ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/6 ገጽ 25-26
  • ‘ኣብ ልብን ኣእምሮን ንኽትፈልጥ ድራኸ ተሕድር’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ኣብ ልብን ኣእምሮን ንኽትፈልጥ ድራኸ ተሕድር’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክትርድኦ እትኽእል ስነ-ፍልጠት
  • ንፈጣሪ ዝያዳ ምፍላጥ
  • እቲ ዓቢ ፈጣሪና ብዛዕባና ይሓሊ ኢዩ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ፈጣሪኻ —ከመይ ከም ዝመስል ፍለጥ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ነታ ፈጣሪ እትበሃል መጽሓፍ ንሰባት ክንዕድላዶ ንኽእል ኢና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ፈጣሪ ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/6 ገጽ 25-26

‘ኣብ ልብን ኣእምሮን ንኽትፈልጥ ድራኸ ተሕድር’

“ነታ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከንብባ ከለኹ ዝስመዓኒ ዝነበረ ሓጐስን ኣድናቖትን ብቓላት ክግለጽ ዝከኣል ኣይኰነን። ዝዀነ ሰብ ከንብባ ኸሎ ኣብ ውሽጡ ክቱር ናይ ምፍላጥ ባህጊ ኢያ እተሕድረሉ። ኣብ ልበይን ኣእምሮይን ንኽፈልጥ ድራኸ ስለ ዘሕደርኩምለይ አመስግነኩም።”

እዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ሰሜን ካሮላይና ሕ.መ.ኣ. እትርከብ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ እታ ብ1998/99 ኣብ እተገብረ “ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተሓቲማ ዝወጸት መጽሓፍ እተሰምዓ ሓጐስ ክትገልጽ ከላ ዝበለቶ ኢዩ። ቅዳሕ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ እንተ ዘይብልካ እውን ካልኦት ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ዝሃብዎ ሓሳባት እስከ ርአ።

ሓደ ሰብኣይ ኣብቲ ኣብ ሳን ዲየጎ: ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተኻፊሉ ቅዳሕ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ረኸበ ድሕሪ ገለ መዓልትታት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንእምነት ኣዝያ እተበርትዕ ኰይና ኢየ ረኺበያ። ነቲ የሆዋ ዝደኰኖ ፍጥረታት ዓሚቝ ሞሳ ከም ዘሕድር ገይራትኒ ኢያ። ገጽ 98 ኢየ በጺሐ ዘለኹ: ክትውድኣኒ ኸኣ ኣይደልን ኢየ! እወ: ክሳዕ ክንድዚ ኢየ ዘስተማቕራ ዘለኹ።”

ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትነብር ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እቲ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝርርብ ዝሃበ ሓው ‘ፍልይቲ መጽሓፍ’ ኢሉ ጸውዓ: እዚ ኣገላልጻ እዚ ኸኣ ብሓቂ ምስ ትሕዝቶኣ ዝሰማማዕ ኢዩ። እታ መጽሓፍ ህላወ ኣምላኽ ንኸተእምን ጸቕጢ ዘይትገብር: የግዳስ መርትዖታት ጥራይ እተቕርብ ምዃና ሓደ ካብቲ ጐሊሑ ዝርአ ነገር ኢዩ።”

እቲ ጭብጥታት ብዛዕባ ኣድማስ: ህይወት: ከምኡውን ወድሰብ ዝገልጽ ብስነ-ፍልጠት እተረኽበ ዘደንቕ መርትዖታት ዘጠቓለለ ኢዩ። እዚ ኸኣ ንብዙሓት መሲጥዎም ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ካሊፎርንያ እትነብር ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሕደረትለይ ዓሚቝ ጽልዋ ንምግላጽ ዝኸውን ቃላት የብለይን። ነፍሲ ወከፍ ገጽ ብዛዕባ ኣድማስን ህይወትን ዝገልጽ ርኽበታት እተብርህ ብምዃና ነታ መጽሓፍ ካብ ምንባብ ከቋርጽ ኣይከኣልኩን። ብሓቂ ብዙሕ ነገራት ኢየ ተማሂረ! ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣኽቢረ ክርእያ: ክሳዕ ዝከኣለኒ ኸኣ ንኻልኦት ክዕድላ ኢየ።”

