ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/03 ገጽ 1
  • ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ኣናዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ኣናዲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስክርነት ተሌፎን ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ናይ ምሸት ምስክርነት ፈቲንካዮዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ካብ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብኸመይ ከም እትሰብኽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 12/03 ገጽ 1

ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ኣናዲ

1 የሱስ ዕዮ ስብከትና ንኽንፍጽም ዝሃበና መምርሒታት: በዳሂ ዝዀነና እዋናት ኣሎ። “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ አቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” ኢሉና እዩ። (ማቴ. 10:11) ኣብዚ ግዜና ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ቤቶም ስለ ዘይርከቡ: ብኸመይ ኢና ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ብዝግባእ ከነናዲ እንኽእል፧

2 ንዞባኻ መርምሮ:- ፈለማ ንዞባኻ መርምሮ። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤቶም ዝርከቡሉ እዋን መዓስ እዩ፧ ኣበይ እዮም ዝውዕሉ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ኣቀባብላ ዝገብሩለን መዓልትታት ሰሙን ወይ ሰዓታት ኣለዋዶ፧ ነገልግሎትካ ምስቲ ኣብ ዞባኻ ዝርከቡ ሰባት ዘለዎም ልማድን ኵነታትን ምትዕርራይካ: ጽቡቕ ፍረ ንኽትረክብ ከኽእለካ እዩ።—1 ቈረ. 9:23, 26

3 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ ምግልጋል ጽቡቕ ፍረ ረኺቦምሉ እዮም። ገሊኣቶም ሰብ ቤት ኣብዚ ሰዓት እዚ ፍዅስ ስለ ዝብሎም ንኽሰምዑ ብዝያዳ ቕሩባት እዮም። ኣብ ናይ ንግዲ ዞባታትን ህዝባዊ ቦታታትን ምምስካር እውን ገለ ኻብቲ ንሰባት እቲ ብስራት እነብጽሓሉ መገዲ እዩ። ልክዕ እዩ: ምስ ዘየመዛዝኑ ሰዓብቲ ገሊኡ ሃይማኖት: ከንቱ ምይይጥ ብምግባር ግዜና ኸነባኽን ኰነ መርትዖ ኢሎም ዝህቡና ጥቕስታት ክንቅበሎም ኣይንደልን ኢና። ብዘይካዚውን: መጽሔታትና ወይ መጻሕፍትና ቕድሚ ምግዳፍና ብሓቂ ተገዳስነት እንተልይዎም ከነረጋግጽ ኣሎና።

4 ሓንቲ ጉባኤ ፍሉይ ንጥፈታት ኣብ እትገብረሉ ዝነበረት ወርሒ: ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ: ረቡዕን ዓርብን ድማ ምስ መሰየ ምስክርነት ንምሃብ ምድላዋት ገበረት። ብዘይካዚውን ናይ ተሌፎን ምስክርነት ንምሃብን ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ንምግልጋልን ምድላው ተገብረ። እዚ ምድላዋት እዚ: ነገልግሎት ዘለዎም ቅንኣት ስለ ዘለዓዓለሎም: እታ ጉባኤ ነዚ ብቐጻሊ ኽትገብሮ ወሰነት።

5 ተጊህካ ተኸታተሎም:- ነቶም ኣብ ዞባኻ ዝርከቡ ሰባት ንኽትበጽሖም ክትከዶም ከለኻ ኣብ ቤቶም ዘይትረኽቦም እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምብጻሕ ኰነ ንመጀመርታ ኣብ እተራኸብኩምሉ እዋን ተመሊስካ እትመጸሉ ቘጸራ ግበር። ድሕሪኡ: ቈጸራኻ ኣኽብር። (ማቴ. 5:37) ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ነቲ ብዓል ቤት ቍጽሪ ተሌፎኑ ኽትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እዚውን ነቲ ሰብ ንኽትረኽቦ ኽሕግዘካ ይኽእል እዩ።

6 የሆዋ ነቲ ንዅሎም ብቑዓት ኣናዲና ንኽንረክቦምን ንኽንከታተሎምን እንገብሮ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ: ብርግጽ ክባርኾ እዩ።—ምሳ. 21:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