ሓገዝ ከም ዘድሊ ኣስተብሂልካዶ?
1 የሆዋ ከም ሓጋዝን መዕቆብን ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። ኣብ ዘድልየና እዋን ክሕግዘና ክንሓቶ ከም እንኽእልን ከም ዝሕግዘናን ንፈልጥ ኢና። (መዝ. 18:2፣ 46:1) ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ እነስተብህለሉ እዋን ንኻልኦት ሓገዝ ብምሃብና ነዚ ናይ ድንጋጽ ባህሪ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና።
2 ሓደ ሰብ ንኻልእ ክሕግዝ ፍሉይ ጻዕሪ ክገብር ዝድርኾስ እንታይ ኢዩ? ዝበዝሑ ሰባት ነዚ ምግባር ፍቕራውን ሕያውነታውን ነገር ምኾኑ ይፈልጥዎ ኢዮም። ብርግጽ ቃል ኣምላኽ ከምኡ ምግባር የተባብዕ ኢዩ። (ሮሜ 15:1) ጳውሎስ ‘ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእስና ዝሕሸና ከይንጥምት’ ምዒዱና ኣሎ።—ፊል. 2:4
3 ነዚ ክንገብሮ ከሎና ኵልና ሓጐስ እንረኽበሉ ነገር ኢዩ። (ግብ. 20:35) ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ጢሞቴዎስ ንኣሕዋቱ “ብንጹህ ልቢ ዝሓሊ” ብምባል ከም ኣብነት ጠቒሱዎ ኣሎ። (ፊል. 2:20) ሎሚውን ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ጉባኤታት ስለ ዘለዉና ሰናይ ኢዩ። ይኹን እምበር ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ሓገዝ ከም ዘድሊ እንተድኣ ኣስተብሂልና ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ።
4 ገሊኦም ዝሓሸ ኣቓልቦ ክወሃቦም ከም ዘድልዮም ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ? ምናልባት ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ ኣብ ሆስፒታል ይህልዉ እሞ ዉሑዳት ጥራይ ይብጽሕዎም ይኾኑ: ወይ ድማ ሓደ ይስንክል ይኸውን ግን ዝለኣኾ ወይ ድማ ናይ ገዛ ዕዮ ዝሕግዞ ዘይብሉ ይኸውን። የሱስ ነቶም ንየሆዋ ዘገልግልዎ ኣብ ንሓድሕዶም ብቕንዕና ዝተሓላለዩ ኣባላት ናይ ስድራቤት ገይሩ ኢዩ ዝርእዮም። (ማር. 3:33–35) ኣብቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ: እቶም ኣብ የማናይ ኢድ ናይቲ ንጉስ ክኾኑ ሞጎስ ዝረኽቡስ ንኣሕዋት እቲ ንጉስ ምሉእ ሓገዝ ብምሃቦም ኢዮም።—ማቴ. 25:40
5 ብኸመይ ክሕግዝ ምኸኣልኩ? ናይ ብሓቂ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን: ሓገዝ ንምሃብ እንታይ ክግበር ምተኻእለ? ብገለ መገዲ ክንሕግዝ ኢልናስ ተበግሶ ክንወስድ ንኽእልዶ? ምናልባት ምትብባዕ ዘድልዮም ዓበይቲ ይህልዉ ይኾኑ: ይኹን እምበር ዝሕግዞም ቅርብ ዝበለ ብጻይ ኣይህልዎምን ይኸውን። ሓገዝ ዘድልዮም መንእሰያት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዘጽንዖም ኣስፋሒ ኣብ ዘይብሉ እዋን ብዙሓት ቈልዑ ዘለዎም ሓደስቲ ተገደስቲ ስድራቤት ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ብወለንትኡ ነቶም ቈልዑ ዝሕግዞም ክረኽቡ ከመስግንሉ ይኽእሉ ኢዮም።
6 ንሓቅን ንማሕበር የሆዋን ዘሎና ፍቕሪ እናዓበየ ምስ ዝኸይድ: ብሞሳ ከምኡውን ብሓልዮት ናይቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ንዓቢ ኢና። በዚ ዝመጸ: ጳውሎስ ልብና ከነግፍሕ ኣተባቢዑና ኣሎ። (2 ቈረ. 6:11–13) የሱስ ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ምርኣይና ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ምዃንና እነርእየሉ ቀዳማይ መገዲ ምዃኑ ኣጋኒኑ ኣሎ።—ዮሃ. 13:35
7 ስለዚ ሓገዝ ከም ዘድሊ ምስ እነስተብህል: ቅኑዕ ፍቕሪ ንኣሕዋትናን ንጉባኤን ተበግሶ ወሲድና ብእንኽእሎ መገዲ ክንሕግዝ ከለዓዕለና ኣለዎ። (ገላ. 6:9, 10) ንኻልኦት ከምዚ ገይርካ ምግዳስ ኣብ ዝጠበቐ ማእሰር ፍቕርን ሓድነትን ከሕብረና ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረ. 10:24) ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ነታ ጉባኤ ዘድሊ ክመልእ ብምሕጋዝ እጃምና ከነበርክት ኢና።