ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/9 ገጽ 8-13
  • መንእሰያት—ንመንፈስ ዓለም ተጻረርዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንእሰያት—ንመንፈስ ዓለም ተጻረርዎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመንፈስ ዓለም ምልላዩ
  • መንፈስ ዓለም ዝንጸባረቐሉ መገድታት
  • ንመንፈስ ዓለም ምጽራሩ
  • “ካልእ መንፈስ” ምንጽብራቕ
  • ንመንፈስ ዓለም ትቃወሞዶ ኣሎኻ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • መንፈስ ኣምላኽ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይትቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢኻ እተርኢ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ን“መንፈስ ዓለም” ተጻረሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/9 ገጽ 8-13

መንእሰያት​—⁠ንመንፈስ ዓለም ተጻረርዎ

“ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።”​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠12

1, 2. (ሀ) ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ መንእሰያትን ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ መንእሰያትን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ንመብዛሕትኦም መንእሰያት ከመይ ዝበለ ምዉቕ ናእዳ ኢዩ ክወሃቦም ዝኽእል፧

ኣብ ኣውስትራልያ እትሕተም ዘ ሳን-ሄራልድ እተባህለት ጋዜጣ “እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ መንእሰያት ስነ⁠-​ምግባራዊ ቅጥዒ እተሓርሞ: እተነጽገን ዓለወኛን ኢዩ” በለት። ቀጺላ እውን ከምዚ ትብል:- “ብኸቢድ ገበን ተኸሲሶም ዝቐርቡ መንእሰያት ቍጽሮም [ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት] . . . ብ22 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ናይ ቤት ፍርዲ ጸብጻባት ይሕብር። ቍጽሪ ናይቶም ርእሰ-ቕትለት ዝፍጽሙ ንኣሽቱ ካብቲ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዝነበረ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። . . . እቲ ናይ ዕድመ ጋግ ከኣ ቝጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ንኣሽቱ ሓሽሽን ኣልኮልን ርእስኻ ናይ ምጥፋእ ተግባራትን ዘዘውትርሉ ግሁድ ወሽመጥ ኰይኑ ኣሎ።” ይኹን እምበር እዚ ዅነታት እዚ ኣብ ሓደ ሃገር ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ወለዲ: መምህራን: ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮ ብዅነታት መንእሰያት ይጕህዩ ኢዮም ዘለዉ።

2 ኣብ መንጎ እዞም ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም መንእሰያትን ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉ ጥዑያት መንእሰያትን ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓቢ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘሎ! ፍጹማት ስለ ዝዀኑ ኣይኰነን። ንሳቶም እውን እንተዀኑ ምስ “ትምኒት ጕብዝና” ይቃለሱ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠22) ብጕጅለ ደረጃ ክረኣዩ ኸለዉ ግን እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ብቘራጽነት ስጕምቲ ወሲዶም ኢዮም: ነቲ ኻብ ዓለም ዝመጾም ጸቕጥታት ከኣ ኢዶም ምሃብ ኣብዮም ኢዮም። ኣቱም ኣንጻር ‘ፍሕሶ ሰይጣን’ ኣብ እትገብርዎ ቃልሲ እትዕወቱ ዘሎኹም ኵሉኹም መንእሰያት ልባዊ ናእዳና ይብጻሕኩም! (ኤፌሶን 6:⁠11) ንሕናውን ከም ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣቱም [ኣጕባዝን ጐራዙትን]: ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩምን ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን: ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ: ጽሒፈልኩም አሎኹ” ዝብል ርእይቶ ክንህብ ንድረኽ ኢና።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠14

