ሕጕሳት “ገበርቲ ቓል”
“ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከአሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ: . . . ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።”—ያእቆብ 1:21, 22
1. እታ ናይ 1996 ዓመታዊት ጥቕስና ብኸመይ ኢያ ክትርአ ዘለዋ፧
“ገበርቲ ቓል ኩኑ።” እዛ ሓጻር ሓሳባት እዚኣ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘት ኢያ። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ “መልእኽቲ ያእቆብ” ኢያ ተወሲዳ: ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓመታዊ ጥቕሲ ኰይና ድማ ን1996 ኣብ መንግስቲ ኣዳራሻት ክትርአ ኢያ።
2, 3. ያእቆብ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ መልእኽቲ ክጽሕፍ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ያእቆብ: በዲኡ ሓዉ ንጐይታ የሱስ: ኣብታ ቀዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ ኣብ ዝነበረ ሓደ ኣጋጣሚ: ጐይታና ብውልቁ ንያእቆብ ድሕሪኡ ድማ ንዅላቶም ሃዋርያት ተራእይዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:7) ጸኒሑ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ብተኣምራታዊ መገዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሐ: ተኣኪቦም ንዝነበሩ ክርስትያን ጕጅለ ከምዚ በሎም:- “እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 12:17) ያእቆብ ንርእሱ ሃዋርያ እኳ እንተ ዘይነበረ: እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ነቶም ካብ ኣህዛብ እተለወጡ ሰባት ክግዘሩ ኣየድልዮምን ኢሎም ክውስኑ ከለዉ: ነቲ ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ናይቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣኼባ ከም ኣቦ መንበር ኰይኑ መሪሕዎ ኢዩ። ያእቆብ ነቲ ጕዳይ ጥርንፍ ኣበሎ እሞ: እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝጸንዐ ውሳኔ ድማ ናብ ኵለን ጉባኤታት ተላእከ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1-29
3 ብርግጽ: ናይ ያእቆብ ብሱል ምስትውዓል ብዙሕ ቁም ነገር ዝሓዘ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንገዛእ ርእሱ “ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ” ምዃኑ ብትሕትና ኣፍልጦ ሂቡ ኢዩ። (ያእቆብ 1:1) እታ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቱ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዝኸውን ናይ ጥዑይ ምኽርን ምትብባዕን ሃብቲ ዝሓዘት ኢያ። እቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ምስ ተሰብከ: ብጀነራል ሰስቲዩስ ጋሉስ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም እተገብረ ናይ ሮማውያን ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ከይተጀመረ ኸሎ ዳርጋ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኢያ ተወዲኣ። (ቈሎሴ 1:23) ጽንኩራት እዋናት ኢየን ነይረን: ኣገልገልቲ የሆዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይሁድ ፍርዱ ዳርጋ ኣብ ምውራዱ ምዃኑ ምሉእ ግንዛበ ነይርዎም ኢዩ።
4. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓቢ ምትእምማን ከም ዝነበሮም ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧
4 እቶም ክርስትያናት እቲኣቶም ድሮ ብምሉኡ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋትን መብዛሕትኡ ናይ ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋትን ነይርዎም ኢዩ። ካብቲ ናይ ቅድም ጽሑፋት ብዙሕ ግዜ ምጥቃሶም ከም ዝሕብሮ: እቶም ናይ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ብርግጽ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓቢ ምትእምማን ነበሮም። ብተመሳሳሊ: ሎሚ ንሕና ንቓል ኣምላኽ ብልቢ ከነጽንዖን ኣብ ናብራና ክንዓየሉን የድልየና። ምእንቲ ክንጽመም: እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝህብዎ መንፈሳዊ ምብርታዕን ምትብባዕን ኢዩ ዘድልየና።—መዝሙር 119:97፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:13
5. ሎሚ ፍሉይ መምርሒ እንደሊ ስለምንታይ ኢዩ: ኣበይከ ኢና እንረኽቦ፧
5 ሎሚ ወድሰብ ኣብ ገምገም ናይቲ ‘ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን [ዓቢ ጸበባ ትሓዓ ]’ ኢዩ ደው ኢሉ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:21) ድሕነትና መለኮታዊ መምርሒ ኣብ ምህላው እተመርኰሰ ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ንረኽቦ፧ ንትምህርትታት ናይቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ኣልባብና ብምኽፋት ኢዩ። እዚ ከምቶም ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ: “ገበርቲ ቓል” ናብ ምዃን ክመርሓና ኢዩ። ንቓል ኣምላኽ ብትግሃት ከነንብቦን ከነጽንዖን ንውዳሰ የሆዋ ድማ ክንጥቀመሉን ኣሎና።—2 ጢሞቴዎስ 2:15፣ 3:16, 17
ብሓጐስ ምጽማም
6. ምስ ፈተናታት ኣብ ምግጣም ሓጐስ ክንረክብ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ያእቆብ ነታ መልእኽቱ ክኸፍታ ከሎ: ነታ ካልኣይቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝዀነት ሓጐስ ይጠቅስ። ከምዚ ብምባል ድማ ይጽሕፍ:- “ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ: ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።” (ያእቆብ 1:2-4፣ ገላትያ 5:22, 23) ምስ ብዙሕ ፈተናታት ምግጣም ‘ዅሉ ሓጐስ’ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ እወ: የሱስ እውን ከይተረፈ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም። . . . ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ: ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም” በለ። (ማቴዎስ 5:11, 12) ናብቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሸቶ ገጽና ብሓይሊ ክንስጕም ከሎና: ኣብቲ ጻዕርና በረኸት የሆዋ ክዓስል ምርኣይ ሓጐስ ዝመልኦ ዕግበት ኣለዎ።—ዮሃንስ 17:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:7, 8፣ እብራውያን 11:8-10, 26, 35
7. (ሀ) ምእንቲ ክንጽመም ብኸመይ ክንሕገዝ ንኽእል፧ (ለ) ከም እዮብ: ብኸመይ ኢና ክንባረኽ እንኽእል፧
