መንእሰያት—ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ኣለማምድዎ!
“ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ [“እናተጠቕሙ: ” NW ] ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።”—እብራውያን 5:14
1, 2. (ሀ) ሕጂ ዘሎ ኵነታት ምስቲ ናይቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ጥንታዎት ክርስትያናት ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ክእለት ኢዩ ካብ ሓደጋ ከዕቝበኩም ዝኽእል: ነዚ ክእለት እዚኸ ብኸመይ ኢኹም ከተማዕብልዎ እትኽእሉ፧
“ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ።” (ኤፌሶን 5:15, 16) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ካብ ዝጽሕፈን ክልተ ሽሕ ዓመታት ስለ ዝገበረ ካብ ሽዑ ንነጀው ‘እኩያት ሰባትን ጠበርትን እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ በጺሖም ኢዮም።’ ኣብቲ “ክፉእ ዘመን” ወይ ብመሰረት ካልእ ትርጕም ኣብቲ “ሓደጋ ዝመልኦ” ግዜያት ኢና እንነብር ዘሎና።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13 ትርጕም ፊልፕስ
2 ይኹን እምበር ‘ጥበብ: ፍልጠት: ጥንቃቐ’ ብምዝውታር በቲ ኣብ መገድኹም ተጻዊዱ ክጸንሕ ዝኽእል ሓደጋታት ከም ዘይትጕድኡ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። (ምሳሌ 1:4) ምሳሌ 2:10-12 ከምዚ ትብል:- “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: ካብ ክፉእ መገዲ: ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ: ምኽሪ [“ናይ ምሕሳብ ክእለት:” NW ] ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።” ይኹን እምበር ነዚ ኽእለት እዚ ብኸመይ ኢኹም ከተማዕብልዎ እትኽእሉ፧ እብራውያን 5:14 “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ [“እናተጠቕሙ:” NW ] ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ” ትብለና። ልክዕ ከምቲ ዝዀነ ይኹን ክእለት ብምልምማድ ዝጥረ: ናይ ምስትውዓል ክእለት ንኸተጥሪ እውን ምልምማድ ይሓትት። እታ ጳውሎስ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ትርጕማ ‘ልክዕ ከም ሓደ ብምውስዋስ ኣካላት እተለማመደ ሰብ’ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ነዚ ምልምማድ እዚ ብኸመይ ኢኹም እትጅምርዎ፧
ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ኣለማምድዎ
3. ውሳነ ንምግባር ዝሓተኩም ነገራት ምስ ዘጋጥመኩም ንናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ብኸመይ ክትጥቀምሉ ምኸኣልኩም፧
3 እቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም—እቲ ቅኑዕ ካብ ጌጋ ናይ ምፍላይ ክእለትኩም—‘ምስ እትጥቀምሉ’ ኢዩ ክለማመድ ዝኽእል። ውሳነ ክትገብሩ ከሎኹም ኣብ ግምት ኰነ ስምዒት ተመርኲስካ ስጕምቲ ምውሳድ: ወይ ከኣ ደድሕሪ ብዙሓት ምስዓብ ጥበባዊ ምርጫ ኢዩ ክበሃል ኣይክእልን ኢዩ። ጥበባዊ ምርጫ ንምግባር: ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ክትጥቀሙ ኣሎኩም። ብኸመይ፧ ቅድም ቀዳድም ነቲ ኵነታት ኣጸቢቕካ ብምምርማርን እኹል ጭብጥታት ብምርካብን ኢዩ። ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ሕቶታት ሕተቱ። ርእይቶኹም እንታይ ምዃኑ ኣቐዲምኩም ወስኑ። ምሳሌ 13:16 “ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ” ትብለና። ቀጺልኩም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ዝዛረብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ወይ ስርዓት ኣየናይ ምዃኑ ንምፍላጥ ጽዓሩ። (ምሳሌ 3:5) ይኹን እምበር: ነዚ ንምግባር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ክህልወኩም ኣለዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “ዕጹም ብልዒ” ክንወስድ ማለት ንሓቂ “ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን” ክንማሃሮ ዘተባብዓና።—ኤፌሶን 3:18
