ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ብመሰረት ናይ ዜና ጸብጻባት: ገለ ሆስፒታላት ቈልዓ ምስ ተወልደ: ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ደም ገለ ነገራት ንምውጻእ ኢለን ነቲ መዳሕንትን ዕትብትን የቐምጥኦ ኢየን። እዚ ንሓደ ክርስትያን ከሻቐሎዶ ይግባእ ኢዩ፧
ኣብ ብዙሕ ሆስፒታላት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ነገር ስለ ዘየጋጥም: ክርስትያናት ክሻቕሉ ኣየድልዮምን ኢዩ። ኣብቲ ሓንቲ ክርስትያን እትወልደሉ ሆስፒታል ከምዚ ዝበለ ተግባር ከም ዝፍጸም ዘርኢ ቅቡል ምኽንያት እንተድኣ ኣልዩ: መዳሕንትን ዕትብትን ክድርበ ከም ዝግባእ እምበር ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዘይብሉ ነቲ ሓኪም ምንጋሩ ግቡእ ኢዩ።
መብዛሕትኡ ምህርትታት ሕክምና: ካብ እንስሳ ይኹን ወይ ሰብ ኢዩ ዝርከብ። ንኣብነት: ገለ ሆርሞናት ካብ ሽንቲ ናይ ጥኑሳት ኣፍራስ ኢዩ ዝወጽእ። ደም ፈረስ ምንጪ ናይቲ እቲ ብመርፍእ ዝዋሃብ ናይ ቴታኑስ ፈውሲ ረኽሲ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ: ከምኡውን እቲ ንሕማም ኣብ ምክልኻል ንነዊሕ ግዜ ዝጠቐመ ጋማ ግሎቡሊን ካብቲ ኣብ ናይ ሰብ መዳሕንቲ (ድሕሪ ሕርሲ) ዝርከብ ደም ኢዩ ዝስራሕ ነይሩ። ብገለ ሆስፒታላት እቲ መዳሕንቲ ይዕቀብን ይረግእን እሞ: ጸኒሑ ኸኣ በቲ መድሃኒት ዘቃምም ላባራቶሪ ይእከብ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ብዙሓት ሕማም ዝከላኸሉ ሕዋሳት ዘለውዎ ደም ጋማ ግሎውቢን ንኸውጽእ ኣብ ናይ ላቦራቶሪ መስርሕ ክኣቱ ይኽእል።
ኣብዚ ቐረባ እዋን: ተመራመርቲ ድሕሪ ሕርሲ ካብ ዝርከብ ደም ንሓደ ዓይነት ናይ ደም መንሽሮ ንምሕዋይ ተጠቒሞምሉ ከም እተዓወቱ ተዛሪቦም ኣለዉ: ብተወሳኺ ድማ ከምዚ ዓይነት ደም ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ንዘጋጥም ምዝባዕ ንምሕካም ከምኡውን መተካእታ ናይቲ ናይ ደም መንሽሮ ንዝሓዞም ቈልዑ ዝዋሃብ ዝነበረ ናይ ኣንጕዕ ዓጽሚ ዋህዮታት ኰይኑ ክዓዪ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ: ብዛዕባ እቶም ምናልባት ንመጻኢ ግዜ ደቆም ኣብ ምፍዋስ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ብምባል ካብቲ ድሕሪ ሕርሲ እተረኽበ: ዝረግአ: ከምኡውን እተዓቝረ ደም ዝሐዙ ወለዲ ዓቢ ናይ መዛረቢ ኣርእስቲ ኰነ።
ከምዚ ዝበለ ናይ መዳሕንቲ ደም ምልክታታት ነቶም ኣተሓሳስብኦም በቲ ፍጹም ሕጊ ኣምላኽ ዝመርሑ ሓቀኛታት ክርስትያናት: ፈጺሙ ኣይፍትኖምን ኢዩ። ፈጣሪና ንደም ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት ዝውክል ቅዱስ ነገር ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ። ደም ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዘፍቀደ ምስ መስዋእትታት እተተሓሓዘ ኣብቲ መሰውኢ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 17:10-12፣ ምስ ሮሜ 3:25፣ ኤፌሶን 1:7 ኣረኣእዮ።) እንተዘየለ ግን ካብ ሓደ ህያው ፍጡር ዝፈስስ ደም ኣብ ምድሪ ክክዖ ወይ ክጓሓፍ ነበሮ።—ዘሌዋውያን 17:13፣ ዘዳግም 12:15, 16
ክርስትያናት እንስሳ ክሃድኑ ወይ ድማ ደርሆ ወይ በጊዕ ኣብ ቤቶም ክሓርዱ ከለዉ: ነቲ ደም ይኽዕውዎን ይጕሕፍዎን ኢዮም። ቃል ብቓሉ ኣብ መሬት ክኽዕውዎ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ እቲ ዝድለ ነቲ ደም ንዝዀነ ይኹን ጥቕሚ ክውዕል ኢሎም ኣብ ክንዲ ዘቐምጥዎ ክጕሕፍዎ ኣለዎም።