7 የሱስ ንገዛእ ርእሱ “ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ” ተጸሚሙ ኢዩ። (እብራውያን 12:1, 2) ነቲ ናይ የሱስ ተባዕ ኣብነት ተገዲስና ብምርኣይ: ንሕናውን ክንጽመም ንኽእል ኢና! ከምቲ ያእቆብ ኣብ መወዳእታ መልእኽቱ ጠቒስዎ ዘሎ: የሆዋ ነቶም ንጽህንኦም ዝሕልዉ ኣብዚሑ ኢዩ ዝባርኾም። ያእቆብ “እንሆ: ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ [ብምፍታው ኣዝዩ ለዋህን መሓርን ትሓዓ ] እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” ይብል። (ያእቆብ 5:11) እዮብ ናብ ጽቡቕ ጥዕናን ምስቶም ዘፍቅርዎ ኰይኑ ምሉእን ሕጕስን ናብራ ናብ ምስትምቓርን ምስ ተመልሰ ንጽህናኡ ብኸመይ ዓስቢ ከም ዝረኸበ እሞ ዘክሮ። ንጽህናኻ ምእንቲ ክትሕሉ ምጽማምካ ከም መዛዘሚ ናይዚ ሕጂ ንየሆዋ ከተገልግሎ ከሎኻ እትረኽቦ ሓጐስ ኰይኑ: ንዓኻውን ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኣብታ ተስፋ እተገብረላ ገነት ተመሳሳሊ ሓጐስ ከምጽኣልካ ይኽእል ኢዩ።
ጥበብ ምድላይ
8. ናይ ሓቅን ተግባራውን ጥበብ ብኸመይ ኢና እንረክብ: ኣብዚኸ ጸሎት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧
8 ናይ ቃል ኣምላኽ ህርኩት መጽናዕቲ ምግባርና: ምስቲ ተግባራዊ ኣወዓዕላኡ ተሓዊሱ: ኣብ መንጎ እዚ ጻዕረ ሞት ሒዝዎ ዘሎ ናይ ሰይጣን ብልሹው ኣገባብ ንዘጋጥመና ፈተናታት ክንጽመሞ ከም እንኽእል ብምግባር ኣምላኻዊ ጥበብ ከፍርየልና ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ጥበብ ብዛዕባ ምርካብ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ ያእቆብ ከምዚ ይብለና:- “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሓፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ: ከይተጠራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።” (ያእቆብ 1:5, 6) የሆዋ ንልመናና ከም ዝሰምዖ: ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ምቹእ ግዜን በቲ ንሱ ዝመደቦ መገድን ገይሩ ድማ ከም ዝምልሸሉ ካብ ልቢ: ምውልዋል ብዘይብሉ ምትእምማን ክንጽሊ ኣሎና።
9. ያእቆብ ንኣምላኻዊ ጥበብን ኣወዓዕላኡን ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
9 ኣምላኻዊ ጥበብ ካብ የሆዋ ዝርከብ ህያብ ኢዩ። ያእቆብ ንኸምዚ ዝበለ ህያባት ክገልጾ ኸሎ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ: ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ” ይብል። ያእቆብ: ጸኒሑ ኣብታ መልእኽቱ “ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። . . . እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ: ደሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት: ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ” ክብል ከሎ: ብሓቀኛ ጥበብ ዝርከብ ፍረ ኢዩ ገሊጹ።—ያእቆብ 1:17፣ 3:13-17
10. ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ሓቂ ዝነጻጸር ብኸመይ ኢዩ፧
10 ኣብዛ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ኣብ ናይ ህዝበ ክርስትያን ይኹን ወይ ኣብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት: መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣምለኽቲ ገለ መዝሙራት ናይ ምዝማር: ተደጋጋሚ ጸሎት ምናልባት ድማ ስብከት ናይ ምስማዕ ልምዲ ኣለዎም። ዝበዝሓ ሃይማኖታት ንመጻኢ ብሩህ ተስፋ ስለ ዘይርኣየን: ናይ ተስፋ መልእኽቲ ንምእዋጅ ዝዀነ ምትብባዕ ኣይህባን ኢየን። እቲ ናይ ኣምላኽ መሲሓዊት መንግስቲ ክቡር ተስፋ እውን ፈጺሙ ኣይጥቀስን ወይ ምሉእ ብምሉእ ጌጋ ምርዳእ ኢዩ ዘለዎ። የሆዋ ብዛዕባ ናይ ህዝበ ክርስትያን ሰዓብቲ ብትንቢት ከምዚ ይብል:- “ህዝበይ ክልተ ኽፉእ ገይሩ: ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ: ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት: ማይ ዘየዕቍር ነቓዕ ሓጽብታት ኵዒቶም እዮም።” (ኤርምያስ 2:13) ማያት ሓቂ የብሎምን። ሰማያዊ ጥበብ ስኢኖም ኣለው።