4. ብዛዕባ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ፍልጠት ምጥራይ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ናብ ሓጢኣት ዝዘዘና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ከምኡ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 5:12) ኤርምያስ 17:9 “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ” ትብለና። ብኣምላኻዊ ስርዓታት እንተድኣ ዘይተመሪሕና: ንሓደ ክፉእ ነገር ስጋና ስለ ዝበሃጎ ጥራይ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ገይርና ብምሕሳብ ገዛእ ርእስና ከነታልል ንኽእል ኢና። (ምስ ኢሳይያስ 5:20 ኣረኣእዮ።) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ሳላ ትእዛዛትካ ኣእምሮ ረኸብኩ: ስለዚ ዅሉ መገዲ ሓሶት ጸላእኩ” ብምባል ጸሓፈ።—መዝሙር 119:9, 104
5. (ሀ) ገለ መንእሰያት ግጉይ መገድታት ዝሰዓቡ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ሓንቲ መንእሰይ ንሓቂ ናታ ዝገበረታ ብኸመይ ኢያ፧
5 ኣብ ናይ ክርስትያን ስድራቤት ዝዓበዩ ገለ ገለ መንእሰያት ግጉይ መገድታት ዝሰዓቡ ስለምንታይ ኢዮም፧ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ‘እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይመርመሩ ’ ደዀን ይኸውን፧ (ሮሜ 12:2) ገሊኣቶም ምስ ወለዶም ኣኼባታት ይካፈሉ ይዀኑ: ንገለ ካብቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብቓላቶም ክገልጽዎ ይኽእሉ ይዀኑ። ብዛዕባ እምነቶም መረጋገጺ ክህቡ ወይ ከኣ ንገለ ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ዕሙቝ ዝበለ ነገራት ክገልጹ ምስ ዝሕተቱ ግን ፍልጠቶም ላዕሊ ላዕሊ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ብቐሊሉ ክታለሉ ይኽእሉ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:14) እዚ ነገር እዚ ንዓኻ እውን ዝምልከት እንተድኣ ኰይኑ ለውጢ ንምግባር ቈራጽነት ዘይትገብር፧ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ይመራመር ነበርኩ። ንገዛእ ርእሰይ ከኣ ‘እዚ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ምዃኑ ብኸመይ እፈልጥ፧ የሆዋ ዝብሃል ኣምላኽ ከም ዘሎ ብኸመይ እፈልጥ፧’ እናበልኩ እሓትት ነበርኩ።”a ተጠንቂቓ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምምርማራ እቲ ካብ ወለዳ እተማህረቶ ነገራት ርግጽ ምዃኑ ብምርዳእ ከም እትኣምኖ ገይርዋ ኢዩ!—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:11 ኣረኣእዮ።
6. “ንጐይታ ዜሐጕሶ” እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ከተረጋግጹ ምኸኣልኩም፧
6 ብፍልጠት ስርዓታት የሆዋ እናተዓጠቕኩም ብዝኸድኩም መጠን “ንጐይታ ዜሐጕሶ” እንታይ ምዃኑ ብቐሊሉ ‘ክትምርምሩ [“ከተረጋግጹ:” NW ]’ ክትክእሉ ኢኹም። (ኤፌሶን 5:10) ይኹን እምበር ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ክትወስድዎ ዘሎኩም ጥበባዊ ስጕምቲ እንታይ ምዃኑ ርግጸኛታት ምስ ዘይትዀኑኸ፧ የሆዋ መሪሕነቱ ክህበኩም ጸልዩ። (መዝሙር 119:144) ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ወለድኹም ወይ ምስ ሓደ ብሱል ክርስትያን ተዘራረብሉ። (ምሳሌ 15:22፣ 27:17) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተዳለወ ጽሑፋትን ምርምር ብምግባር እውን ሓጋዚ መምርሒ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። (ምሳሌ 2:3-5) ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ክትጥቀምሉ ከሎኹም ዝያዳ እናተሳሕለ ኢዩ ዝኸይድ።
ኣብ ምዝንጋዕ ምስትውዓል ኣርእዩ
