ንኮለጃውያን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉያት ገበሮም
ብዛዕባ ኮለጃውያን ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧
እዚ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ንእሽቶ ናይ ሆላንድ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ካብተን ሽዑ ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያን ፍሉይ ነበረ። ፍሉይ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: ንሕናኸ ካብኣቶም እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ መልሲ ንምርካብ: ናብቲ ግዜ እቲ እስከ ንመለስ።
ባይታ:- ዮካቢስ ኣርሚኒየስ (ወይ ያኮፕ ሃርመንሰን) ብ1587 ከተማ ኣምስተርዳም በጽሐ። እቲ ናይ ስራሕ ተመክሮኡን ትምህርቱን እተማልአ ብምንባሩ: ስራሕ ናይ ምርካብ ጸገም ኣይነበሮን። ኣብ መበል 21 ዓመት ዕድሚኡ ካብቲ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ለይደን ተመሪቑ ነበረ። ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ቴኦዶር ደ ቢዛ ኰይኑ ትምህርቲ ሃይማኖት ንምጽናዕ ኣብ ስዊዘርላንድ ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ቴኦዶር ደ ቢዛ ተካኢ ናይቲ ናይ ፕሮቴስታንት ተሃድሶ መራሒ ዝነበረ ጆን ካልቪን ኢዩ። እቶም ኣብ ኣምስተርዳም ዝነበሩ ፕሮቴስታንት ነዚ ወዲ 27 ዓመት ኣርሚኒየስ ከም ሓደ ካብ ኣቕሽሽቶም ገይሮም ተሓጒሶም እንተ ሸምዎ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ! ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ግን ብዙሓት ኣባላት እታ ቤተ-ክርስትያን በቲ ዝገበርዎ ምርጫ ተጣዕሱ። ስለምንታይ፧
እቲ ናይ ጽሕፍቶ ክርክር
ኣርሚኒየስ ሓደ ካብ ኣቕሽሽቶም ድሕሪ ምዃኑ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ማእከል እቶም ናይ ኣምስተርዳም ፕሮቴስታንት ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ጽሕፍቶ ክርክር ተላዕለ። እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ቀንዲ እምነት ካልቪን እኳ እንተ ነበረ: ገለ ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ግን እቲ ንገሊኦም ድሕነት ንኻልኦት ከኣ ገሃነም እሳት ኣቐዲሙ ዝውስነሎም ኣምላኽ ጨካንን ዘይፍትሓውን ኢዩ ዝብል ስምዒት ሓደሮም። ሰዓብቲ ካልቪን: ነቲ ተማሃራይ ቢዛ ዝነበረ ኣርሚኒየስ ነቶም ተቓወምቲ ከቕንዖም ተጸበይዎ። ብኣንጻሩ ግን ኣርሚኒየስ ብወገን እቶም ተቓወምቲ ዀነ: እዚ ኸኣ ነቶም ሰዓብቲ ካልቪን ስግኣት ኣሕደረሎም። ብ1593 እቲ ኽርክር ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ: እቶም ናይታ ኸተማ ፕሮቴስታንት ኣብ ክልተ ጕጅለ—እቶም ነዚ ሰረተ-እምነት እዚ ዝድግፍዎን እቶም ዝነጸግዎን—ተመቕለት: እቶም ዝነጸግዎ ግን ተጻዋርነት ነበሮም።
ድሕሪ ሒደት ዓመታት: እቲ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ክርክር ብሃገር ደረጃ ምክፍፋል ፕሮቴስታንት ኣስዓበ። መወዳእትኡ: ሕዳር 1618 እቲ ኽርክር ዝድቅሰሉ መገዲ ተረኽበ። እቶም ደገፍ ሰራዊትን ኣረኣእያ ህዝብን ዝነበሮም ሰዓብቲ ካልቪን ነቶም ተቓወምቲ (ሽዑ ሪሞንስትራንታውያንa ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ) ናብቲ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝነበረ ናይ ዶርድረክት ፕሮቴስታንት ሲኖደስ ጸውዕዎም። ኣብ ምውዳእ እቲ ኣኼባ: ኵሎም እቶም ናይ ሪሞንስትራንት ኣገልገልቲ: ድሕሪ ሕጂ ፈጺሞም ከይሰብኩ ቃል ብምእታው ውዕል ክፍርሙ ወይ ካብታ ሃገር ክወጹ ክልተ ምርጫ ተዋህቦም። መብዛሕትኦም ካብ ሃገሮም ክወጹ መረጹ። እቶም ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ካልቪን: ነቲ እቶም ናይ ሪሞንስትራንት ኣገልገልቲ ሓዲጎምዎ ዝኸዱ ቦታ ስብከት ተቘጻጸርዎ። ከምቲ እቲ ሲኖደስ ተስፋ ገይርዎ ዝነበረ ኸኣ እምነት ካልቪን ዓወት ረኸበ።
ኣጀማምራን ዕቤትን ኮለጃውያን
ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታ ዘጋጠመ: እታ ኣብ ጥቓ ለይደን እትርከብ ቫርሞንት እትበሃል ቍሸት ዝነበረት ናይ ሪሞንስትራንት ጉባኤ ቀሺ ሰኣነት። ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታ ዝነበረ ግን እታ ጉባኤ ነቲ ሲኖዶስ ዘጽደቐቶ መተካእታ ኣይተቐበለቶን። ብዘይካዚውን: ሓደ ኣገልጋሊ ሪሞንስትራንት ህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእትዩ ነታ ጉባኤ ንምእላይ ብ1620 ናብ ቫርሞንት ምስ ተመልሰ: ገለ ኣባላት እታ ጉባኤ ነጸግዎ። እዞም ኣባላት እዚኣቶም ካብ ዝዀነ ይኹን ቀሺ ሓገዝ ከይረኸቡ ሃይማኖታዊ ኣኼባታቶም ብሕቡእ ከካይዱ ጀሚሮም ነበሩ። ጸኒሑ እዚ ኣኼባታት እዚ ኮለጃት: እቶም ተኣከብቲ ድማ ኮለጃውያን ተባሂሎም ክጽውዑ ጀመሩ።
እቶም ኮለጃውያን ዝምርሕሉ ዝነበሩ ኣገባብ: ኵነታት ብዝፈጠሮ ድኣ እምበር ኣብ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ብምምርኳስ ስለ ዘይነበረ: እቲ ዅነታት ብኡንብኡ ተለወጠ። ኣባል ጉባኤ ኺስበርት ቫን ደር ኮድ: እቲ ጕጅለ ብዘይ መሪሕነት ኣቕሽሽቲ ብምእካቡ: ካብተን ሽዑ ተመስሪተን ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያን ንላዕሊ ምስ መጽሓፍ ቅዱስን ምስ መገዲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብዝያዳ ተሰማሚዑ ይኸይድ ከም ዝነበረ ተማጐተ። እቲ ክፍሊ ኣቕሽሽቲ ሃዋርያት ምስ ሞቱ ነቶም ገለ ጥበብ ክማሃሩ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ ሰብኡት ስራሕ ንምፍጣር እተማህዘ ኢዩ ድማ በለ።
ብ1621 ቫን ደር ኮድን እቶም ከም ናቱ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ኣባላትን ነቲ ኮለጃቶም ናብታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ሪንስበርክ እትበሃል ቍሸት ኣግዓዝዎ።b ገለ ዓመታት ጸኒሑ: ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ብተጻዋርነት ክትካእ ምስ ጀመረ: እቲ ኮለጃውያን ብዛዕባ ኣኼባኦም ዝነበሮም ዝና ናብ ብምልእቲ እታ ሃገር ተዘርግሐ እሞ ከምቲ ጸሓፍ ታሪኽ ዚኽፍረት ዚልቨርበርኽ ዝበሎ “ንእተፈላለየ መበቈልን ኣነባብራን ዝነበሮም ሰባት” ማረኾም። ካብዚኣቶም ሪሞንስትራንታውያን: ሜኖናውያን: ሶሲንያውያን: ናይ ሃይማኖት ምሁራት እውን ከይተረፉ ነበሩ። ገሊኦም ሓረስቶት ነበሩ። ካልኦት እውን ገጠምቲ: ሓተምቲ: ሓካይምን ነጋዶን ነበሩ። እቲ ስፒኖዛ (በነዲክቱስ ደ ስፒኖዛ) ዝበሃል ፈላስፋ: እቲ ዮሃን ኣሞስ ካሚንየስ (ወይ ያን ኮመንስኪ) ዝበሃል መምህር: ከምኡውን እቲ ረምብራንት ቫን ሪን ዝበሃል ፍሉጥ ሰኣሊ ነቲ ምንቅስቓስ ደገፍዎ። እቲ እዞም ሃይማኖታውያን ሰባት እዚኣቶም ሒዞምዎ ዝመጹ እተፈላለየ ርእይቶታት ንምዕባለ እምነት ኮለጃውያን ጸልይዎ ኢዩ።
ካብ 1640 ንነጀው እዚ ሓያል ጕጅለ እዚ ቅልጡፍ ዕቤት ገበረ። ኮለጃት ኣብ ሮተርዳም: ኣምስተርዳም: ሊዩዋርደንን ካልኦት ከተማታትን ብቕልጡፍ ተስፋሕፍሐ። ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ኣንድሪው ሲ. ፊክስ ካብ 1650 ክሳዕ 1700 ኣብ ዝነበረ ዓመታት “ኮለጃውያን . . . እናዐበዩ ምስ ከዱ ሓደ ካብቲ ኣብ መበል ዓሰርተው ሸውዓተ ክፍለ-ዘበን ኣብ ሆላንድ ዝነበረ ኣዝዩ ኣድላይን ጽልዋ ዝነበሮን ሃይማኖታዊ ሓይሊ ኰኑ” ኢሉ ሓሳባት ይህብ።
ኮለጃውያን ዝኣምንዎ እምነታት
ምስትውዓል: ተጻዋርነት: ከምኡውን ናይ ምዝራብ ናጽነት መለለዪ ባህሪ ምንቅስቓስ ኮለጃውያን ስለ ዝነበረ: ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኮለጃውያን እተፈላለየ እምነታት ክሕዙ ናጻ ነበሩ። ገና ግን ብገለ ናይ ሓባር እምነታት ተኣሳሲሮም ነበሩ። ንኣብነት: ኵሎም ኮለጃውያን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ይርድኡ ነበሩ። ሓደ ኮለጃዊ: ነፍሲ ወከፍ ኣባል “ባዕሉ ክመራመር ኣለዎ: ንኣምላኽ ብናይ ካልእ ሰብ ሓገዝ ክፈልጦ” የብሉን ኢሉ ጸሓፈ። ከምኡ ኸኣ ይገብሩ ነበሩ። ብመሰረት እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጸሓፍ ታሪኽ ዮካቢስ ሲ. ቫን ስላ: እቶም ኮለጃውያን ካብቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ካልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ንላዕሊ ዝያዳ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ነበሮም። እቶም ኮለጃውያን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኽእለት ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩ ተቓወምቲ ሰባት እውን ከይተረፉ ንኢዶምዎም ኢዮም።
ይኹን እምበር: እቶም ኮለጃውያን መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ እናኣጽንዑ ምስ ከዱ: ካብ እምነታት እተን ሽዑ ተመስሪተን ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያን ዝፈልዮም ጽኑዕ እምነታት ብዝያዳ ኣማዕበሉ። እቲ ካብ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ክሳዕ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ዘሎ እዋን እተጻሕፈ ምንጭታት ንገለ ካብ እምነታቶም ይገልጽ ኢዩ:-
እታ ቐዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን። እቲ ኮለጃውን ናይ ሃይማኖት ምሁርን ዝነበረ ኣዳም ቦራል: እታ ቐዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ እዋን ግዝኣት ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ኣብ ፖለቲካ ምስ ኣተወት: እቲ ምስ ክርስቶስ ዝነበራ ኪዳን ከም እተቛረጸን ናይ መንፈስ ቅዱስ መምርሒ ከም ዝሰኣነትን ብ1644 ጸሓፈ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ናይ ሓሶት ትምህርትታት እናኣስፋሕፍሐ ክሳዕ ግዚኡ ከም ዝቐጸለ ወሲኹ ተዛረበ።