11, 12. (ሀ) መለኮታዊ ጥበብ ብኸመይ ኢዩ ከለዓዕለና ዘለዎ፧ (ለ) መለኮታዊ ጥበብ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘጠንቅቐና፧
11 ኣብ መንጎ እቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ኰን ኢዩ! በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ብርቱዕ ሓይሊ: ንምድሪ በቲ ናይታ እትመጽእ መንግስቱ ብስራት ገይሮም የዕለቕልቕዋ ኢዮም ዘለዉ። እቲ ንሳቶም ዝዛረብዎ ጥበብ ብጽኑዕ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ኢዩ። (ምስ ምሳሌ 1:20፣ ኢሳይያስ 40:29-31 ኣረኣእዮ።) ብርግጽ: ናይቲ ኣምላኽናን ፈጣሪናን ዓበይቲ ዕላማታት ኣብ ምእዋጅ ነቲ ናይ ሓቀኛ ፍልጠትን ምስትውዓልን ተግባራዊ ኣጠቓቕማ ይዓይሉ ኣለዉ። ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኵሎም ሰባት ‘በቲ ፍልጠት ፍቓዱ [ናይ ኣምላኽ] ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ክመልኦም’ ባህግና ክኸውን ኣለዎ። (ቈሎሴ 1:9) እዚ መሰረት እዚ ብምሓዝ: ኵላቶም ናእሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ኵሉ ግዜ ‘ገበርቲ ቓል ክዀኑ’ ክለዓዓሉ ኢዮም።
12 “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ተቓውሞ ከስዕበልና ዝኽእል ሓጢኣት ተጠንቅቐና ኢያ። ያእቆብ “ፍቁራት ኣሕዋተየ: እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ: ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን” ይብል። እወ: መለኮታዊ ምኽሪ ንምስማዕን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ቅልጡፋትን ህንጡያትን ክንከውን ኣሎና። ይኹን እምበር: ካብ ጌጋ ኣጠቓቕማ ናይታ “ንእሽቶ ኣካል:” ልሳን: ክንሕሎ ኣሎና። ብጃህራ: ሕማቕ ወረ: ወይ ውልቃዊ ሓሳብ ልዕል ብዘብል ዘረባ ገይራ: ልሳን ብምሳልያዊ መገዲ “ዓብዪ ዱር” ከተንድድ ትኽእል ኢያ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ኵሉ ሕብረትና ውርዝውናን ርእሰ-ግትኣትን ክንኵስኵስ የድልየና ኢዩ።—ያእቆብ 1:19, 20፣ 3:5
13. ‘ነቲ ትኹል ቃል’ ክንቅበሎ ኣድላዪ ዝኸውን ስምንታይ ኢዩ፧
13 ያእቆብ “ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ: ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከአሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ” ኢሉ ይጽሕፍ። (ያእቆብ 1:21) እዛ ስስዕቲ ዓለም: ምስቲ ቅድም ንዓይ ዝብል ናይ ርኣዩለይ: ናይ ፍቕረ-ንዋይ: ኣነባብራኣን ሕሱር ስነ-ምግባራን: ዳርጋ ኣብ ምሕላፋ ኢያ። “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:15-17) ስለዚ: ነቲ ‘ትኹል ቃል’ ክንቅበሎስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ! እቲ ብቓል ኣምላኽ እተዋህበ ጥበብ ምስቲ ኽፍኣት ናይዛ እናመሽመሸት እትኸይድ ዘላ ዓለም ርኡይ ፍልልይ ኢዩ ዘለዎ። ካብዚ ኽፍኣት እዚ ንዋላ ሓደ ኣይንደልን ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:1, 2) ካብቲ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ፈጺምና ከይንዘብል ምእንቲ ክንቈርጽ: ፍቕሪ ንሓቅን ኣብ ልብና እተተኽለ ብርቱዕ እምነትን ክህልወና የድሊ። ይኹን እምበር ቃል ኣምላኽ ምስማዕ እኹል ድዩ፧
