ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/7 ገጽ 32
  • “ኣይተለማለሙን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣይተለማለሙን”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/7 ገጽ 32

“ኣይተለማለሙን”

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 5:11) ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ምስ ትምህርትን ኣብነትን ክርስቶስ ብምስምማዕ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን:” ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ፖለቲካዊ ገለልትነቶምን ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነትን ብምሕላው ዝመጸ ጽኑዕ ኣቕዋም ስለ ዘለዎም: ኣዝዮም ሕጉሳት እዮም።—ዮሃንስ 17:14፣ ማቴዎስ 4:8-10

ሉተራዊ ናይ ሃይማኖት ምሁርን ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስን ቶማስ ፖል: ነቶም ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር: እንተላይ ኣብ ኤስቶኒያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሰድዎ ናይ ዘይምልምላም ስጕምቲ ኣመልኪቱ ኣብታ ኪሪክ ከሰት ኩላ (ኣብ ማእከል ቍሸት እትርከብ ቤተ-ክርስትያን) ዘርእስታ መጽሓፉ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ብዛዕባ እቲ 1 ሚያዝያ 1951 ንግሆ ዘጋጠመ ነገር ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ሰሚዖም። ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንደገፍቶምን ንምጥፋእ ሓደ ወፈራ ተመዲቡ ነበረ: ብጠቕላላ ድማ 279 ዝዀኑ ሰባት ተታሒዞም ናብ ሳይበርያ ተወስዱ። . . . ንኸይሕየሩን ንኸይእሰሩን ኬትርፎም ዚኽእል እምነቶም ከም ዝኸሓዱ ዚገልጽ ሓደ ፎርም ንኺመልኡ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም ነበረ። . . . ምስቶም ኣቐዲሞም እተኣስሩ ብድምር 353 ሰባት ተዳጐኑ: ካብዚኣቶም እንተ ወሓዱ 171 ሰባት ኣብተን ጉባኤታት ብምእካቦም ጥራይ እዮም ተኣሲሮም። ኣብ ሳይበርያ እውን ከይተረፈ ኣይተለማለሙን። . . . ሓያሎ ኣባላት [ሉተራዊት] ቤተ-ክርስትያን [ኤስቶኒያ]: ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣመሰለት እምነት የብሎምን።”

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መስጐጕቲ እናወረዶም ክነሱ እሙናትን እዙዛትን ንኪዀኑ ኣምላኽ ከም ዚሕግዞም እምንቶ ኣለዎም። ዓስቢ ተኣማንነቶም ብዙሕ ምዃኑ ምፍላጦም ሕጉሳት ይገብሮም።—ማቴዎስ 5:12

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