እታ መጽሓፍ ንባህርያት ፈጣሪ ብምጕላሕ ዘቕረበቶ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽማቝ ሓሳባት ንብዙሓት ዘሐጐሰ መዳይ ኢዩ። ብዙሓት ምስዚ ቀጺሉ ዘሎ ሓደ ሰብ ዝሃቦ ሓሳባት ይሰማምዑ ኢዮም:- “ኣብ ከባቢ መወዳእታ ናይታ መጽሓፍ ዘሎ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ካብቲ ኣብ ህይወተይ ዘንበብክዎ ዝበለጸ ሓሳባት ኢዩ።” ኣብ ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ካብ እተገብሩ ዓበይቲ ኣኼባታት እቲ ናይ መጀመርታ ዓቢ ኣኼባ ድሕሪ ምውዳኡ ብዙሕ ከይጸንሐ: ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “እዛ ሓዳስ ዝወጸት መጽሓፍ ካብ ኵሉ እቲ ዝሓተምኩምዎ መጻሕፍቲ እታ ኣዝያ እትምስጥ ኢያ። እቲ ፈጣሪ ከም ዘሎ ዝገልጽ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖታት ማሪኹኒ ኢዩ። እቲ ቐሪቡ ዘሎ ሓጺርን ብሩህን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽማቝ ሓሳባት ጥራይ ነቲ ቀንዲ መልእኽቲ ብግቡእ ክገልጾ ይኽእል ኢዩ: ናይ ምንባብ ድሌት ከም ዝሓድረካ ዝገብር ከኣ ኢዩ።”

ክትርድኦ እትኽእል ስነ-ፍልጠት

እቲ ኣብ መጀመርታ ምዕራፋት ናይታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታ ክትርድኦ ከቢድ ኢዩ ዝመስል። እንተዀነ ግን እዚ ስዒቡ ዘሎ ደብዳበታት እስከ ርአ።

ሓደ ካናዳዊ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስቲ እቶም ብውሕሉል ቃላቶም ገይሮም ክማርኹና ዝፍትኑ ሰባት ዝደርስዎ ሓደ ዓይነት ሞያ ዝገልጽ መጻሕፍቲ ከተረኣእዮ ከሎኻስ ኣየ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘለዎ። ፊዚክስ: ኬሚስትሪ: ዲኤንኤ: ክሮሞዞምስ ዝኣመሰለ ነገራት ብቐሊሉ ከም ዝርድኣና ስለ ዝገበርኩም ትምህርትኹም ብሉጽ ኢዩ። ነቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘጽንዖ ዝነበርኩ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ንስኻትኩም ኣዳሊኹምዎ እንተ ትዀኑ ጽቡቕ ነይሩ!”

ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ፊዚክስ ፕሮፌሰር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ሒዛቶ ዘላ ኣርእስትታት ብቴክኒካዊ መግለጺታት ከይሓላለኸት ብንጹር ኢያ ኣቕሪባቶ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኣንባቢ ከም ዝርድኦ ትገብር: ብዙሓት ፍሉጣት ሊቃውንቲ ዝበልዎ ሓሳባት ከኣ ትጠቅስ። ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ኣጀማምራ ኣድማስን ህይወትን ዝግደስ: ሊቅ ይኹን ተራ ሰብ: ‘ከንብባ ዘለዎ’ መጽሓፍ ኢያ።”

ሓንቲ ናይ ነርስ ትምህርቲ እትማሃር መንእሰይ ከምዚ ኢላ ሓሳብ ሃበት:- “ኣብ ምዕራፍ 4 ገንጺለ ከንብብ ከለኹ: ካብቲ ኣብ ክፍልና እንጥቀመሉ መምሃሪ መጽሓፍ እተጠቕሰ ሓሳብ ምስ ረኸብኩ ኣዝዩ ደንጸወኒ! እታ መጽሓፍ ንመምህርና ሃብኩዎ እሞ በቲ ኣብኡ ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝሕጐስ ነገርክዎ። ነቲ ኣብ ገጽ 54 ዘሎ ብዛዕባ ሓንጎል ዝገልጽ ሓሳባት ኣርኣኹዎ። ነቲ ሓሳባት ኣንበቦ እሞ ‘እትምስጥ መጽሓፍ ኢያ! ተጠንቂቐ ክምርምራ ኢየ’ በለኒ።”

ሓደ ኣባል ባይቶ ቤልጅዩም ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኣዝዩ ዝመሰጠንን ዝማረኸንን ነገር እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘቕርቦ ትምህርቲ ምስ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ዝሰማማዕ እምበር ዘይጋጮ ምዃኑ ኢዩ። እዚ ብዙሕ ክትኰረሉ ዝግባእ ኣረኣእያ ኢዩ።”

