ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምንባር
1 እተጠመቕካሉ ግዜ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ይኹን ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ብዘየገድስ ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ኸም እትዝክሮ ኣየጠራጥርን እዩ። ጥምቀትና ግን መጀመርታ ናይቲ ንዘለኣለም ክቕጽል ዝኽእል ብተወፋይነት እንገብሮ ኣገልግሎት ደኣ እምበር መወዳእታ ኣይኰነን። (1 ዮሃ. 2:17) ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምንባር ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧
2 ኣብነት የሱስ ስዓብ:- የሱስ ምስ ተጠምቀ: “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ክሰብኽ ጀመረ። (ሉቃ. 3:23፣ 4:43) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንየሆዋ ህይወትና ኸም ዝወፈና ብጥምቀት ምስ ኣርኣና: ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ኴንና ተመዚዝና ኢና። ኣብ ህይወትና ዘድልየና መሰረታዊ ነገራት ንምምእራር ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ከነጥፍእ ዘድልየና እኳ እንተዀነ: ቀንዲ ዕዮና ግን ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና እዩ። (ማቴ. 6:33) እቶም ንኣምላኽ ህይወቶም ዝወፈዩ ሃብቲ ወይ ዝና ኽረኽቡ ዘይኰነስ ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ‘መልእኽቶም ከኽብሩ’ እዮም ዝጽዕሩ። (ሮሜ 11:13) ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ረኺብካዮ ዘሎኻ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ዲኻ እትርእዮ: ዝከኣለካ ኽትገብርከ ትጽዕርዶ፧
3 ልክዕ ከም የሱስ ‘ንድያብሎስ ክንጻረሮ’ ኣሎና። (ያእ. 4:7) የሱስ ምስ ተጠምቀ ብሰይጣን ተፈቲኑ እዩ: ሎሚውን ነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ፈተና እዩ ዘጋጥሞም። (ሉቃ. 4:1-13) ኣብዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም ስለ እንነብር: ኣእምሮና ዀነ ልብና ኸበላሹ ኻብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ብምርሓቕ ርእስና ኽንግስጽ የድልየና። (ምሳ. 4:23፣ ማቴ. 5:29, 30) ክርስትያናት ‘ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክምቀሉ ኸም ዘይከኣሎም’ ማዕዳ ተዋሂብዎም እዩ። (1 ቈረ. 10:21) እዚ ኸኣ ካብ ዘይጥዑይ መዘናግዒ: ሕማቕ ዕርክነት: ከምኡውን ኢንተርነት ካብ ዘስዕቦ ሓደጋታት ክንጥንቀቕ የድልየና ማለት እዩ። ከሓድቲ ኻብ ዘዳለዉዎ ዝዀነ ይኹን ነገር እውን ክንርሕቕ ኣሎና። ነዝን ንኻልእ ውዲታት ሰይጣንን ጥንቁቓት ምስ እንኸውን ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንኽንነብር የኽእለና።
4 ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላዋት ተጠቐመሉ:- ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር: የሆዋ ብቓሉን ብክርስትያናዊት ማሕበሩን ኣቢሉ ሓገዝ ይህበና። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ: ከየባተኽካ ኸኣ ጸሊ። (እያ. 1:8፣ 1 ተሰ. 5:17) ብናይ ጉባኤ ኣኼባታት ባህ ይበልካ። (መዝ. 122:1) ምስቶም ንየሆዋ ዝፈርሁን ትእዛዛቱ ዝሕልዉን ተቐራረብ።—መዝ. 119:63
5 በቲ የሆዋ ዝህበካ ሓገዝ ምስቲ ንእኡ ዝገበርካዮ ወፈያ ተሰማሚዕካ ኽትነብርን ንዘለኣለም ብምግልጋሉ ኽትሕጐስን ኢኻ።—መዝ. 22:26, 27፣ ፊል. 4:13