3. እታ “መንፈስ” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ኢዩ ክህልዋ ዝኽእል፧

3 ይኹን እምበር: ምስቲ እኩይ ኣብ እትገብርዎ ቃልሲ ብቐጻሊ ንኽትዕወቱ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “መንፈስ ዓለም” ዝብሎ ብውዕዉዕ መንፈስ ክትጻረርዎ ይግብኣኩም። (1 ቈረንቶስ 2:⁠12) ብመሰረት ሓደ ብዛዕባ ግሪኽኛ ዝዛረብ ጽሑፍ “መንፈስ” ክበሃል ከሎ “ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነፍሲ መሊኡን ተቘጻጺሩን ዝሕዝ ውሽጣዊ ዝንባሌ ወይ ጽልዋ” ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ነግራም ምዃኑ እንተድኣ ኣስተብሂልካሉ ሕማቕ “መንፈስ” ኢዩ ዘለዎ ክትብል ትኽእል ኢኻ። እቲ ዘሎካ “መንፈስ:” ውሽጣዊ ዝንባለ: ወይ ከኣ ኣተሓሳስባ ንምርጫኻ: ከምኡውን ንግብርታትካን ኣዘራርባኻን ይጸልዎ ኢዩ። እቲ ዘገርም ድማ ውልቀ⁠-​ሰባት ይኹኑ ጕጅለታት ገለ ዓይነት “መንፈስ” ከንጸባርቑ ይኽእሉ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጕጅለ ክርስትያናት “ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን” ብምባል ጸሓፈሎም። (ፊልሞን 25) ስለዚ እምበኣር እዛ ዓለም እዚኣ እንታይ መንፈስ ኢያ እተንጸባርቕ ዘላ፧ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ’ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ‘ተትሒዛ ስለ ዘላ’ መንፈስ ዓለም ጥዑይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እዝስ ሓቂዶ ኸይኰነ፧​—⁠1 ዮሃንስ 5:19

ንመንፈስ ዓለም ምልላዩ

4, 5. (ሀ) ኣባላት ጉባኤ ኤፌሶን: ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም እንታይ መንፈስ ኢዩ ጸልይዎም ዝነበረ፧ (ለ) “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” መን ኢዩ: እቲ “ኣየር” እቲኸ እንታይ ኢዩ፧

4 ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ: ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም: ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም: ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና: ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና: ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና።”​—⁠ኤፌሶን 2:1-3

5 እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት መገዲ ክርስትና ቅድሚ ምምሃሮም ከይተፈለጦም ሰዓብቲ ናይቲ “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኰይኖም ነበሩ። እቲ “ኣየር” ተባሂሉ ዘሎ ቃል ብቓሉ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዝነብሩሉ ስፍራ ማለት ኣይኰነን። ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ክጽሕፈን ከሎ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ ሰማይ ኢዮም ነይሮም። (ምስ እዮብ 1:⁠6፣ ራእይ 12:⁠7-12 ኣረኣእዮ።) እታ “ኣየር” እትብል ቃል መንፈስ ወይ ከኣ ንናይ ሰይጣን ዓለም ዓብሊሉዋ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ማለት ኢያ። (ምስ ራእይ 16:⁠17-21 ኣረኣእዮ።) ልክዕ ከምቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣየር: እዚ መንፈስ እዚ እውን ኣብ ኵሉ ስፍራ ኢዩ ዝርከብ።

6. “ስልጣን ኣየር” እንታይ ኢዩ: ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ዝዓዪ ዘሎኸ ብኸመይ ኢዩ፧

6 “ስልጣን ኣየር” ግን እንታይ ኢዩ፧ ምናልባት ነቲ እዚ “ኣየር” እዚ ኣብ ሰባት ዘለዎ ዓሚቝ ጽልዋ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ እዚ መንፈስ እዚ “ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ” ይዓዪ ከም ዘሎ ተዛሪቡ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር መንፈስ ዓለም መንፈስ ዘይምእዛዝን ዕልወትን ኢዩ ዘማዕብል: ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኸኣ ሓደ ካብቲ እዚ ስልጣን እዚ ዝዓየሉ መገዲ ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ ትብል:- “ኣብ ቤት ትምህርቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመጠኑ ዓለወኛ ክትከውን ኢዩ ዘተባብዓካ። ምስ ዕልወት እተተሓሓዘ ነገራት ክትገብር ከሎኻ እቶም መንእሰያት ዝያዳ የኽብሩኻ።”

መንፈስ ዓለም ዝንጸባረቐሉ መገድታት

7-9. (ሀ) መንፈስ ዓለም ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ዝንጸባረቐሉ ገለ መገድታት ጥቐስ። (ለ) ገለ ካብዚ መገድታት እዚ ኣብ ከባቢኻ ምህላዉ ተዓዚብካዶ ኣሎኻ፧