ሆስፒታል ዝኣተዉ ክርስትያናት: ካብ ኣካላቶም ዝወጽእ ነገራት ከም ስነ-ህይወታዊ ናይ ኣካላት ርስሓት: ማለት ሽንቲ: ቀልቀል ወይ ዝሓመመ ዋህዮታት: ወይ ደም ካብ ኣካልና እተደርበዩ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። ርግጽ ኢዩ: ሓደ ሓኪም ብቐዳምነት ገለ መርመራታት ከም ናይ ሽንቲ: ናይ ዝሓመመ ክፍሊ ኣካላት ወይ ናይ ደም ክግበር ይደሊ ይኸውን። ዳሕራይ ግን: ብመሰረት ውሽጣዊ ሕጊ እታ ሃገር ካብ ውሽጢ ኣካል ዝወጸ ነገራት ይጓሓፍ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ዘሎ ሕሙም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ፍሉይ ሕቶታት ክሓትት ኣየድልዮን ኢዩ: ምኽንያቱ ከምዚ ዝበለ ካብ ኣካላት ዝወጸ ነገራት ክጓሓፍ ምኽንያታውን ብሕክምናዊ መገዲ ድማ ጥንቃቐ ዝግበረሉን ኢዩ። እቲ ሕሙም እዚ ኸምዚ ዝበለ ልሙድ ተግባር ምክትታል ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ ንኽጥርጥር ቅቡል ምኽንያት እንተድኣ ኣልይዎ: ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ከምዚ ዝበለ ካብ ኣካል ዝወጸ ነገራት ክጓሓፍ ከም ዝደልዮ ወይ እትደልዮ ብምንጋር ነቲ ሓኪም ክጠቕሱሉ ይኽእሉ ኢዮም።
ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተባሂሉ ዘሎ ንመብዛሕትኦም ሕሙማት ዘሻቕሎም ሳሕቲ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንኸምዚ ዝበለ ድሕሪ ሕርሲ ዝርከብ ነገራት ወይ ካልእ ስነ-ህይወታዊ ምህርትታት እንደገና ምእካብን ምጥቃምን ኣይሕሰብን: ብተደጋጋሚ እውን ዝግበር ኣይኰነን።
ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1997 “ግምቢ ዘብዐኛ” ዝወጸት “ንኽፍኣት ዘበለ ንፈንፍኖ” እትብል ዓንቀጽ ኣብቶም “ፔዶፍልያ” ዝዀኑ ሰባት እተተኵር ኢያ እትመስል። እዚ ተግባር እዚ ብኸመይ ኢዩ ክግለጽ ዘለዎ፧
ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮልጌት ዲክሸነሪ (እንግሊዝኛ) ን“ፔዶፍልያ ” “ዘይንቡር ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ቈልዑ ቀንዲ ዒላማ ኰይኖም ዝምረጽሉ ኵነታት” ብምባል ይገልጾ። መዳያት ናይዚ ተግባር እዚ ኣብ ዘዳግም 23:17, 18 ተዀኒኑ ኣሎ። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ኣምላኽ ኣንጻር ናይቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኣመንዝራ ምዃን (“ወይ ድማ ‘ካታማይት: ’ ዘይንቡር ጾታዊ ርክብ ምስኡ ንምፍጻም እተዓቀበ ወዲ” NW እግረ-ጽሑፍ) ተዛሪቡ ኣሎ። እዘን ቍጽርታት እዚኣተን “ናብ ቤት እግዚኣብሄር” ዋጋ ‘ከልቢ’ (“ምናልባት ፔደራስት: ብፍላይ ምስ ወዲ ብመቐመጫ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ሰብ ክኸውን ይኽእል” NW እግረ-ጽሑፍ) ምምጻእውን ይኽልክላ ኢየን። እዚ ቅዱስ ጽሑፋውን ዓለማውን መወከሲ እዚ ነቲ እታ ግምቢ ዘብዐኛ እትመያየጠሉ ዝነበረት ሓሳብ መሰረት ዝኸውን ኢዩ: እዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ በጽሒ ሰብ ንቘልዓ ብጾታዊ ርክብ ንምህሳይ: ምድርራዝ እውን ሓዊስካ: ዒላማ ምግባር ኢያ እትዛረብ ነይራ ማለት ኢዩ።