ሓቀኛ ትሕትና ከተርኢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ሓቀኛ ትሕትና ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዋጋ ኣለዎ። ያእቆብ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:6) ያእቆብ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብተዘዋዋሪ ነቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ ብዙሕ ሓሳባት ይጠቅስ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ: ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ።” “እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ኪብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ: . . . እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።” “ንሱ [ኣምላኽ] ንመላገጽቲ የላግጸሎም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።”—መዝሙር 138:6፣ ኢሳይያስ 2:11፣ ምሳሌ 3:34
ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ትሕትና ክህሉ ኣተባቢዑ ኢዩ። “ኣምላኽ ንዕቡያት [ይመዓቶም]: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 5:5
ክርስቶስ ዝሓደጎ ናይ ትሕትና ኣብነት
‘ትሑት ብምዃን ዝርከብ ክብሪ ወይ ረብሓ እንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነቲ ሓቀኛ ክርስትያን ክኸውን ዝጽዕር ሰብ እቲ መልሲ መሰረታዊ ኢዩ: እዚ ድማ ትሑት ምዃን ማለት ንክርስቶስ ምምሳል ማለት ኢዩ። የሱስ ነቲ ሰማያዊ ግዝኣት ገዲፍካ ናብ ምድሪ ብምምጻእ ካብ መላእኽቲ ትሒትካ ከም ሰብ ምዃን ዝሓትት ዝነበረ ፍሉይ መዝነት ብምቕባሉ ትሑት ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። (እብራውያን 2:7) ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ እቶም ሃይማኖታውያን ጸላእቱ ኣብ ልዕሊኡ ዘውረድዎ ግፍዒ ተጸሚምዎ ኢዩ። ኣብ እዋን ፈተንኡ ዝሕግዝዎ ለጌዎን መላእኽቲ ክጽውዕ ዝኽእል እኳ እንተ ነበረ: ህድኣቱ ኣየጥፍአን።—ማቴዎስ 26:53
ኣብ መወዳእትኡ: የሱስ ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ውርደት ተቐበለ: ነቡኡ ግን እሙን ኰይኑ ቐጸለ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ብዛዕብኡ ከምዚ ኢሉ ክጽሕፍ ዝኸኣለ:- “እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ: ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረአዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ: ሰብውን መሰለ: ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ።”—ፊልጲ 2:5-8
ስለዚ ሓቀኛ ትሕትና ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ገለ ገለ ዅነታት: ብትዕቢት ዘይኰነስ ብትሕትና መልሰ-ግብሪ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ትሑት ሰብ መልሰ-ግብሪ ዘርእየሉ መገዲ
ትሕትና ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘለዋ ግደ እስከ ንርአ። ሓደ ስራሕ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንኽዕየ: ተዓዘብቲ: ኣካየድቲ ስራሕ: ከምኡውን ተቘጻጸርቲ ከድልዩ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ውሳነ ዝህብ ሰብ ክህሉ ኣለዎ። ንስኻኸ ነዚ ብኸመይ ኢኻ እትምልከቶ፧ “እንታዋይ ኢዩ ንሱ ከምዚ ግበር ከምቲ ኣይትግበር ዝብለኒ፧ ኣብዚ ስራሕ እኮ ቅድሚኡ ኢየ ነይረ” ኢልካዶ ትሓስብ ኢኻ፧ እወ: ዕቡይ እንተድኣ ዄንካ: ተቘጻጻሪ ስለ ዘሎካ ጻዕጻዕ ክብለካ ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ሓደ ትሑት ሰብ ‘ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ከይገበረ: ብትሕትና ንኻልኦት ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ክርእዮም’ ኢዩ ዝጽዕር።—ፊልጲ 2:3
እቲ ምኽሪ ካብ ሓደ ካባኻ ዝንእስ ሰብ ወይ ካብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ዝመጽእከ ብኸመይ ኢኻ እትቕበሎ፧ ትሑት እንተድኣ ዄንካ: እንተ ወሓደ ነቲ ምኽሪ ትሓስበሉ ኢኻ። ዕቡይ እንተድኣ ዄንካ ግን ብኡንብኡ ነቲ ምኽሪ ትቃወሞ ወይ ትነጽጎ። ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝመርሓካ ውዳሰን ሻሕራን ዲኻ እትቕበል ወይስ ነቲ ንጥቕምኻ ዝኸውን ሃናጺ ምኽሪ፧—ምሳሌ 27:9፣ 29:5
