ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/2 ገጽ 9-13
  • እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬትን ስርሓት ኢዱን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬትን ስርሓት ኢዱን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ሰራሕ መሬት ንዕዮኡ የናውሖ
  • እንታይ ዓይነት ኣቕሓ ኢኹም ክትኰኑ፧
  • ንፈተናታት ብዓወት እትዋጽእሉ ዄንኩም ተቐሪጽኩም
  • ነቶም ንኣሽቱ ከምቲ ዝድለ ቅርጺ ነትሕዞም
  • ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዘድሊ ቅርጺ ምትሓዙ
  • ተግሳጽ የሆዋ ይቕረጽካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • የሆዋ ኸም ሰራሕ ካይላ ዀይኑ ኸም ዚቐርጸና ነስተውዕል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣብ ኣቕሓ መሬት ዘሎ መዝገብና
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሓድሽ መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/2 ገጽ 9-13

እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬትን ስርሓት ኢዱን

‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ኣቕሓ ኽብሪ ኩኑ ። ’—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠21

1, 2. (ሀ) ኣምላኽ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ክፈጥር ከሎ ብሉጽ ዝዀነ ዕዮ ዝፈጸመ ብኸመይ ኢዩ (ለ) እቲ ዝዓበየ ሰራሕ መሬት ንኣዳምን ሄዋንን ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዝፈጠሮም፧

የሆዋ እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ኢዩ። ካብቲ ዝፈጠሮ ነገራት እቲ ዝበለጸ ኸኣ እቲ ናይ መጀመርታ ወላዲና ኣዳም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ” ማለት “ከስተንፍስ ዝኽእል ፍጥረት” ኰነ። (ዘፍጥረት 2:⁠7 NW እግረ-ጽሑፍ) እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ፍጥረት: ብመልክዕ ኣምላኽ እተሰርሐ ፍጹም ሰብ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ የሆዋ መለኮታዊ ጥበብ ከም ዘለዎ: ናይ ሓቂ ጽድቅን ፍትሕን ከኣ ከም ዝፈቱ መረጋገጺ ኢዩ።

2 ኣምላኽ ካብ መሰንገለ ኣዳም ብምውሳድ ንሰብኣይ መመላእታን ደጋፊትን እትኸውን ሰበይቲ እውን ሰሪሑ ኢዩ። ሄዋን ኣበር ዘይነበራ ጽብቕቲ ብምንባራ ካብ ዝዀነት ትኹን ኣብዚ እዋን እዚ ዘላ መልክዐኛ እትበሃል ሰበይቲ ትበልጽ ነበረት። (ዘፍጥረት 2:⁠21-23) ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ንምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥ ተዋሂብዎም ዝነበረ ፕሮጀክት ክፍጽምዎ ዘኽእሎም ኣካላትን ኣእምሮን ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ። ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 1:⁠28 ተገሊጹ ዘሎ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ንኽፍጽምዎ ዘኽእሎም ሓይሊ እውን ተዋሂብዎም ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እዛ ኣብ መላእ ዓለም ክትህሉ ዝነበራ ገነት በቶም በታ “ማእሰር ፍጻሜ” ዝዀነት ፍቕሪ እተጠምሩ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሕጉሳት ሰባት ክትመልእ ነበራ።​—⁠ቈሎሴ 3:⁠14

3. እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣቕሓ ውርደት ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም: እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧

3 እቲ ዘሕዝን ግን እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ብድሌቶም ኣንጻር ሉዓላውነት እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ዝዀነ ፈጣሪኦም ክኸዱ መረጹ። ዝወሰድዎ ስጕምቲ ድማ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 29:⁠15, 16 ተጠቒሱ ዘሎ ኰነ:- “ነቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዚሐብኡ: ተግባሮም ከኣ ብጸልማት ዚገብሩ እሞ: መን ይርእየና፧ መንከ ይፈልጠና፧ ዚብሉስ ወይለኦም። . . . ስሩሕ ንሰራሒኡ: ንስኻ ኣይሰራሕካንን: ድኩን ከኣ ንደኳኒኡ: ንስኻ ኣይተስተውዕልን ኢኻ: ኢሉስ መሬትዶ ምስ ሰራሒኡ ይመዓራረ እዩ፧” ድርቅንኦም ጥፍኣት: ፍርዲ ናይ ዘለኣለማዊ ሞት ኣስዓበሎም። ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ካብኦም ዝመነጨ ኵሉ ዓሌት ሰብ ሓጢኣትን ሞትን ወረሰ። (ሮሜ 5:⁠12, 18) እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ዘዳለዎ ኣቕሓ ጽባቔኡ ተበላሸወ።