7, 8. (ሀ) ኣብ ገለ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ክትካፈሉ ዲኹም ኣይትካፈሉን ንምውሳን ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ብኸመይ ክትጥቀምሉ ምኸኣልኩም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምዝንጋዕ ዝህቦ ሓሳብ እንታይ ኢዩ፧
7 እስከ እምበኣር ሕጂ ኣብ ገለ ውሱን ኵነታት ብኸመይ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ክትጥቀምሉ ከም እትኽእሉ ንርአ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ከም እተዓደምኩም ገይርና ንሕሰብ። ነዚ ዘፋልጥ ናይ ዕድመ ወረቐት እውን ትቕበሉ ትዀኑ። ብዙሓት መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክህልዉ ምዃኖም ይንገረኩም። ነቲ ወጻኢታት መሸፈኒ ዝኸውን ገንዘብ ግን ክትከፍሉ ኢኹም። ኣብኡ ክትካፈሉ ዲኹም፧
8 ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ተጠቐምሉ። መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ዝህሉ ኵነታት ጭብጥታት ኣክቡ። እቲ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ክሳዕ ክንደይ ገፊሕ ኢዩ፧ በዓል መን ኢዮም ተዓዲሞም ዘለዉ፧ ሰዓት ክንደይ ኢዩ ዝጅምር፧ ሰዓት ክንደይከ ኢዩ ዝውዳእ፧ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ኢዩ ተመዲቡ ዘሎ፧ ብኸመይከ ኢዩ ምቍጽጻር ዝግበረሉ፧ ቀጺልኩም ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንዴክስ “ሶሻል ጋዘሪን ” ከምኡውን “ኢንተርተይመንት ” ዝብል ኣርእስትታት ርኣዩ።b እቲ እትገብርዎ ምርምር እንታይ ኰን ኢዩ ዝሕብረኩም፧ ሓደ ካብኡ ንኽትሕጐስ ኢልካ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ምግባር የሆዋ ዘይኵንኖ ምዃኑ ኢዩ። አረ መክብብ 8:15 እኳ “ንሰብሲ” ምስቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ሓዊስካ “ኻብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚሐይሽ የብሉን” ኢያ ትብለና። የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሳሕ ግብጃታት ከምኡውን እንተ ወሓደ ኣብ ሓደ መርዓ ተኻፊሉ ኢዩ። (ሉቃስ 5:27-29፣ ዮሃንስ 2:1-10) ብሚዛናዊ መገዲ እንተድኣ ተገይሩ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
9, 10. (ሀ) ገሊኡ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ከመይ ዝበለ ሓደጋታት ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ክትካፈሉ ዲኹም ኣይትካፈሉን ቅድሚ ምውሳንኩም እንታይ ሕቶታት ኢኹም ክትሓቱ እትኽእሉ፧
9 ይኹን እምበር: ግቡእ ምምሕዳር ዘይተገብረሉ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ጸገም ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:8 ገደብ ዘይብሉ ሕብረት ምግባር ብኸመይ ናብ ምንዝር ከም ዝመርሐ ከምኡውን “ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ” ዘይእሙናት እስራኤላውያን ከም ዝቕተሉ ዝገበረሉ ኵነታት ነንብብ። ካልእ ዘተሓሳስብ መጠንቀቕታ ኸኣ እቲ ኣብ ሮሜ 13:13 ዝርከብ “ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ: ብጓይላን መስተን ኣይኰነን: ብምንዝርን ዕብዳንን ኣይኰነን: ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን” ዝብል ቃላት ኢዩ። (ምስ 1 ጴጥሮስ 4:3 ኣረኣእዮ።) ሓቂ ኢዩ ኣብቲ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ክካፈሉ ዘለዎም ሰባት ክንድዚ ክዀኑ ኣለዎም ኢልካ ውሱን ቍጽሪ ክወሃብ ኣይክኣልን ኢዩ። ብተመክሮ ከም እተራእየ ግን ሓደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ገፊሕ እንተድኣ ዀይኑ ንኽትቈጻጸሮ ኣሸጋሪ ኢዩ። ግቡእ ምምሕዳር እተገብረሉ ንእስ ዝበለ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ናብ “ቀይዲ በተኽ ፓርቲ” ክቕየር ዘለዎ ኣጋጣሚ ጸቢብ ኢዩ።—ገላትያ 5:21 ትርጕም ባይንግተን
