ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/04 ገጽ 4
  • ሓሳብ ክርስቶስ ይሃሉኻ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓሳብ ክርስቶስ ይሃሉኻ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣረኣእያ ኣንጸባርቆ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኻልኦት ብምግልጋል፡ ንየሱስ ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚኸውን ዚነኣድ ሸቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ፍቕሪ ክርስቶስ ንኸነፍቅር ትድርኸና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 4/04 ገጽ 4

ሓሳብ ክርስቶስ ይሃሉኻ

1. የሱስ እንታይ ሓሳብ እዩ ዘንጸባረቐ፧

1 ንወዲ ኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና: ካብቲ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ እተመዝገበ ጽሑፍ ግን ብሓቂ ኸነፍቅሮ ኽኢልና ኢና። (1 ጴጥ. 1:8) ንፍቓድ ኣቦኡ ተኣዚዙ: ነቲ ኽብ ዝበለ ሰማያዊ ቦታኡ ሓዲጉ ናብ ምድሪ መጸ። ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ብተወፋይነት ንሰባት ኣገልገለ: ህይወቱ ኸኣ ምእንቲ ብዙሓት ኣሕለፈ። (ማቴ. 20:28) ቃል ኣምላኽ “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም” ኢሉ እዩ ዚምሕጸነና። ነቲ የሱስ ዘንጸባረቖ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧​—⁠ፊል. 2:5-8

2. ብዙሓት ክርስትያናት እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም: ነዚ ንኺሰግርዎ ዚሕግዞምከ እንታይ እዩ፧

2 ክትደክም ከለኻ:- የሱስ ፍጹም እኳ እንተ ነበረ: ዝደኸመሉ እዋን ግን ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ብምኻድ መገዲ ደኺሙ” ምስ ተቐመጠ: ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ መስከረላ። (ዮሃ. 4:​6) ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ክርስትያናት ተመሳሳሊ ጸገም የጋጥሞም እዩ። ሰሙን ምሉእ ድሕሪ ምድካሞም: ኣብ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ ዜድሊ ሓይሊ ምርካብ የጸግሞም ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣዘውቲርና ንሰብኽ እንተደኣ ዄንና: ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብመንፈስ ዕረፍቲ ዜምጽኣልና ዀይኑ ኢና እንረኽቦ።​—⁠ዮሃ. 4:​32-34

3. ነቲ የሱስ ንኺምህር ዝነበሮ ድሌት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

3 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ሓንሳእ ንኼዕርፉ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ህዝቢ ኣበይ ከም ዘለዉ ፈሊጦም ንኺረኽብዎም ጐዪዮም ኣርከብዎም። የሱስ በዚ ኣብ ክንዲ ዚሓርቕ “ደንገጸሎም: ብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ።” (ማር. 6:​30-34) ንሕናውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምርን ንኽንመርሕን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ክርስቶስ ክህልወና ኣለዎ። ወትሩ ኽንጽዕርን ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኺሓድረናን የድሊ። ኣብዚ እዋን እዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተደኣ ዘየሎኻ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ ንኽትረክብ ከይተሓለልካ ጽዓር።

4. ሓጋዚ ፓይነር ምዃን ሓሳብ ክርስቶስ ንኺህልወና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

4 ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ሃቦ:- ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል: ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸነተኵር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ኣደ መሓዛይ: ኣነን መሓዛይን ምስኣ ሓደ ወርሒ ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ንኸነገልግል ኣተባብዐትና። ሓቢርና ምስኣ ብምግልጋልና ብሓቂ እዩ ኣሐጒሱኒ። ነሕዋትን ኣሓትን ብዝያዳ ንኽፈልጦም ኣኽኢሉኒ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ከም ስድራ​ቤት እዮም ኰይኖምኒ። ብዛዕባ የሆዋ ንሰባት ንኽዛረብን እቲ ዜደንቕ ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽነግሮምን ዝያዳ ኣጋጣሚ ብምርካበይ እውን ተሓጒሰ እየ። እዚ ዅሉ ናብ የሆዋን ማሕበሩን ብዝያዳ ዝቐረብኩ ዀይኑ ንኺስምዓኒ ኣኽኡሉኒ።”​—⁠መዝ. 34:8

5. ሓሳብ የሱስ ንኺህልወና ወትሩ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ኵላትና ኣብ መንጎ እቲ ዘይፍጹም ስጋናን ኣብ መንጎ እቲ ንየሆዋ ንኸነሐጕስ ዘሎና ባህግን ቃልሲ የጋጥመና እዩ። (ሮሜ 7:21-23) ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተንጸባርቖ ንተወፋይነትና ዜዳኽም መንፈስ ክንጻረሮ ኣሎና። (ማቴ. 16:22, 23) ኣብዚ መዳይ እዚ ንኽንዕወት የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:16, 17) ናብታ ጽድቂ ዚሰፍና ሓዳስ ዓለም ንኽንኣቱ ኣብ እንጽበየሉ ዘለና እዋን: ንመንግስቲ ኣምላኽን ንጥቕሚ ኻልኦትን ካብ ጥቕሚ ርእስና ኣብሊጽና ብምርኣይ ሓሳብ የሱስ ይሃልወና።​—⁠ማቴ. 6:33፣ ሮሜ 15:1-3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