ትፈልጥዶ፧
የሩሳሌም ከምቲ የሱስ እተነበዮ ብቐጽሪ ተኸቢባ ድያ፧
የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም እተነበዮ ትንቢት፡ “ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ኪኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም” በለ። (ሉቃስ 19:43) ሮማውያን ብትእዛዝ ቲቶስ ብ70 ድ.ክ. ኣብ ዙርያ የሩሳሌም መካበብያ ምስ ሃነጹ፡ እቲ የሱስ እተነበዮ ቓላት ፍጻሜኡ ረኸበ። ቲቶስ ከምዚ ዝገበረሉ ሰለስተ ዕላማ ነበሮ። እዚ ኸኣ ኣይሁድ ምእንቲ ኸይሃድሙ፡ ብቐሊሉ ኢዶም ምእንቲ ኺህቡ፡ ከምኡውን ነቶም ተቐማጦ ኣጥምዩ ኸም ዚግዝእዎ ንምግባር እዩ።
እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ እዚ መካበብያ ንኺህነጽ ሓንሳእ ምስ ተወሰነ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ሮማውያን ክፍለ ሰራዊት ነቲ እተመደበሎም ክፋል እቲ መካበብያ ቐዲሞም ንኺውድኡ ንሓድሕዶም ይወዳደሩ ነበሩ። ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኽሳዕ 16 ኪሎ ሜተር ዚበጽሕ ብኣግራብ ተሸፊኑ ዝነበረ መሬት በረሰ፣ እቲ ኽሳዕ ሸውዓተ ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዚበጽሕ መካባብያ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ተዛዘመ። ጆሰፈስ ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ “ኣይሁድ ንኼምልጡ ዝነበሮም ተስፋ ፈጺሙ በነነ።” ጥሜት ስለ ዝነበረ፡ እቶም እተኸፋፈሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ድማ ንሓድሕዶም ይቃተሉ ስለ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቢሉ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ከበብታ ወደቐት።
ንጉስ ህዝቅያስ ናብ የሩሳሌም ዚኣቱ መትረብ ማይ ብሓቂዶ ሰሪሑ እዩ፧
ህዝቅያስ ኣብ መወዳእታ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ንጉስ ይሁዳ ነበረ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ምስታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ኣሶር ምስሕሓብ ነበሮ። ህዝቅያስ ንየሩሳሌም ካብ ኣሶር ንኬዕቝባን ነቲ ቐረብ ማያ ንኺሕልዎን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዝገበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ሓደ ኻብቲ ዝዓመሞ ዕዮ፡ ህንጸት እቲ ኻብ ዓይኒ ማይ ናብታ ኸተማ ዚኣቱ 533 ሜተር ዝንውሓቱ መትረብ፡ ወይ መስኖ እዩ።—2 ነገስት 20:20፣ 2 ዜና መዋእል 32:1-7, 30።
ኣብ መበል 19 ዘመን፡ እዚ መትረብ እዚ ተረኽበ። መትረብ ህዝቅያስ ወይ መትረብ ሰሊሆም ብዚብል ስም ከኣ ይፍለጥ። ኣብ ውሽጢ እቲ መትረብ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ዅዕታ እቲ መትረብ ዚገልጽ ጽሑፍ ተረኽበ። መብዛሕትኦም ምሁራት፡ ቅርጽን ኣጸሓሕፋን እቲ ፊደላት ብምርኣይ ኣብ ግዜ ህዝቅያስ ከም እተጻሕፈ ደምዲሞም እዮም። ዓሰርተ ዓመት ይገብር ግን፡ ገሊኣቶም እቲ መትረብ ድሕሪ 500 ዓመት ከም እተሃንጸ ርእይቶ ሂቦም ነይሮም። ብ2003 ሓንቲ ጕጅለ ተመራመርቲ እስራኤላውያን፡ ልክዕ ዕድመ እቲ መትረብ ንምውሳን ኣብ ዝገበረቶ ምርምር እንታይ ውጽኢት ከም እተረኽበ ዚገልጽ ጽሑፍ ኣሕተመት። ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ በጽሐት፧
ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጢ ዚሰርሕ ዶክተር ኣሞጽ ፍራምኪን ከምዚ በለ፦ “ኣብቲ መትረብ ሰሊሆም እተለሰነሉ ነገራት ብካርቦን-14 ዝገበርናዮ ምርምር፡ ከምኡውን ኣብቲ መትረብ እተረኸበ ኖራ ብዩራንዩም-ቶርዩም ምስ ተመርመረ፡ ኣብ ግዜ ህዝቅያስ እተሃንጸ ምዃኑ ብዘየጠራጥር መገዲ ሓበረ።” ኔቸር ኣብ እተባህለት መጽሔት ስነ-ፍልጠት ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ከምዚ በለት፦ “ሰለስተ መርትዖታት፡ ማለት ራድዮሜትሪክ ደይቲን [ዕደመ ጥንታዊ ነገራት ንምፍላጥ ዚሕግዝ ኣገባብ]፡ ፓለዮግራፊ [መጽናዕቲ ጥንታዊ ጽሑፋት]፡ ከምኡውን ታሪኻዊ ጸብጻብ፡ [እቲ መትረብ] ብ700 ቅ.ክ. ከም እተሃንጸ ይሰማማዕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንመትረብ ሰሊሆም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኻብ እተጠቕሰ ኣብ መዋእል ሓጺን እተሃንጸ ህንጻታት እቲ ዘተኣማምን ዕለት ዘለዎ ህንጻ ገበሮ።”