ንፈጣሪ ዝያዳ ምፍላጥ

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ንኣምላኽ ብዝያዳ ንኽፈልጥዎን ናብኡ ንኽቐርቡን ሓጊዛቶም ኢያ። ሓንቲ ኣብ ከተማ ፉኮካ: ጃፓን: እትነብር ኣንባቢት ከምዚ በለት:- “ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ንመጀመርታ ግዜ ብዝበለጸ እተረዳእኩ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዑኒ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዘደንቕ መገዲ እተእምን ኢያ። ክሳዕ ሕጂ ሓሲበዮ ብዘይፈልጥ ሸነኽ ኢየ ንየሆዋ ፈሊጠዮ።” ሓደ ወዲ ኤል ሳልቫዶር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ መሓሪ: ጸጋዊ: ንዅራ ደንጓይ: ከምኡውን በዓል ብዙሕ ለውሃት ምዃኑ ብኣዝዩ ንጹር መገዲ ገይርኩም ገሊጽኩምዎ ኢኹም። ብሓቂ: ናብኡን ናብ ወዱን ዝያዳ ንኽንቀርብ ብትኽክል ዘድልየና ነገር ከኣ እዚ ኢዩ። ስምዒት የሆዋን ወዱ የሱስ ከም ሰብ ከሎ ዝነበሮ ስምዒትን እትገልጽ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ኢያ።” ሓደ ኣብ ዛምብያ ዝነብር ኣንባቢ ድማ “ሕጂ የሆዋ ኣብ ህይወተይ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ትርጕም ሒዙ ኣሎ” በለ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ ንኻልኦት ክዕድልዋ ይህንጠዩ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ገለጸት:- “[“ፈጣሪ ዝሓሊ እንተድኣ ዀይኑ: ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧”] ዘርእስታ ምዕራፍ 10 ኣንቢበ ምስ ወዳእኩ ‘ኣብ ጃፓን እተድሊ መጽሓፍ ብልክዕ እዚኣ ኢያ!’ በልኩ። ነቲ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮይ ሒዘ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዝያዳ ክጥቀመሉ እደሊ ኢየ።” ካልእ ሰበይቲ ኸኣ ንሓንቲ ኣቦኣ ካህን ኰይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ቤት መቕደስ ቡድሂስት ዝዓበየት መንእሰይ ጽንዓት ትገብረላ ነበረት። ብዛዕባኣ ክትዛረብ ከላ ከምዚ በለት:- “ፈጣሪ ከም ዘሎ ንምርዳእ ከቢድዋ ነበረ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ መርትዖታት ተቕርብ እምበር ዋላ ሓንቲ ጸቕጢ ኣይትገብርን ኢያ። ስለዚ ቡድሂስታውያን እውን ከይተወላወሉ ከንብቡዋ ዝኽእሉ ኰይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ። ፍቕሪ የሆዋ ብዝያዳ ከም እነስተማቕሮ እውን ትገብረና ኢያ።”

ሓንቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ሰበይቲ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ሃበት:- “ንመጽሓፍ ፈጣሪ ኣንቢበ ወዲአያ ኢየ: እንደገና ከንብባ ድማ ተዳልየ ኣለኹ። ኣየ ከመይ ዝበለት እተደንቕ መጽሓፍ ኰን ኢያ! ሓደ ሰብ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ እንተድኣ ኣንቢቡዋ ንየሆዋ ከፍቅሮ ኢዩ ዝድረኽ። ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንሓንቲ ጐረቤተይ ሃብክዋ እሞ ክልተ ምዕራፍ ጥራይ ምስ ኣንበበት ‘ኣዝያ ጽብቕቲ መጽሓፍ ስለ ዝዀነት: ከቋርጻ ኣይከኣልኩን’ በለት። ሰባት ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ንኽፈልጥዎን ከፍቅርዎን ከም እትሕግዞም ርግጸኛ ኢየ።”

ሓደ ኣብ ሜሪላንድ: ሕ.መ.ኣ. ዝነብር ሰብኣይ ከምዚ በለ:- “ብሓቂ ብመንፈስ ብሱል ከም ዝኸውን ገይራትኒ ኢያ! ንዅሎም እቶም ብስራሕ ዝረኽቦም ሰባት ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ክዕድሎም መዲበ ኣለኹ። ነቶም ብስራሕ ትሑዛትን ምሁራትን ዝዀኑ ሰባት ምስክርነት ብኸመይ ከም ዝጅምረሎም ይኸብደኒ ነይሩ ኢዩ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ተግባራውን ኣስላጥን ኣቀራርባ ረኺበ ኣሎኹ።”

እታ ብዛዕባኻ ዝሓሊ ፈጣሪ ኣሎ ድዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንዝርከቡ ሰባት ኣወንታዊ ጽልዋ ከም እተሕድር ዘጠራጥር ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ናይዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ መጽሓፍ ናይ ገበር ስእሊ:- Eagle Nebula: J. Hester and P. Scowen (AZ State Univ.), NASA

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