10 እቲ እትገብርዎ ምርምር ብዘይጥርጥር ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ካልእ ሕቶታት እውን ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ:- ገለ ብሱላት ዓበይቲ ክርስትያናት ኣብኡ ክህልዉ ድዮም፧ መንከ ኢዩ ዘዳልዎ ዘሎ፧ እቲ ዝግበር ምትእኽኻብ ጥዑይ ምሕዝነት ከም ዝህሉ ንምግባር ድዩ ወይስ ንረብሓ ውልቀ-ሰባት ኢዩ፧ እቶም ኣብኡ ክካፈሉ ዘለዎም ሰባት መነመን ክዀኑ ከም ዘለዎም እተገብረ ቀይድታት ኣሎዶ፧ እቲ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት እንተድኣ ዀይኑ: እቶም ዕዱማት ንጽባሒቱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምእንቲ ክካፈሉ ምኽንያታዊ ኣብ ዝዀነ ሰዓት ድዩ ዝውዳእ፧ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ክህሉ እንተድኣ ኰይኑኸ ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዝሰማማዕ ድዩ፧ (2 ቈረንቶስ 6:3) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ምሕታት ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ምሳሌ 22:3 “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ትብለና። እወ: ንናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ተጠቒምኩም ሓደገኛ ኵነታት ከተርሕቑ ትኽእሉ ኢኹም።
ብዛዕባ ትምህርትኹም ኣብ እትገብርዎ መደብ ምስትውዓል ተጠቐሙ
11. መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢ መደብ ከውጽኡ ከለዉ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ክጥቀሙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ መደብ ከተውጽእ ጥበባዊ ኢዩ ይብለና። (ምሳሌ 21:5) ምስ ወለድኹም ኴንኩምዶ ብዛዕባ መጻኢኹም ተመያይጥኩም ኢኹም፧ ምናልባት ፓይነራት ኴንኩም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትጅምሩ ትምድቡ ትዀኑ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ካብዚ ዝዓቢ ዕግበት ከምጽእ ዝኽእል ካልእ ሞያ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምድታት ብምዅስኳስ ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ክእለት ተማዕብሉ እንተድኣ ኣሊኹም ገዛእ ርእስኹም ነዚ ዘሐጕስ ሞያ እዚ ተዳልውዋ ኣሎኹም ማለት ኢዩ። እናኣገልገልኩም ብኸመይ ርእስኹም ክትክእሉ ምዃንኩምከ ሓሲብኩምሉዶ ኢኹም፧ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ስድራቤት ክትምስርቱ ምርጫኹም እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ተወሳኺ ሓላፍነታት ክትስከምዎ ትኽእሉ ዲኹም፧ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ሚዛናውን ኣብ ክዉንነት እተመርኰሰን ውሳነታት ንምግባር ናይ ምስትውዓል ክእለት ምጥቃም ይሓትት።
12. (ሀ) ገሊአን ስድራቤታት ምስቲ ዝለዋወጥ ቍጠባዊ ኵነታት ተሰማሚዐን ክኸዳ ዝመርጻ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ከም ሸቶኻ ገይርካ ገለ ተወሳኺ ትምህርቲ ክትወስድ ምድላይ ዝጋጮ ድዩ፧ ግለጾ።
12 ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ጠቓሚ ክእለት ወይ ከኣ ሞያ ዘለዎ ናይ ስራሕ ልምዲ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ካብቲ ናይ ወለዶም ስራሕ ዝማሃሩ ወይ ከኣ ምስቶም ዝውንንዎ ስራሕ ዘለዎም ዓበይቲ ኣሕዋት እናሰርሑ ልምምድ ዝረኽቡ መንእሰያት እውን ኣለዉ። ካልኦት ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ርእሶም ክኢሎም ንኽነብሩ ዘዕጥቖም እተፈላለየ ትምህርቲ ካብ ቤት ትምህርቶም ይቐስሙ ኢዮም። እተን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ኣብ ዘይርከበሉ ኣከባቢ ዝነብራ ስድራቤታት ግን እቶም ወለዲ ተጠንቂቖም ምስ ሓሰብሉ ውሉዳቶም ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተወሳኺ ትምህርቲ ንኽረኽቡ መደብ ክገብሩሎም ይኽእሉ ኢዮም። ምስ ዓበኻ ርእስኻ ክኢልካ ምእንቲ ክትነብር ብፍላይ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ምእንቲ ክትካፈል ብዛዕባ ዝመጽእ ኣቐዲምካ ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ምውጻእ ምስቲ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ ዝብል ሓሳብ ዝጋጮ ኣይኰነን። (ማቴዎስ 6:33) ኣብ ርእሲ እዚውን ተወሳኺ ትምህርቲ ንዕዮ ፓይነር ዝኽልክል ኣይኰነን። ንኣብነት ሓንቲ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ንነዊሕ ግዜ ፓይነር ኰይና ከተገልግል ደለየት። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምስ ወድአት እቶም ስርዓታውያን ፓይነራት ዝዀኑ ወለዳ ተወሳኺ ትምህርቲ ክትማሃር መደብ ገበሩላ። እናተማህረት ፓይነር ክትከውን ከኣለት: ሕጂ ኸኣ ፓይነር ኰይና እናቐጸለት ገዛእ ርእሳ ክትድግፈሉ እትኽእል ሞያ ኣማዕቢላ ኣላ።
13. ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ምውሳድ ስድራቤታት ብኸመይ ኢየን ነቲ ኵነታት ኣቐዲመን ክምርምርኦ ዘለወን፧
13 ተወሳኺ ትምህርቲ ብምውሳድ ዝመጸ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ንምግባር መሰልን ሓላፍነትን ኣለዋ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ብግቡእ እንተድኣ ተመሪጹ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር መፈንጠራ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ክትወስዱ ትሓስቡ እንተድኣ ኣሊኹም ዕላማኹም እንታይ ኢዩ፧ ምስ ዓበኹም ርእስኹም ክኢልኩም ክብሪ ብዘለዎ መገዲ ሓላፍነትኩም ንምስካም ምእንቲ ክትክእሉ ድዩ፧ ወይስ ‘ንርእስኹም ዓብዪ ነገር ትደልዩ ኣሎኹም፧’ (ኤርምያስ 45:5፣ 2 ተሰሎንቄ 3:10፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8፣ 6:9) ብዛዕባ እቲ ካብ ገዛ ወጺእካ ምናልባትውን ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ተዓጺኻ ተወሳኺ ትምህርቲ ምክትታልከ፧ ነቲ ጳውሎስ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ምውሳድ ጥበባዊዶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፧ (1 ቈረንቶስ 15:33፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:22) “እቲ ዘመን ሓጺር” ምዃኑ እውን ኣይትረስዑ። (1 ቈረንቶስ 7:29) ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኢኹም ክትውፍይሉ፧ ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነትኩም ክትጥቀምሉ እትኽእሉ ዝበዝሕ ዓመታት ዝወስድ ድዩ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ ነቲ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምትብባዕ ብኸመይ ኢኹም ኣብ ግብሪ ከተውዕልዎ እትኽእሉ፧ (መክብብ 12:1) ብተወሳኺ: እቲ እትወስድዎ ትምህርቲ ከም ኣብ ኣኼባታት ምክፋል: ግራት ኣገልግሎት ምውፋር: ከምኡውን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባር ዝኣመሰለ ቀንዲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ንኸተካይዱ ዘፍቅደልኩም ድዩ፧ (ማቴዎስ 24:14፣ እብራውያን 10:24, 25) እቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም በሊሕ እንተድኣ ዀይኑ: ምስ ወለድኹም ኴንኩም ብዛዕባ መጻኢኹም ክትውስኑ ከሎኹም ንመንፈሳዊ ሸቶታት ዕሽሽ ኣይክትብልዎን ኢኹም።
ንመርዓ ኣብ እትገብርዎ ምልላይ ብኽብሪ ተመላለሱ
14. (ሀ) ንመርዓ ዝላለዩ ዘለዉ መጻምድቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ ክገልጹ ከለዉ ብኸመይ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓት ኢዮም ክምርሑ ዘለዎም፧ (ለ) በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ገለ መጻምድቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ካብ ምጥቃም ዝሰነፉ ብኸመይ ኢዮም፧
14 ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ከተንጸባርቕሉ ዘድልየኩም ካልእ ኵነታት ከኣ ንመርዓ ዝግበር ምልላይ ኢዩ። ንሓደ እትግደሰሉ ሰብ ፍቕርኻ ክትገልጸሉ ምድላይ ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ መሃልየ መሃልይ ዘለዉ ንጹሃት ሕጹያት ቅድሚ ምምርዓዎም ኣብ ንሓድሕዶም ገለ ዓይነት ናይ ፍቕሪ መግለጺታት ከም ዝገበሩ እተረጋገጸ ኢዩ። (መሃልየ መሃልይ 1:2፣ 2:6፣ 8:5) ሎሚ እውን ንመርዓ ኢሎም ዝላለዩ ገለ መጻምድቲ ብፍላይ ንመርዓ ክቀራረቡ ኸለዉ ኣእዳው ምትሕሓዝ: ምስዕዓም: ከምኡውን ምትሕቝቛፍ ግቡእ ከም ዝዀነ ይስምዖም ይኸውን። “ብልቡ ዚእመን ዓሻ” ምዃኑ ግን ዘክሩ። (ምሳሌ 28:26) እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት መጻምድቲ ኣብ ፈተና ከውድቖም ኣብ ዝኽእል ኵነታት ብምእታዎም ምስትውዓል ኣየርኣዩን። ናይ ፍቕሪ መግለጺታት ዓሚቝን ካብ ቍጽጽር ወጻእን ኰነ: ቀጺሉ ርኹስ ተግባራት ሰዓበ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ጾታዊ ብዕልግና መርሐ።
15, 16. መጻምድቲ እቲ ንመርዓ ዝገብርዎ ምልላይ ክቡር ኰይኑ ምእንቲ ክቕጽል ኣቐዲሞም ከመይ ዝኣመሰለ ምኽንያታዊ ጥንቃቐ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧
15 ምስ ኣንጻር ጾታ ትቋጸር እንተድኣ ዄንካ ምስታ እትምርዓዋ ወይ ምስቲ እትምርዓውዮ ሰብ ኣብ ዘይግቡእ ኵነታት ብሕት ኢልኩም ንበይንኹም ከይትዀኑ ምጥንቃቕ ጥበባዊ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ምስ ካልኦት ወይ ከኣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኴንኩም ምስ መጻምድትኹም ናይ ሓባር ግዜ ከተሕልፉ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገለ መጻምድቲ መሰነይታ ክገብሩ ይመርጹ። ነተን ኣብ ሆሴእ 4:11 ዘለዋ ቃላት እውን ተረድእወን:- “ምንዝርናን ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ።” ኣልኮላዊ መስተ ንናይ ምስትውዓል ክእለትካ የጥፍኦ: ንመጻምድቲ ኸኣ ዳሕራይ ክጠዓስሉ ዝኽእሉ ነገራት ክገብሩ ክደፋፍኦም ይኽእል ኢዩ።
16 ምሳሌ 13:10 “ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዚቕበሉ እያ” ትብለና። እወ: ‘ንሓድሕድኩም ተመኻኸሩ’ ብኸመይ ክትመላለሱ ከም ዘሎኩም እውን ተመያየጥሉ። ንናይ ፍቕሪ መግለጺታት ደረት ግበሩሉ: ነፍሲ ወከፍ ከኣ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ስምዒትን ሕልናን ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 13:5፣ 1 ተሰሎንቄ 4:3-7፣ 1 ጴጥሮስ 3:16) ብዛዕባ እዚ ተኣፋፊ ዝዀነ ኣርእስቲ ምዝርራብ ኣብቲ መጀመርታ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ይኹን እምበር ጸኒሑ ከበድቲ ግድላት እናዓበየ ምእንቲ ኸይከይድ ክከላኸል ይኽእል ኢዩ።
‘ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም’ እተማህሩ
17. ዳዊት ንየሆዋ ‘ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እምንቶኡ’ ዝገበሮ ብኸመይ ኢዩ: ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያትከ ከመይ ዝበለ ትምህርቲ ኢዩ ዘመሓላልፈሎም፧
17 መፈንጠራታት ሰይጣን ንምውጋድ ብወገንኩም ቀጻሊ ትግሃት: ሓድሓደ ግዜ እውን ዓቢ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ምስ መዛንኹም ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ኵሉ ሰብ ዘይትሰማምዕሉ እዋናት ኣሎ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ: ዎ ኣምላኸይ: ካብ ኢድ ረሲእ: ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ። ዎ ኣምላኽ: ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ: ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 71:5, 17)c ዳዊት ብትብዓቱ እተፈልጠ ኢዩ። መዓስ ኢዩ ግን ኣማዕቢልዎ፧ መንእሰይ ከሎ ኢዩ! ቅድሚ እቲ ምስ ጐልያድ ብምግጣም ዝረኸቦ ተፈላጥነት እውን እንተዀነ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ብምዕቋብ—ኣንበሳን ድብን ብምቕታል—ሓለፍ ዝበለ ትብዓት ከም ዝነበሮ ኣርእዩ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 17:34-37) ይኹን እምበር ዳዊት ብዅሉ እቲ ዘርኣዮ መንፍዓት ምሉእ ኣፍልጦ ዝሃበሉ ንየሆዋ ኢዩ። ‘ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይ’ ኢኻ ኢሉ ድማ ጸውዖ። እቲ ዳዊት ዝነበሮ ኣብ የሆዋ ናይ ምውካል ክእለት ንዘጋጥሞ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ፈተና ብጽንዓት ክዋጽኣሉ ኣኽኢልዎ ኢዩ። ንስኻትኩምውን ኣብ የሆዋ እንተድኣ ተወኪልኩም ‘ንዓለም ምእንቲ ክትስዕርዋ’ ትብዓትን ሓይልን ክህበኩም ኢዩ።—1 ዮሃንስ 5:4
18. ነዞም ሎሚ ዘለዉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም መንእሰያት ከመይ ዝበለ ምሕጽንታ ኢዩ ተዋሂብዎም ዘሎ፧
18 ከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ብትብዓት ኣቕዋሞም ብምርኣይ ሕጂ ጥሙቓት ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። በቲ ንስኻትኩም መንእሰያት እተርእይዎ ዘሎኹም ትብዓትን እምነትን ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና! ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብልሽውና ከተምልጡ ቈራጻት ኩኑ። (2 ጴጥሮስ 1:4) ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ብቐጻሊ ተጠቐምሉ። ከምዚ ምግባር ሕጂ ካብ መዓት ክሕልወኩም: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ድሕነትኩም ውሕስነት ዘለዎ ይገብሮ። ብርግጽ ድማ ከምቲ እዛ ቀጺላ ዘላ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ እትሕብሮ ንህይወትኩም ዕዉት ክትገብርዎ ኢኹም።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነታ ኣብ ናይ ጥሪ-መጋቢት 1999 ንቕሑ! ዘላ “መንእሰያት ዝሓትዎ . . . ሓቂ ናተይ ክገብራ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
b እታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1992 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ “ኣብ ማሕበራዊ ምዝንጋዕ—ንረብሓታቱ ተጠቐምሉ: ንመፈንጠራታቱ ግን ኣርሕቕዎ” እትብል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ሰፊሕ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ።
c መዝሙር መበል 71 ናይ መዝሙር መበል 70 መቐጸልታ ኢያ እትመስል: ከመይሲ ኣብ መእተዊ መዝሙር መበል 70 ናይ ዳዊት መዝሙር ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ።
ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት
◻ ሓደ መንእሰይ ብኸመይ ኢዩ ናይ ምስትውዓል ክእለቱ ከለማምድ ዝኽእል፧
◻ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዛዕባ ምእካብ ዝመጸ ሓደ መንእሰይ ብኸመይ ኢዩ ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለቱ ክጥቀመሉ ዝኽእል፧
◻ ብዛዕባ መጻኢ ትምህርቲ መደብ ክግበር ከሎ ከመይ ዝበለ ረቛሒታት ኢዩ ክሕሰበሉ ዘለዎ፧
◻ ንመርዓ ዝላለዩ ዘለዉ መጻምድቲ ንመፈንጠራ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባራውነት ከርሕቕዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ምርምር ናይ ምግባር ልምዲ ምጥራይ ነቲ ናይ ምስትውዓል ክእለትኩም ንኸተለማምድዎ ክሕግዘኩም ይኽእል ኢዩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ንእስ ዝበለ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ንኽትቈጻጸሮ ቀሊል ኢዩ: ናብቲ ንምቍጽጻሩ ዘሸግር ቀይዲ በተኽ ድግስ ንኽቕየር ዘለዎ ኣጋጣሚ ድማ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ውሉዳት ብዛዕባ መጻኢ ትምህርቶም ኣብ ዝገብርዎ መደብ ወለዲ ክሕግዝዎም ይግባእ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ኣንጻር ጾታ ክትቋጸሩ ከሎኹም ካልኦት ሰባት ከም ዝህልዉ ምግባር ዕቝባ ኢዩ