4. ንኸመይ ዝበለ ክብረት ዘለዎ ዕላማ ኢና ከነገልግል ዘሎና፧

4 ይኹን እምበር: ዋላ እኳ ዘርኢ እቲ ሓጢኣተኛ ኣዳም እንተ ዀንና ሕጂ ዘይፍጹማት ከሎና እውን ከይተረፈ በቲ ኣብ መዝሙር 139:⁠1 ዘሎ ቃላት ገይርና ንየሆዋ ክንውድሶ ንኽእል ኢና:- “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ። ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።” ይኹን እምበር: እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ዘዳለዎ ናይ መጀመርታ ስርሓት ኣዝዩ ምብልሻዉስ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ!

እቲ ሰራሕ መሬት ንዕዮኡ የናውሖ

5. ናይቲ ዝዓበየ ሰራሕ መሬት ክእለት ብኸመይ ኢዩ ክርአ ዝነበሮ፧

5 እቲ ዘሐጕስ ግን እቲ ፈጣሪና ከም ሰራሕ መሬት መጠን ዘለዎ ክእለት ነቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ሰብ ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ቅርጺ ምስ ኣትሓዞ ጥራይ ኣየብቅዐን: ክንዮኡ ዝኸይድ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ወይ ጋዶ: ኣታ ሰብ: ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፤ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብቲ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ: ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧”​—⁠ሮሜ 9:⁠20, 21

6, 7. (ሀ) ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ንውርደት ክቕረጹ ዝመረጹ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም ጻድቃን ንኽብረት ዝኸውን ቅርጺ ዝሓዙ ብኸመይ ኢዮም፧

6 እወ: እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ካብ ዘዳለዎ ኣቝሑ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡ ኸኣ ንሓሳር ክኸውን ነበሮ። እቶም ምስታ ናብ ዓዘቕቲ ናይቲ ዘይኣምላኻዊ ዝዀነ ነገራት እናጠሓለት እትኸይድ ዘላ ዓለም ተሰማሚዖም ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት ደቂ ጥፍኣት ምዃኖም ብዘፍልጦም መገዲ ቅርጺ ይሕዙ ኣለዉ ማለት ኢዩ። እቲ ግርማ ዝለበሰ ክርስቶስ የሱስ ክፈርድ ምስ መጸ: እዞም ኣቝሑ ሓሳር ዝዀኑ ሰባት እዚኣቶም ንዅሎም እቶም ከም ኣጣል ተመሲሎም: ከምቲ ማቴዎስ 25:⁠46 ዝብሎ ኸኣ “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ” ዝኸዱ ኵሎም ደቅሰብ ዘጠቓልሉ ክዀኑ ኢዮም። እቶም ከም ኣቝሑ ‘ክብረት’ ኰይኖም እተቐርጹ ኣባጊዕ መሰል “ጻድቃን” ግና “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክወርሱ ኢዮም።

7 እዞም ጻድቃን እዚኣቶም በቲ መለኮታዊ መገዲ ቅርጺ ክሕዙ ብትሕትና ኢዮም ርእሶም ዘቕርቡ። ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት ኣትዮም ኢዮም። ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠17-19 ዘሎ “በቲ ክንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ እምበር: በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ” ዝብል ምኽሪ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ‘ሰናይ ንምግባር: ብሰናይ ግብሪ ንምህብታም: ለጋሳትን መማቐልትን ንምዃን: ናይ ሓቂ ህይወት ንምርካብ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ንምእካብ’ ገዛእ ርእሶም ወፍዮም ኢዮም። መለኮታዊ ሓቂ እቲ ዝግባእ ቅርጺ ኣትሒዝዎም ኢዩ: ኣብቲ የሆዋ ንዅሉ እቲ ብሓጢኣት ኣዳም ዝጠፍአ ነገራት ንምምላስ በቲ ‘ነፍሱ በጃ ዝሃበ’ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ ምድላው ከኣ ነቕ ዘይትብል እምነት ኣላቶም። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠6) ስለዚ እምበኣር ነቲ ጳውሎስ ‘ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ገይርኩም ነቲ ብፍልጠት ዝሕደስ [ሓድሽ ቅርጺ ዝሕዝ] ሓድሽ ሰብ ልበሱ’ ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክንደይ ኰን ኢና ፍቓደኛታት ክንከውን ዝግብኣና!​—⁠ቈሎሴ 3:⁠10

እንታይ ዓይነት ኣቕሓ ኢኹም ክትኰኑ፧

8. (ሀ) ሓደ ሰብ እንታይ ዓይነት ኣቕሓ ከም ዝኸውን ብምንታይ ኢዩ ዝውሰን፧ (ለ) ንናይ ሓደ ሰብ ቅርጺ ኣበርክቶ ዝገብሩ ክልተ ረቛሒታት እንታይ ኢዮም፧

8 ሓደ ሰብ እንታይ ዓይነት ኣቕሓ ከም ዝኸውን ብምንታይ ኢዩ ዝውሰን፧ ብኣረኣእይኡን ጠባዩን ኢዩ ዝውሰን። እዚ መጀመርታ ብናይ ልቢ ባህግን ዝንባለን ኢዩ ዝቕረጽ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ: ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ” በለ። (ምሳሌ 16:⁠9) ካልኣይ ከኣ በቲ እንሰምዖን እንርእዮን ነገራት: በቲ እንገብሮ ሕብረትን እነሕልፎ ተመክሮን ኢዩ ዝቕረጽ። ስለዚ እምበኣር ነቲ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ዝብል ምኽሪ ከነቕልበሉስ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ። (ምሳሌ 13:⁠20) ከምቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:⁠16 ዘሎ መጠንቀቕታ ካብቲ “እተጣበብዎ ጽውጽዋያት” ወይ ብመሰረት እቲ ኖክስ ዝበሃል ናይ ሮማ ካቶሊክ ትርጕም ከኣ ካብቲ “ሰብ ዝማሃዞ ጽውጽዋያት” ክንርሕቕ ኣሎና። እዚ ድማ ንብዙሕ ናይታ ከሓዲት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ትምህርትታትን በዓላትን ዘጠቓልል ኢዩ።

9. እቲ ዝዓበየ ሰራሕ መሬት ቅርጺ ከትሕዘና ክደሊ ኸሎ ብኸመይ ኢና ብጽቡቕ ክንምልሰሉ እንኽእል፧

9 ብመሰረት እቲ እነርእዮ መልሰ-ግብሪ: ኣምላኽ ቅርጺ ከትሕዘና ይኽእል ኢዩ። ብትሕትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቀሪብና ነዚ ዝስዕብ ጸሎት ዳዊት ክንደግሞ ንኽእል ኢና:- “ዎ ኣምላኽ: መርምረኒ: ልበይ ከኣ ፍለጥ: ፈትነኒ: ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ: ርኤ: ኣብቲ ናይ ዘለኣለም መገዲ ምርሓኒ።” (መዝሙር 139:⁠23, 24) የሆዋ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ከም ዝስበኽ ይገብር ኣሎ። ልብና ኸኣ ነቲ ብስራትን ኣምላኽ ዝህቦ መምርሒታትን ሞሳ ብዘለዎ መገዲ መልሲ ሂብሉ ኢዩ። ብማሕበሩ ገይሩ ምስቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ እተተሓሓዘ መሰላት ዘርጊሑልና ኣሎ፣ ነዚ መሰላት እዚ ኣጽኒዕና ንሓዞ: ኣኽቢርና ኸኣ ንርኣዮ።​—⁠ፊልጲ 1:⁠9-11

10. መንፈሳዊ መደባት ኣብ ምስዓብ ብኸመይ ኢና ክንጽዕር ዘሎና፧

10 መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ከምኡውን ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣገልግሎት የሆዋን መሰረት ናይቲ ምስ ስድራቤትናን ብጾትናን እንገብሮ ዕላል ብምግባር ንቓል ኣምላኽ ብቐጻሊ ከነቕልበሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤትኤል ከምኡውን ኣብ መንበሪ ሚስዮናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ቝርሲ ዝግበር ናይ ንግሆ ኣምልኾ: ሓደ ሰሙን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓደ ሰሙን ከኣ ካብ ዓመት መጽሓፍ ምንባብ ዘጠቓልል ኢዩ። ስድራቤትኩምከ ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ክትገብር ትኽእልዶ፧ ምስታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣኼባታትን ብእንገብሮ ሕብረት: ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ሰሙናዊ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብምስታፍ ክንደይ ረብሓታት ኰን ኢና እንረክብ!

ንፈተናታት ብዓወት እትዋጽእሉ ዄንኩም ተቐሪጽኩም

11, 12. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዘጋጥመና ፈተናታት ዝገልጽ ናይ ያእቆብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) እቲ ናይ እዮብ ተመክሮ ንጽህናና ንምሕላው ዘተባብዓና ብኸመይ ኢዩ፧

11 ኣብ መዓልታዊ ናብራ ገለ ኵነታት ከጋጥመና ኣምላኽ የፍቅድ ኢዩ። ገለ ካብዚ ንኽንዋጽኣሉ ከቢድ ኰይኑ ንረኽቦ ንኸውን። ነዚ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዘሎና፧ ከምቲ ኣብ ያእቆብ 4:⁠8 ተዋሂቡ ዘሎ ምኽሪ: ኣብ ክንዲ ምንጽርጻር ኣምላኽ ምስ ‘እንቐርቦ ከም ዝቐርበና’ እምንቶ ብምግባር ብምሉእ ልብና ኣብኡ ተወኪልና ዝያዳ ናብኡ ኽንቀርብ ኣሎና። ሽግራትን ፈተናታትን ክንጽመም ከም ዘሎና ሓቂ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣብቲ ንዓና ቅርጺ ንምትሓዝ ዝግበር መስርሕ ኣበርክቶ ክህልዎ ኢሉ ኢዩ የሆዋ ነቲ ኵነታት ዘፍቅዶ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ። ያእቆብ 1:⁠2, 3 ‘ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ከም ዚገብር ፈሊጥኩም ንዅሉ ከም ሓጐስ ቍጸርዎ’ ብምባል መረጋገጺ ትህበና።

12 ያእቆብ ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢሉ ኣሎ:- “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን።” (ያእቆብ 1:⁠13, 14) እቲ እነሕልፎ ፈተናታት ብዙሕን እተፈላለየን ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ከምቲ ናይ እዮብ ኵሉ እቲ ፈተና ንዓና ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ግደ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ያእቆብ 5:⁠11 ከምዚ ዝስዕብ ዓቢ መረጋገጺ ዝህበና:- “እንሆ: ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም።” ኣብ ኢድ እቲ ዓቢ ሰራሕ መሬት ዘሎ ኣቕሓ ከም ምዃንና መጠን: ኵሉ ግዜ ንጽህናና እንሕሉ ይግበረና: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ናይ እዮብ ዝዓይነታ እምንቶ ክትህልወና ኢያ!​—⁠እዮብ 2:⁠3, 9, 10፣ 27:⁠5፣ 31:⁠1- 6፣ 42:⁠12-15

ነቶም ንኣሽቱ ከምቲ ዝድለ ቅርጺ ነትሕዞም

13, 14. (ሀ) ወለዲ ንደቆም እቲ ዝድለ ቅርጺ ከትሕዝዎም ክጅምሩ ዘለዎም መዓስ ኢዮም: እንታይ ፍረ ክረኽቡ ብምጽባይከ ኢዮም ዝገብርዎ፧ (ለ) እንታይ ዘሐጕስ ፍረ ኢኻ ክትጠቅስ እትኽእል፧

13 ወለዲ ደቆም ገና ሕጻናት ከለዉ ኣትሒዞም እቲ ዝድለ ቅርጺ ከትሕዝዎም ምስ ዝጅምሩ: መንእሰያትና ኣየ ከመይ ዝኣመሰሉ ሓለውቲ ንጽህና ኰን ኢዮም ክዀኑ ዝኽእሉ! (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14, 15) ብርቱዕ ፈተና ከጋጥሞም ከሎ እውን ከይተረፈ ንጽህንኦም ክሕልዉ ከም ዝኽእሉ ተራእዩ ኢዩ። ገለ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብርቱዕ ስደት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሓንቲ ሕድሪ እተጽንዕ ስድራቤት ነታ ግምቢ ዘብዐኛ ብሕቡእ ዝሕተመላ ዝነበረት ማሽን ኣብ ሓደ ስቱር ቦታ ኣቐሚጦምዋ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ወተሃደራት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ብሓይሊ ኣብ ሰራዊት ዝኽተቡ መንእሰያት ይገፉ ነበሩ። እቶም ኣብዛ ስድራቤት እዚኣ ዝነበሩ ክልተ መንእሰያት ኣወዳት ንኽሕብኡ ገና ግዜ ነይርዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ወተሃደራት ንዓኣቶም ክረኽቡ ኢሎም ምስ ዝፍትሹ ነታ ማሽን ከም ዝረኽብዋ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ምስ እትርከብ ከኣ ንብምልእቲ እታ ስድራቤት ኣብ ሽግር ከእትዋ: ምናልባት እውን ኣብ ሞት ከብጽሓ ይኽእል ነበረ። እንታይ ክግበር ይከኣል ነበረ፧ እቶም ክልተ ኣወዳት ብትብዓት ነቲ ኣብ ዮሃንስ 15:⁠13 ዘሎ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ዝብል ሓሳብ ጠቐሱ። ኣብቲ መቐበል ኣጋይሽ ክጸንሑ ድማ ግዲ በሉ። እቶም ወተሃደራት ከም ዝረኽብዎም: ኣብ ውትህድርና ምኽታብ ምስ ዝኣብዩ ኸኣ ከሳቕይዎም ወይ እውን ክቐትልዎም ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ ነይሩ። ንዕኦም እንተድኣ ረኺቦምዎም ግን ነቲ ገዛ ኣይፍትሽዎን ኢዮም። እታ ማሽንን ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤትን ከኣ ካብ ሓደጋ ይድሕኑ። ይኹን እምበር: እቲ ዝሰዓበ ኵነታት ዘገርም ነበረ። እቶም ወተሃደራት ነታ ገዛ ከይኳሕኵሑ ዘሊሎምዋ ብምሕላፍ ናብታ ቀጺላ ዘላ ገዛ ከዱ! እዞም ንኽብረት ዝኸውን ቅርጺ ዝሓዙ ህያዋን ኣቕሓ እዚኣቶም: ምስታ ማሽኖም: እዋናዊ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ንምሕታም ካብ ሓደጋ ደሓኑ። ሕጂ ሓደ ካብቶም ክልተ ኣወዳትን ሓብቱን ኣብ ቤትኤል የገልግሉ ኣለዉ፣ እቲ ወዲ ኸኣ ገና በታ ዝኣረገት ማሽን ይሰርሕ ኣሎ።

14 ንኣሽቱ ከመይ ገይርካ ከም ዝጽለ ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም: ኣምላኽ ከኣ ንጸሎቶም ይምልስሉ ኢዩ። ሓደ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ናይዚ ኸኣ እቲ ኣብ ግዜ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ሩዋንዳ እተፈጸመ ነገር ኢዩ። እቶም ካብ መንግስቲ ዝዓለዉ ጕጅለ ንሓንቲ ጓል ሽዱሽተ ዓመትን ወለዳን ብናይ ኢድ ቦምባ ክቐትልዎም ምስ ኣዳለውዎም: እታ ቘልዓ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸገልግልዎ ከድሕኖም ዓው ኢላ ካብ ልቢ ጸለየት። እቶም ክቐትልዎም ሓሲቦም ዝነበሩ ኸኣ “ምእንቲ እዛ ንእሽቶ ቘልዓ ክንብል ኣይንቐትለኩምን ኢና” ብምባል ነሓፍዎም።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠12

15. ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ዘበላሹ ጽልዋ ኢዩ ዘጠንቀቐ፧

15 መብዛሕትኦም መንእሰያትና ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ዝኣመሰለ ፈተናታት ኣየጋጥሞምን ኢዩ: እንተ​ዀነ ግን ኣብ ቤት ትምህርትን ብልሹው ከባቢታትን ዘጋጥሞም ፈተናታት ኣሎ። ጽዩፍ ቋንቋ ምጥቃም: ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ: ሕሱር መዘናግዒታት ምድላይ: ከምኡውን ኣብ ሕማቕ ተግባራት ንኽካፈሉ ካብ መዛኑ ዝመጾም ጸቕጢ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ገኒኑ ኢዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጽልዋታት ክንርሕቕ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:⁠6፣ 15:⁠33, 34፣ ኤፌሶን 5:⁠3-7

16. ሓደ ሰብ ኣቕሓ ክብረት ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

16 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ “ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት” ዝኸውን ኣቝሑ ምስ ተዛረበ ቀጺሉ “እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ: ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ: ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ” በለ። ስለዚ እምበኣር ንመንእሰያትና ብዛዕባ እቲ ዝገብርዎ ሕብረት ክጥንቀቑ ነተባብዓዮም። ‘ካብ ትምኒት ጕብዝና ክሃድሙ: ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣስኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ይስዓቡ።’ (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠20-22) ስድራቤት ‘ንሓድሕዶም ዝመዓዓድሉ’ መደብ ምስ ዝህልዎም ንመንእሰያት ቅርጺ ንምትሓዝ እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠11፣ ምሳሌ 22:⁠6) እቲ ዝሰማማዕ ናይ ማሕበር ጽሑፋት ብምጥቃም መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምጽናዕን ጽቡቕ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዘድሊ ቅርጺ ምትሓዙ