7 ኣብ ማእከል እዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት መንፈስ ዓለም ዝንጸባረቐሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧ ምድልሃቕን ዕልወትን ኢዩ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ክልተ ዓመታት ዝርከቡ ካብ 70 ሚእታዊት ንላዕሊ ዝዀኑ ናይ ኮሌጅ ተማሃሮ ኣብ እዋን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቀዲሖም ይሓልፉ ከም ዝነበሩ ምግላጾም ሓንቲ መጽሔት ትሕብር። ሕማቕን ናይ ምሕጫጭን ርኹስን ዘረባታት እውን ገኒኑ ኢዩ ዘሎ። ሓቂ ኢዩ እዮብን ሃዋርያ ጳውሎስን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ካብ ጽድቂ እተለዓዓለ ቍጥዓ ንምግላጽ ምናልባት ነቲ ገሊኦም ሰባት ከም ናይ ምሕጫጭ ኣዘራርባ ገይሮም ዝምልከትዎ ቃላት ተጠቒሞም ኢዮም። (እዮብ 12:⁠2፣ 2 ቈረንቶስ 12:⁠13) እቲ ካብ ሓያሎ መንእሰያት ዝስማዕ ሕሱም ምሕጫጭ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ማህሰይቲ ዘውርድ ቃላት ፈሊኻ ዝርአ ኣይኰነን።

8 መጠኑ ዝሓለፈ ምዝንጋዕ እውን ገለ ካብቲ መንፈስ ዓለም ዝንጸባረቐሉ መገድታት ኢዩ። መንእሰያት ዝኸድዎ ቤት ትልሂት: ወጋሕ ትበል ለይቲ ኢሎም ዝሓድርሉ ፓርትታትንa ቀይዲ ዘይብሉ ካልእ ዓይነት ጓይላን ኣብ መንእሰያት ቅቡል ኰይኑ ኣሎ። ብኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ሕሉፍ ምዃን እውን ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። መብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ካብቲ ወጀብጀብ ዝበለ ገፊሕ ክዳውንቲ ኣትሒዝካ ክሳዕ እቲ ኣዝዩ ዘደንጹ ቅድታት ከም እኒ ኣብ ከንፈር: ኣእዛን ወይ ሸፋሽፍትን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን ብምስቋር ወይ ብምጥባሕ ዝገብርዎ ነገራት ዓለወኛ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ከም ዘለዎም ኢዩ ዘንጸባርቕ። (ምስ ሮሜ 6:⁠16 ኣረኣእዮ።) ብፍቕረ⁠-​ንዋይ እተዓብለልካ ምዃን እውን ካልእ መንፈስ ዓለም ዝንጸባረቐሉ መገዲ ኢዩ። ብመሰረት ሓደ ፍሉጥ ጋዜጣ “ነጋዶ በቲ ብርቱዕ ጽልዋ ዘለዎ ናይ ረክላም ኣገባባትን በብዓይነቱ ቅድታትን ገይሮም ንመንእሰያት ብቐጻሊ ይድብድብዎም ኣለዉ።” ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዉ መንእሰያት ክሳዕ እቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝምረቕሉ ግዜ ብጠቕላላ 360,000 ብቲቪ ዝመሓላለፍ ረክላማት ይርእዩ። መዛንኹም እውን ክትዕድጉ ጸቕጢ ይገብርልኩም ይዀኑ። ሓንቲ ጓል 14 ዓመት መንእሰይ “ዝረኸብካዮ ሰብ ‘ተኸዲንክዮ ዘሎኺ ጐልፎ: ጃኬት: ወይ ጂንስ ዓይነቱ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ሕቶ ኵሉ ግዜ ኢዩ ዝሓትት” ትብል።

