ሃይማኖታዊ ናጽነት ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም መሰረታዊ መሰል ዝቝጸር እኳ እንተዀነ: ኣብ 1940’ታት ግን ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ናዕቢ ነታ ሃገር ኣዕለቕሊቕዋ ኢዩ
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ተቓሊሶምላ። ገለ ኸኣ ሞይቶምላ። ብሓቂ ሓንቲ ካብቲ ናይ ወድሰብ ኣዝዩ ክቡር ጥሪት ኢያ። እዚኣ እንታይ ኢያ፧ ናጽነት! ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ንናጽነት “ምርጫታት ክትገብርን ክትፍጽሞምን ምኽኣል” ኢሉ ይገልጻ። ከምዚ ብምባል ድማ ይቕጽል:- “ብዓይኒ ሕጊ ክረአ ኸሎ: ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊኦም ዘይፍትሓዊ: ዘየድሊ: ወይ ዘይምኽንያታዊ ደረታት ዘይገብር እንተድኣ ኰይኑ: ሰባት ናጻ ኢዮም። ሕብረተሰብ መሰላቶም—እዚ ኸኣ እቲ መሰረታዊ ሓርነቶም: ዓቕምታቶም: ከምኡውን ሓለፋታቶም—ክዕቅበሎም ኣለዎ።”
እዚ ኣምር እዚ ቀሊል ይመስል። ይኹን እምበር: ብተግባር ክረአ ከሎ እቲ ደረት ናይ ናጽነት ብንጹር ኣበይ ኢዩ ክውሰን ዝግብኦ ንዝብል ክሰማምዕሉ: ንሰባት ዳርጋ ዘይከኣል ኢዩ ዝመስል። ንኣብነት: ገለ ሰባት መንግስቲ ንናጽነት ዜጋታቱ ንምዕቃብ ሕግታት ከውጽእ ከም ዝግብኦ ይኣምኑ። ካልኦት ግን እዚ ሕግታት እዚ እቲ ዜጋታት ናጻ ክዀንሉ ዘድልዮም ማሕለኻታት ከም ዝዀነ ገይሮም ይማጐቱ! ብግልጺ ክርአ ከም ዝከኣል: ናጽነት ንእተፈላለዩ ሰባት እተፈላለየ ነገር ማለት ኢዩ።
ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧
ምናልባት እቲ ኣዝዩ ርሱን ክትዕ ዝካየደሉ ናጽነት እንተድኣ ሃልዩ: ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኢዩ: እዚ ድማ እቲ “ሓደ ሰብ ኣብ ድላዩ ኽኣምንን እምነቱ ከካይድን ዘለዎ መሰል” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት: “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ሓሳብ: ናይ ሕልና: ከምኡውን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክህልዎ መሰል ኣለዎ።” እዚ ድማ: ኣብ ርእሲ እቲ ሓደ ሰብ “ብምምሃር: ኣብ ተግባር ብምርኣይ: ብምምላኽን ምብዓልን ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ክገልጽ” ዘለዎ ናጽነት: “ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ናይ ምልዋጥ” መሰል እውን ዘጣመረ ኢዩ።—ዓንቀጽ 18
ብርግጽ: ንዜጋታታ ብሓቂ እትግደሰሎም ሃገር ከምዚ ዝበለ ናጽነት ከተፍቅደሎም ንጽበ ኢና። እቲ ዘሕዝን ግን: እዚ ኵሉ ግዜ ኣየጋጥምን ኢዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ሃይማኖት ናይ ብዙሓት ሰባት ዓሚቝ ስምዒታት ዝትንክፍ ኢዩ። ገለ መንግስታት ምስ ሓደ ሃይማኖት ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎም ብምዃኖም ነቶም ካልእ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ንፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዘስግኡ ገይሮም ይርእይዎም። ሓደ መንግስቲ ንሃይማኖት ብፖለቲካዊ መገዲ ክረእዮ ከሎ ሓደገኛ ገይሩ እውን ይወስዶ ይኸውን: ምኽንያቱ ሃይማኖታት ንኣምላኽ ዘለወን ተኣማንነት ልዕሊ እቲ ንሃገር ዘለወን ተኣዛዝነት ክሰርዖኦ ስለ ዝኽእላ ኢዩ።”
በዚ ምኽንያት እዚ ገለ መንግስትታት ኣብ ምንቅስቓስ ሃይማኖት ቀይድታት ይገብሩ። ሒደት ከኣ ንሓፈሻዊ ንጥፈት ናይ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ይኽልክሉ። ካልኦት መንግስታት ድማ: ንናይ ምምላኽ ናጽነት ከም ዝድግፉ ኣፎም መሊኦም ዝዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ጽኑዕ ልጓም ይገብሩ።
ንኣብነት: ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሜክሲኮ ዝስርሓሉ ዝነበረ ኵነታት ርአ። እቲ ቅዋም ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘፍቅድ እኳ እንተ ነበረ “ንህዝባዊ ኣምልኾ ዘገልግላ ኣብያተ-ክርስትያናት ንብረት ናይቲ ብፌደራላዊ መንግስቲ ዝውከል ሃገር ኢየን: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ምግልጋል ክቕጽላ ዝኽእላ ኣየኖት ምዃነን ዝውስንውን እቲ መንግስቲ ኢዩ” ዝብል ኵነት ግን ነበሮ። ብ1991 እቲ ቅዋም ነዚ እገዳ እዚ ንምልጋስ ተመሓየሸ። እንተዀነ ግን እዚ ኣብነት እዚ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ በበይነን ሃገራት እተፈላለየ ትርጕም ክህልዎ ከም ዝኽአል ዘብርህ ኢዩ።
ካልእ ዓይነት ሃይማኖታዊ ናጽነት
ኣብታ እትነብረላ ሃገር ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣሎዶ፧ እንተድኣ ሃልዩ እንታይ ትርጕም ኢዩ ተዋሂብዎ ዘሎ፧ በቲ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ገይርካ ንኣምላኽ ከተገልግሎ ትኽእል ዲኻ: ወይስ ናይቲ መንግስቲ ወግዓዊ ሃይማኖት ኣባል ክትከውን ትግደድ ኢኻ፧ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ከተንብብን ክትዝርግሕን ይፍቀደልካ ድዩ: ወይስ ከምዚ ዝበለ ጽሑፋት በቲ መንግስቲ እተኣገደ ኢዩ፧ ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ከትዛረብ ትኽእል ዲኻ: ወይስ ከምዚ ምግባር ናይ ካልኦት ሃይማኖታዊ መሰል ከም ምግሃስ ኢዩ ዝውሰድ፧
ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም መልስታት ኣብቲ እትነብረሉ ሃገር እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን ኣብ ቦታ ፈጺሙ ዘይምርኰስ ሓደ ዓይነት ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣሎ። የሱስ ብ32 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ከሎ ንሰዓብቱ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም።—ዮሃንስ 8:31, 32
የሱስ ከምዚ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ካብ መግዛእቲ ሮሜ ሓራ ዝዀኑሉ ግዜ ኢዮም ዝናፍቑ ነይሮም። የሱስ ግን ብዛዕባ ካብ ፖለቲካዊ ጭቆና ናጻ ምዃን ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንድኡስ: ከምቲ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ዘሎና ብዛዕባ ካብኡ ኣዝዩ ዝሓሸ ነገር ኢዩ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመባጽዓሎም ዝነበረ።