ኣብ ማእከል እቲ ናዚ ዘምጽኦ መስጐጕቲ ጸኒዖም ደው በሉ
እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ናዚ ጀርመን ድንብርጽ ከይበሎም ዘርኣይዎ ምሕላው ንጽህና ምስቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝወሰድኦ መትከል ኣወዳዲርካ ዘሎ ፍልልይ ጕሉሕ ኢዩ። እዚ ድማ ብሓደ ጆን ዊስ እተባህለ ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር: ኣብታ ኣይድዮሎጂ ኦቭ ደዝ እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:-
“ብ1934 እታ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን: ናዚ ‘በቶም ሉተራውያን ጽቡቕ ኣቀባብላ ክግበረሉ’ ኣለዎ ዝብል ጸቕጢ ገበረት: ንጀርመናውያን ‘ቅዱስን ሕድሪ ዘጽንዕን ጐይታ’ ስለ ዝሃቦም ድማ ‘ነቲ ጐይታ ዝዀነ ኣምላኽ’ ኣመስገነት። . . . ናይ ፕሮተስታንት ኣቡን ድማ ነቶም ኣቕሽሽቱ ‘[ሂትለር] ካብ ኣምላኽ ናባና እተላእከ ኢዩ’ ኢሉ ጸሓፈሎም።” ዊስ ቀጺሉ “እቲ ናይ ጀርመን ናይ ሜቶዲስት ቤተ-ክርስትያን . . . ሂትለር ሰላምን ርግኣትን ብምምጻእ ንጀርመን ካብቲ ዘይተርፍ ዝነበረ ናይ ቦልሸቪክ ሰውራ ከም ዘድሓና ምስ ኣቡን ዲቤልዩስ ተሰማምዐ። . . . ናይ ሞርሞን ቤተ-ክርስትያን ድማ ንሂትለር ምቅዋም ንሕጊ ሞርሞን ምጥሓስ ኢዩ ኢላ ንኣባላታ መዓደት” በለ። ወሲኹ ድማ “ኣመንቲ ካቶሊክ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ምእዛዝ ቅዱስ ተግባር ምዃኑ ተነጊርዎም ኢዩ: እዚ ድማ እቶም ካህናት ነቲ ሂትለር ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝፈጠሮ ራዕዲ ምስ ፈለጡ እውን ከይተረፈ ዘይተርፍ ዕዮኦም ኢዩ ነይሩ” በለ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ፧ ፕሮፌሰር ዊስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣመልከተ:- “ብጕጅለ ደረጃ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ንናዚ ተቓዊሞምዎ።” ፕሮፌሰር ዊስ ቀጺሉ ኣሽሓት ካብኣቶም ተኣስሩ: “ነፍሲ ወከፍ ናብ መዳጐኒ ደምበ እተወስደ ምስክር ንእምነቱ ወይ እምነታ ከም ዝኸሓደ ወይ ከም ዝኸሓደት ዝገልጽ ወረቐት ብምፍራም ጥራይ ግን ክወጹ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።”
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕላው ንጽህናምስ ጽሬት ከይተደናግር ኢለ ኢየ የእትየያ ፕሮፌሰር ዊስ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “እቲ ናቶም ኣብነት ነቲ ክርስትና ኣጸቢቑ ቅድሚ ምስራቱ ከምኡውን እቲ ናይ ሕብረተሰብ ስርዓት ነቲ ከይተለማመጥካ ናይ ምንባር ድሌት ዓብሊልሉ ዝነበረ እዋን ዝነበረ ፍሉይ ዝዀነ ውሳነን ሓይልን ናይ መጀመርታ ክርስትና ኢዩ ዘርኢ። ከምቲ ሓደ ናይ ፕሮተስታንት ኣገልጋሊ ብዛዕብኦም ዝጸሓፎ ኢዩ: ‘እተን ዓበይቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ዘይኰናስ እቶም ኣደዳ ባጫን ላግጽን ዝዀኑ ሰባት ኢዮም ብመጀመርታ ኣንጻር እቲ ናይ ናዚ ጋኔን ጸኒዖም ደው ዝበሉ: ከምኡውን ብመሰረት እምነቶም ክቃወሙ ተባዓት ዝነበሩ።’”