9 ሰይጣን ንዘይጥዑይ ሙዚቃ ካብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትሒዙ ርኹስ ጠባይ ንምልዕዓል ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ጸኒሑ ኢዩ። (ምስ ዘጸኣት 32:⁠17-19፣ መዝሙር 69:⁠12፣ ኢሳይያስ 23:⁠16 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር: ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል መስድዕን ርኹስን ቀይዲ ዘይብሉን ቃላት ዝሓዘ ደርፍታት ቅቡል ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ናይዛ ዓለም ርኹስ መንፈስ ዝንጸባረቐሉ ካልእ መዳይ ከኣ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9-11) ጋዜጣ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ትህብ:- “ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ብመዛኑኻ ተቐባልነት ንኽትረክብ ዝድለ ረቛሒ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። . . . ካብቶም ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ተማሃሮ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ኢዮም።” ኣብ ጋዜጣ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝርከብ ሓደ ዓንቀጽ ካብ 8 ክሳዕ 12 ዓመት ዘለዉ ቈልዑ “ናይ ጾታዊ ርክብ ድፍኢቶም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ” ዝብል መርትዖ ይጠቅስ። ሓንቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ጥሮታ ዝወጸት ኣማኻሪት ከኣ “ሻድሻይ ክፍሊ ዝበጽሓ ሒደት ጥኑሳት ክንርኢ ጀሚርና ኣሎና”b ትብል።

ንመንፈስ ዓለም ምጽራሩ

10. ካብ ክርስትያን ስድራቤታት ዝዀኑ ገለ መንእሰያት ብመንፈስ ዓለም እተሳዕሩ ብኸመይ ኢዮም፧

10 እቲ ዘሕዝን ግን ገለ ክርስትያን መንእሰያት ብመንፈስ ዓለም ምስዓሮም ኢዩ። ሓንቲ ጃፓናዊት ጓል ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ኣብ ቅድሚ ወለደይን ክርስትያናት ብጾተይን ሰናይ ኣቕዋም ነበረኒ። ይኹን እምበር ካልእ ዓይነት ገጽ ዘለዎ ናብራ እውን ነይሩኒ ኢዩ።” ኣብ ኬንያ እትነብር መንእሰይ ከኣ ከምዚ ትብል:- “ንገለ ግዜ ዝኸውን ፓርቲ ምኻድ: ሮክ ዝበሃል ዓይነት ሙዚቃ ምስማዕ: ከምኡውን ሕማቓት ኣዕሩኽ ዝሓዘ ክልተ ዓይነት ገጽ ዘለዎ ናብራ ኢየ ዝነብር ነይረ። እዚ ጌጋ ምዃኑ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ: ድሕሪ ገለ ግዜ ከቋርጽ ኢዩ ዝብል ተስፋ ብምግባር ሸለል በልክዎ። እንተዀነ ግን ኣየቋረጸን። እናገደደ ደኣ ኸደ።” ኣብ ጀርመን እትነብር ካልእ መንእሰይ ከኣ “ኵሉ ነገራት ምስ ዘይጥዑያት ሰባት ክተዓራረኽ ምስ ጀመርኩ ኢዩ ተበጊሱ። ድሕሪኡ ሽጋራ ከትክኽ ጀመርኩ። ንወለደይ ክጐድእ ኢየ ዝደሊ ነይረ: እንተዀነ ግን ገዛእ ርእሰይ ኢየ ጐዲአ።”

11. እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ሕማቕ ወረ ከውርዩ ኸለዉ ካሌብ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ካብ ምስዓብ እተሓለወ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ይኹን እምበር ንመንፈስ ዓለም ምጽራር: እወ ምንጻግ: ይከኣል ኢዩ። ነቲ ናይ ካሌብ ጥንታዊ ኣብነት ንርአ። እቶም ዓሰርተ ፈራሃት ሰለይቲ ብዛዕባ ምድሪ ተስፋ ሕማቕ ወረ ሒዞም ምስ ተመልሱ: ንሱን እያሱን ግን ኣይጃጀዉን ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ንምስዓብ እውን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ብትብዓት ድማ ከምዚ በሉ:- “እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ: ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ: ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ: ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና: ንሳውን ኪህበና እዩ።” (ዘሁልቍ 14:⁠7, 8) ካሌብ ንዅሉ እቲ ጸቕጥታት እቲ ንኽጻረሮ ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ፧ የሆዋ ብዛዕባ ካሌብ ‘ካልእ መንፈስ ነበሮ’ በለ።​—⁠ዘሁልቍ 14:⁠24

