ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/2 ገጽ 24-28
  • ሙዚቃ ኣብ ዘመናዊ ኣምልኾ ዘለዎ ቦታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሙዚቃ ኣብ ዘመናዊ ኣምልኾ ዘለዎ ቦታ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾ ዝነበሮ ታሪኻዊ ቦታ
  • እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት እተጠቕምሉ መዝሙራት
  • ናይ ሓሶት ኣምልኾ ጽልዋ
  • ንሙዚቃ ናብቲ ኣብ ኣምልኾ ዝነበሮ ግቡእ ቦታ ምምላሱ
  • ‘ብኣልባብና ንየሆዋ ምዝማር’
  • ንየሆዋ ብዜማ ዘምርሉ
  • ብታሕጓስ ዘምር!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንየሆዋ ዘምሩሉ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኣምላኽ ዘሐጕስ ሙዚቃ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/2 ገጽ 24-28

ሙዚቃ ኣብ ዘመናዊ ኣምልኾ ዘለዎ ቦታ

ምዝማር ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ህያብ ኢዩ። ድምጽና ዓው ኣቢልና ምዝማር ንዓናን ንፈጣሪናን ሓጐስ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ብመዝሙር ገይርና ስምዒታትና: ክልቲኡ ማለት ሓዘንና ከምኡውን ሓጐስና ክንገልጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ነቲ መዝሙር ዝፈጠረ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ: ኣኽብሮት: ከምኡውን ውዳሰ ክንገልጽ ንኽእል ኢና።

ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንሙዚቃ ዝምልከት ሰለስተ ሚእቲ ኣቢሉ ዝኸውን ጥቕስታት መብዛሕትኡ ምስቲ ንየሆዋ ዝቐርብ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ኢዩ። ምዝማር ምስ ሓጐስ​—⁠ናይቶም ዝዝምሩ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ምስቲ ብወገን የሆዋ ዝርአ ሓጐስ​—⁠እውን ይተኣሳሰር ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ይዘምሩሉ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም [“ብህዝቡ ባህ ኢልዎ:” NW ] እዩ።”​—⁠መዝሙር 149:​3, 4

እንተዀነ ግን: ኣብ ዘመናዊ ኣምልኾ ምዝማር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኢዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብምዝማር ከሐጕስዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ሙዚቃ ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ እንታይ ቦታ ኢዩ ክህልዎ ዝግባእ፧ ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾ ዝነበሮ ታሪኽ ምምርማር: ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ይሕግዝ ኢዩ።

ሙዚቃ ኣብ ኣምልኾ ዝነበሮ ታሪኻዊ ቦታ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሙዚቃ ተተሓሒዙ ዘርከብ ጥቕሲ ብፍላይ ምስ ኣምልኾ የሆዋ ብምትእስሳር ኣይኰነን ተገሊጹ ዘሎ። ዘፍጥረት 4:​21 ዩባል ምናልባት ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ብምምሃዝ ወይ ገለ ዓይነት ናይ ሙዚቃ ሞያ ብምጅማር ክኸውን ይኽእል: ክእለት ከም ዝነበሮ ይነግር። ይኹን እምበር: ሙዚቃ ሰባት ቅድሚ ምፍጣሮም ከይተረፈ ክፍሊ ኣምልኾ የሆዋ ነይሩ ኢዩ። ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት መላእኽቲ ከም ዝዝምሩ ይገልጽ ኢዩ። እዮብ 38:7 መላእኽቲ ብሓጐስ ከም ዝጭድሩን “እልል” ከም ዝብሉን ትነግረና ኢያ። ስለዚ እምበኣር: ንየሆዋ ከተምልኽ ኢልካ ዝቐርብ መዝሙር ሰብ ከይተፈጥረ ኸሎ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝነበረ ተግባር ምዃኑ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኣሎ።

ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኵሉ ጥንታዊ ሙዚቃ እብራውያን: ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ዘይብሉ ዜማ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ብምባል ይማጐቱ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ተጠቒሱ ዘሎ በገና ዝበሃል መሳርሒ ሙዚቃ ክውቃዕ ከሎ: ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሓደ ዝበዝሕ ናይ ሙዚቃ ኖታ ክጽወት ይከኣል ኢዩ። እቲ ወቓዕ በገና ነቲ ኣብታ መሳርሒት ሙዚቃ ዘሎ እተፈላለየ ቃናታት ብምትሕውዋስ ዝፍጠር ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት የስተብህለሉ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ሙዚቃኦም ድሑር ዘይኰነስ: ብዘይጥርጥር ናይ ሓቂ ምዕቡል ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ግጥምን ተራ ጽሑፍን ብምርኣይ: ናይ እስራኤላውያን ሙዚቃ ብዓይነቱ ዝበለጸ ምንባሩ ክንድምድም ንኽእል ኢና። ብርግጽ እምበኣር: ናይ ሙዚቃ ድርሰት ንምድላው ዝድርኾም ዝነበረ ፍልጠት ካብቲ ናይቶም ጐረባብቶም ዝነበሩ ኣህዛብ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ጥንታዊ ናይ ቤት መቕደስ ምምሕዳር ንኣምልኾ ቤት መቕደስ ዝኸውን ናይ መሳርሒታት ሙዚቃን መዝሙራትን ኣዝዩ ልዑል ምድላዋት ነይርዎ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 29:27, 28) ‘መራሕቲ:’ ‘ፈላጣት:’ ‘ተማሃሮ:’ ከምኡውን “ሓላቑ ዘመርቲ” ነይሮም ኢዮም። (1 ዜና መዋእል 15:21፣ 25:​7, 8፣ ነህምያ 12:46) ጸሓፍ ታሪኽ ከርት ሳክስ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮም ምዕቡል ናይ ሙዚቃ ክእለታት ሓሳብ ክህብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “እቶም ምስቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ተኣሳሲሮም ዝነበሩ ጕጅለታት ዘመርትን ኦርኬስትራታትን ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ሙዚቃ: ክአለት: ከምኡውን ፍልጠት ከም ዝነበረ ኢዮም ዝሕብሩ። . . . እቲ ጥንታዊ ሙዚቃ ከመይ ዝበለ ድምጺ ከም ዝነበሮ ዘይንፈልጥ እኳ እንተዀንና: ብዛዕባ ሓይሉን ክብረቱን ምልከቱን ግን እኹል መረጋገጺ ኣሎና።” (ዘ ራይዝ ኦቭ ሙዚክ ኢን ዘ ኤንሸንት ዎርልድ፣ ኢስት ኤንድ ዌስት: 1943 ገጽ 48 [እንግሊዝኛ]) መጽሓፍ መሃልየ መሃልይ: ናይ እብራውያን ሙዚቃዊ ድርሰት ሒዝዎ ዝነበረ ክእለት ምምሃዝን ዓይነት ትሕዝቶን ዝገልጽ ሓደ ኣብነት ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ኦፔራ መጽሓፈ ቃላት ሙዚቃ ወይ ጽሑፍ: ብመዝሙር ዝቐረበ ታሪኽ ኢዩ። እቲ መዝሙር ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ “ናይ መዝሙራት መዝሙር:” ማለት ኣዝዩ ብሉጽ መዝሙር: ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ነቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ እብራውያን: ምዝማር ዘይንጸል ክፍሊ ኣምልኾኦም ኢዩ ነይሩ። ንየሆዋ ክውድስዎ ከለዉ ድማ ኣወንታዊ ዝዀነ ስምዒታዊ መግለጺታት ከቕርቡ የኽእሎም ነበረ።

እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት እተጠቕምሉ መዝሙራት

ሙዚቃ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ስርዓታዊ ክፍሊ ኣምልኾ ምዃን ቀጸለ። ኣብ ርእሲ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ መዝሙራት: ባዕላቶም ዝደረስዎ ንኣምልኾ ዝኸውን ሙዚቃን ግጥምታትን ነይርዎም ክኸውን ዝከኣል ኢዩ: እዚ ድማ ነዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ክርስትያን መዝሙራት ድርሰት መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ። ብዋልዶ ሰልደን ፕራት እተጻሕፈት: ዘ ሂስትሪ ኦቭ ሙዚክ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ኣብ ቅድሚ ህዝብን ብብሕትን ኣብ ዝግበር ኣምልኾ ምዝማር ልማድ ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኢዩ ነይሩ። ነቶም ካብ እምነት ኣይሁድ እተለወጡ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቤት ጸሎት ዝነበረ ልምድታት ኢዩ ነይሩ . . . ኣብ ርእሲ እቲ ናይ እብራውያን መዝሙራት . . . እዚ ሓድሽ እምነት: ኣብ መጀመርታ ምናልባት ብመልክዕ ራፕሶዲስ: ሓድሽ ማህሌት ብቐጻሊ ናብ ምድላው ኣድሂቡ ነበረ።”a

የሱስ ንድራር ጐይታ ክጅምሮ ከሎ: መዝሙር ናይ ምዝማር ጥቕሚ ብምጕላሕ: ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ምናልባት ሃለል ዘሚሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 26:26⁠-30) እዚ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር እተመዝገበን ኣብ እዋን በዓል ፋስጋ ዝዝመር ዝነበረን ናይ ውዳሰ መዝሙራት ኢዩ ነይሩ።​—⁠መዝሙር 113⁠-118

ናይ ሓሶት ኣምልኾ ጽልዋ

ኣብቲ መዋእል ጸልማት ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዋን: ሃይማኖታዊ ሙዚቃ ናብ ዘሰልቹ ተደጋጋሚ ዜማታት ብምቕያር ኣንቈልቊሉ ኢዩ። ዳርጋ ብ200 ከ.ኣ.ዘ. ክለመንት በዓል ኣለክሳንድርያ ከምዚ በለ:⁠- “ሓደ መሳርሒ ኢዩ ዘድልየና: ንሱ ኸኣ በገና ወይ ከበሮ ወይ ሻምብቆ ወይ መለኸት ዘይኰነስ: ሰላም ዝመልኦ ደሃይ።” ነቲ ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ሙዚቃ ናብ ብኣፍ ዝድሀ ድምጽታት ብምውሳን: ቀይድታት ተኣታተወ። እዚ ቅዲ እዚ ተደጋጋሚ ዜማ ወይ ሓደ ዓይነት ደሃይ ጥራይ ዝሓዘ መዝሙር ተባህለ። እታ ኣዋር ሙዚካል ሄሪተጅ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:⁠- “ኮስታንቲኖፕል ድሕሪ ምህናጻ ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ቤት ምኽሪ ሎዲቅያ (367 ድ.ል.ክ.) ክልቲኡ ማለት ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ከምኡውን ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ኣብ ቅዳሴ ግደ ከይህልዎ ከልከለ። ናይ ኦርቶዶክስ ሙዚቃ ብደሃይ ጥራይ ዝግበር ኰይኑ ጸንሐ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ቀይድታት እዚ ኣብቲ ጥንታዊ ክርስትና መሰረት ኣይነበሮን።

ኣብቲ መዋእል ጸልማት: መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ተራ ህዝቢ ዕጹው መጽሓፍ ኢዩ ነይሩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ክውንኑ ወይ ከንብቡ ዝደፈሩ ክርስትያናት ይስጐጉ ወይ ይቕተሉ እውን ነይሮም ኢዮም። እምበኣር: ኣብቲ መዋእል ጸልማት ንኣምላኽ መዝሙር ውዳሰ ናይ ምቕራብ ልምዲ ብሰፊሑ ምጥፍኡስ ኣየገርምን ኢዩ። ድሓር ድማ እቲ ተራ ህዝቢ ቅዱሳት ጽሑፋት ክረክብ ዘይክእል እንተድኣ ኰይኑ: ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ዕስሪት መዝሙር ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፧ ኣምላኽ ንኣምለኽቱ “ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር: ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ” ኢሉ ከም ዝኣዘዘ መን ኢዩ ክሕብሮም፧​—⁠መዝሙር 149:1

