ሕቶታት ኣንበብትና
ገሊኡ ጸሎት ከይተመለሰ ዚተርፍ ስለምንታይ እዩ፧
ንኣምላኽ ብቐሊሉ ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና። ልክዕ ከምቲ ሓደ ፈቃር ኣቦ፡ ውሉዳቱ ብናጽነት ኪዛረብዎ ኸለዉ ዚሕጐስ፡ የሆዋ ኣምላኽ እውን ብጸሎት ክንቀርቦ ይደልየና እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ዝዀነ ይኹን ጥበበኛ ኣቦ ዚገብሮ፡ ኣምላኽ ንገሊኡ ልመና ዘይምልሰሉ ብቑዕ ምኽንያታት ኣለዎ። እዚ ምኽንያታት እዚ ዘይፍለጥ ድዩ ወይስ ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹ ኣሎ፧
ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ” ኢሉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:14) እቲ እንምልኖ ነገራት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። ገሊኦም ሰባት ሎተሪ ንኺበጽሖም ወይ ኣብ ምጥላዕ ንኺስዕሩ ብምጽላይ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ነገራት ይልምኑ። ገሊኦም ከኣ ብሕማቕ ድራኸ ይጽልዩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብኸምዚ ዓይነት ድራኸ ምጽላይ ግቡእ ኸም ዘይኰነ ኼጠንቅቕ ከሎ፡ “ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም” በለ።—ያእቆብ 4:3።
ንኣብነት፡ ክልተ ጋንታታት ኵዕሶ እግሪ ንኺስዕራ ይጽልያ ንበል። ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ጸሎት ኪምልሰሉ ኣይንጽበዮን ኢና። ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ግዜና ኣብ ዚግበር ውግእ ኺዕወቱ ዚጽልዩ ኽልተ ተጻረርቲ ወገናት እውን፡ ከምኡ ኺበሃል ይከኣል እዩ።
እቶም ንሕግታት ኣምላኽ ዚንዕቁ ሰባት ዜቕርብዎ ጸሎት ከንቱ እዩ። ሓደ እዋን፡ የሆዋ ነቶም ግቡዛት ኣምለኽቲ፡ “ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን” በሎም። (ኢሳይያስ 1:15) መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ “እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ” ይብል።—ምሳሌ 28:9።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ የሆዋ ንልባዊ ጸሎት እቶም ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዖም ኬገልግልዎ ዚጽዕሩ ኣምለኽቱ ወትሩ ይሰምዖ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኺበሃል ከሎ ንዅሉ እቲ ዝለመንዎ ነገራት ይህቦም ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ገለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እስከ ርአ።
ሙሴ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንሱ እውን እንተ ዀነ ‘ኸም ፍቓድ ኣምላኽ’ ገይሩ ኺሓትት ነበሮ። ኣብ ሓደ እዋን፡ “ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ . . . ክርኢ ዀታ ኣሕልፈኒ” ብምባል ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኣቱ ለመነ፣ እዚ ግን ምስ ዕላማ ኣምላኽ ዚጻረር ነበረ። ከመይሲ፡ ሙሴ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ናብታ ምድሪ ኸም ዘይኣቱ፡ ኣቐዲሙ ተነጊርዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንሙሴ ዝደለዮ ኣብ ክንዲ ዚገብረሉ፡ “ይአኽለካ፡ በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ” በሎ።—ዘዳግም 3:25, 26፣ 32:51።
ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ “ኣብ ስጋይ ግራጭ” ኢሉ ዝጸውዖ ነገር እፎይታ ኺረክብ ጸለየ። (2 ቈረንቶስ 12:7) እዚ “ግራጭ” እዚ ንሕዱር ሕማም ዓይኒ ወይ ነቲ ኻብ ተጻረርቱን “ኣሕዋት ሓሶት”ን ዚመጾ ዝነበረ ቐጻሊ መጥቃዕቲ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:26፣ ገላትያ 4:14, 15) ጳውሎስ፡ “እዚ ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንኩዎ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ኣምላኽ ግን፡ ጳውሎስ ነዚ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ’ ጸይሩ ስብከት እንተ ቐጺሉ፡ ሓይሊ ኣምላኽን ጳውሎስ ኣብኡ ዘለዎ ምሉእ ትውክልትን ብንጹር ከም ዜርኢ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ፡ ንጳውሎስ ዝደለዮ ኣብ ክንዲ ዚገብረሉ፡ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም” በሎ።—2 ቈረንቶስ 12:8, 9።
እወ፡ ኣምላኽ ካብቲ እንልምኖ ነገራት ኣየናዩ ንጥቕምና ምዃኑ፡ ካባና ብዝሓሸ ይፈልጥ እዩ። የሆዋ ወትሩ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ፍቕራዊ ዕላማታቱ ተሰማሚዑ፡ ንጥቕምና እዩ ዚምልሰልና።