ነቲ ኣብ ፈረንሳ እተላዕለ ናይ ሓሶት ክስታት ምግጣሙ
ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣደዳ ናይቲ ብጕልባብ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ክስታት ኰይኖም ነበሩ። መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ኣብ ኣውሮጳን ጃፓንን ዘጋጠመ ናይ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ኢድ ዘለዎ ዘስካሕክሕ ፍጻመታት ብምምዝማዝ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ነዝሓ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጌጋ ከም ሓደ ካብቶም ዓበይትን ኣዝዮም ሓደገኛታትን ዝዀኑ ጕጅለታት ተቘጽሩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንነገራት ንምዕራይ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ: ሓንቲ ንኸምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ዝመለሰት ትራክት ሓተሙ:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር መን ኢዮም፧ ክርስትያናት ድዮም፧ ሕክምናዊ ክንክን ይቕበሉ ድዮም፧ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝኸዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ዕዮኦም ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝረክብ ብኸመይ ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ማሕበረሰብ ብኸመይ ይጠቕምዎ፧
እታ ብቛንቋ ፈረንሳ እተሓትመት ሓበሬታ እትህብ ትራክት ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብዛዕብኦም ክትፈልጥዎ ዘድልየኩም ዝብል ኣርእስቲ ነበራ። እታ ትራክት ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኽትበጽሕ: ወፈራ ክግበር ተመደበ። ካብ 13 ግንቦት ክሳዕ 9 ሰነ 1996 ከኣ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ቅዳሓት ተዓደለ።
እዛ ትራክት እዚኣ: ንሰበ-ስልጣን እውን ሓዊስካ: ንብዙሓት ሰባት መሲጣቶም ኢያ። ሓደ ናይ ዞባዊ ቤት ምኽሪ ኣባል: ነታ ትራክት ድሕሪ ምንባቡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘቃንዐ ወቐሳ የነድረኒ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ኸኣ ነቲ ሰናይ ግብርኹምን ስሰዐ ዘይብሉ ዕዮኹምን አማስወሉ ኢየ።” ሓደ ኣባል ኣውሮጳዊ ባይቶ ድማ ብዛዕባ እታ ትራክት “መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ ናትኩም ክርስትናን ካልኦት ጕጅለታትን ዘሎ ፍልልይ ጽቡቕ ገይሮም ይግንዘብዎ ኢዮም” ብምባል ጸሓፈ።
ኣብ ብሪታኒ ሓደ ምስክር ነታ ትራክት ንሓደ ቐሺ ኣበርከተሉ እሞ: ንሱ ኸኣ ከየማትአ ተቐበሎ። እቲ ቐሺ “በዚ ትገብርዎ ዘለኹም እንእደኩም ኢየ” በለ። ወሲኹ ኸኣ “ነቶም ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ቤተ ክርስትያን ዝመላለሱ ሰባት: ኣብ ኣባይቶም ክቕበልኹምን ቡን ክጋብዝኹም አተባብዖም ኢየ። ነቶም እትረኽብዎም ሰባት ድማ ኣብ ገዛይ ከም ዝነበርኩም ከይተረፈ እውን ክትነግርዎም ትኽእሉ ኢኹም። ጽሑፋትኩም ምንባብ ባህ ከም ዝብለኒ እውን ክነግረኩም እፈቱ” በለ።
ኣብ ኣልሳስ ዝነብር ሓደ ፕሮተስታንት ሰብኣይ ነታ ትራክት ድሕሪ ምንባቡ ናብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብምጽሓፍ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓተተ። “ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያነይ ዝነበረኒ እምንቶ ብምጥፍኡ: ሓድሽ መንፈሳዊ መገዲ ክጅምር ኢየ ሃንቀው ዝብል ዘለኹ” ኸኣ በለ። ኣብ ፈረንሳ—አረ: ኣብ ኵሉ ክፍልታት ዓለም—ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሓደ ግዜ ኣንጻሮም ዘቕንዐ ናይ ሓሶት ክስታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም: ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ርጡብ ፍልጠት ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ምእንቲ ክርድእዎ ይሕግዝዎም ኢዮም ዘለዉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16,17