ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ተኣኪቦም
ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ካብ ኣሜሪካ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተኻፈልናዮ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተሃኒጽና ኢና: ናይዚ ዓመት እዚ ግን መግለጺ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣኼባ ወዲእና ክንከይድ ከሎና: ናይታ እትቕጽል መዓልቲ ኣኼባ ከመይ ኰን ይኸውን ኢልና ንሓስብ: ካብ ትጽቢትና ንታሕቲ እውን ኣየጋጠመናን!”
ኣብ ሓደ ካብቲ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ኣውራጃዊ ኣኼባታት ተኻፊልካ እንተድኣ ነይርካ: ምስ እዚ ውዕዉዕ ስምