ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/8 ገጽ 31
  • “ክብሪ ዘውህብ” ዕዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ክብሪ ዘውህብ” ዕዮ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/8 ገጽ 31

“ክብሪ ዘውህብ” ዕዮ

ሃዋርያ ጴጥሮስ “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም . . . ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ብምባል ንብጾቱ ክርስትያናት መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠12) ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብዙሕ ዓመታት ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ኣካይዳ ብግሁድ ኣርእዮም ኢዮም። ምስቲ የሱስ ‘ኣብ ናሕሲ ዄንካ ምስባኽ’ ዝሃቦ መምርሒ ዝመሳሰል መንፈስ ብምርኣይ: ንዅሉ እቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ብግልጽን ኵሉ ሰብ ከም ዝርእዮን ገይሮም ኢዮም ዝፍጽምዎ። (ማቴዎስ 10:⁠27፣ ዮሃንስ 18:⁠20) ነዚ ብምርኣይ ድማ: ሓደ ኢጣልያዊ ጠበቓን ሓደ ካህንን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀኑ ኣንቆራ” ኢዮም ዝብል ክስታት ሓቲሞም ብምውጻእ ምስቶም “ንህዝቢ ዘታልሉ ናይ ምስጢር ማሕበራት” ምስ መደብዎም: እቶም መሰኻኽር ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝወጸ ጸለመ ንምቅዋም ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስዱ ወሰኑ።

እቲ ክሲ ዝቐረበሉ ናይ መጀመርታ ቤት ፍርዲ: እቲ ጠበቓን እቲ ካህንን ዝጠሓስዎ ሕጊ የለን ብምባል ፈረደ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ቨኒስ ዝርከብ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ንኽልቲኦም ተኸሰስቲ በደለኛታት ኰይኖም ስለ ዝረኸቦም: ብ17 ሓምለ 1997 ኣንጻር እቲ ናይ መጀመርታ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ብይን ኣመሓላለፈ። እቲ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ተሓቲሙ ዝወጸ ክልቲኡ ዓንቀጻት ንሰዓብቲ ሃይማኖት ‘ናይ የሆዋ መሰኻኽር ’ ብርግጽ ስሞም ከጸልም ዝኽእል መግለጺታትን ሓረጋትን ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዕላማ ናይቲ ዓንቀጻት ነቶም ኣባላት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምቅላል እተሓስበ ዝመስል ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።” እቲ ዓንቀጻት “ነቲ ጸብጻብ ናይ ምቕራብን ናይ ምግምጋምን ሕጋዊ መሰል ዘንጸባርቕ ኣይኰነን” ብምባል እቲ ቤት ፍርዲ ገለጸ። እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ክልተ መጸለምቲ ቀጽዖም: ነቲ እቶም መሰኻኽር ንዅሉ እቲ ኣብ ክልቲኡ ጕዳያት ዘጥፍእዎ ወጻኢታት ሓዊስካ ድማ ንዅሉ እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ክሳራታት ክኸፍልዎ ፈረዶም።

እቲ ኣብ ቨኒስ ዝርከብ ይግባይ ዝሰምዕ ቤት ፍርዲ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ ፍርዱ “ንጸቢብ ኣተሓሳስባን ንሃይማኖታዊ ድርቅናን ዝምልከት ኣገባባት ምክልኻል ዝከኣል ንዅሉ እቲ [ብናይ ኢጣልያ] ቅዋም እተዋህበ መሰላት ሚዛናዊ ብምግባርን ብምሕላውን ጥራይ ኢዩ” ብምባል ሓሳብ ሃበ። እቲ ውሳነ: ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስጢራዊ ወይውን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዘይኰነ ኣፍልጦ ሃበ። እቲ ቤት ፍርዲ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እዚ ብጋህዲ እተፈልጠ ሃይማኖት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝርከብ ብምዃኑ ከምኡውን በቶም ኣባላቶም ብፍላይ ኣብ ሰናብትን ካልኦት በዓላትን ዝፍጸም ብሰፊሑ እተዘርግሐ እምነት ናይ ምቕያር ንጥፈት ኣጸቢቑ እተፈልጠ ብምዃኑ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝስበኽ ሰረተ- እምነት ዝሓስቦ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ነቲ ዝገብርዎ ጻዕርታት ክብሪ ዘውህብ ኢዩ: ነቶም መሰኻኽር ምስ ናይ ምስጢር ማሕበራት ምምዳብ ነቲ ታሪኻዊ ሓቂ ዝገልጽ መዐቀኒ እውን ከይተረፈ ዘሕስሮ ኢዩ።” ስለዚ ኸኣ: እቶም ኣብ ኢጣልያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሰናይ ቅንኢ ተላዒሎም ዝገብርዎ ስብከትን ኣብነታዊ ኣካይዳኦምን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ዝምባለ ንኸልግስ ይሕግዝ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠14-16፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