“ገበርቲ ቓል” ምዃን
14. “ሰማዕቲ” ቓል ከምኡውን “ገበርቲ” ቓል ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
14 ኣብ ያእቆብ 1:22 ከምዚ ነንብብ:- “ገበርቲ ቓል ኩኑ: ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።” “ገበርቲ ቓል ኩኑ”! ኣብ መልእኽቲ ያእቆብ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኢዩ ብርግጽ ጐሊሑ ዘሎ። ጽን ንበል: “ከምኡ” ድማ ንግበር! (ዘፍጥረት 6:22) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ስብከት ምስማዕ ወይ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ናይ ላዕለ-ላዕሊ ኣምልኾ ምክፋል እኹል ኢዩ ይብሉ: ይኹን እምበር ካብዚ ንላዕሊ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይገብሩን ኢዮም። በቲ ናታቶም መዓቀኒ ‘ጽቡቕ ህይወት’ ክሳዕ ዝነበሩ እኹል ምዃኑ ይሓስቡ ይዀኑ። እንተዀነ ግን የሱስ ክርስቶስ “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” ኢዩ ዝበለ። (ማቴዎስ 16:24) ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ብዝምልከት ኣብነት የሱስ ንምስዓብ: ናይ ርእሰ-መስዋእቲ ስጕምትን ምጽማምን ካብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብርግጽ ዝድለ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እቲ ዝተንስአ የሱስ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ክእዝዝ ከሎ ዝነበረ: ሎሚ ፍቓድ ኣምላኽ ንእኦም ልክዕ ከምኡ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19) ኣብዚ መዳይ እዚ ከመይ ትኸይድ ኣሎኻ፧
15. (ሀ) ያእቆብ: ከም “ገበርቲ ቓል” መጠን ብኸመይ ሕጕሳት ክንከውን ከም እንኽእል ዘርኢ: እንታይ ምሳሌ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ናይ ላዕለ-ላዕሊ ኣምልኾ ጥራይ እኹል ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ናብ ቃል ኣምላኽ ኣትኲርና ምጥማት እንተድኣ ቀጺልና: እንታይ ዓይነት ሰባት ምዃንና ብምንጽብራቕ ልክዕ ከም መስትያት ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ያእቆብ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።” (ያእቆብ 1:23-25) እወ: ሕጕስ ‘ገባር ቃል’ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ናይ ክርስትያናዊ ናብራና “ገበርቲ” ክንከውን ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ላዕለ-ላዕሊ ኣምልኾ ጥራይ እኹል ኢዩ ኢልና ብምሕሳብ ንገዛእ ርእስና ፈጺምና ኣይንጠብራ። ያእቆብ ቀናኣት ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ሸለል ዝበልዎ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ መዳያት ክንሕሉ ይመኽረና ኢዩ። ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።”—ያእቆብ 1:27
16. ኣብርሃም “ዓርኪ የሆዋ” ዝዀነ በየናይ መገድታት ኢዩ: ብኸመይ ኢናኸ ናይ የሆዋ ዕርክነት ክንረክብ እንኽእል፧
