ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/6 ገጽ 5-7
  • ብትዕግስቲ ተጸበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብትዕግስቲ ተጸበ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣነጺርካ ሕሰብ
  • ኣምላኽ ደንጓዪ ኣይኰነን
  • ተግባር ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ
  • መለበሚ ዝኸውን ፍልጠት
  • “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ”
  • ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ኣእምሮኹም ኣቕሪብኩም ሓዝዋ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ነታ ኽብርቲ እምነትና ኣጽኒዕና ንሓዛ!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሃዋርያ ጴጥሮስ ንዓኻ ዘለዎ መልእኽቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/6 ገጽ 5-7

ብትዕግስቲ ተጸበ

እቲ ተዅላ ዘየለ ክነሱ “ተዅላ መጺኡ!” ኢሉ ዘእወየ ጓሳ: ደሓር ሓገዝ ክረክብ ናይ ሓቂ ኣውያት ምስ ኣእወየ ግን ዝረድኦ ሰብ ኣይረኸበን። ሎሚ ድማ ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ሰባት ኣብ ዘይግዚኡ እተገብረ ሓያለይ ናይ መጠንቀቕታ ድምጽታት ስለ ዝሰምዑ ንምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ሸለል ይብልዎ። ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣየናይ መጠንቀቕታ ናይ ሓቂ ምዃኑ ኣለልዮም ካብ ምቕላብ ምስናፎም ኣብ ኢድ እቲ ቀንዲ ጸላእ ኣምላኽ ከምኡውን ናይ ሓሶት “መልኣኽ ብርሃን” ዝዀነ ሰይጣን ኢዩ ዘውድቖም።​—⁠2 ቈረንቶስ 11:14

እቶም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንየሆዋ ዘገልገልዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ናይ ምዝናይ መንፈስ ክስምዖም ሓደገኛ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን እተዋህበ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ መጠንቀቕታ ኣስተብህለሉ።

ኣነጺርካ ሕሰብ

እታ መንፈስ ዝነፈሳ ናይ ጴጥሮስ ካልኣይቲ መልእኽቲ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት መዘኻኸሪት ኢያ ነይራ: ንዓና እውን ከምኡ ኢያ። ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:⁠- “ኣቱም ፍቁራተይ: እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልአይቲ ደብዳበይ እያ: . . . ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ።” (2 ጴጥሮስ 3:⁠1, 2) ጴጥሮስ ከምዚ ገይሩ ንኽግደስ እንታይ መሰረት ነበሮ፧ ጴጥሮስ ብላግጾም ገይሮም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነብርሉ እዋን ዝምልከት ናይ ህጹጽነት ስምዒት ዘለዎ ኣድላይነት ዘቋናጽቡ መላገጽቲ ክህልዉ ምዃኖም የጕልሕ። ብመላገጽቲ ንኸይንታለል ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ግዜ ሎሚ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጴጥሮስ ንኣንበብቱ ‘ቀደም ብነብያት እተባህለ ቃል ክዝክሩ’ እተላበዎም። (2 ጴጥሮስ 3:⁠2፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:​22, 23) ነብያት እንታይ ኢዮም ዝበሉ፧

እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መለኮታዊ ፍርዲ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንእከይ ከመይ ገይሩ መወዳእታ ከም ዝገብረሉ ኣቕሊቦምሉ ኢዮም። ጴጥሮስ ንኣንበብቱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ምድሪ ብእከይ ምስ መልአት ኣምላኽ ጣልቃ ንኽኣቱ እተጠቕመሉ ማይ ኣይሂ የዘኻኽሮም። እቲ ምዕልቕላቕ ማይ ነታ ናይ ሽዑ ዓለም ብዘደንጹ መገዲ ኣጥፊእዋ ኢዩ። ኣምላኽ ግን ንኖህን ስድራቤቱን ምስ ንኻልኦት ህያዋን ፍጥረታት ዝውክሉ “ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ” ብሓባር ኣብ ሓንቲ መርከብ ገይሩ ኣድሓኖም። ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ኣፈ⁠-ታሪኻት ንሓቅነት ናይዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ የረጋግጾ ኢዩ።a​—⁠ዘፍጥረት 6:​19፣ 2 ጴጥሮስ 3:​5, 6

ጴጥሮስ ነቲ ሽዑ እተፈጸመ መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው: ገለ ሰባት ‘ፈትዮም ዝረስዕዎ’ ሓቂ ብምባል ኢዩ ዝጽውዖ። ካልኦት ድማ ብመላገጽቲ ናይቲ እዋን እቲ ንኸራጥጡ ተታሊሎም ኢዮም። ንሕና ግን: ነቲ የሆዋ ድሮ ዝገበሮ ነገር ፈጺምና ክንዝንግዖ የብልናን። ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ይብለና:⁠- “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቚሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።” (2 ጴጥሮስ 3:⁠7) እወ: መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው እንደገና ክፍጸም ኢዩ።

ኣምላኽ ደንጓዪ ኣይኰነን

ድሮ ኣሽሓት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣምላኽ ግድላት ደቅሰብ ንምፍታሕ ክንድዚ ዝኣክል እዋን እተጸበየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ጴጥሮስ እንደገና: ኣብ ካልእ ሓቂ ዝዀነ ነገር የተኵር። ከምዚ ድማ ይብል:⁠- “ኣቱም ፍቁራተይ: ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት: ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ: እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም።” (2 ጴጥሮስ 3:⁠8) የሆዋ ኣብ ግዜ ዘለዎ ኣጠማምታ ካብ ናትና እተፈልየ ኢዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ: ካብቲ ኣዳም እተፈጥረሉ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ እዋን ሓደ ሰሙን እውን ኣይመልእን ኢዩ። ኣብ ግዜ ዘሎና ኣጠማምታ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ግን: ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ ሽሕ ዓመትን ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ናብ መፈጸምታ ዕላማ ኣምላኽ እናኣቕረበትና ኢያ እትመጽእ።

“ደው ኢልካ ክትሕልዋ ዝወዓልካ ቁራዕ ነይትፈልሕ” ዝብል ኣበሃህላ ንሓደ ነገር ኢድካ ኣጣሚርካ ምጽባዩ: ንፍጻሜኡ ዘደናጕዮ ከም ዝመስል ዝሕብር ኢዩ። ይኹን እምበር: ጴጥሮስ ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ክንጽበዮን ከነቃልጥፎን [“ኣብ ኣእምሮና ኣቕሪብና ክንሕዞን:” NW ]’ ይምሕጸነና። (2 ጴጥሮስ 3:​12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው ምቕራቡ ነቒሕና ከም እንጽበ ዝገብረና ናይ ኣእምሮ ኣመለኻኽታ ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ተግባር ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ

ጴጥሮስ ኣብ ተግባርን ስጕምቲ ምውሳድን ኢዩ ዘተኵር። ‘ቅዱስ ኣነባብራ’ ከምኡውን “ተግባራት ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ይጠቅስ። (2 ጴጥሮስ 3:​11 NW ) እዚ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

ሓደ ሓቀኛ ኣገልጋሊ ንኣምላኽ ብዘሐጕስ መገዲ ኢዩ ዝመላለስ። እምነት ናይ ከምዚ ዝበለ ሓቀኛ ኣምላኺ ኣብ ኣነባብርኡ ኢያ እትንጸባረቕ። እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ኣምላኽን መብጽዓታቱን ከም ዝኣምኑ ብዘረባ ጥራይ ዝገልጽዎ ሰባት ይፈልዮ። ምናልባት ንስኻውን እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ፍሉያት ከም ዝገብሮም ኣስተብሂልካ ትኸውን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ መብጽዓታት ኣምላኽ ምእንቲ ክሕብሩኻ ናብ ቤትካ ይመጹ። ግናኸ ኣብ ኵሉ እቲ ሰባት ዝርከብሉ ቦታታት እውን ብዛዕባ ተስፋታቶምን እምነቶምን ይምስክሩ ኢዮም።

ብዛዕባ እምነቱ ንኻልኦት ኣብ ምእዋጅ ንገዛእ ርእሱ ትሑዝ ዝገብራ ሰብ እምነቱ መሊሳ ትሕይልን ትድልድልን። ሓሳብካ ምግላጽ ዝዓሞቐ ጦብላሕታ ኢዩ ዘሕድር ምስናይዚ ድማ ውሽጣዊ ሓጐስን ዕግበትን የምጽእ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ከሎና ንየሆዋ እውን ነሐጕሶ ኢና። ከምቲ ንጴጥሮስ ብጻዩ ዝነበረ ጳውሎስ ዝበሎ ድማ ‘ግብርናን ንስሙ ዝገበርናዮ ፍቕርናን ዝርስዕ ገፋዒ ዘይምዃኑ’ ንፈልጥ ኢና።​—⁠እብራውያን 6:⁠10፣ ሮሜ 10:​9, 10

ኣብዘን እናተጸንቀቓ ዝኸዳ ዘለዋ መዓልትታት ናይዚ እኩይ ኣገባብ ንብስራት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምዝርጋሕ ክሳዕ ክንድዚ ተገዳስነት ምርኣይ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይርካ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዝግበር: ካብቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ብኸመይ ጥቕሚ ከም ዝርከብን በቲ ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ዝህሉ ተስፋ ናይ ሓቂ ሓጐስ ምርካብን ይማሃሩ ኣለዉ።

መለበሚ ዝኸውን ፍልጠት

የሆዋ ኣምላኽ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ጣልቃ ከም ዝኣቱ ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና: ነቲ ጴጥሮስ ዝህቦ ተወሳኺ መጠንቀቕታ ግን ከነቕልበሉ የድልየና ኢዩ። “ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ: [ብ]ስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠17

ጽንዕቲ እምነት ዘይብሎም ገለ ሰባት በቲ ዝደንጐየ ዝመስል መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው ተስፋ ክቘርጹ ከም ዝኽእሉ የሆዋ ኣቐዲሙ ይፈልጦ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። ጽልዋ ናይቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ነቶም ሓቀኛ ኣገልገልቱ ከበላሽዎም: ወይ ድማ እንተ ወሓደ ነቲ ስም ኣምላኽ ዝቕደሰሉ ግዜ ከም ዝቐረበ ዘለዎም እምነት ከድክሞ ከም ዝኽእል እውን ይፈልጥ ኢዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሰንከልከል ምባልሲ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ!

ሎሚ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ክገብሮ ዘለዎ ነገራት እንጠራጠረሉ ወይ እንወላወለሉ ግዜ ኣይኰነን። (እብራውያን 12:⁠1) ኣብ ክንድኡ: ሎሚ የሆዋ ብምዕጋሱ ክፍሊ ናይቲ ኣህጉራዊ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑን ካብቲ ዝመጽእ ዓቢ ጸበባ ክድሕኑ ድማ ብሃንቀውታ ዝጽበዩን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ምድሓን ተስፋ ክረኽቡ ስለ ዝኸኣሉ ሞሳና እነዕብየሉ ግዜ ኢዩ። (ራእይ 7:​9, 14) ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይምዕድ:⁠- “ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠18

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ”

ኣብ ስብከት ናይታ መንግስቲ ትሑዝ ምዃን: ንኣምልኾን መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽን ድማ ስርዓታዊ ኴንካ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ዕቝባ ኢዩ ዝዀነና። ስለዚ በቲ ሎሚ ኣብዚ እኩይ ኣገባብ እናተባላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ኣመና ንኽንሻቐል ግዜ ኣይክህልወናን ኢዩ። ፍርህን ሻቕሎትን ኣብ ናብራ ናይ ሓደ ክርስትያን እምብዛ ክበዝሕ ኣየድልን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) ንየሆዋ ዝያዳ ትሑዛት ኴንና ብዘገልገልናዮ መጠን: ግዜ ቀልጢፉ ኢዩ ዝሓልፍ።

ኣብቲ ጴጥሮስ ዝነበረሉ ግዜ ዝነብር ዝነበረ ንየሱስ በዲኡ ሓዉ ዝዀነ ይሁዳ: ከምዚ ብምባል ይምዕደና:⁠- “ንስኻትኩም . . . ኣቱም ፍቁራተይ: በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም: ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም: ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹምሲ: ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።” (ይሁዳ 20, 21) ነቲ ከየባተኽካ ብምጽላይ ዝዓቢ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ናይ ምሓዝ ኣገዳስነት ኣስተብህለሉ። (1 ተሰሎንቄ 5:​17) ይሁዳ ወሲኹ ከምዚ ይብል:⁠- “ንገሊኦም: ነቶም ዚጣራጠሩ: ኣረድእዎም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም: ንገሊኦም ድማ: ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም: ብፍርሃት ደንግጹሎም።” (ይሁዳ 22, 23) ኣብዚ ኣሸጋሪ ዝዀነ እዋናት ንሓድሕድካ ምብርታዕሲ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ! ከምኡውን ንምንዋሕ ‘መዓልቲ ምድሓን’ ከም መመኽነይታ ተጠቒምና ኣብዛ ሎሚ ብስነ⁠-ምግባር ተባላሽያ ዘላ ዓለም ኣዝዩ ገኒኑ ዘሎ ‘ርኽሰት’ ብምፍጻም ኣብ ፈተና ከይንወድቕ ክንጥንቀቕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ!​—⁠2 ቈረንቶስ 6:​1, 2፣ ይሁዳ 4

ነቲ ጴጥሮስን ጳውሎስን ይሁዳን ዝሃብዎ ፍቕራዊ ምኽሪ ብምቕላብ: ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዝን ንጡፍን ብምዃን: ነቲ የሆዋ ጣልቃ ዝኣትወሉ እዋን ብትዕግስቲ ክትጽበዮ ትኽእል ኢኻ። ክትጽበዮ ዲኻ ግን፧

ኣብቲ ፈጣሪ ዝሃቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት መብጽዓታት ዘሎካ እምነት ከተደልድሎ ምእንቲ ክሕግዙኻ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ መሰኻኽር ንምርኻብ ኣይትወላወል። ኣብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ዝውዳእ ፈጺሙ ዘይድገም ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ተሳታፍነት ንኽህልወካ ብቑዕ ዝገብር ነገራት እንታይ ምዃኑ ተማሃር። (ማርቆስ 13:10) ሽዑ ኣብታ የሆዋ ከም እትመጽእ ተመባጺዑላ ዘሎ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር ተስፋ ክህልወካ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:​13) ንመዘኻኸሪታቱ ኣስተብህለሉ! ብትዕግስቲ ተጸበ! ብዕዮ ትሑዝ ኩን!

[እግረ-ጽሑፍ]

a በጃኻ ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ—ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ገጽ 116 ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሕጂ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ገነት መብጽዓታት ተማሃር

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ተዅላ:⁠- Animals/Jim Harter/Dover Publications, Inc.; መንእሰይ ጓሳ:⁠- Children: A Pictorial Archive from Nineteenth-Century Sources /Grafton/Dover Publications, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