ነቲ ዘጋጥመካ ጸገም ክትዋጽኣሉ ትኽእል ዲኻ፧ ትሕትና ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ንኸቢድ ኵነታት ክትዋጽኣሉን ክትጽመምን ተኽእለካ ኢያ። ዕቡይ እንተድኣ ዄንካ ግን ተስፋ ናብ ምቝራጽ ከተድህብ ኢኻ። ኣብ ከቢድ ኵነታትን ውርደት የምጽእ ኢዩ ዝበሃል ግድላትን ድማ ክትዓሉ ትኽእል።—እዮብ 1:22፣ 2:10፣ 27:2-5
ትሑት ሰብ ፈቃርን ይቕረ በሃልን ኢዩ
ገሊኦም ሰባት “ይቕረታ ግበረለይ: በዲለ ኢየ: ሓቅኻ ኢኻ ነይርካ” ምባል ኣዝዩ ኢዩ ዝኸብዶም። ስለምንታይ፧ ሕሉፍ ትዕቢት ስለ ዘለዎም ኢዩ! እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ እዋን ናይ ሓቂ ይቕረታ ምሕታት ኣብ ሓዳር ንዝለዓል ቆየቛ ብቐሊሉ የደቅሶ ኢዩ።
ሓደ ሰብ ምስ ዝብድለካ ይቕረ ንኽትብለሉ ፍቓደኛ ዲኻ፧ ወይስ ብትዕቢት ተነፊሕካ ነቲ በዲሉካ ዝበሃል ሰብ ከይተዛረብካዮ ምናልባት ንመዓልትታት ኣረ ንኣዋርሕ ትቕየሞ ኢኻ፧ ሕነ ኽትፈዲ ኢልካ ብምሕሳብ እውን ከይተረፈ ብርቱዕ ጽልኢዶ ተሕድር ኢኻ፧ ገሊኦም ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ስለ ዘሕደሩ ሰብ ቀቲሎም ኢዮም። ካልኦትውን እቲ ዝጥቀምሉ ሜላ ነቲ ዝበደሎም ሰብ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ ምክፋእ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን: ትሑት ሰብ ፈቃርን ይቕረ በሃልን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ፍቕሪ ኣይትቕየምን ኢያ። እስራኤላውያን ትዕቢት ኣርሒቖም ነይሮም እንተ ዝዀኑ: የሆዋ ይቕረ ንኽብለሎም ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ትሑት ሰዓቢ የሱስ ብተደጋጋሚ እውን እንተዀነ ይቕረ ንኽብል ፍቓደኛ ኢዩ።—ዮኤል 2:12-14፣ ማቴዎስ 18:21, 22፣ 1 ቈረንቶስ 13:5
ትሑት ሰብ ‘ንኻልእ ንምኽባር ይቀዳደም ኢዩ።’ (ሮሜ 12:10) ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን “ንሓድሕድኩም ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ተኸባበሩ” ይብል። ንኻልኦት ሰባት ትንእዶም: በቲ ዘለዎም ክእለትን ተውህቦን ድማ ተማስዎም ዲኻ፧ ወይስ ነቲ ኣብ ሰባት ዘለዎም ጽቡቕ ስም ንኸተበላሹ ኢኻ ኵሉ ግዜ ኣበር እትደሊ፧ እወ: ንኻልኦት ሰባት ብሓቂ ክትንእዶምዶ ትኽእል ኢኻ፧ ከምዚ ክትገብር ዘይትኽእል እንተድኣ ዄንካ: ጸገምካ ምናልባት ርእሰ-ምትእምማን ዘይምህላው ወይ ትዕቢት ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ዕቡይ ሰብ ትዕግስቲ የብሉን። ትሑት ሰብ ግን ዕጉስን ነዊሕ ተጻዋርነት ዘለዎን ኢዩ። ንስኻኸ፧ ሰባት ሕማቕ ዝገበሩኻ ኰይኑ ክስምዓካ ኸሎ ትሓርቕዶ፧ ከምዚ ምግባር ነዊሕ ተጻዋርነት ዘይምህላው ኢዩ። ትሑት እንተድኣ ዄንካ: ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ኣዕዚዝካ ኣይትሓስብን ኢኻ። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣዕዚዞም ምስ ሓሰቡ: እቲ ብዝያዳ ዓብዪ ዝዀነ መን ኢዩ ኣብ ዝብል ርሱን ክርክራት ከም ዝኣተዉ ኣይትረስዕ። ኵላቶም ‘ዘይጠቕሙ ባሮት’ ምንባሮም ረስዕዎ!—ሉቃስ 17:10፣ 22:24፣ ማርቆስ 10:35-37, 41
ፈረንሳዊ ጸሓፊ ቮልታይረ ንትሕትና “ናይ ኣእምሮ ጥቅውና . . . ጸረ ትዕቢት” ብምባል ገለጻ። እወ: ትሕትና ብኣእምሮ ትሑት ምዃን ማለት ኢያ። ትሑት ሰብ ዕቡይ ዘይኰነስ ብመንፈስ ጥቁው ኢዩ። ኣዝዩ ዘኽብርን እዱብን ኢዩ።
ስለዚ ትሑት ክትከውን ምጽዓር ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧ ትሕትና ኣምላኽ ዝሰምራን መለኮታዊ መምርሒ ንኽንረክብ እትሕግዘናን ባህሪ ስለ ዝዀነት ኢያ። ገለ ካብቲ የሆዋ ንዳንኤል ‘ኣዝዩ ፍትዊ’ ነብዪ ገይሩ ከም ዝርእዮን ራእይ ዝሓዘ መልኣኽ ናብኡ ከም ዝልእኽ ዝገበሮን ምኽንያት ናይ ዳንኤል ትሕትና ኢዩ! (ዳንኤል 9:23፣ 10:11, 19) ትሕትና ብዙሕ ዓስቢ የምጽእ ኢዩ። ዘፍቅሩኻ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ የፍርየልካ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: በረኸት የሆዋ የምጽእ። “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።”—ምሳሌ 22:4
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ትሕትና ዘለዎ ናይ ይቕረታ ቓል ኣብ ናብራ ሰላም ከም ዝህሉ ክገብር ይኽእል ኢዩ