ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/6 ገጽ 27-28
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/6 ገጽ 27-28

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ምምካን ኣገባባት ምስ ዝድለ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ይከኣል ኢዩ ስለ ዝበሃል: ሓደ ክርስትያን ከም ኣማራጺ ኣገባብ መከላኸሊ ጥንሲ ገይሩ ክወስዶ ይኽእልዶ፧

ምምካን ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ኣገባብ ውጥን ስድራቤት ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኦም ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ተቐባልነት ብማሕበራውን ትምህርታውን ኣተዓባብያ ከምኡውን ብሃይማኖታዊ ኣመለኻኽታ ዝውሰን ኢዩ ዝመስል። እቲ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት ተመርኲስካ ዝግበር ውሳነ ኣብቶም ከም ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ባህጊ ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዓዪ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ዎ እግዚኣብሄር: መገድኻ ምሀረኒ: . . . በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ።” (መዝሙር 27:⁠11) ናይ ምምካን ኣገባባት እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

ንመከላኸሊ ጥንሲ ተባሂሉ ኣብ ወዲ ተባዕታይ ዝግበር ኣገባብ ምምካን ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ወይ ቫዜክቶሚ ይበሃል። ኣብ ለቖታ ፍረ ነብሲ ዝርከብ ዘርኢ ዘመሓላልፍ ክልተ ንኣሽቱ ሻምብቆታት ተቘሪጹ ይዕገት። እዚ ብእተፈላለየ ኣገባብ ሕክምና ክግበር ይከኣል ኢዩ: እቲ ዕላማ ግን ነቲ ዘርኢ ካብ ፍረ ነብሲ ከም ዘይወጽእ ንምግባር ኢዩ። ናይ ጓል ኣንስተይቲ ኣገባብ ምምካን ከኣ ምእሳር ሻምብቆ ማህጸን ወይ ትዩባል ሊጌሽን ይበሃል። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ካብ ማህደረ እንቋቝሖ ናብ ማህጸን ዝዝርጋሕ እንቋቝሖ ዘመሓላልፍ ሻምብቆታት ብምቝራጽን ብምእሳርን (ወይ ብምሕራር) ከም ዝዕበስ ምግባር ማለት ኢዩ።

ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ እዚ ኣገባብ እዚ ቀዋሚ ማለት ንሓዋሩ ዘምክን ገይርካ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ይኹን እምበር ገለ ሰባት: ነቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ስለ ዝጠዓስሉ ወይ ከኣ ሓድሽ ኵነታት ስለ ዝፍጠር: ነቲ ብመጥባሕቲ እተገብረሎም ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ወይ ከኣ ምእሳር ሻምብቆ ማህጸን ናብ ዝነበሮ ክምለሰሎም ሕክምናዊ ደገፍ ክረኽቡ ጽዒሮም ኢዮም። ውሕሉል መሳርሒታትን ማይክሮሰርጀሪ ዝበሃል ፍሉይ ኣገባብ መጥባሕትን ስለ እተማህዘ ኸኣ ነቲ ናይ ምውላድ ተኽእሎ ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ እተገብረ ፈተነ ዝያዳ ዕዉት ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። እቲ እተበትከ ሻምብቆታት ከም ብሓድሽ ብምልጋብ ነቲ እተገብረ ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ኣብ እተገብረ ፈተነ ኣብቶም እተመርጹ ሰባት ካብ 50 ክሳዕ 70 ሚእታዊት ዕዉት ኰይኑ ከም እተረኽበ ምንባብ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነቲ ማእሰር ሻምብቆ ማህጸን ኣብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ እተገብረ ፈተነ ካብ 60 ክሳዕ 80 ሚእታዊት ዕዉት ኰይኑ ተረኽበ። ገለ ካብቶም ብዛዕባ እዚ ዝሰምዑ: ናይ ምምካን ኣገባብ ድሕሪ ደጊም ከም ንሓዋሩ ዝዀነ ነገር ገይርካ ክርአ ከም ዘየድሊ ገይሮም ወሲዶምዎ ኢዮም። ምእሳር ዕትብቲ ዘርእን ምእሳር ሻምብቆ ማህጸንን ምስቲ ጥንሲ ምስ ዝድለ ከተቋርጾ ዝከኣል ከም ከኒና: ኮንዶም: ቆብዕ ማህጸን ዝኣመሰለ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ማዕረ ገይርካ ክርአ ከም ዝከኣል ይኣምኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ገለ ኣርዚንካ ክሕሰበሉ ዘድሊ መዳያት ኣሎ።