ተሃድሶ። እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ብሉተርን ካልቪንን ካልኦትን እተመርሐ ተሃድሶ ነታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምምሕያሽ ኣየስለጠን። እኳ ድኣስ: ብመሰረት እቲ ካላነስ ኣብራሃምስዞን ዝበሃል መሪሕ ኮለጃውን ሓኪምን (1622-1706) ተሃድሶ ጠንቂ ባእስን ጽልእን ብምዃን ሃይማኖታዊ ዅነታት ከም ዝገድድ ገይሩ ኢዩ። ናይ ሓቂ ምሕዳስ ንልቢ ክልውጦ ኣለዎ: ተሃድሶ ከምዚ ኣይገበረን።
እታ ቤተ -ክርስትያንን እቶም ኣቕሽሽትን። እተን ሽዑ ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያን ብልሹዋትን ዓለማውያንን መለኮታዊ ስልጣን ዘይብለንን ኢየን። ሓደ ንሃይማኖት ኣርዚኑ ዝርእዮ ሰብ ነቲ እታ ዝመላለሰላ ዘሎ ቤተ-ክርስትያን እትፍጽሞ ሓጢኣት ደጋፊ ኰይኑ ምእንቲ ኸይርከብ ጠንጢንዋ ካብ ምኻድ ንላዕሊ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን። እቶም ኮለጃውያን: ናይ ኣቕሽሽቲ ስልጣን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጻረር ከምኡውን “ንመንፈሳዊ ድሕንነት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጐዳኢ ኢዩ” ይብሉ ነበሩ።
መንግስትን ገነትን። ሓደ ካብቶም ናይ ኣምስተርዳም ኮለጅ መስረትቲ ዝዀነ ዳኒኤል ደ ብራን (1594-1664) መንግስቲ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሓደ ሰብ እትሓድር መንፈሳዊት መንግስቲ ኣይኰነትን ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ኣብ ሮተርዳም ኮለጃዊ ዝነበረ መምህር ጃኮብ ኦስተንስ “እቶም ርእሲ ኣቦታት ምድራዊ ተስፋታት ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም” በለ። ብተመሳሳሊ: ኮለጃውያን ምድሪ ናብ ገነት እትልወጠሉ ግዜ ተጸብዮም ኢዮም።
ስላሴ። እቶም ናይ እምነት ሶሲንያን ጽልዋ ዝነበሮም ገለ መራሕቲ ኮለጃውያን ንስላሴ ነጺጎምዎ ኢዮም።c ንኣብነት: ዳኒል ዝዊከር (1621-78) ከም ስላሴ ዝኣመሰለ ኣንጻር ምስትውዓል ዝዀነ ሰረተ-እምነት “ክኸውን ዘይክእልን ሓሶትን” ኢዩ ኢሉ ጸሓፈ። ብ1694 ብኮለጃዊ ረይኒር ሮሌኦ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓትመ። ነታ ናይ ዮሃንስ 1:1 ናይ መወዳእታ ክፋል ከምቲ ልሙድ ኣተራጕማ “እቲ ቓል ድማ ኣምላኽ [God] ነበረ” ኢሉ ዘይኰነስ “እቲ ቓል ድማ ኣምላኽ [a god] ነበረ” ኢሉ ኢዩ ተርጒምዋ።d
ሰሙናዊ ኣኼባታት
ኵሎም ኮለጃውያን ብእምነት ዝመጸ ዘይሰማምዑ እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ኣብ እተፈላለየ ከተማታት ዝነበረ ኮለጃቶም ኣካይድኡ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ኢዩ ነይሩ። ጸሓፍ ታሪኽ ቫን ስሊ ኣብተን ቀዳሞት መዓልትታት ምንቅስቓስ ኮለጃውያን: ኣኼባታት ኣቐዲሙ ይዳሎ ከም ዘይነበረ ጸብጻብ ይህብ። ብመሰረት እቲ ‘ምንባይ’ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ: እቶም ኮለጃውያን ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ዝዀኑ ኣባላት ኣብቲ ኮለጅ ናጻ ዀይኖም ዝርርብ ከቕርቡ ከም ዝኽእሉ ተሰምዖም። (1 ቈረንቶስ 14:1, 3, 26) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣኼባታት ክሳዕ ምሸት ይቕጽል ስለ ዝነበረ ገለ ተኣከብቲ “ዓሚቝ ድቃስ” ይወስዶም ነበረ።
