ገበርቲ ቓል ኩኑ—ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ
1 ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ገበርቲ ቓል ድማ እምበር ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕዶ የስተውዕሉሉ ኢዮም። (ያእ. 1:22) እዚ ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: ንኣምላኽ ናይ ከንፈር ኣገልግሎት ጥራይ ዘቕርቡሉ ሰባት ኣጸቢቑ ዝፈልዮም ኢዩ። (ኢሳ. 29:13) የሱስ: ዝድሕኑ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ጥራይ ከም ዝዀኑ ኣነጺሩ ገሊጹ ኢዩ።—ማቴ. 7:21
2 ኣምላኻዊ ተግባር ዘይብሉ ኣምልኾ ትርጉም የብሉን። (ያእ. 2:26) ስለዚ ንገዛእ ርእስና ‘እምነተይ ናይ ሓቂ ምዃና: ተግባራተይ ብኸመይ ኢዩ ዘረጋግጽ፧ ምስቲ ዝኣምኖ ብሓቂ ተሰማሚዐ ዝኸይድ ምዃነይ ዘርኢ እንታይ ኣሎ፧ ንየሱስከ ብኸመይ ኢየ ምሉእ ብምሉእ ክቐድሖ ዝኽእል፧’ ኢልና ክንውከሳ ይግብኣና። ነዚ ሕቶታት እዚ ቅኑዕ መልሲ ምሃብ: ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዝገበርናዮ ወይ ጌና ክንገብሮ ዘድልየና ምዕባለ እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ።
3 ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን: ከምቲ በቲ ጸሓፍ መዝሙር እተገልጸ ኣብ ናብራና ተመሳሳሊ ቀዳምነት ዝወሃቦ ሸቶ ክህልወና ኣለዎ:- “ኵሉ መዓልቲ ብኣምላኽ ንሕበን: ስምካውን ንዘለኣለም ነመስግን።” (መዝ. 44:8) ክርስትና ኣብ መዓልቲ መዓልትን ኣብ ኵሉ እንገብሮ ዘበለን ዝግለጽ ኣነባብራ ኢዩ። ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና እቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ዘሎና ልባዊ ባህጊ ክንገልጽ ከሎና ኣየ ከመይ ዝበለ ዕግበት ኰን ኢና እንረክብ!—ፊል. 1:11
4 ንየሆዋ ምውዳስ: ጽፉፍ ናብራ ካብ ምንባር ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ:- ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ሰናይ ጠባይ ጥራይ እንተዝኸውን ነይሩ: ባህርያትና ኣብ ምእራም ጥራይ መተኰርና ነይርና። ይኹን እምበር: ኣምልኾና ነቲ ናይ የሆዋ ደግነት ምእዋጅን ንስሙ ብግልጺ ምእማንን ዘጠቓለለ ኢዩ!—እብ. 13:15፣ 1 ጴጥ. 2:9
5 ናይቲ ብስራት ህዝባዊ ስብከት ሓደ ካብቶም እንፍጽሞም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዕዮታት ኢዩ። የሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘምጽኣሎም ስለ ዝፈለጠ ነዚ ዕዮ እዚ ገዛእ ርእሱ ወፍዩ ኢዩ። (ዮሃ. 17:3) ሎሚውን ‘ኣገልግሎት እዚ ቓል እዚ’ ኣገዳሲ ኢዩ: ሰባት በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢዮም ክድሕኑ ዝኽእሉ። (ግብ. 6:4፣ ሮሜ 10:13) ነቲ ዘምጽኦ ሰፊሕ ጥቕሚ ብምግንዛብ: ጳውሎስ ‘ነቲ ቓል ብህጹጽ ክንሰብኽ’ ዝመዓደና ምኽንያት ከነማስወሉ ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 4:2
6 ንየሆዋ ምውዳስ ኣብ ናብራና ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክዝውተር ዘለዎ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣእምሮኡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝገለጸ። ንሕናኸ ከምኡዶ ኣይኰነን ዝስምዓና፧ እወ: ካብ ቤት ናብ ቤትውን ክንዓዪ ኢና: ምስ ሰባት ክንራኸበሉ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ኸኣ ብዛዕባ ስም የሆዋ ንምዝራብ ዘኽእለና ፍሉይ ኣጋጣሚ ጌርና ኢና እንወስዶ። ዕላልና ናብ መንፈሳዊ ነገራት ኣቢልና ንኸነቃንዖ ዝሕግዘና ምቹእ ኣጋጣሚ ሃስስ ክንብል ኢና። ብተወሳኺ ኣብቲ ብጉባኤ እተመደበ ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈታት ስርዓታውያን ኰይንና ክንካፈል ክንጽዕር ኢና። ብዛዕባ ጽሑፋት ምዕዳልን ብዙሓት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ብዝብል ዕላማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ንቑሓት ክንከውን ይግብኣና። እቶም ኵነታቶም ዘፍቅደሎምን ስራሕ ዘይብሎምን ነቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ኣዕዚዞም ክሓስብሉ ይኽእሉ ኢዮም: ምኽንያቱ እዚ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኣብ ናብራና መዓልቲ መዓልቲ ቀዳምነት ክንህቦ ዝሕግዘና ኢዩ። ቃል አምላኽ ኵሉ ግዜ ገበርቲ ቓል ብምዃን ሕጉሳት ክንከውን ከም እንኽእል የረጋግጸልና ኢዩ።—ያእ. 1:25