ትዝክሮዶ፧
ናይ ቀረባ ግዜ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ተግባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዀይኑዶ ረኺብካዮ፧ ናይ ምዝካር ክእለትካ በዚ ዝስዕብ ሕቶታት ገይርካ ድኣ እሞ ዘይትመዝን፧
◻ ኣርማጌዶን ከመይ ክትመስል ኢያ፧ (ራእይ 16:14, 16)
ናይ ኑክሌር ኣርማጌዶን ወይ ብሰንኪ ሰባት ዝለዓል ዕንወት ኣይክትከውንን ኢያ። ንዅሉ ሰብኣዊ ውግኣት እትዛዝምን ነቶም ናይ ከምዚ ዝበለ ውግኣት መለዓዓልቲ ዝዀኑ ሰባት እተጽንትን ነቶም ፈተውቲ ሰላም ዝዀኑ ሰባት ናይ ሓቂ ሰላም እተምጽእን ውግእ ኣምላኽ ኢያ። ኣይክትድንጕን ከኣ ኢያ። (ኣንባቆም 2:3)—15/4 ገጽ 17
◻ ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ እንታይ ዓይነት ኢዩ፧
ሓደ መርዓ እቲ መንፈሳዊ መዳያቱ ካብቲ ዓለማዊ መገድታቱ ዝልዕል እንተድኣ ኰይኑ ብሓቂ ንየሆዋ ዘኽብር ኢዩ። ክርስትያናት: ካብዚ ማሪትን ሕሱር ዝዀነ ዓለማዊ ልምድታትን እንተድኣ ተፈልዮም: ንቡር ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታቶም ከተሓናዅሎም እንተድኣ ዘየፍቂዶም: ኣብ ክንዲ ናይ ርኣዩለይ መንፈስ ድማ ትሕትና እንተድኣ ኣንጸባሪቖም ነቲ ኣጋጣሚ ክሕጐስሉ ኢዮም።—15/4 ገጽ 26
◻ ንሓደ ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብ ዘፍልጦ ባህርያት እንታይ ኢዩ፧
ሓደ ንጽህንኡ ዝሕሉ ሰብ ብብጾቱ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ዝያዳ ኣገዳሲ ብኣምላኽውን ሕድሪ ክዋሃቦ ይከኣል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ሰብ እቲ ናይ ልቡ ቅንዕና ኣብ ተግባራቱ ይርአ ኢዩ። ካብ ግብዝና ናጻ ኢዩ። ክፉእ ወይ ድማ ብልሽው ኣይኰነን። (2 ቈረንቶስ 4:2)—1/5 ገጽ 6
◻ ኤርምያስ “ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ” ዝበለ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ድጕዓ ኤርምያስ 3:27)
መንእሰይ ከሎኻ ንዘጋጥሙ ፈተናታት ብዓወት ንኽትዋጽኣሎም ምምሃር: ነቲ ኣብ ግዜ ብጽሕነት ዘጋጥም ግድላት ንኽትዋጽኣሉ ይሕግዝ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) እቲ ካብ ተኣማንነት ዝርከብ ረብሓታት ግን: ካብቲ ምልምማጥ ከምጽኦ ዝኽእል ግዝያዊ እፎይታ ኣዝዩ ዝበልጽ ኢዩ።—1/5 ገጽ 32
◻ ኣብቲ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ሙሴን ኤልያስን ክርኣዩ ምኽኣሎም ናይ ምንታይ ጽላሎት ኢዩ ነይሩ፧
ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ምልዋጥ ትርኢት ዝገልጽ ትሕዝቶ: ሙሴን ኤልያስን ብንጹር ነቶም እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ኢዮም ዘመልክቱ። ንሳቶምን የሱስን “ብግርማ” ምርኣዮም እቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣብቲ ናይ ሰማያዊት መንግስቲ ምድላው ምስ የሱስ ከም ‘ዝኸብሩ’ ኢዩ ዘመልክት። (ሉቃስ 9:30, 31፣ ሮሜ 8:17፣ 2 ተሰሎንቄ 1:10)—15/5 ገጽ 12, 14
◻ “ቅዱስ ምስጢር” ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ (1 ቈረንቶስ 2:7 NW )
እቲ “ቅዱስ ምስጢር” ኣምላኽ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዘተኵር። (ኤፌሶን 1:9, 10 NW ) ይኹን እምበር: የሱስ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ምፍላጥ ጥራይ ኣይኰነን። ነታ ሰማያዊት ምምሕዳር ዝዀነት መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽን ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ክገብሮ እተመደበሉ ግደን ዘጠቓልል ኢዩ።—1/6 ገጽ 13
◻ ሓደ ክርስትያን ንእርጋን ወይ ሕማም ብኸመይ ኢዩ ክምልከቶ ዘለዎ፧
ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት: ነቲ ንየሆዋ ዝገብሮ ኣገልግሎት ከም ዝድርቶ ገይሩ ኣብ ክንዲ ዝርእዮ: ኣብኡ ዘለዎ ትውክልቲ ንምውሳኽ ዝሕግዞ ኣጋጣሚ ገይሩ ክወስዶ ኣለዎ። ብዘይዚውን ናይ ሓደ ክርስትያን እንታይነት ዝምዘን ብመጠን እቲ ዝገብሮ ንጥፈት ዘይኰነስ ብእምነቱን ዕምቈት ፍቕሩን ምዃኑ ክርስዕ የብሉን። (ማርቆስ 12:41-44)—1/6 ገጽ 26
◻ የሆዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ ኣብ ክንዲ መላእኽቲ ሰባት ምጥቃሙ ነቲ ዓቢ ጥበቡ ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧
ወድሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጽሓፍ ፈጺሙ ግደ እንተ ዘይህልዎ ነይሩ: ነቲ መልእኽቲ መሊእና ንምርድኡ ምጸገመና። ብዘይዚውን: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰብኣዊ ባህርያት ዝርከብ መቐረትን በብዓይነቱ ኣቀራርባን ማራኽነትን ኣለዎ።—15/6 ገጽ 8
◻ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እንታይ ኢዩ፧
እቲ ምስጢር ኣብ ገጻት ናይቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ነቲ ከም እኒ ርእሰ-ግትኣት: ንርእስነት ኣፍልጦ ምሃብ: ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ፍቕርን ዝኣመሰለ ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኢዩ ዝርከብ።—15/6 ገጽ 23, 24
◻ እቲ ብየሱስ እተፈጸመ ምሕዋይ ካብቲ ሎሚ በቶም ናይ ምሕዋይ ሓይልታት ኣሎና ዝብሉ ሰባት ዝውቱር ኰይኑ ዘሎ ኣዝዩ እተፈልየ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
ብወገን እቶም ሰባት ብርቱዕ ስምዒታዊ መግለጺታት: ብወገን የሱስ እውን ውዕዉዕ ዝዀነ ብርቱዕ ስምዒታዊ ምልዕዓል ይርአ ኣይነበረን። ኣብ ርእሲ እዚውን: የሱስ ህያባቶም ምሉእ ኣይነበረን ወይ ከኣ እምነት ኣጕዲሎም ብዝብል ምኽኒት ነቶም ውጹዓት ከየሕወዮም ስቕ ዝበለሉ ግዜ ፈጺሙ ኣይነበረን።—1/7 ገጽ 5
◻ የሆዋ ህዝቡ ኣብቲ ንስሙን መንግስቱን ዝምልከት መለኮታዊ ዕላምኡ ቦታ ንኽህልዎም ብኸመይ ኢዩ ዝሓገዞም፧
ቀዳማይ: የሆዋ ንህዝቡ ሕድሪ ሓቂ ሂብዎም ኢዩ። ካልኣይ: መንፈስ ቅዱሱ ሂብዎም ኢዩ: ሳልሳይ ከኣ ዓለምለኻዊ ሕውነትናን ንኣምልኾ ዝኸውን ምምሕዳራዊ ምድላዋትን ኣሎና።—1/7 ገጽ 19, 20
◻ ውርዝውና እንታይ ኢያ፧
ውርዝውና: ናይ ስነ-ምግባር ጸብለልታ ዘለዋ: ሰናይ: ቅኑዕ ተግባርን ኣተሓሳስባን ማለት ኢያ። ንጥፍትን ኣወንታዊትን ድኣ እምበር ድኽምቲ ባህሪ ኣይኰነትን። ውርዝውና ንሓጢኣት ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ እተጠቓልል ኢያ፣ ንሰናይ ዘበለ ምስዓብ ማለት ኢያ። (1 ጢሞቴዎስ 6:11)—15/7 ገጽ 14
◻ ወለዲ ንደቆም ከሕልፍሎም ዝኽእሉ ኣዝዩ ክቡር ውርሻ እንታይ ኢዩ፧
ወለዲ ናብ ደቆም ከሕልፍዎ ዝኽእሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ውርሻ እቲ ንኻልኦት ፍቕሪ ናይ ምርኣይ ኣብነቶም ኢዩ። ብዝያዳ ድማ ወለዶም ኣብ ኵሉ እቲ ዝገብርዎ ነገራት ንኣምላኽ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ክገልጹን ከርእዩን ከለዉ ቈልዑ ክርእይዎምን ክሰምዕዎምን የድልዮም ኢዩ።—15/7 ገጽ 21
◻ ገለ ካብቲ ስሉጥ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንምግባር ዘድሊ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ስርዓታዊ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ መጽናዕቲ ዝኸውን ‘ግዜ ክትዕድግ’ ኣሎካ። (ኤፌሶን 5:15-17) ንመጽሓፍ ቅዱስ ህያው ከም ዝኸውን ብምግባር እቲ ናይ መጽናዕቲ እዋናት ነቶም ቈልዑ ህያው ግበረሎም። ቈልዑ ነቲ መጽናዕቲ ንኽሕጐስሉ: ኣብቲ ትምህርቲ ከም እተሳተፉ ክስምዖም ኣለዎ።—1/8 ገጽ 26, 28