16 ‘ኣብ ኣምላኽ እኣምን ኢየ:’ ጥራይ ምባል ካብኡ ድማ ዘይምሕላፍ: እኹል ኣይኰነን። ከምቲ ያእቆብ 2:19 ዝብሎ:- “ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትአምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ: ኣጋንንቲውን ይአምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።” ያእቆብ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና” ኣጕሊሑ ኢዩ: ከምኡውን ንኣብርሃም ብምጥቃስ “እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት: እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት” ይዛረብ። (ያእቆብ 2:17, 20-22) ናይ ኣብርሃም ግብሪ: ንዓጽመ-ስጋኡ ደገፍ ምሃብ: ግሽነት ምቕባል: ንይስሃቕ ክስውኦ ድልው ምዃን: ከምኡውን ኣብቲ ብዛዕባ እታ “መሰረት ዘለዋ ኸተማ:” እትመጽእ መስሓዊት መንግስቲ: ዝገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ ዝነበሮ ዘይነቓነቕ እምነት ‘ብግልጺ ምእዋጅ’ ዘጠቓለለ ኢዩ። (ዘፍጥረት 14:16፣ 18:1-5፣ 22:1-18፣ እብራውያን 11:8-10, 13, 14፣ 13:2) ኣብርሃም ‘ዓርኪ የሆዋ ክበሃል’ ግቡእ ኢዩ። (ያእቆብ 2:23 ትሓዓ ) ኣብታ እትመጽእ ጽድቃዊት መንግስቲ ዘሎና እምነትን ተስፋን ብንጥፈት ብዝኣወጅና መጠን ንሕናውን ‘ኣዕሩኽ የሆዋ’ ክንቍጸር ንኽእል ኢና።
17. (ሀ) ረሃብ ‘ጻድቕ እተባህለት’ ስለምንታይ ኢያ: ብኸመይከ ኢያ ዓስቢ ዝረኸበት፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም ‘ገበርቲ ቓል ዝዀኑ’ እንታይ ነዊሕ ዝርዝር ኢዩ ዝህብ፧ (ሐ) እዮብ ብኸመይ ኢዩ ዓስቢ ዝረኸበ: ስለምንታይከ፧
17 እቶም ‘ገበርቲ ቓል ዝዀኑ’ ሰባት: ብርግጽ ‘ብእምነት ጥራይ ዘይኰነስ ብግብሪ ኢዮም ዝጸድቁ።’ (ያእቆብ 2:24) ረሃብ ኣብቲ ብዛዕባ ዓበይቲ ግብርታት የሆዋ ዝሰምዓቶ “ቓል” ዝነበራ እምነት: ግብሪ ዝወሰኸትሉ ሰብ ኢያ። ንሳ ነቶም እስራኤላውያን ሰለይቲ ሓቢኣቶም ክሃድሙ ድማ ሓጊዛቶም ኢያ: ድሕርዚ ኸኣ ንስድራቤት ኣቦኣ ንኽድሕኑ ኣከበቶም። ኣብ ትንሳኤ እቲ ብግብሪ እተደገፈ እምነታ: ናይ መሲሕ እኖሓጎ ክትከውን ከም ዘኽኣላ ምስ ፈለጠትሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ክትሕጐስ ኢያ! (እያሱ 2:11፣ 6:25፣ ማቴዎስ 1:5) እብራውያን ምዕራፍ 11 ነዊሕ ዝርዝር ናይቶም እምነቶም ኣብ ምግላጽ ‘ገበርቲ ዝዀኑ’ ካልኦት ትህብ: ብዙሕ ዓስቢ ድማ ክረኽቡ ኢዮም። ነቲ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ፈተና “ስም [የሆዋ ትሓዓ ] ይባረኽ” ዝበለ እዮብ እውን ክንርስዖ ኣይግብኣናን። ድሮ ርኢናዮ ከም ዘሎና: እምነቱን ግብሩን ዓቢ ዓስቢ ኣፍርይሉ ኢዩ። (እዮብ 1:21፣ 31:6፣ 42:10፣ ያእቆብ 5:11) ብተመሳሳሊ: ሎሚ ከም “ገበርቲ ቓል” ኴንና ምጽማምና ስምረት የሆዋ ከምጽኣልና ኢዩ።
18, 19. እቶም ንነዊሕ ግዜ እተጨቆኑ ኣሕዋት ‘ገበርቲ ቓል ዝዀኑ’ ብኸመይ ኢዮም: እቲ ንጥፈቶምከ እንታይ በረኸት ኢዩ ዘምጽአ፧
18 ካብ መንጎ እቶም ንዓመታት ዝኣክል ብዙሕ እተጸመሙ: ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣሕዋትና ኢዮም። ሕጂ እቲ ብዙሕ ቀይድታት ኣልጊሱ ኢዩ: እዚኣቶም ኣብቲ ሓድሽ ከባቢኦም ብሓቂ ‘ገበርቲ ቓል ኰይኖም’ ኣለዉ። ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ሚስዮናውያንን ፓይነራትን: ኣብ ምምሃርን ምምሕዳርን ንኽሕግዙ ናብቲ ቦታ ተንቀሳቒሶም ኢዮም። እቲ ናይ ፊንላንድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈትን: ናይ ህንጻ ክኢላታት ልኢኸን ኣለዋ: እቲ ለጋስ ዓለምለኻዊ ሕውነት ድማ ነቲ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን መንግስቲ ኣዳራሻትን ህንጻ ዝኸውን ገንዘብ ከፊሉ ኢዩ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 8:14, 15 ኣረኣእዮ።
