ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ምጥቃም
ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮኦም ኣብ ምሉእ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም። ይኹን እምበር ንሕብረተሰብ ካልእ ጥቕምታት ዘምጽኣሉ ፕሮግራማት እውን የካይዱ ኢዮም። ካብ ኤኳዶር እተረኽበ ቀጺሉ ዘሎ ተመክሮታት ከም ዝሕብሮ: እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት እዚ ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ።
◻ ምምሕዳር ናይ ሓደ ዓቢ ፋብሪካ ጠርሙስ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ናይ ስድራቤት ወግዕን ስርዓትን ዘተኰረ ኮርስ ክህቦም ደለየ። እቲ ዳይረክተር ክፍሊ ሰብኣዊ ሓይሊ ንእተፈላለዩ ናይ ካቶሊክ ካህናት ክሳተፉ ኣብቲ ኮርስ ዓደሞም: መልሲ ግን ኣይረኸበን። ሓደ ካህን ነቲ ኣርእስቲ እቲ ኣመልኪቶም ክዛረቡ ብቕዓት ዘለዎም ካህናት ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖምን ኣብቲ ኮርስ ክቐርብ ዝኽእል ድማ ከም ዘየለን ነገሮ። ሓንቲ ምስክር ዝነበረት ሰራሕተኛ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐት: ንሓደ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ዞባታት ዘገልግል ዝነበረ ሓው ናብቲ ፋብሪካ ንኽበጽሕ መደብ ገበረት።
ንጽባሒቱ: እቲ ምስክር ነቲ ዳይረክተር ክፍሊ ሰብኣዊ ሓይሊ ኣብቲ ኮርስ ዝዋሃብ ትምህርቲ ዝሓዘ እማመ ኣቕረበሉ። ካብ እተፈላለየ ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝርዝር ኣርእስትታት ተዋጽአ። እቲ ዳይረክተር ተመሰጠ። ንዘተ ዝኸውን ሰለስተ ኣርእስትታት—ሰብኣዊ ርክባት: ኣብ ስራሕ ዝርአ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓት: ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዝርአ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓት—መረጸ። ድሕርዚ እቲ ትምህርቲ ምስ ኵሎም ሰራሕተኛታት ኴንካ ክውሰድ መደብ ተገብረ።
እቶም ሰራሕተኛታት ነፍሲ ወከፈን 30 ሰባት ኣብ ዝሓዛ ሸውዓተ ጕጅለታት ተመቕሉ: ድሕሪኡ ድማ ሰለስተ ብቑዓት ኣሕዋት ነቲ ትምህርቲ ኣቕረቡሎም። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ሓያለይ ሰራሕተኛታት ኣብ ኣባይቶም ክብጽሑ ሓተቱ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ 216 ጽሑፋት ድማ ተዓደለ። እቲ ምምሕዳር ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ እቶም መሰኻኽር ካልእ ተኸታታሊ ትምህርትታት ከዳልዉ ዝኽእሉ እንተድኣ ኰይኖም ሓተተ።
◻ ኣብዚ ቐረባ እዋን: ኤኳዶር ሃይማኖት ኣብ ቤት ትምህርቲ ክቐርብ ዘፍቅድ ሕጊ ኣውጸአት። ሓንቲ ሚስዮናዊት ሓብቲ ንዳይረክተር ናይ ሓደ መባእታ ቤት ትምህርቲ በጽሓታ እሞ እቲ ሓድሽ ሕጊ ከመይ ይኸይድ ከም ዝነበረ ሓተተታ። እታ ዳይረክተር: ንኣምልኾ ማርያም ዝምልከት ፕሮግራም ክጅመር ጻዕሪ ከም እተገብረ ግናኸ ኣብ ግብሪ ከም ዘይወዓለ ገለጸትላ። እታ ሓብቲ ከምዚ ዝበለ ኣምልኾ ነቶም ካቶሊክ ዘይኰኑ ቈልዑ ጸገም ከም ዝፈጥረሎም ሓሳብ ምስ ሃበት: እታ ዳይረክተር ምስዚ ሓሳብ እዚ ተሰማማዐት። እታ ሚስዮናዊት “ይኹን እምበር: ንሓደ ሰብ እተወሰነ ዓይነት ሃይማኖት ክቕበል ዘየገድድ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምምሃር ዝሕግዝ ፕሮግራም ኣሎና” በለታ። እታ ዳይረክተር “መዓስ ክትመጺ ትኽእሊ፧ ድሕሪ ጽባሕ ክትመጺ ምኸኣልኪዶ፧” በለታ። እታ ሚስዮናዊት ልስኒንግ ቱ ዘ ግሬት ቲቸር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምስ ኣርኣየታ: ነታ “ገበርቲ ሰላም ሕጕሳት ኢዮም” እትብል ኣርእስቲ ክመያየጠላ ወሰና።
እታ ሚስዮናዊት ምስ ተመልሰት: እታ ዳይረክተር ምስኣ ዀይና እናሰምዐት ሸውዓተ እተፈላለየ ክፍልታት ኣብ ምብጻሕ ሰለስተ ሰዓታት ወሰደት። ምስ ሓሙሻይ ክፍሊ ዝነበራ መደብ ምስ ወደአት: ሓደ ካብቶም ተማሃሮ “ወይዘሪት: በጃኺ ንሻድሻይ ክፍሊ ድማ ብጽሕዮም። ንሳቶም ኵሉ ግዜ ክሃርሙናን ባእሲ ክለዓልን ኢዮም ዝፍትኑ!” በላ። ሓንቲ መምህር ከኣ “ዓመጽ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣርእስቲ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንምዝርራብ ተወሳኺ ግዜ የድልየና ኢዩ” በለት።
ንኸም ምእዛዝ ከምኡውን ምሕሳው ዝኣመሰለ ኣርእስትታት ንምምይያጥ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበር ተመደበ። ክሳዕ ሽዑ: እቲ እተረኽበ ውጽኢታት ኣዝዩ ዘዕግብ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እዛ ሚስዮናዊት ሓብቲ በቲ መገዲ ክትሓልፍ ከላ: እቶም ቈልዑ እናጐየዩ መጺኦም ሰላም ይብልዋ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ድማ ይሓቱዋ። ካልኦት ድማ ብሓበን ምስ ወለዶም የፋልጥዋ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ምስ ክልተ ካብቶም ተማሃሮ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀሚሩ ኣሎ።