ንመንእሰያትና
የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ።
ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ማቴዎስ 4:1-11 ኣንብብ።
ነቲ የሱስ 40 መዓልቲ ዝጸንሓሉ በረኻ ግለጾ።
․․․․․
እቲ ፈታኒ እንታይ ዓይነት ድምጺ ዝነበሮ ይመስለካ፧ የሱስከ፧
․․․․․
ዝያዳ ምርምር ግበር።
ሰይጣን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኺጥቀመሉ ዝፈተነ ብኸመይ እዩ፧ (ቍጽሪ 2 እንደገና ኣንብብ።)
․․․․․
ድያብሎስ ንየሱስ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ክብረተን” እውን ዘርኣዮ ስለምንታይ እዩ፧ (ቍጽሪ 8 እንደገና ኣንብብ።)
․․․․․
ሰይጣን ንየሱስ፡ ገዛኢ ዓለም ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ብምሃብ ኪፍትኖ ዝደለየ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧
․․․․․
(ሀ) ነፍሲ ወከፍ እቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ፈተናታት፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባኡ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧ ․․․․․
(ለ) ብኣንጻሩ ግን፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ․․․․․
ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦
መብዛሕትኡ ግዜ መዓስ ፈተና ኸም ዜጋጥም።
․․․․․
ሰይጣን ንዓና ንምፍታን ኪጥቀመሉ ዚኽእል እተፈላለየ መገድታት።
․․․․․
ንፈተና ብኸመይ ከም እንቃወሞ።
․․․․․
ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
․․․․․