ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/03 ገጽ 1
  • ትሕትና ዘድልዮ ዕዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትሕትና ዘድልዮ ዕዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • የሱስ ኣርኣያ ትሕትና ሃበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • “ትሑት ዝልቡ . . . እየ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 1/03 ገጽ 1

ትሕትና ዘድልዮ ዕዮ

1 ቃል ኣምላኽ “ትሑታት ኩኑ: . . . መርቑ ደኣ እምበር: እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ . . . ኣይትምለሱ” ብምባል ይምዕደና። (1 ጴጥ. 3:8, 9) እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ዕዮ ስብከት ብርግጽ ዝዓዪ እዩ። እወ: ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንትሕትናና ዝፍትን ክኸውን ይኽእል እዩ።

2 ትሕትና ዘሕርቕ ኵነታት ከጋጥመና ኸሎ ብትዕግስቲ ንኽንሓልፎ እተኽእለና ባህሪ እያ። ክንሰብኽ ከሎና: ንዘይንፈልጦም ሰባት ስለ እነዘራርብ: ገሊኣቶም ሕማቕ ምላሽ ከም ዝህቡና ንፈልጥ ኢና። ከምዚ እናኣጋጠመና ስብከትና ንምቕጻል ትሕትና ተድልየና። ሓደ እዋን ክልተ ፓይነራት ኣብ ሓደ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዞባ ንኽልተ ዓመታት መዓልቲ መዓልቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት የገልግላ ነበራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዋላ ሓደ ሰብ ከዘራርበን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: በዚ ኣይተሓለላን: ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ኣብቲ ኸባቢ ኽልተ ጉባኤታት ኣለዋ።

3 ንዘይእሩም ዘረባ ብኸመይ ምላሽ ከም እንህበሉ:- ሰባት ሕማቕ ወይ ዘይእሩም ምላሽ ክህቡና ኸለዉ: ትሕትና እንተ ሃልያትና ንየሱስ ንኽንመስሎ ክትሕግዘና እያ። (1 ጴጥ. 2:21-23) ሓንቲ ሓብቲ ናብ ሓደ ቤት ምስ ከደት መጀመርታ እታ ሰበይቲ ድሕሪኡ ኸኣ ሰብኣያ ሕማቕ ቃላት ተዛረብዋ። እቲ ሰብኣይ እሞ ኸኣ ‘ካብ ካንሸሎይ ውጽለይ’ በላ። እታ ሓብቲ ፍሽኽ ብምባል ካልእ መዓልቲ ንኸተዘራርቦም ትምኒት ከም ዘለዋ ገለጸትሎም። እዚ ነቶም ሰብ ሓዳር ኣዝዩ ስለ ዝገረሞም: ነታ ድሕሪኡ ዝመጸቶም ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ሰምዕዋ: ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽመጹ ዝገበረትሎም ዕድመ ድማ ተቐበሉ። ኣብኡ ኸኣ እታ ኣብ መጀመርታ ዝነጸግዋ ሓብቲ ምስ ረኸበቶም ሰላም ድሕሪ ምባል ተወሳኺ ምስክርነት ሃበቶም። ንሕና እውን ነቶም ዘይቅበሉና “ብለውሃትን ብኽብርን” ከነዝሕሎም ንኽእል ኢና።​—⁠1 ጴጥ. 3:15 ትርጕም 1990፣ ምሳ. 25:15

4 ካብ ትዕቢት ርሓቕ:- ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍልጠት ንሰባት ኣትሒትና ንኽንርእዮም ወይ ንኸነቈናጽቦም ምኽንያት ኣይኰነናን እዩ። (ዮሃ. 7:49) ኣብ ክንድኡስ: ቃል ኣምላኽ ‘ንሓደ እኳ ኸይንጸርፍ’ እዩ ዝምዕደና። (ቲቶ. 3:​2) ልክዕ ከም የሱስ ልብና ትሑት እንተ ዀይኑ: ንኻልኦት ዕረፍቲ ኢና እነምጽኣሎም። (ማቴ. 11:28, 29) ትሑታት ምስ እንኸውን: መልእኽትና ዝያዳ ማራኺ እዩ ዝኸውን።

5 እወ: ትሕትና ኣብ ኣጸጋሚ ዞባታት ንኸይንሕለል ትሕግዘና እያ። ነቶም ዘይቅበሉና ኸተዝሕሎም ትኽእል: ንሰባት ድማ ናብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ትስሕቦም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ነቲ ‘ንትሑታት ጸጋ ዝህብ’ የሆዋ ተሐጕሶ።​—⁠1 ጴጥ. 5:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