17. መቕጻዕቲ ብኸመይ ኢዩ እቲ ዝድለ ቅርጺ ዘትሕዘና: ምስ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ፍረኸ፧

17 የሆዋ ከምቲ ዝድለ ቅርጺ ምእንቲ ከትሕዘና ብቓሉን ብማሕበሩን ገይሩ ምኽሪ ይህበና ኢዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ምኽሪ ፈጺምኩም ኣይትቃወምዎ! ብጥበብ ተቐበልዎ: የሆዋ ንኽቡር ነገር ከም ዝጥቀመልኩም ገይሩ ቅርጺ ከትሕዘኩም ኣፍቅድሉ። ምሳሌ 3:⁠11, 12 ከምዚ ብምባል ትምዕደና:- “ወደየ: ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ዚቐጽዖ: ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ: ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ: እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር።” ኣብ እብራውያን 12:⁠6-11 እውን ተወሳኺ ኣባታዊ ምኽሪ ተዋሂቡ ኣሎ። ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ነቲ ዜፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ . . . ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ።” ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅጽዓት ቀንዲ ምንጪ እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቃል ክኸውን ኣለዎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17

18. ካብ ሉቃስ ምዕራፍ 15 ብዛዕባ ነስሓ እንታይ ኢና እንማሃር፧

18 የሆዋ ምሕረተኛ እውን ኢዩ። (ዘጸኣት 34:⁠6) ከቢድ ሓጢኣት ተገይሩ ክነሱ እውን ልባዊ ነስሓ ምስ ዝርኢ: ይቕረ ይብል ኢዩ። ዘመናውያን ‘ሓሸሽቲ’ እውን ከይተረፉ ንኽብረት ዝጠቅም ኣቕሓ ኰይኖም ቅርጺ ክሕዙ ይኽእሉ ኢዮም። (ሉቃስ 15:⁠22-24, 32) እቲ እንገብሮ ሓጢኣት ከምቲ ናይቲ ሓሻሽ ወዲ ዝገበሮ ከቢድ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብትሕትና ምስ እንቕበል ንኽብረት ዝጠቅም ኣቕሓ ኴንና ቅርጺ ከም እንሕዝ ክገብረና ይኽእል ኢዩ።

19. ኣብ ኢድ የሆዋ ከም ዘሎ ናይ ክብረት ኣቝሑ ኴንና ምግልጋል እንቕጽል ብኸመይ ኢና፧

19 መጀመርታ ሓቂ ክንቅበል ከሎና: የሆዋ ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ክቐርጸና ኣፍቂድናሉ ኢና። ዓለማዊ መገዲ ገዲፍና: ሓድሽ ሰብ ለቢስና: ህይወቶም ዝወፈዩን እተጠምቁን ክርስትያናት ከኣ ኴንና። ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:⁠20-24 ዘሎ ‘ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ: ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም: እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ’ ዝብል ምኽሪ ተኣዚዝናዮ ኢና። ኵሉ ግዜ ንኽብረቱ ዝጥቀመልና ኴንና ብምግልጋል ብብሕትና ኣብ ኢድ እቲ ዝዓበየ ሰራሕ መሬት: የሆዋ: ተዓጻጸፍቲ ኴንና እንቕጽል ይግበረና!

ብመልክዕ ድግማ

◻ እቲ ዝዓበየ ሰራሕ መሬት: ንምድርና ዝምልከት እንታይ ዕላማ ኣለዎ፧

◻ ንኽቡር ዕላማ ከም እትጠቅም ኴንካ ቅርጺ ክትሕዝ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

◻ ደቅና ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዮም ክቕረጹ ዝኽእሉ፧

◻ ብዛዕባ መቕጻዕቲ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንኽብረት እትጠቅም ኣቕሓ ኴንካ ክትቅረጽ ዲኻ ወይስ ክትንጸግ ኢኻ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ንኣሽቱ ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም እቲ ዘድሊ ቅርጺ ከም ዝሕዙ ክግበር ይከኣል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