ሰናይ ጠባይ ውዳሰ የምጽእ
እታ ላ ጋዜታ ደል ሜዞጆርኖ እትበሃል ናይ ጣልያን ጋዜጣ: “ማቴራ—ፍሉይ መንበሪ በዓትታት ዘለዋ ከተማ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብምሕታሞም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነኣደቶም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ናይ 8 ሓምለ 1997 ሕታም ንቕሑ ! መጽሔት ወጺኣ ነበረት: ብብዝሕ ዝበለ ቋንቋታት ድማ ሰፊሕ ዝርጋሐ ነበራ። ንቕሑ ! ኣብዚ እዋን እዚ ብ81 ቋንቋታት ዝትርጐም ኣብ ምሉእ ዓለም ድማ ልዕሊ 19 ሚልዮን ቅዳሓት ዝበጽሕ ዝርጋሐ ኣለዎ። ንቕሑ ! “ንታሪኻውን ስነ-ጥበባውን ውርሻ ናይታ ኸተማ [ማቴራ] ምስ ህዝቢ ኣብ ምፍላጥ” ናይዚ ሓጋይ እዚ ዝለዓለ ነጥበ-ብልጫ ከም ዝሓዘ እታ ጋዜጣ ሓሳብ ሃበት።
እታ ጋዜጣ ምስቲ ብ1997 ኣብ ማቴራ እተኻየደ “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብምትሕሓዝ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነኣደቶም። እታ ዓንቀጽ መሰኻኽር “ኣብ መፋርቕ ሓጋይ መራር ጸሓይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብቲ 21 ሰተምብረ ዝበሃል [ናይታ ኸተማ] ስታድዩም 4,000 ዝኣኽሉ ሰባት ኣኼባ ከካይዱ ክኢሎም ኢዮም፣ ነቲ ንጽሬት: እንደገና ሕብሪ ምልካይ ዝምልከት ነገራት ባዕላቶም ተተሓሓዝዎ: ከምኡውን ኣድላዪ ዝዀነ ኣቕሑ ንምዕዳግ ዝሕተት ወጻኢ ባዕላቶም ብምኽፋል: ነዚ ማእከል ስፖርት (ብፍላይ ነቲ ናይ ዓይነ-ምድሪ መሳለጥያታት) ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ክፍሊት መሰረታዊ ምምሕያሽ ገበርሉ” ብምባል ገለጸት።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰናይ ጠባይ ዘለዎም ጐረባብቲ ንምዃን ኢዮም ዝጽዕሩ። (ማቴዎስ 22:37-39) ነቲ “ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምዕዶ እውን ይስዕብዎ ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 2:12