ንሙዚቃ ናብቲ ኣብ ኣምልኾ ዝነበሮ ግቡእ ቦታ ምምላሱ

ማሕበር የሆዋ: ንሙዚቃን መዝሙርን ናብቲ ኣብ ኣምልኾ ዝነበሮ ግቡእ ቦታ ንምምላስ ብዙሕ ዓይያ ኢያ። ንኣብነት: ናይ 1 ለካቲት 1896 ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ሕታም (እንግሊዝኛ) መዝሙራት ጥራይ ዝሓዘት ነበረት። ኣርእስታ ድማ “ናይ ወጋሕታ መዝሙራት ሓጐስ ጽዮን” ዝብል ነበረ።

ብ1938 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምዝማር ብሰፊሑ ተሓዲጉ ነበረ። ይኹን እምበር: ናይ ሃዋርያት ኣብነትን መመርሕን ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ሽዑ ንሽዑ ተጋህደ። ኣብቲ ብ1944 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ኤፍ. ዳብሊው. ፍራንዝ “ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት መዝሙር” ዝብል ዝርርብ ኣቕረበ። ንየሆዋ ዝኸውን ናይ ምስጋና መዝሙራት ሰብ ከይተፈጥረ ከሎ ቅድሚ ነዊሕ እዋን በቶም ሰማያውያን ፍጥረታት ኣምላኽ ይቐርብ ከም ዝነበረ ገለጸ: ቀጺሉ ድማ “ምድራውያን ኣገልገልቱ ቃል ብቓሉ ብምዝማር ድምጾም ዓው ኣቢሎም ክዝምሩ ንኣምላኽ ዝግብኦን ባህ ዘብሎን ኢዩ” በለ። ኣብ ኣምልኾ ምዝማር ግቡእ ምዃኑ ምስ ኣረድአ: ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንኽትጠቅም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት መጽሓፍ መዝሙር (እንግሊዝኛ) ምውጽኣ ነገረ።b ድሕርዚ ናይ 1944 ኢንፎርማት (ሕጂ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እትበሃል) ካልኦት ኣኼባታት እውን መእተውን መዕጸውን ዝኸውን መዝሙራት ክገብራ ከም ዘለወን ነገረት። ምዝማር እንደገና ክፍሊ ኣምልኾ የሆዋ ኰነ።

‘ብኣልባብና ንየሆዋ ምዝማር’

ካብ ውሽጢ ልቢ ምዝማር ጥቕሚ ከም ዘለዎ በቶም ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ንዓመታት ዝኣክል ሽግርን መስጐግትን ዘሕለፉ ኣሕዋትና ተራእዩ ኢዩ። ሎታር ዋግነር ኣብ ጽምው ማሕቡስ ሸውዓተ ዓመታት ዘሕለፈ ሰብ ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ተጸሚምዎ፧ “ንነዊሕ ሰሙናት ነቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረ ናይታ መንግስቲ መዝሙራት ምሉእ ብምሉእ ንምዝካር ኣቓልቦይ ኣብኡ ገበርኩ። ነቲ ጽሑፍ ናይቲ መዝሙር ብልክዕ ምፍላጡ ክስእን ከሎኹ: ሓደ ወይ ክልተ ማይ ቤት አወሃህድ። . . . ናይ መንግስቲ መዝሙራትና ከመይ ዝበለ ብዙሕ መተባብዕን ሃናጽን ዝዀነ ሓሳባት ኰን ኢዩ ሒዙ ዘሎ!”​—⁠ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ 1974 ዓመት መጽሓፍ ገጽ 226⁠-8

ሃሮልድ ኪንግ ኣብቲ ብምኽንያት እሙን ኣቃውምኡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዘሕለፎ ጽምው ማሕቡስ ኰይኑ: ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ኣብ ምድራስን ኣብ ምዝማርን ምጽንናዕ ረኺቡ ኢዩ። ብዙሕ ካብቲ ዘወሃሃዶ መዝሙራት ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም ይጥቀምሉ ኣለዉ። ምስ ምዝማር ተኣሳሲሩ ዘሎ ሓጐስ ዘናብር ኢዩ። ንኣምላኽ መዝሙር ምስጋና ምዝማር ዘለዎ ጥቕሚ ንኽንርዳእ ግን መስጐግቲ ከነሕልፍ ኣሎና ማለት ኣይኰነን።

ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ኣብ መዝሙር ሓጐስ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ሓሳባትና ብቓላት ክንገልጽ ንዕገት እኳ እንተዀንና: ብመዝሙር ገይርና ከነድህዮም ከሎና ግን ንየሆዋ ዘሎና ስምዒታት ናጻ ኴንና ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን” ኢሉ ክምዕዶም ከሎ: መዝሙር ምስጋና ኣብ ምዝማር ብኸመይ ሓጐስ ክንረክብ ከም እንኽእል ኣመልኪቱ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:​18, 19) ኣልባብና ብመንፈሳዊ ነገራት ምስ ዝመልእ: መዝሙር ኣብ ምዝማር ሓያል መግለጺ ንረክብ። ስለዚ ክእለት ኣዘማምራና እናተመሓየሸ ክኸይድ ልቢ ቅኑዕ ዝንባለ ክህልዎ እቲ ቀንዲ ዘድሊ ነገር ኢዩ።

ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምህላው: ንውዳሴ የሆዋ ክንዛረብ: ክንዝምር: ከምኡውን ዓው ኢልና ከነድሂ ዘለዓዕል ሕጕስ መንፈስ ንኸነጥሪ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። (መዝሙር 146:​2, 5) ብዛዕባ እቲ እነስተማቕሮ ነገራት ካብ ልቢ ንዝምር። ነቲ መዝሙር ወይ እቲ መዝሙር ንዘመሓላልፎ ስምዒት እንተድኣ ፈቲናዮ: ብሓቂ እናስተማቐርና ከም እንዝምሮ ፍሉጥ ኢዩ።

ሓደ ሰብ ብስምዒት ንምዝማር ግድን ዓው ኢሉ ምዝማር ኣየድልዮን ኢዩ። ዓው ኢልካ ምዝማር ምስ ጽቡቕ ገይርካ ምዝማር ሓደ ኣይኰነን፣ ግናኸ መዝሙሩ ክስማዕ ዘይከኣል ምስ ዝኸውን እውን ጽቡቕ መዝሙር ኣይኰነን። እቲ መዝሙር ህዱእ እኳ እንተዀነ: ባህርያዊ መቓልሕ ድምጺ ዘለዎ ገሊኡ ደሃያት ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ጕጅለ ጽቡቕ ገይርካ ንምዝማር ዘጋጥም ብድሆ ተሳኒኻ ንኽትዝምር ምምሃር ኢዩ። ብናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ተመሪሕካ ይኹን ወይ ብእኡ ከይተመራሕካ ሓቢርካ ክትዝምር ከሎኻ: መጠን ደሃይካ ምስቶም ኣብ ጥቓኻ ዘለዉ ሰባት ምስምምዑ ጥዑምን ስሙርን መዝሙር ንኽኸውን ይሕግዝ ኢዩ። ንሓደ ሰብ ክርስትያናዊ ትሕትናን ሰማዒት እዝንን: ኣብ መንጎ ብውዕዉዕ መንፈስ ምዝማርን ብደሃይካ ምዕብላልን ዘሎ ሚዛን ንኽሕሉ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ብኽእለት ዝዝምሩ ወይ እቶም ፍሉይ ዝዀነ ጽቡቕ ደሃይ ዘለዎም ሰባት ዓው ኢሎም ካብ ምዝማር ፈጺሞም ተስፋ ክቘርጹ የብሎምን። ጽቡቕ ደሃይ ነቲ እታ ጉባኤ ንየሆዋ እትዝምሮ መዝሙር ውዳሴ ብዙሕ ሓገዝ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

ኣብ ጉባኤታት ምዝማር: ነቲ ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ምስቲ ዜማታት ኣሰማሚዕካ ንምዝማር ዘኽእል ምቹእ ኵነታት እውን ዘዳሉ ኢዩ። እቶም ነቲ ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ከይረኣዩ ክዝምሩ ዝኽእሉ ወይ ካብቲ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ነቲ ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት መስመራት ኣንቢቦም ከድህይዎ ዝኽእሉ ሰባት ምስቲ መዝሙር ተሳንዮም ክዝምሩን ንጽባቐ ናይቲ ሙዚቃ ድማ ክውስኽሉን ይተባብዑ።c

ገሊኦም ምናልባት ‘ነቲ ቅኒት ጽቡቕ ገይረ ከድምጾ ኣይክእልን ኢየ’ ወይ ‘ሕማቕ ደሃይ ኢዩ ዘሎኒ፣ ኣብቲ ልዑል መጠን ድምጺ ዘድልዮ ሙዚቃዊ ኖታታት ድምጸይ ይጕርዕ ኢዩ’ ይብሉ ይዀኑ። በዚ ኸኣ: ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኰይኖም ክዝምሩ ኸለዉ ከይተረፈ ይሓፍሩ። እቲ ሓቂ ግን ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ንምዝማር ዝወጽእ ደሃይ ኣብ ቅድሚኡ “ሕማቕ” ኢዩ ዝበሃል የለን። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ሓጋዚ ርእይቶታት ብምስዓብን ብምልምማድን ደሃዩ ክመሓየሽ ዝከኣል: ኣዘማምርኡ ድማ ክመሓየሽ ይከኣል ኢዩ። ገሊኦም ካልእ ዋኒናቶም እናገበሩ ከለዉ ነቲ ሙዚቃ ጥራይ ብምዝማሮም ደሃዮም ተመሓይሹ ኢዩ። ነቲ ሙዚቃ ጥራይ ምዝማር ንቓና ናይቲ ደሃይ ጥዑም ንምግባር ይሕግዝ ኢዩ። በይንና ክንከውን ከሎና ወይ ኣብ ስራሕ ንኻልኦት ክንርብሸሉ ኣብ ዘይንኽእል ምቹእ እዋን: ናይታ መንግስቲ ዜማታት ምዝማር ንደሃይና ከምኡውን ሕጕሳትን እተዛነየ ኵነት ኣእምሮ ዘሎናን ንምዃን ጽቡቕ ልምምድ ኢዩ።

ብጕጅለ ኣብ ዝግበር ምትእኽኻባት ሒደት መዝሙራት ናይታ መንግስቲ ክዝመር እውን ከነተባብዕ ንኽእል ኢና። ብጊታር ወይ ፒያኖ ወይ ማሕበር ብዘዳለወቶ ካሴታት እተሰነየ ከምዚ ዝበለ መዝሙራት ምዝማር: ነቲ ምትእኽኻብና መንፈሳዊ ሃዋህው ይፈጥረሉ ኢዩ። ነቶም መዝሙራት ንምምሃርን ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንምዝማሮምን እውን ይሕግዝ ኢዩ።

ጉባኤታት ኣብ ኣኼባታት ናይ ምዝማር መንፈስ ምእንቲ ክህልወን: ማሕበር መሳንይቲ ዝኸውን እተመልአ ሙዚቃ ኣዳልያ ኢያ። እቲ ሙዚቃ ክውላዕ ከሎ: እቲ ንኽፍሊ ድምጺ ዝቈጻጸር ሰብ ነቲ መጠን ድምጺ ከስተብህለሉ ኣለዎ። እቲ ሙዚቃ እኹል ድምጺ ዘይብሉ እንተድኣ ኰይኑ: እታ ጉባኤ ዓው ኢላ ንኽትዝምር ትብዓት ክትስእን ትኽእል ኢያ። እቲ ንኽፍሊ ድምጺ ዝቈጻጸር ሓው ምስታ ጉባኤ ሓቢሩ ምስ ዝዝምር: እቲ ሙዚቃ ደጋፊ ኰይኑ ይመርሕ ኣሎዶ ወይስ የለን ምውሳን ክኽእል ኢዩ።

ንየሆዋ ብዜማ ዘምርሉ

ምዝማር ንፈጣሪና ዘሎና ስምዒታት ንምግላጽ ኣጋ​­ጣሚ ይህበና ኢዩ። (መዝሙር 149:​1, 3) ብስምዒት ምግንፋል ጥራይ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡ ኣደብ ዘለዎ: ምኽንያታዊ: ከምኡውን ሕጕስ መግለጺ ውዳሴና ኢዩ። ልብና ኣብቲ ናይ ጉባኤ መዝሙር ከም ዘቕልብ ምግባር: ኣእምሮናን ልብናን ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ፕሮግራም ኣብ ጽቡቕ ኵነት ከም ዝህሉ ንምግባርን ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ዝሰፍሐ ግደ ንኽህልወና ከለዓዕለናን ይኽእል። ምዝማር ስምዒታዊ መልእኽቲ እኳ እንተለዎ: እቲ ቃላት ንምህሮና ክጠቅም እውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ሓቢርና ብዘይ ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ከምኡውን ብናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት እናተመራሕና ስምዒትና ብምግላጽ: ከም እኩባት ህዝቢ መጠን ሓቢርና ክንማሃር ምእንቲ ክንክእል ብዓቕልን ብትሕትናን ኣልባብና ነዳሉ ኣሎና ማለት ኢዩ።​—⁠ምስ መዝሙር 10:17

መዝሙር ወትሩ ክፍሊ ኣምልኾ የሆዋ ክኸውን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ንዘለኣለም ስምዒታት ናይቲ ዘማሪ ክህልወና ተስፋ ንገበር:⁠- “ብህይወተይ ከሎኹ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ: ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ክውድሶ እየ።”​—⁠መዝሙር 146:2

[እግረ-ጽሑፋት]

a ራፕሶዲ ኣብ እተፈላለየ ክፍልታቱ ብናይ ናጽነት መንፈስ ዝፍለ ናይ ሙዚቃ ድርሰት ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ራፕሶዲ ናይ ጅግንነት ፍጻመታት ወይ ገጸ⁠-ባህርያት ክብ ዘብል ኢዩ።

b ቀዳማይ ቈረንቶስ 14:15 ምዝማር ስርዓታዊ መዳይ ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ ኣምልኾ ምንባሩ ትሕብር ኢያ እትመስል።

c ኣብታ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ (እንግሊዝኛ) እትበሃል እዋናዊት ናይ መዝሙር መጽሓፍና ካብ ዘለዉ ገለ መዝሙራት: ነቶም ብናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ምዝማር ዘሐጕሶም ሰባት ክጠቅም ተባሂሉ: ኣርባዕተ ክፍልታት ዘለዎ ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ቅዲ ዝሓዘ ኢዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ካብቲ መዝሙራት ምስ ፒያኖ ከም ዝሳነ ኰይኑ ኢዩ ተዳልዩ: ነቲ ኣህጉራዊ ናይ ቅኒት መበቈል ንምዕቃብ ድማ ሓደ ናይ ሙዚቃ ቅዲ ተዋሂብዎ ኣሎ። ነቶም ውሱን ኣርባዕተ ክፍልታት ዝሓዘ ናይ ሙዚቃ ኖታ ውህደት ዘይብሎም ኰይኖም እተጻሕፉ መዝሙራት ቃና ዘለዎ ሙዚቃዊ ኖታ ክማሃዘሎም: ነቲ ኣብ ጉባኤ እንዝምሮ መዝሙር ዝያዳ ጣዕሚ ክውስኸሉ ይኽእል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]

ብዝሓሸ መገዲ ንምዝማር ዝሕግዝ ገለ ርእይቶታት

1. ክትዝምር ከሎኻ ነቲ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ክብ ኣቢልካ ሓዞ። እዚ ነቲ ሰብ ዝያዳ ባህርያዊ ገይሩ ንኸተንፍስ ይሕግዞ ኢዩ።

2. ኣብ ምጅማር ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ጽቡቕ ገይርካ ኣየር ንውሽጢ ስሓብ።

3. ኣብ መጀመርታ ንኣፍካ ኣጸቢቕካ ምኽፋቱ ዘይምቹእ ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓካ ንመጠን ናይቲ ባህርያዊ መቓልሕ ድምጺ ከም ዝውስኸሉ ፍሉጥ ኢዩ።

4. ልዕሊ ዅሉ ድማ: ኣብቲ ዝመሓላለፍ ስምዒት ናይቲ ዝዝመር ዘሎ መዝሙር ኣተኵር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