“ካልእ መንፈስ” ምንጽብራቕ

12. ብኣዘራርባ ዝመጸ “ካልእ መንፈስ” ከተንጸባርቕ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ሎሚ ካብቲ ናይ ዓለም እተፈልየ “ካልእ መንፈስ” ወይ ከኣ ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ንኸተንጸባርቕ ትብዓትን ጽንዓትን ዝሓትት ኢዩ። ሓደ ነዚ ክንገብረሉ እንኽእል መገዲ ኸኣ ኣኽብሮት ዘይብሉ ናይ ምሕጫጭ ኣዘራርባ ብምውጋድ ኢዩ። እታ ምሕጫጭ ተተርጒማ ዘላ “ሳርካዝም ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል ካብታ ቃል ብቓሉ “ከም ኣኽላባት ስጋ ምምንጫት” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ። (ምስ ገላትያ 5:⁠15 ኣረኣእዮ።) ልክዕ ከምቲ ኣስናን ከልቢ ካብ ዓጽሚ ስጋ ክምንጭት ዝኽእል: ምሕጫጭ ዘለዎ “ዋዛ” ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ሰብኣዊ ክብሮም ክገፎም ይኽእል ኢዩ። ቈሎሴ 3:⁠8 ግን “ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፤ ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ: ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ” ብምባል ትላበወኩም። ምሳሌ 10:⁠19 ኸኣ “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣየስአኖን: ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ” ብምባል ትገልጽ። ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት እንተድኣ ኣዋሪዱካ ‘እታ ኻልኣይቲ መትልሕካ ንኽትመልሰሉ’ ነፍስኻ ግታእ: እዚ ኸኣ ምናልባት ነቲ ብቓላቱ ዝበደለካ ሰብ ኣብ ብሕቱ ገይርካ ብህዱእን ሰላማውን መገዲ ብምዝራብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠39፣ ምሳሌ 15:⁠1

13. መንእሰያት ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዝመጸ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ከርእዩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

13 ብዘይካ እዚ “ካልእ መንፈስ” እተርእይሉ መገዲ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ምዕቃብ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ ጽቡቕ ነገራት ክህልወካ ምድላይ ባህርያዊ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ እኳ ንገዛእ ርእሱ እንተ ወሓደ ሓደ ክቡር ዝዋግኡ ክዳን ከም ዝነበሮ እተረጋገጸ ኢዩ። (ዮሃንስ 19:⁠23, 24) ይኹን እምበር: ነገራት ምውናን ካብ ኣእምሮኹም ዘይፍለ ዘጨንቕ ሓሳብ እንተድኣ ኰይንኩም እሞ ንወለድኹም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ክዕድጉልኩም ምኒን ትብሉ ወይ ንኻልኦት መንእሰያት ክትመስሉ ትደልዩ እንተድኣ ዄንኩም: መንፈስ ዓለም ካብቲ እትግምትዎ ንላዕሊ ይቈጻጸረኩም ስለ ዘሎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” ይብል። እወ: እቲ ናይ ፍቕረ⁠-​ንዋይ መንፈስ ዘንጸባርቕ ስልጣን እዛ ዓለም እዚኣ ክቈጻጸረኩም ኣይተፍቅዱ! በቲ ዘሎኩም ምዕጋብ ተማሃሩ።​—⁠1 ዮሃንስ 2:⁠16፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠8-10

14. (ሀ) ኣብ መዓልትታት ኢሳይያስ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዝንጋዕ ሚዛናዊ ዘይኰነ ኣመለኻኽታ ዝነበሮም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ገለ ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ኣብያተ⁠-​ትልሂትን ቀይዲ በተኽ ፓርትታትን ከመይ ዝበለ ሓደጋ ኢዩ ኣጓኒፍዎም፧