19 እዞም ንነዊሕ ግዜ እተጸቕጡ ኣሕዋት ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ብቕንኢ ኰን ኢዮም ዝመለሹ! ብምሳልያዊ መገዲ: ነቲ ኣብ ‘ዘይጊዜኡ’ ዝነበረ ዘይምቹእ ኣጋጣሚታት ምእንቲ ክጥቀምሉ ‘ዓዮምን ጽዒሮምን’ ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 4:10፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2) ንኣብነት: ኣብዚ ዝሓለፈ ሚያዝያ: ኣብቲ ጭቆና ኣዝዩ ሕሱም ዝነበረሉ ኣልባንያ: ብምሉኡ እቲ ቀረብ ናይታ “ስለምንታይ ኢያ ህይወት ብኽንድዚ ዝኣክል ሽግራት ተዋሒጣ ዘላ” ዘርእስታ ዜና ናይታ መንግስቲ: ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልትታት ጥራሕ ተዘርግሐ። እዚ ነቶም 3,491 ዝኣኽሉ—ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ 538 ዝዀኑ ንጡፋት ኣስፋሕቲ ዝበዝሑ—ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ እተሳተፉ ሰባት ብእተገብረ ዘገርም ምክትታል ኢዩ ተረኺቡ።
20. ናይዚ ቀረባ ግዜ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ እንታይ ኢዩ ዝሕብር: ብዙሓት ሰባትከ ብኸመይ ኢዮም ክሕገዙ ዝኸኣሉ፧
20 ካልኦት ሃገራት እውን ነቲ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናብ ልዕሊ 10, 000, 000 ዝወሰኸ ቝጽሪ ተኣክብቲ ዝኽሪ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይረን ኢየን። ኣብ ብዙሕ ቦታታት: እምነቶም ኣብቲ ዝኽሪ ብምስታፍን ብምዕዛብን እተበራተዐ ሓደስቲ ሰባት: ‘ገበርቲ ቓል ይዀኑ’ ኣለዉ። ንብዙሓት ካብ ሓደስቲ ብጾት ንኸምዚ ዝበለ መሰል ክበቕዑ ከነተባብዖም ምኸኣልናዶ፧
21. ምስ ዓመታዊ ጥቕስና ብምስምማዕ: እንታይ ስጕምቲ ኢና ክንስዕብ ዝግብኣና: ምስ እንታይ ሸቶኸ፧
21 ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ቀናኣት ክርስትያናትን ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ዘለዉ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባትን: ናብቲ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት: ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ይኹን ኣብቲ ናታ ምድራዊ ግዝኣት: ‘ዕላማ ኣቢልና ንምጕያይ’ ክንጽዕር ንቝረጽ። (ፊልጲ 3:12-14) ነቲ ሸቶ እቲ ንምርካብ ብዝከኣለና ምጽዓር ይሓተና። ሰማዕቲ ጥራይ ብምዃን ንድሕሪት እንምለሰሉ ግዜ ዘይኰነስ: ካብ ካልእ ግዚያት ብዝበለጸ ‘እንዓየሉን እንጸንዓሉን’ ኢዩ። (ሃጌ 2:4፣ እብራውያን 6:11, 12) ‘ነቲ ትኹል ቃል ብምቕባል’ ሕጅን ንዘለኣለምን ሕጕሳት ‘ገበርቲ ቓል ንኹን’።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ብሓጐስ እንጽመም ከመይ ገይርና ኢና፧
◻ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” እንታይ ኢያ: ብኸመይከ ኢና እንረኽባ፧
◻ ‘ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ገበርቲ ቓል ክንከውን’ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ከመይ ዝበለ ጸብጻባት ኢዩ “ገበርቲ ቓል” ንኽንከውን ከለዓዕለና ዘለዎ፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ንሕናውን ንመለኮታዊ ትምህርቲ ልብና እንኸፍት ይግበረና
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እዮብ ናብቲ ምስቶም ዘፍቅርዎ ኰይኑ ዘሕልፎ ምሉእን ሕጕስን ናብራ ብምምላሱ ንጽህናኡ ዓስቢ ረኺቡ ኢዩ