ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/7 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መን እዮም ዚትንስኡ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎ ሓይሊ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ሲኦልን ሃደስን እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • እቲ እንኮ ፍታሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/7 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ኣብ ግዜ እርጋኑ ንኣምላኽ እሙን ብዘይምንባሩ: ኣይኪትንስእን እዩ ኢልና ኽንድምድም ንኽእልዶ፧—1 ነገስት 11:3-9

ሽሕኳ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብዘይ ጥርጥር ዚትንስኡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዚጠቅስ እንተዀነ: ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ኪትንስኡ ምዃኖም ፈልዩ ዚገልጽ ግን ኣይንረክብን ኢና። (እብራውያን 11:1-40) ንሰሎሞን ብዚምልከት ግን እቲ ንሱ ምስ ሞተ እተባህለ ነገራት: ምስቲ ኻልኦት እሙናት ሰባት ምስ ሞቱ እተባህለ ነገራት ብምውድዳር ፍርዲ ኣምላኽ እንታይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣፋፍኖት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ቅዱሳት ጽሑፋት ምውታት ኣብ ክልተ ዓይነት ኵነታት ከም ዘለዉ የርኢ። እዚ ድማ ግዝያውን ዘለኣለማውን ሞት እዩ። እቶም ንኺትንስኡ ብቑዓት ስለ ዘይኰኑ እተፈርዶም ሰባት: ናብ “ገሃነም” ወይ ከኣ ናብቲ “ቀላይ ሓዊ” እዮም ዚድርበዩ። (ማቴዎስ 5:22፣ ማርቆስ 9:47, 48፣ ራእይ 20:14) ካብዚኣቶም ድማ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን እቲ ኸዳዕ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩን እቶም ተቐማጦ ሶዶምን ጎሞራን ከምኡውን ካልኦት ኣምላኽ ፍርዱ ኺፍጽም ከሎ ዝሞቱን ይርከብዎም።a እቶም ዚትንስኡ ኸኣ ናብቲ መቓብር ደቅሰብ ዝዀነ ሲኦል ወይ ከኣ ሃደስ እዮም ዚኸዱ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢኦም ኪዛረብ ከሎ “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ” ይብል።—ራእይ 20:13

እምበኣር: እቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተመዝጊቦም ዚርከቡ እሙናት: ትንሳኤ እናተጸበዩ ኣብ ሲኦል ወይ ድማ ኣብ ሃደስ እዮም ዘለዉ ማለት እዩ። ካብዚኣቶም ድማ እቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሩ ኣብርሃምን ሙሴን ዳዊትን ይርከብዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣማውታኦም እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። የሆዋ ንኣብርሃም “ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ: ብጽቡቕ እርጋን ድማ ኽትቅበር ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 15:15) ንሙሴ ድማ “እኔኻ: ምስ ኣቦታትካ ኽትድቅስ ኢኻ” በሎ። (ዘዳግም 31:16) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳዊት ኣቦ ሰሎሞን “ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ: ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ተቐብረ” ይብል። (1 ነገስት 2:10) እታ “ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ” እትብል መግለጺት እምበኣር: ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ ሰብ ናብ ሲኦል ከይዱ ማለት እያ።

ሰሎሞን ምስ ሞተኸ ብዛዕባኡ እንታይ ተባህለ፧ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ኺህብ ከሎ “እቲ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ: ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐብረ” ይብል። (1 ነገስት 11:42, 43) ስለዚ: ሰሎሞን ኣብ ሲኦል ወይ ከኣ ሃደስ እዩ ዘሎ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።

እዚ መደምደምታ እዚ እቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ፈልዩ ‘ምስ ኣቦታቶም ደቀሱ’ ኢሉ ዚዛረበሎም ሰባት ኪትንስኡ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዜመልክት። ሓያሎ ኻብቶም ንሰሎሞን ዝተክእዎ ነገስታት እውን: ዋላኳ እሙናት ኣይንበሩ እምበር ‘ምስ ኣቦታቶም ደቀሱ’ እዩ ተባሂሉሎም። እዚ ዘይመስል ነገር ኣይኰነን: ከመይሲ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ልክዕ እዩ: እቶም “ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ምስ ተንስኡ ኢና መን ከም ዝተንስአ ኽንፈልጥ እንኽእል። (ዮሃንስ 5:28, 29 NW) ስለዚ: ብዛዕባ ሓደ ብግዜ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ ሰብ ኪትንስእ እዩ ወይ ኣይኪትንስእን እዩ ኢልና ኣፍና መሊእና ኣብ ክንዲ እንዛረብ: ነቲ ፍጹም ውሳነ የሆዋ ተኣማሚንና ኽንጽበ ይግባእ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 1 ሰነ 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 30-1 ተወከስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