ጸኒሑ ኣኼባታት ብዝያዳ ተመሓደረ። እቶም ኮለጃውያን ኣብ ሰናብቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዓልትታት ስራሕ ኣብ ዘሎ ምሸት እውን ይእከቡ ነበሩ። እቲ ተዛራባይን እታ ጉባኤን ንዅሉ እቲ ኣብታ ዓመት ዝካየድ ኣኼባታት ኣቐዲሞም ምእንቲ ኽዳለዉሉ: ዝርዝር ዝጽናዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ኣስማት ናይቶም ተዛረብትን ዝሓዘ ፕሮግራም ተሓቲሙ ይዳሎ ነበረ። እቲ ኣኼባ ብመዝሙርን ጸሎትን ምስ ተጀመረ: ሓደ ተዛራባይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ምስ ወድአ: ብዛዕባ እቲ እተዛረበሉ ኣርእስቲ ሓሳቦም ንኽገልጹ ነቶም ሰብኡት ይሓቶም። ድሕርዚ ሓደ ካልኣይ ተዛራባይ ናይዚ ጥቕስታት እዚ ኣወዓዕላ ይገልጽ። እቲ ኣኼባ ብጸሎትን መዝሙር ይዕጾ።
እቶም ኣብ ኣውራጃ ፍሪስላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ሃርሊነን ዝነበሩ ኮለጃውያን ኣኼባታቶም ብመደብ ከም ዝቕጽል ዝገብርሉ ፍሉይ መገዲ ነበሮም። እቲ ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ንላዕሊ ዝዛረብ ተዛራባይ ንመቕጻዕቲ ሒደት ገንዘብ ይኸፍል ነበረ።
ሃገራዊ ኣሰምብሊታት
እቶም ኮለጃውያን ዓበይቲ ኣኼባታት ምክያድ እውን ኣድላዪ ዀይኑ ተሰምዖም። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣብ ብምልእቲ እታ ሃገር ዝነብሩ ኮለጃውያን ካብ 1640 ጀሚሮም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ (ኣብ ጽድያን ሓጋይን) ናብ ሪንስበርክ ይጓዓዙ ነበሩ። ጸሓፍ ታሪኽ ፊክስ: እዚ ኣኼባታት እዚ “ምስ ሓሳባት: ስምዒት: እምነታትን ንጥፈታትን ናይቶም ካብ እተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ኣሕዋቶም ንኽላለዩ” ኣኽኢልዎም ኢዩ ኢሉ ጸሓፈ።
ገለ በጻሕቲ ኮለጃውያን: ካብቶም ነበርቲ እቲ ቝሸት ገዛ ይካረዩ ነበሩ: ካልኦት ከኣ ኣብቲ በቶም ኮለጃውያን ዝውነን 30 ክፍልታት ዘለዎ ክሮት ሆስ ወይ ዓቢ ኣደራሽ ይቕንዩ ነበሩ። ኣብኡ ካብ 60 ክሳዕ 70 ንዝዀኑ ሰባት መግቢ ይዳሎ ነበረ። ድሕሪ ድራር ድማ እቶም በጻሕቲ ‘ፍጥረት ኣምላኽ ብምዕዛብ: ህዱእ ምይይጥ ብምግባር: ወይ ንቑሩብ ግዜ መንፈሳዊ ነገራት ብምሕሳብ’ ንምዝንጋዕ ኣብቲ ገፊሕ ቦታ ኣታኽልቲ ናይቲ ዓቢ መንበሪ ኣደራሽ ይዛወሩ ነበሩ።
ጥምቀት ኣድላዪ ኰይኑ ዝስምዖም ዝነበረ ኵሎም ኮለጃውያን እኳ እንተ ዘይነበሩ: ብዙሓት ግን ተጠሚቖም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ጥምቀት ክፍሊ ናይ ዓበይቲ ኣኼባታት ኰነ። ጸሓፍ ታሪኽ ቫን ስሊ: እቲ ጽንብል መብዛሕትኡ እዋን ቀዳም ንግሆ ይካየድ ነበረ ይብል። ጥምቀት ኣድላዪ ምዃኑ ዝገልጽ ዝርርብ ምስ ተዋህበ: መዝሙርን ጸሎትን ይስዕብ ነበረ። ድሕርዚ እቲ ተዛራባይ ነቶም ክጥመቑ ዝደልዩ በጽሕታት “የሱስ ክርስቶስ ወዲ እቲ ህያው ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኢየ” ዝብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ናይ እምነት ነስሓ ንኽገብሩ ይዕድሞም። እቲ ዝርርብ ብጸሎት ምስ ተዓጽወ: ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ናብቲ መጠመቒ ጋብላ ይኸዱ: እቲ ማይ ኣብ መንኩብ እቶም መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ምእንቲ ክበጽሕ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ጋብላ ይምብርከኹ። ድሕርዚ እቲ ዘጥምቕ ሰብ ቀስ ኢሉ ንርእሲ ናይቲ ሓድሽ ተጠማቒ ናብ ውሽጢ እቲ ማይ የጥልቖ። እቲ ስነ-ስርዓት ጥምቀት ምስ ተወድአ: ኵሎም ካልእ ዝርርብ ንምስማዕ ነናብ ኮፍ መበሊኦም ይምለሱ።
