ትዝክሮዶ፧
ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጹ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብጥንቃቐዶ ኣስተብሂልካሎም፧ ኣስተብሂልካሎም እንተድኣ ዄንካ: ነዚ ዝስዕብ ምዝካሩ ከሐጕሰካ ኢዩ:-
◻ እቲ ንጽሕፍቶ ዝገልጽ ሰረተ-እምነት ምኽንያታዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
ኣዳም ኣብ ሓጢኣት ከም ዝወድቕ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈልጦን ዝወሰኖን እንተድኣ ነይሩ: የሆዋ ንሰብ ብምፍጣሩ መናጪ ናይ ሓጢኣት ምዀነ ከምኡውን ብናይ ሰባት እከይን ስቓይን ተሓታቲ ምዀነ ነይሩ ማለት ኢዩ። እዚ ምስቲ የሆዋ እከይ ዝጸልእ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል ሓቂ ክሰማማዕ ኣይክእልን ኢዩ። (መዝሙር 33:5፣ ምሳሌ 15:9፣ 1 ዮሃንስ 4:8) —15/4 ገጽ 7, 8
◻ ንፍጻሜ ኢሳይያስ 2:2-4 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ሰባት እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ፧
ናብቲ ናይ የሆዋ ቤት ኣምልኾ ክውሕዙ ኸለዉ: ‘ውግእ ምምሃር’ የቋርጹ ኢዮም: ምኽንያቱ እምንቶኦም ኣብ ዕቝባ እቲ ንዅሎም ጸላእቲ ሰላም ንምጥፋእ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ኣምላኽ ሰራዊት ሰማይ ገይሮም ኢዮም።—15/4 ገጽ 30
◻ እቶም ኣብ ዮኤል 3:10, 11 እተዘርበሎም ናይ ኣምላኽ ጀጋኑ መን ኢዮም፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ገለ 280 ግዜ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (2 ነገስት 3:14) እዞም ሰራዊት እዚኣቶም የሆዋ ዝበሎም ንምግባር ድሉዋት ዝዀኑ ጀጋኑ ናይ ሰማይ ጭፍራ መላእኽቲ ኢዮም።—1/5 ገጽ 23
◻ የሆዋ ንእዮብ ምእንቲ እቶም ኣብ ልዕሊኡ በደል ዝፈጸሙ ሰባት ክጽሊ ምሕታቱ እንታይ ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል፧ (እዮብ 42:8)
ኵነታት ጥዕና እዮብ ቅድሚ ምምላሱ: የሆዋ ምእንቲ እቶም ኣብ ልዕሊኡ በደል ዝፈጸሙ ሰባት ክጽሊ ደልይዎ ኢዩ። እዚ ሓጢኣትና ይቕረታ ቅድሚ ምርካቡ: የሆዋ ነቶም ዝበደሉና ሰባት ይቕረ ክንብለሎም ከም ዝሓተና ዘርኢ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:12፣ ኤፌሶን 4:32) —1/5 ገጽ 31
◻ ያእቆብ “እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ (ያእቆብ 1:4)
ምጽማም እትዓዮ ዕዮ: ‘እትገብሮ’ ነገር ኣለዋ። ንሳ እትፍጽሞ መዝነት ኣብ ኵሉ መዳያት ምሉኣት ምእንቲ ኽንከውን ንምዕጣቕና ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገድታት ብምጥቃም እቲ ፈተና ቀልጢፉ ከም ዘቋርጽ ክንገብር ከይፈተንና ክሳዕ መወዳእታ እቲ ልሙድ ጕዕዞኡ ክቕጽል ብምሕዳግ እምነትና ከም እትፍተንን እትጸርን ንገብር።—15/5 ገጽ 16
◻ ኣምላኽ ግድላት ደቅሰብ ንምፍታሕ ክንድዚ ዝኣክል እዋን እተጸበየ ስለምንታይ ኢዩ፧
የሆዋ ኣብ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ካብ ናትና እተፈልየ ኢዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ: ካብቲ ኣዳም እተፈጥረሉ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ እዋን ሓደ ሰሙን እውን ኣይመልእን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:8) ኣብ ግዜ ዘሎና ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ግን: ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ መዓልቲ ናብ መፈጸምታ መዓልቲ የሆዋ እናኣቕረበትና ኢያ እትመጽእ።—1/6 ገጽ 5, 6
◻ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድርኾም እንታይ ኢዩ፧
