ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንምርካብ ምድላይ ዓስቢ ኣለዎ
እቲ ክልተ ነገድ ዝሓዘ መንግስቲ ይሁዳ ኣብ ዓስራይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ተዓብሊሉ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እዚ ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት: ሓደ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝልቡ ሰብኣይ ነበረ። ስሙ ዮሳፋጥ ይበሃል። ነቢዪ የሁ ብዛዕባኡ ከምዚ በለ:- “ንልብኻውን ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስካዮ ኢኻ እሞ: ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ አሎ።” (2 ዜና መዋእል 19:3) ሎሚውን ብተመሳሳሊ ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ‘ልቦም’ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ናብ ምድላይ ‘መሊሶሞ’ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1–5) እዚ ድማ በዚ ካብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቶጎ እትበሃል ሃገር እተላእከ ተመክሮ ተራእዩ ኣሎ።
ካዚሚር ኣብ ሓደ ናይ ካቶሊክ ቤት ትምህርቲ ኢዩ ተማሂሩ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ ናይ መጀመርታ ቅዱስ ቁርባን ገበረ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ ግን ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ኣቋረጸ። ካብ ቅዳሴ እንተ ተሪፍካ ናብ ሲኦል ሓዊ ወይ ከኣ እንተ ወሓደ ናብ መንጽሂ ቦታ ኢኻ ትኣቱ ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ ፍርሂ ሓደሮ።
ካዚሚር ምስቶም ኣብ ቤት ትምህርቱ ዝነበሩ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ጕጅለ መንእሰያት ተጸምበረ። ብብሕቱ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመረ። ሓደ እዋን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ሓደ ካብ ባሕሪ ዝወጽእ ዘርዕድ ኣራዊት ኣንበበ። (ራእይ 13:1, 2) ነቲ መራሒ ናይታ ጕጅለ ብዛዕባ እቲ ዘንበቦ ምስ ሓተቶ: እቲ ኣራዊት ናይ ብሓቂ ከም ዝዀነን ቃል ብቓሉ ኸኣ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጽእን ነገሮ። ካዚሚር ኣብ ጥቓ ገማግም ኣትላንቲክ ይነብር ብምንባሩ እዚ ምስ ሰምዐ ተጨነቐ። እቲ ኣራዊት ክወጽእ ኸሎ ሓደ ካብቶም ናይ መጀመርታ ግዳያት ከም ዝኸውን ኣመነ።
ካብቲ ኣራዊት ምእንቲ ኽሃድም: ናብቲ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ምድረ በዳ ንኽኸይድ ገንዘብ ከዋህልል ጀመረ። ንሓደ መማህርቱ ብዛዕባ እቲ ሓሲብዎ ዘሎ ነገሮ። እቲ መማህርቱ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝነበረ: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣራዊት ቃል ብቓሉ ካብ ባሕሪ ከም ዘይወጽእ ኣረጋገጸሉ። ድሕሪ ቑሩብ ግዜ: ካዚሚር ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ክካፈል ተዓደመ። ኣብቲ ኣኼባታት ምክፋል ባህ ስለ ዘበሎ ብቐጻሊ ክእከብ ጀመረ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ እውን ፍቓደኛ ኰነ።
ካዚሚር ኣብ ጽንዓቱ ዕቤት እናኣርኣየ ምስ ከደ: ስድራቤቱ ክጻረርዎ ጀመሩ። ስድራቤቱ ንዝሞቱ ኣባሓጐታት የምልኹ ነበሩ: ካብ መስዋእቲ ዝተረፈ ደሙ ዘይፈሰሰ ስጋ ኸኣ ይበልዑ ነበሩ። ካዚሚር ነቲ ስጋ ከም ዘይበልዖ ብትሕትና ምስ ገለጸ ኣጕባዕብዕሉ: ካብ ገዛ ክትስጐጕ ኢኻ ብምባል ከኣ ኣፈራርሕዎ። ንሱ ግን ኣይተረበሸን: እቲ ምጕብዕባዕ ከኣ ኣይቀጸለን። ይኹን እምበር: ንሰለስተ ወርሒ ኣብቲ ገዛ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጋ ጥራይ ይቕረብ ነበረ። እኹል መግቢ ክረክብ ኣይከኣለን: እንተዀነ ግን ነዝን ንኻልእ ሽግራትን ተጸሚሙ ኣሕለፎ።
ካዚሚር መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ኣብ ርእሱ ምውፋይን ምጥማቕን በጽሐ። ጸኒሑ: ኣገልጋሊ ጉባኤ ኰነ እሞ ኣብቲ ኣብ ቶጎ ዝነበረ ራብዓይ ክፍሊ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ተኻፈለ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ናይ ወለንታ ዕዮ ይዓዪ ኣሎ።
እወ: እተን “[ንየሆዋ] እንተ ደሌኻዮስ: ኪርከበልካ እዩ” ዝብላ ናይ ንጉስ ዳዊት ቃላት ሓቂ ምዃነን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተረጋጊጸን ኢየን።—1 ዜና መዋእል 28:9
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእልታት]
ካዝሚር (የማን ) ኣብቲ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝግበር ናይ ወለንታ ዕዮ ደስ ኢልዎ ይካፈል ኣሎ