ቀዳም ሰዓት 5:00 ድሕሪ ቐትሪ: እቲ ቐንዲ ኣኼባ ሓጺር ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙርን ጸሎትን ምስ ተገብረ ይጅመር። ኵሉ ግዜ ተዛራባይ ከም ዝህሉ ንምግባር: እቲ ኣብ ሮተርዳም: ለይደን: ኣምስተርዳም: ከምኡውን ኣብ ኣውራጃ ሰሜን ሆላንድ ዝነበረ ኮለጃት ንነፍሲ ወከፍ ኣሰምብሊ ዝዀኑ ተዛረብቲ በብተራ የዳሉ ነበረ። ሰንበት ንግሆ ንጽንብል ድራር ጐይታ እተወሰነት ነበረት። ዝርርብ: ጸሎት: መዝሙር ምስ ተወድአ: መጀመርታ ሰብኡት ድሕርዚ ኣንስቲ ካብቲ ቕጫን ወይንን ይካፈሉ። ሰንበት ምሸት ተወሳኺ ዝርርባት ይስዕብ: ሰኑይ ንግሆ ድማ ነቲ ናይ መዕጸዊ ዝርርብ ንምስማዕ ኵሎም ብሓባር ይመጹ ነበሩ። ቫን ስሊ ከም ዝበሎ እቲ ኣብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ዝቐርብ ዝነበረ ዝርርባት መብዛሕትኡ መብርሂ ዘይኰነስ ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡ ዘጕልሕ ተግባራዊ ዝርርባት ኢዩ ነይሩ።
እቶም ተቐማጦ ናይታ ሪንስበርክ እትበሃል ቍሸት ኣብ ዓዶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ክግበር ሕጉሳት ኢዮም ነይሮም። ሓደ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ተዓዛቢ: እቲ ዋሕዚ ናይቶም ንመግብን መስተን ገንዘብ ዘጥፍኡ ዝነበሩ ኣጋይሽ: እታ ቝሸት ጽቡቕ እቶት ከም እትረክብ ገይሩ ኢዩ ኢሉ ጸሓፈ። ብተወሳኺውን: እቶም ኮለጃውያን ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ኣኼባ ምስ ተወድአ ነታ ድኻ ዝነበረት ሪንስበርክ ገንዘብ ይውፍዩላ ነበሩ። እዚ ኣኼባታት እዚ ብ1787 ምስ ኣቋረጸ: እታ ቝሸት ከም ዝጸመወት ኣየጠራጥርን ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ናይቶም ኮለጃውያን ምንቅስቓስ እናደኸመ ከደ። ስለምንታይ፧
እናደኸመ ዝኸደሉ ምኽንያት
ኣብ መወዳእታ መበል 17 ክፍለ-ዘበን: ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሃይማኖት ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ክርክር ተላዒሉ ነበረ። ገሊኦም ኮለጃውያን: ወድሰብ ዘለዎ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ካብ መለኮታዊ ራእይ ንላዕሊ ቀዳምነት ክዋሃቦ ኣለዎ ዝብል ስምዒት ነበሮም: ካልኦት ግን በዚ ኣይተሰማምዑን። ኣብ መወዳእታ: እቲ ኽርክር ንብምሉኡ እቲ ናይ ኮለጃውያን ምንቅስቓስ ኣብ ክልተ ከም ዝምቀል ገበሮ። እቶም ብኽልቲኡ ወገን ዝነበሩ ቀንዲ ተጣበቕቲ ምስ ሞቱ ግን እቶም ኮለጃውያን እንደገና ክሓብሩ ጀመሩ። ይኹን እምበር: ጸሓፍ ታሪኽ ፊክስ: ድሕርዚ ምክፍፋል እዚ እቲ ምንቅስቓስ “ከምቲ ናይ ቀደሙ ክኸውን ኣይከኣለን” ይብል።
