ንኽእል ኢና።
3. (ሀ) ብሓንቲ ጥቕሲ ዚግበር ተኸታታሊ ምይይጥ ብኸመይ ከነዳሉ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ ዞባኹም ንሰባት ብዝያዳ ዜገድሶም ኣርእስትታት እንታይ እዩ፧
3 ብሓንቲ ጥቕሲ ዚግበር ምይይጥ:- ብዛዕባ እቶም ስርዓታዊ ዄንካ መጽሔታት እተብጽሓሎም ሰባት ሕሰብ: ንነፍሲ ወከፎም ብፍላይ ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ዜኽእል ብሓንቲ ጥቕሲ ዚግበር ተኸታታሊ ምይይጥ ኣዳሉ። (ፊል. 2:4) ንኣብነት: ሓደ ሰብ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዜፍቅሮ ሰብ ዝሞቶ እንተደኣ ዀይኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ምውታትን ተስፋ ትንሳኤን እንታይ ከም ዚብል ንምምይያጥ ተመላሊስካ ኽትበጽሖ ትኽእል ኢኻ። ብሓንቲ ጥቕሲ ምይይጥ ንምግባር ክትዳሎ ዚሕግዘካ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን ኣብ ትሕቲ “ሞት” ከምኡውን “ትንሳኤ” ዚብል ኣርእስታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከም ሕማም: እርጋን ከምኡውን ሞት ዚብል ምስዚ ዚተኣሳሰር ኣርእስትታት ድማ ኣብቲ ምይይጥ ባዕሉ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። እቲ ቐንዲ ዕላማ ነቲ ሰብ ዜገድሶ ኣርእስቲ ኽትረክብ እሞ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዚብል በብቕሩብ ንምግላጽ እዩ።
4. ጥቕስታት ተጠቒምና ኽንመያየጥ ከለና: ከነረድኦም ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: ከምዚ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
4 ኣረድኣዮም:- ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ ኵሉ ግዜ ቐሊልን ሓጺርን ጌርና ኸነቕርቦ እኳ እንተሎና: ነታ ዝመረጽናያ ጥቕሲ ምንባብ ማለት ጥራይ ግን ኣይኰነን። ሰይጣን: ሰባት ነቲ ወንጌል ምእንቲ ኸይርድእዎ ንሓሳቦም ኣዕዊርዎ እዩ። (2 ቈረ. 4:3, 4) እቶም ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ሌላ ዘለዎም ሰባት እውን ከይተረፉ ንኺርድእዎ ሓገዝ የድልዮም እዩ። (ግብ. 8:30, 31) ስለዚ: ነቲ ጥቕሲ ግዜ ወሲድካ ልክዕ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽፍሊ ተቕርብ ከም ዘሎኻ ጌርካ ግለጸሎምን ኣብርሃሎምን። (ግብ. 17:3) እቲ ሰብ ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ግብራዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ኸም እተረድኦ ኣረጋግጽ።
5. መጽሔታት ብምብጽጻሕ ዚግበር ተመላሊስካ ምብጻሕ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓቢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
5 እቲ ሰብ ነቲ ዝመሃሮ ዘሎ ትምህርትታት እንተደኣ ፈትይዎ: ቀስ ብቐስ ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብምውሳኽ እቲ ምይይጥ ከም ዚሰፍሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ምስ ብሮሹር ብቕዓት ወይ መጽሓፍ ፍልጠት ንኸተላልዮ ዚሕግዝ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። በዚ ኸምዚ መጽሔታት ብምብጽጻሕ ዚግበር ተመላሊስካ ምብጻሕ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓቢ ይኽእል እዩ።