14 ንምዝንጋዕ ቦትኡ ምትሓዝ እውን ኣድላዪ ኢዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ በለ:- “እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ: ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም። መሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም አሎ: ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን: ነቲ ግብሪ ኣእዳዉ ኸኣ ኣይርእይዎን።” (ኢሳይያስ 5:⁠11, 12) እቲ ዘሕዝን ከኣ ገለ ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ቀይዲ ዘይብሉ ፓርቲ ተጸሚዶም ኢዮም። ገለ ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ኣብያተ⁠-​ትልሂት እንታይ ከም ዝፍጸም ምስ ተሓተቱ: ሓንቲ ጐርዞ “ኵሉ ግዜ ኢዩ ባእሲ ዘጋጥም። ኣነውን ኣብቲ ባእሲ ነይረ ኢየ” በለት። ሓደ መንእሰይ ሓው ወሲኹ “መስተ: ሽጋራ: ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ነይሩ ኢዩ” በለ። ሓደ ኻልእ መንእሰይ ሓው ድማ ከምዚ ብምባል ተኣመነ:- “ሰባት ይሰኽሩ። ዓያሱ ኢዮም ዝስርሑ! ሓሽሽ ኣሎ። ብዙሕ ሕማቕ ነገራት ይፍጸም። ኣብኡ ኬድካ ኣነ ኣይትንከፍን ኢየ ኢልካ ትሓስብ እንተድኣ ኴንካ ተጋጊኻ ኣሎኻ።” ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንቐይዲ በተኽ ድግስ ወይ ከኣ “ቀይዲ በተኽ ፓርቲ” ምስ “ግብሪ ስጋ” ክሰርዖስ ግቡእ ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠19-21 ትርጕም ባይንግተን፣ ሮሜ 13:⁠13

15. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምዝንጋዕ ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዝህብ፧

15 ጐዳኢ ዝዀነ መዘናግዒ ምውጋድ ሓጐስ ዘይብሉ ናብራ ከም እተሕልፍ ዝገብር ኣይኰነን። ብንእስነትኩም ባህ ክብለኩም ዝደሊ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኢና እነምልኽ! (1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11 NW ፣ መክብብ 11:⁠9) ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ “ጣዕሚ ንብረት [“ምዝንጋዕ:” ትርጕም ላምሳ ] ዚፈቱ ይደኪ” ብምባል የጠንቅቐና። (ምሳሌ 21:⁠17) እወ: ንምዝንጋዕ ኣብ ህይወትኩም ኣገዳሲ ቦታ ከም ዝሕዝ እንተድኣ ገይርኩምዎ: መንፈሳዊ ድኽነት ከጥቅዓኩም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብቲ ንምዝንጋዕ እትገብርዎ ምርጫ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስዓቡ። ክትሕጐስሉ እትኽእሉ: ዘፍርሰኩም ዘይኰነስ ዝሃንጸኩም ብዙሕ መዘናግዒታት ኣሎ።c​—⁠መክብብ 11:⁠10

16. ክርስትያን መንእሰያት ፍሉያት ምዃኖም ብኸመይ ኢዮም ከርእዩ ዝኽእሉ፧

16 ነቲ ናይ ዓለም ቅድታት ነጺግኩም ኣብ ኣከዳድናኹምን ኵለንትናዊ ኣቃውማኹምን ትሕትና ምንጽብራቕ እውን ፍሉያት ክገብረኩም ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠2፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9) ኣብ ሙዚቃ እትገብርዎ ምርጫ እውን ከምኡ ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠8, 9) ሓደ መንእሰይ ክርስትያን “ክድርብዮ ከም ዘሎኒ ዝርድኣኒ ሙዚቃ ኣሎኒ: ይኹን እምበር ኣዝዩ ባህ ዘብል ቃና ኣለዎ!” ይብል። ሓደ ካልእ ጎበዝ እውን ብተመሳሳሊ ከምዚ ኢሉ ይእመን:- “ሙዚቃ ስለ ዝፈቱ ንዓይ ከም ሓደ መፈንጠራ ኢዩ። ባህ ዘየብል ነገር ከም ዘለዎ እንተድኣ ተገንዚበ ወይ ከኣ ወለደይ እንተድኣ ነጊሮምኒ: ነቲ ሙዚቃ እቲ ብውሽጠይ ኣዝየ ስለ ዝፈትዎ ኣእምሮይ ንልበይ ክቈጻጸሮ ከገድዶ ኣሎኒ።” መንእሰያት ‘ውዲት ሰይጣን ኣይትስሓትዎ’! (2 ቈረንቶስ 2:⁠11) ንክርስትያን መንእሰያት ካብ የሆዋ ከርሕቖም ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ሰይጣን ሙዚቃ ይጥቀም ኢዩ! ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ብዛዕባ ራፕ: ሄቪ ሜታል: ከምኡውን ሮክ እተባህለ ሙዚቃ ተዘሪብሉ ኣሎ።d ይኹን እምበር ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ንዅሉ እቲ ክመጽእ ዝኽእል ሓድሽ ዓይነት መልክዕ ይኹን ኣቀነባብራ ዘለዎ ሙዚቃ ሓሳብ ክህበሉ ዘይከውን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሙዚቃ ክትመርጹ ከሎኹም “ናይ ምሕሳብ ክእለት” (NW ) ከምኡውን “ምስትውዓል” ተጠቐሙ።​—⁠ምሳሌ 2:⁠11