ትምህርቲ የሆዋ ኣብ ንሓድሕዶምን ንጐረባብቶምን ከም ነፍሶም ገይሮም ከፍቅሩ እተማህሩ ፍሉያት ህዝቢ ኣፍርዩ ኣሎ። (ኢሳይያስ 54:13) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይምግዳስን መስጐጕትን እናኣጋጠሞም ክነሱ ስብከቶም ንኽቕጽሉ እትድርኾም ፍቕሪ ኢያ። (ማቴዎስ 22:36-40፣ 1 ቈረንቶስ 13:1-8) —15/6 ገጽ 20
◻ እተን “በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ” ዝብላ ቃላት የሱስ እንታይ ኢየን ዝሕብራ፧ (ሉቃስ 13:24)
ቃላት የሱስ ክንቃለስን ክንጽዕርን ከም ዘሎና ዝሕብራ ኢየን። እተን ቃላቱ ገለ ሰባት ኣብቲ ንዕኦም ዝጥዕሞም ግዜ: ከምቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ቀሊል ኣካይዳ ገይሮም ‘በታ ጸባብ ደገ ክኣትዉ’ ከም ዝደልዩ እውን ዘመልክታ ኢየን። ስለዚ እምበኣር: ነፍሲ ወከፍና ‘ብትግሃትን ብጻዕርን ድየ ዝዓዪ ዘሎኹ፧’ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና።—15/6 ገጽ 31
◻ እቶም ዝትንስኡ ሰባት ‘ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ: ከከም ግብሮም ዝፍረዱ’ ብኸመይ ኢዮም፧ (ራእይ 20:12)
እዚ መጻሕፍቲ እዚ መዝገብ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸምዎ ግብርታት ኣይኰነን፣ ምስ ሞቱ ካብቲ ብህይወቶም ከለዉ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ሓራ ወጺኦም ኢዮም። (ሮሜ 6:7, 23) ይኹን እምበር: ዝተንስኡ ሰባት ገና ኣብ ትሕቲ ናይ ኣዳም ሓጢኣት ኢዮም ክህልዉ። ስለዚ እምበኣር: እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኵላቶም ካብቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክጥቀሙ ክስዕብዎ ዘለዎም መለኮታዊ መምርሒታት ዝህብ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።—1/7 ገጽ 22
◻ እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሃቦ ምሳሌያዊ ዛንታ እንታይ ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ ኢዩ ሒዙልና ዘሎ፧ (ሉቃስ 10:30-37)
እቲ ናይ የሱስ ምሳሌያዊ ዛንታ: ናይ ሓቂ ቕኑዕ ዝበሃል ነቲ ንሕግታት ኣምላኽ ዝእዘዝ ጥራይ ዘይኰነስ ንባህርያቱ እውን ዝቐድሕ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። (ኤፌሶን 5:1) ብጻይነት ሃገራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ሓጹራት ዝሰግር ክኸውን ከም ዘለዎ ዝሕብር እውን ኢዩ። (ገላትያ 6:10) —1/7 ገጽ 31
◻ ንደቅኹም ንኽትፈልጥዎምን ናይ ወለዲ መምርሒ ንኽትህብዎምን ዝሕግዘኩም ሰለስተ መዳያት እንታይ ኢዩ፧
(1) ደቅኹም ግቡእ ዓይነት ዓለማዊ ስራሕ ንኽመርጹ ሓግዝዎም፣ (2) ነቲ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ስራሕን ዘጋጥም ናይ ስምዒት ጸቕጢ ንኽዋጽእሉ ኣዳልዉዎም፣ (3) ንመንፈሳዊ ድሌታቶም ብኸመይ ከም ዘማልኡ ኣርእይዎም።—15/7 ገጽ 4
◻ ኣምላኽ ኣብታ “ሳብዐይቲ መዓልቲ” ዝዓረፈ ንኸመይ ዝበለ ዕላማ ኢዩ፧ (ዘፍጥረት 2:1-3)
ኣምላኽ ስለ ዝደኸመ ኣይኰነን ዘዕረፈ። ኣብ ክንድኡ ግን ካብቲ ምድራዊ ናይ ፍጥረት ዕዮኡ ዘቋረጸ እቲ ግብሪ ኣእዳዉ ንዕኡ ውዳሰን ክብርን ብዘምጽእ መገዲ ንኽዓብን ናብ ምሉእ ግርማ ንኽበጽሕን ክሓድጎ ኢሉ ኢዩ።—15/7 ገጽ 18
◻ ፍትሒ ከነዘውትረሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
ቀዳማይ: ምስቲ ናይ ኣምላኽ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ክንሰማማዕ ኣሎና። (ኢሳይያስ 1:17) ካልኣይ: ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ንዓና ክገብረልና እንደሊ ገይርና ምስ እንሕዞም ፍትሒ ነዘውትር። (መዝሙር 130:3, 4) ሳልሳይ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት ህርኩታት ኴንና ምስ እንካፈል ኣምላኻዊ ፍትሒ ነንጸባርቕ። (ምሳሌ 3:27) —1/8 ገጽ 14, 15