ሓደ ካብዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፈተነ በዚ ዝስዕብ ረቛሒታት ከቢድ ጕድኣት ከጋጥም ይኽእል ኢዩ:- መጠን ናይቲ ኣብ ግዜ ምምካን ኣብቲ ሻምብቆ ዝወረደ ጕድኣት: ዓቐን ናይቲ እተቘርጸ ሻምብቆ ወይ ኣብኡ ዝተረፈ በሰላ: እቲ መጥባሕቲ ካብ ዝፍጸም ዝወሰዶ ዓመታት: ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ምስ ዝኸውን ከኣ ጸረ ዘርኢ ተባዕታይ ተፈጢሮም እንተ ዀይኖም። ካልእ ሸለል ኢልካ ክርአ ዘይብሉ ድማ ነዚ ማይክሮሰርጀሪ ዝበሃል ዓይነት መጥባሕቲ ዘድሊ መሳለጥያታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዘየሎ: ወይ እቲ ንወጻኢኡ ዝኽፈል ዋጋ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ነቲ እተገብረሎም ናይ ምምካን መጥባሕቲ ክምለሰሎም ዝምነዩ ብዙሓት ሰባት ከይረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣኺልዎም ኢዩ።a ስለዚ እምበኣር: እቲ ኣብ ላዕሊ እተዋህበ ሚእታዊት ናይቶም እተመልሰሎም ሰባት ክልሰ-ሓሳባዊ ድኣ እምበር ርግጽ ገምጋም ኣይኰነን።

ገለ ጭብጥታት ነዚ ክዉንነት እዚ ዘረጋግጽ ኢዩ። ብዛዕባ ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ናብ ዝነበሮ ምምላስ: ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ እተሓትመ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ 12,000 ዶላር ዘውጽአ መጥባሕቲ ድሕሪ ምክያዱ “ካብቶም ሕክምና እተገብረሎም 63 ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም ነንስቶም ከጥንሱወን ዝኸኣሉ።” ኣብ ርእሲ እዚውን “ካብቶም ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ እተገብረሎም ሰብኡት ውዒሎም ሓዲሮም ክምለሰሎም ዝሓተቱ ሽዱሽተ ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም።” ብዛዕባ ማእከላይ ኣውሮጳ ኣብ ጀርመን እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ካብቶም ምምካን ዝመረጹ ሰብኡት ደሓር ጸኒሖም ክምለሰሎም ዝሓተቱ 3 ሚእታዊት ኢዮም። ካብቲ እተገብረ ፈተነ ፍርቁ ዕዉት ክኸውን እኳ እንተ ኸኣለ: ምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ነቶም 98.5 ሚእታዊት ቀዋሚ ማለት ኢዩ ነይሩ። ኣብተን ሒደት ናይ ማይክሮሰርጀሪ ሓካይም ዘለዉወን ወይ ፈጺሙ ዘይብለን ሃገራት እቲ ሚእታዊት ኣዝዩ ክብ ዝበለ ኢዩ።

ስለዚ ኸኣ ብመጥባሕቲ ዝግበር ምምካን ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ግዝያዊ መከላኸሊ ጥንሲ ከም ዝዀነ ገይርካ ብምውሳድ ኣቕሊልካ ምርኣዩ ኣብ ክዉንነት እተመርኰሰ ኣይኰነን። ሓደ ቅኑዕ ክርስትያን ኣርዚኑ ክሓስበሎም ዘድሊ ካልእ መዳያት እውን ኣለዉ።

ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥቢ እቲ ናይ ምፍራይ ክእለት ካብ ፈጣሪና ዝመጸ ውህበት ምዃኑ ምፍላጥ ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ዕላምኡ: ፍጹማት ሰባት ተፋርዮም ‘ንምድሪ ክመልእዋን ክመልክዋን’ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:28) ማይ ኣይሂ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ናብ ሸሞንተ ምስ ኣጕደሎ እውን ኣምላኽ ነዚ መሰረታዊ መምርሒ እዚ ደጊምዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:1) ኣምላኽ ነቲ ትእዛዝ ንህዝቢ እስራኤል እንተ ዘይደገመሎም እኳ ንሳቶም ግን ቈልዑ ምውላድ ከም ሓደ ኣዝዩ ተበሃጊ ነገር ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም።—1 ሳሙኤል 1:1-11፣ መዝሙር 128:3

እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: ኣብ ምፍራይ ደቅሰብ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዝሕብር ነጥብታት ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት ሓደ ምርዑው ሰብኣይ: ብወለዶኡ ዝጽዋዕ ወዲ ከይወለደ እንተድኣ ሞይቱ: ሰበይቱ ወዲ ምእንቲ ክትወልድ ሓሙታ ክምርዓዋ ነበሮ። (ዘዳግም 25:⁠5) ብዝያዳ ምስዚ ክተኣሳሰር ዝኽእል ድማ ንእተባእሰ ሰብኣያ ንምሕጋዝ ኢላ እትፍትን ሰበይቲ ብዝምልከት እተዋህበ ሕጊ ኢዩ። ፍረ ነብሲ መባእስቲ ሰብኣያ እንተድኣ ሒዛ: ኢዳ ክቝረጽ ነበሮ። ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ንሳ ዝገበረቶ ናታ ወይ ናይ ሰብኣያ ኣካላት መፍረ ክጕዳእ ኣይኣዘዘን። በዚ ኸኣ እቲ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ ዝብል ሕጊ ኣብዚ ክውዕል ኣይኣዘዘን። (ዘዳግም 25:⁠11, 12) እዚ ሕጊ እዚ: ንኣካላት መፍረ ክብሪ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። እዚ ክፍሊ ኣካላት እዚ ብዘየድሊ ክጠፍእ ኣይነበሮን።b

ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ እስራኤል ከም ዘይኰኑ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ እምበኣር እቲ ኣብ ዘዳግም 25:⁠11, 12 ዘሎ ስርዓት ኣባታቶም ዝውዕል ኣይኰነን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ተመርዕዮም ክሳዕ ዝከኣሎም ብዙሓት ቈልዑ ክወልዱ ኣለዎም ኢሉ ኣይኣዘዘን ወይ እውን ከምኡ ዘስምዕ ሓሳብ ኣይሃበን። እዚ ብዙሓት ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀሙ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ክውስኑ ኸለዉ ኣብ ግምት ዘእትውዎ ጕዳይ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠10-12) ሃዋርያ ጳውሎስ ፍትወት ዝለዓለን “ሓያማት ኪምርዐዋ: ውሉድ ኪወልዳ” ኣተባቢዕወን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠11-14) ክርስትያናት ናይ ምፍራይ ተኽእሎኦም ብፍታው ብምስዋእ ቀዋሚ ኣገባብ ምምካን ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ግን ኣይጠቐሰን።

ክርስትያናት ኣምላኽ ነቲ ናይ ምፍራይ ተኽእሎኦም ኣኽቢሩ ከም ዝርእዮ ንዝገልጽ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታታት ክሓስብሉ ሰናይ ኢዩ። ኵሎም ምርዑዋት: ግቡእ ኣገባባት ውጥን ስድራቤት ክጥቀሙ ዘድልዮም እንተዀይኑ: መዓስ ክጥቀምሉ ከም ዘለዎም ባዕላቶም ክውስኑ ኣለዎም። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ጥንሲ ምስ ዘጋጥም ነታ ኣደ ወይ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ ሓደጋ ወይ ሞት እውን ከይተረፈ ከስዕብ ዝኽእል ኵነታት ከም ዘሎ ዝገልጽ ሕክምናዊ መረጋገጺታት ምስ ዝወሃቦም እቲ ዝገብርዎ ውሳነ ዝያዳ ክብደት ከም ዝህልዎ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘጋጠሞም ሰባት ንህይወት እታ ኣደ (ኣቐዲማ ዝወለደቶም ቈልዑ ዘለውዋ ክትከውን ትኽእል) ወይ ናይቲ ኣብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ናይ ጥዕና ግድላት ሒዙ ክውለድ ዝኽእል ቈልዓ ዘስግእ ጥንሲ ምእንቲ ከየጋጥም ናይ ምምካን ኣገባብ ክጥቀሙ ተገዲዶም ኢዮም።

እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ሳሕቲ ዝመጽእን ፍሉይን ኵነታት ዘየጋጠሞም ክርስትያናት ግን ‘ለባማት’ ክዀኑ ከምኡውን ንኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን በቲ ኣምላኽ ንናይ መፍረ ተኽእሎ ዝህቦ ክብሪ ገይሮም ክቐርጽዎ ከም ዝደልዩ ፍሉጥ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2፣ ቲቶስ 1:8፣ 2:​2, 5-8) እዚ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታታት ብጥንቃቐን ብብስለትን ከም እትሓስበሉ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ነዚ መዐቀኒታት ኣምላኽ እዚ ዕሽሽ ከም ዝበሎ ኣብ ኵሉ ምስ ዝፍለጥከ ከመይ ይኹን፧ ንሱ (ወይ ንሳ) ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ውሳነ ብዛዕባ ምግባር ጽቡቕ ኣብነት ክዀኑ ምኽኣሎምን ዘይምኽኣሎምን ካልኦት ኣይጠራጠሩንዶ ኢዮም፧ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ሓደ ሓው ወይ ሓብቲ ክህሉ ዝኽእል ሕማቕ ስም: ንፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ክህልዎ ዝኽእል ብቕዓት ዝትንክፎ ኢዩ። ሓደ ሰብ ከይፈለጠ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ምስ ዝፍጸመሉ ግን ንብቕዓቱ ዝትንክፎ ኣይኰነን።​—1 ጢሞቴዎስ 3:7

a “ነቲ [ስልኮ ዘርኢ] ከም ቀደሙ ንምልጋብ እተገብረ ሕክምናዊ ፈተነታት: እንተወሓደ 40 ሚእታዊት ዕዉት ክኸውን ክኢሉ ኢዩ: እተመሓየሸ ማይክሮሰርጀሪ ቴክኒክ እንተድኣ ተረኺቡ ኸኣ ዝዓበየ ዓወት ክርከብ ከም ዝከኣል ዘርኢ መርትዖ ኣሎ። ይኹን እምበር: ብምእሳር ዕትብቲ ዘርኢ ዝግበር ምምካን ከም ቀዋሚ ገይርካ ክርአ ይግባእ።” (ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ) “ምምካን ከም ቀዋሚ ኣገባብ ገይርካ ክውሰድ ኣለዎ። እቲ ሕክምና ዝገብር ዘሎ ሰብ ናይ ምፍራይ ተኽእሎኡ ክምለስ ከም ዝኽእል ሰሚዑ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እተበትከ ሻምብቆ ብመጥባሕቲ ከም ዝላገብ ንምግባር ክቡር ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ዕዉት ይኹን ኣይኹን ከኣ ውሕስነት የብሉን። እተን ናይ ምውላድ ክእለተን ንምምላስ ፈተነ እተገብረለን ደቂ ኣንስትዮ: ኣብ ክንዲ ኣብ ማህጸን ኣብ ሻምብቆ ማህጸን ናይ ምጥናስ ዘሎ ሓደጋ ዓቢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”​—⁠Contemporary OB/GYN ሰነ 1998

b ምስዚ ዝተሓሓዝ ዝመስል ካልእ ሕጊ ድማ ኣካላት መፍረኡ ኣጸቢቑ እተጐድአ ዝዀነ ይኹን ሰብኣይ ናብ ማሕበር ኣምላኽ ክኣቱ ከም ዘይክእል ይገልጽ። (ዘዳግም 23:⁠1) ይኹን እምበር: ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) እዚ ሓሳባት እዚ ብርግጽ “ኣብቲ ከም ግብረ-​ሰዶም ዝኣመሰለ ስነ-ምግባራዊ ዘይኰነ ዕላማታት ንምፍጻም ደይመደይ ኢልካ ዝግበር ምስላብ ዝውዕል” ምዃኑ ይገልጽ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ሕጊ ንምምካን ወይ ንመከላኸሊ ጥንሲ ኢልካ ንዝግበር መጥባሕቲ ዘጠቓልል ኣይኰነን። ኢንሳይት ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “የሆዋ ንስሉባት ከም ኣገልገልቱ ዝቕበለሉ: እዙዛት እንተድኣ ኰይኖም ድማ ካብ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝበልጽ ስም ክህልዎም ምዃኑ ዘጸናንዕ ትንቢት ተዛረበ። እቲ ሕጊ ብየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣልገሰ ኸኣ ኵሎም እምነት ዘርእዩ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ቦታ ወይ ኵነታት ብዘየገድስ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣምላኽ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስጋዊ ምፍልላይ ኣልጊሱ ኢዩ።​—ኢሳ 56:​4, 5፣ ዮሃ 1:​12”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