እቲ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ኣብ ውሽጢ ናይ ፕሮቴስታንት ኣብያተ-ክርስትያን እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ተጻዋርነት እውን ነቲ ናይ ኮለጃውያን ውድቀት ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ። እቲ ኮለጃውያን ብዛዕባ ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ተጻዋርነትን ዝነበሮም ስርዓት ኣብቲ ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ተቐባልነት እናረኸበ ምስ ከደ: “እቶም ሓደ ግዜ ንእሽቶ ብርሃን ዝነበሩ ኮለጃውያን ብብርሃን ናይቲ ዘ ኢንላይትመንት ዝበሃል ምንቅስቓስ ከም ዘይርአ ዀነ።” ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ-ዘበን: መብዛሕትኦም ኮለጃውያን ብእምነት መኖናውያንን ካልእ ሃይማኖታዊ ጕጅለታትን ተማሪኾም ኢዮም።
እቶም ኮለጃውያን ኣብ ውሽጢ እቲ ምንቅስቓሶም ናይ ኣተሓሳስባ ሕብረት ክህሉ ዕላማ ስለ ዘይነበሮም: ዳርጋ ክንድቲ ብዝሖም ዝኸውን እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ኣስተብሂሎምሉ ስለ ዝነበሩ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ክርስትያናት ክዀንዎ እተማሕጸነ ‘ብሓደ ሓሳብ እተጋጠምና’ ኢና ክብሉ ኣይከኣሉን። (1 ቈረንቶስ 1:10) ምስናይዚ ግን: እቶም ኮለጃውያን ሓደ ሓሳብ ምዃን ዝኣመሰለ መሰረታዊ እምነታት ክርስትና ዝገሃደሉ ግዜ ብተስፋ ተጸብዮም ኢዮም።
እቶም ኮለጃውያን ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ፍልጠት ሓቂ ገና ኣስፋሕፊሑ ዘይምንባሩ ኣብ ግምት ብምእታው: ሎሚ ዘለዋ ሓያሎ ሃይማኖታት ከስተብህላሉ ዝኽእላ ኣብነት ገዲፎም ኢዮም። (ምስ ዳንኤል 12:4 ኣረኣእዮ።) እቶም ኮለጃውያን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ምጕልሖም ምስቲ “ንዅሉ ተዐዘብዎ” ዝብል ምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ዮካቢስ ኣርሚኒየስን ካልኦትን ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባሮም: እቲ ንገለ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሃይማኖታዊ ሰረተ-እምነታትን ተግባራትን ፈጺሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ከም ዘይነበረ ክፈልጡ ክኢሎም ኢዮም። ነዚ ምስ ተገንዘብዎ: ካብታ ተመስሪታ ዝነበረት ሃይማኖት ንኽፍለዩ ትብዓት ረኸቡ። ንስኻኸ ከምኡዶ ምገበርካ፧
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብ1610 እቶም ተቓወምቲ ናብቶም ናይ ሆላንድ ገዛእቲ ወግዓዊ ተቓውሞ (ንኽቃወሙ ዝገበሮም ምኽንያታት ዝገልጽ ሰነድ) ለኣኹ። ድሕሪ እዚ ስጕምቲ እዚ: ሪሞንስትራንታውያን ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ።
b ኮለጃውያን ኣብዚ ቦታ እዚ ስለ ዝነበሩ: ሪንስበርካውያን ተባሂሎም እውን ይጽውዑ ነበሩ።
c ነቲ “ሶሲንያውን ንስላሴ ዝነጸግዎ ስለምንታይ ኢዮም፧” ዝብል ኣብ ናይ 22 ሕዳር 1988 ንቕሑ! ገጽ 19 (እንግሊዝኛ) ዘሎ ዓንቀጽ ርአ።
d ብዶክተር ራነር ሮላኦ ካብ ግሪኽ እተተርጐመ ሓድሽ ኪዳን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ (ቋንቋ ዳች)።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ረምብራንት ቫን ሪን
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]
እታ ኮለጃውያን ዝጀመሩላ ቫርሞንት እትበሃል ዓድን እቲ ጥምቀት ዝካየደሉ ዝነበረ ደ ቭሊት ዝበሃል ፈለግን
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of the American Bible Society Library, New York