ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!—ነዚ ህጹጽ ግዜና ዝኾኑ መጽሔታት!
1 ንመፈጸምታ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: ንዓለም ዘናውጹ ፍጻመታት ይፍጸሙ ኣለዉ! ኣብ ከባቢና: ኣብዛ ዓለም እዚኣን ኣብቲ ቲኦክራቲካዊ ማሕበርን ዝግበሩ ነገራት እንተደኣ ኣስተንቲናሎም: ነቲ “ወንጌል” ናይታ መንግስቲ ክንሰብኽ ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ኢና። (ማር. 13:10) እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣገልግሎትና ብቕንኢ ክንምልእ ምኽንያት ክኾነና ኢዩ።
2 በቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ እንገብሮ ፍሉይ ዕዮ ኣገዳስነት ናይ መልእኽትና ክጋነን ኢዩ። ነታ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን እትዝርጋሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ክትወጽእ ብሃንቀውታ ክንጽበያ ኢና። ነዚ ዕዮ እዚ ዘሎና ምዉቕ ስምዒት ንምህናጽን ኣብ ዞባና ተገዳስነት ንምኹስኳስን: ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ትንቢታዊ ኣገዳስነት ናይዞም ዘናውጹ ናይ ዓለም ኩነታት ዘጋንኑ እዋናውያን ዓንቀጻት ከውጽኣ ኢየን። ኣብተን መጽሔታት ተገዳስነት ከልዕል ዝኽእል ኣቀራርባ ብኸመይ ከነዳሉ ንኽእል?
3 በዞም ዝስዕቡ ሰለስተ መሰረታውያን ደረጃታት ብምኽታል ውጽኢታዊ ኣቀራርባ ከተማዕብል ትኽእል ትኸውን:- (1) ካብ ሓንቲ ካብተን መጽሔታት በቶም ኣብ ናትካ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሰባት ተቐባልነት ዘለዎ ኣርእስቲ ምረጽ። (2) ካብቲ ኣርእስቲ ንተገዳስነት ናይቲ በዓል ቤት የለዓዕሎ ኢዩ ኢልካ ዝኣመንካሉ ሓደ ምሉእ ሓሳባት ወይ እተጠቕሰ ጥቕሲ ውሰድ። (3) ዕርክነታዊ ሰላምታ እተሓወሶ: ዘገድስ ጥቕሳዊ ሓሳባት ዘጕልሕ ሕቶ ወይ ምሉእ ሓሳባት ከምኡውን ነቲ መጽሔታት ክቕበልዎ ብትሕትና ዝዕድም ዘጠቓልል ኣቀራርባ ኣዳሉ። ክትርእዮ ከም እትኽእል እዚ ቀሊልን ዘይተሓላለኸን ኢዩ። ምናልባት ምስ ሓደ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዕዮ ምስኡ እትዓዪ ኣስፋሒ ተራኺብካ ኣቀራርባ ከተዳሉ ትኽእል ኢኻ።
4 እታ ናይ 22 ሚያዝያ ንቕሑ! ነቲ “እዚአንሲ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ድየን?” ዝብል ሕቶ ስለ እተልዕል: ካብ መጽሓፍ “ምምርማር” ገጽ 13 ኣብ ትሕቲ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝብል ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ብምባል ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ንትርጕም ናይዞም ኣብ ከባቢና ዝፍጸሙ ዘለዉ ናዕቢ ዘለዎም ፍጻመታት ክንመያየጠሎም ኢልና ኢና እንበጽሓኩም ዘሎና። ነዛ ዓንቀጽ እትብሎ ዘላ እሞ ኣስተብህልሉ . . .”
5 እታ ናይ 1 ሚያዝያ “ግምቢ ዘብዐኛ” “ሃይማኖት—ከይዝረበሉ እተኸልከለ ኣርእስቲ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ተልዕል። ነታ መጽሔት ከተበርክታ ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ብዙሕ ግዜ ሃይማኖት ኣዝዩ ዘካትዕ ስለ ዝኾነ ሓደ ካብቲ ክለዓል ዘይብሉ ኣርእስቲ ኢዩ ይበሃል። ብዛዕባዚ ንስኻ እንታይ ትብል?” ብድሕሪኡ ናብቲ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባት ኣመልክት።
6 ምናልባት ነታ “ሃይማኖታዊ ሓቂ ክብጻሕ ይከኣል ድዩ?” ዝብል ዓንቀጽ ዘለዋ ናይ 15 ሚያዝያ “ግምቢ ዘብዐኛ” ትጥቀም ትህሉ ትኸውን። በዚ ኣቀራርባ እዚ ጽቡቕ መልሲ ክትረክብ ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ሎሚ ብዙሓት ሃይማኖታት ስለ ዘለዋ ገለ ሰባት ሃይማኖታዊ ሓቂ ክብጻሕ ይከኣልዶ ኾን ይኸውን ኢሎም ይሓስቡ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣነን ንስኻን ነዛ ሕቶ እዚኣ ዘዕግብ መልሲ ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ትሕብር ኢያ። . . .”
7 ቅድሚ ናብቲ ናይ ምስክርነት ዕዮ ምኻድካ: ነቲ ኣቀራርባኻ ምእንቲ ክትለማመዶ: ስለምንታይ ንኣቀራርባኻ ምስ ካልእ ኣስፋሒ ኴንካ ዘይትለማመደሉ? ምናልባት ንውጽኢታውነትካ ከዕብን ዝያዳ ርእሰ–ምትእምማን ክህበካን ዝኽእል ሓገዝቲ ሓሳባት ኣብ ንሓድሕድኩም ክትወሃሃቡ ክትክእሉ ኢኹም።
8 ናይዚ ኣገባብ እዚ መወዳእታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን: ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ካብ ዓባይ ባቢሎን ንኸምልጡ ክንሕግዞም ጻዕርና ነዛይዶ። (ራእ. 18:4) ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብዚ ድሕሪ ሕጂ ዘይድገም ዕዮ ዓቢ ተራ ኢዮም ዝጻወቱ። የሆዋ ነዞም ጽቡቓት መሳርሒታት ንኽንጥቀመሎም ስለ ዝሃበና መመስገንቲ ኢና!