17. (ሀ) ፖር·ንያ ʹ እንታይ ኢዩ: እንታይከ ኢዩ ዘጠቓልል፧ (ለ) ብስነ⁠-​ምግባር ዝመጸ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧

17 መወዳእትኡ ኸኣ ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ክትኰኑ ይግብኣኩም። መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ብምባል ይምሕጸን። (1 ቈረንቶስ 6:⁠18) እታ ምንዝርና ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል ፖር·ንያ ʹ እትብል ክትከውን ከላ ንዅሉ እቲ ናይ ጾታ ክፍሊ ኣካላት ብምጥቃም ዝግበር ካብ መርዓ ወጻኢ ዝዀነ ብዕሉግ ጾታዊ ተግባራት እተመልክት ኢያ። እዚ ድማ ብኣፍ ዝግበር ጾታዊ ርክብን ደይመደይ ኢልካ ናይ ጾታ ክፍሊ ኣካላት ምድርራዝን ዘጠቓልል ኢዩ። ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት እዚ ምንዝርና ኣይኰነን ኢሎም ብምሕሳብ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ተጸሚዶም ኢዮም። ይኹን እምበር ቃል ኣምላኽ ኣነጺሩ ከምዚ ኢዩ ዝብል:- “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ: ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ: . . . ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ: እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።”​—⁠1 ተሰሎንቄ 4:3-4

18. (ሀ) ሓደ መንእሰይ ብመንፈስ ዓለም ካብ ምብካል ብኸመይ ክሕሎ ምኸኣለ፧ (ለ) ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧

18 እወ: ብሓገዝ የሆዋ ብመንፈስ ዓለም ካብ ምብካል ክትሕሎ ትኽእል ኢኻ! (1 ጴጥሮስ 5:⁠10) ይኹን እምበር: ሰይጣን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ መጻወድያታቱ ስለ ዝሓብኦ ሓደጋ ከም ዘሎ ንኽትፈልጥ ሓድሓደ ግዜ ብሓቂ ምስትውዓል ክሓትት ይኽእል ኢዩ። እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ መንእሰያት ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ንኸማዕብሉ ንምሕጋዞም ኢያ ተዳልያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ “ያንግ ፒፕል ኣስክ . . . ኣር ረይቭስ ሃርምለስ ፋን ፧ ” እትብል ኣርእስቲ ዘለዋ ናይ 22 ታሕሳስ 1997 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ።

b ደቂ 11 ዓመት ኣቢለን ዝዀና ቈልዑ።

c ርእይቶ ንምርካብ ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ካብ ገጽ 296-303 ርአ።

d ናይ 15 ሚያዝያ 1993 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።

ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት

◻ “መንፈስ ዓለም” እንታይ ኢዩ: ኣብ ልዕሊ ሰባት “ስልጣን” ዝህልዎኸ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት መንፈስ ዓለም ዝንጸባረቐሉ ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

◻ ብኣዘራርባን ምዝንጋዕን ዝመጸ ክርስትያን መንእሰያት “ካልእ መንፈስ” ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

◻ ብስነ⁠-​ምግባርን ሙዚቃን ዝመጸ ክርስትያን መንእሰያት “ካልእ መንፈስ” ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ትሕቲ “ስልጣን” መንፈስ ዓለም ከም ዘለዉ ብጠባዮም የርእዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ እትሰምዕዎ ሙዚቃ መረጽቲ ኹኑ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ንመንፈስ ዓለም ክትጻረሮ ትብዓት ይሓትት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