“ክጸንዕ ኢየ! ክጸንዕ ኢየ! ክጸንዕ ኢየ!”
1 እዘን ሓደ ኻብቲ ብግዜ ናዚ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ብህይወት ዝወጸ እሙን ክርስትያን ዘውስአን ቃላት: ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናዚ ዘስካሕክሕ ስቓይ እኳ እንተ ወረዶም እምነቶም ንኸይክሕዱ ዝገበርዎ ቘራጽነት ዘቃልሓ ኢየን። (ኤፌ. 6:11, 13) እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኣቶም ዘርኣይዎ ዘደንቕ ትብዓትን ዝረኸብዎ ዓወትን ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣጌንስት ናዚ ኣሶልት ዘርእስታ እትምስጥ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ተገሊጹ ኣሎ። ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኽርእይዋን ስምዒታቶም ክገልጹን ንምሕጸኖም።
2 እዘን ሕቶታት እዚኣተን ሓሳብኩም ንኽትገልጹ ኽሕግዛኹም ኢየን:- (1) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር ናዚ ጽኑዕ ኣቕዋም ዝወሰዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ (2ሀ) ወተሃደራዊ ሰላምታ ብምሃብ ዝመጸ እንታይ ዝጻረር ኣረኣእያ ኢዩ ዝነበረ: ስለምንታይከ፧ (2ለ) እዚ ንስድራቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጸለወን ብኸመይ ኢዩ፧ (3) ክንደይ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ናብ መዳጐኒ ደምበ ዝኣተዉ: ኣብኡኸ ብምንታይ ኢዮም ዝልለዩ ነይሮም: እቶም ጌስታፖኸ ብኸመይ ይሕዝዎም ነበሩ፧ (4) ኣሕዋትና ኽፍትሑ ኢሎም እንታይ ንኽገብሩ ኢዮም ፍቓደኛታት ዘይነበሩ፧ (5ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ስርዓት ሂትለር ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዒ ብግህዶ ኽቃወምዎ ዝጀመሩ መዓስን ብኸመይን ኢዮም፧ (5ለ) ሂትለር ነዚ ብኸመይ መለሰሉ፧ (6) ህዝቢ የሆዋ በቲ ዝገበርዎ ምትሕግጋዝ ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ህይወቶምን ህይወት ካልኦትን ዘድሓኑ ብኸመይ ኢዮም፧ (7) ኣብ መዳጐኒ ደምበ እንታይ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ኢየን እተዳለዋ፧ (8) ዝመጸ እንተ መጸ ንየሆዋ ዘሎካ ንጽህና ንምሕላው ዘነቓቕሑኻ ኣየኖት እሙናት ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን መንእሰያት ኢዮም፧ (ናይ 1999 ዓመት መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ገጽ 144-7 እውን ርአ።) (9) ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃንካ መጠን እዛ ቪድዮ እዚኣ ኻብ ዓለም ብዛዕባ ዘይምዃን እንታይ ስምዒት ኣሕዲራትልካ፧
3 እቲ ኣብዛ ስታንድ ፈርም ዘርእስታ ቪድዮ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ዘተባብዕ ኣብነት: ንመንእሰያትናን ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ መንእሰያትን እውን ከይተረፈ ንዘይምጽዋር: ናይ መዛኑ ጸቕጢ: ከምኡውን ንሕልና ዝምልከት ኣገዳሲ ጕዳያት ብዓወት ንኽዋጽኡሉ ይሕግዞም ኢዩ። ተማሃራይ ማእከላይ ወይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እንተድኣ ዄንካ: መምህራንካ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ ክፍሊ ንኽጥቀሙላ ኽትህቦም ትኽእልዶ፧ ምናልባት ቅዳሕ ናይዛ ቪድዮ እዚኣ ሒዝካ ብምኻድ ብብዙሓት ዘይፍለጥ ታሪኽ ከም ዝሓዘት ወይ ድማ ብዛዕባ ሞራል ትምህርቲ እትህብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝሓዘት ፊልም ምዃና ኽትገልጸሎም ትኽእል ኢኻ።
4 እዛ ስታንድ ፈርም ዘርእስታ ቪድዮ ነቲ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ንምግባር ጽኑዕ ብምዃን ንኣምላኽ ምእንቲ ኸተሐጕሶ: መለኮታዊ ትምህርቲ ብኸመይ ብርታዐ ኸም ዝህበካ እተርኢ ኢያ። (1 ቈረ. 16:13) ንዅሎም እቶም ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣርእዮም።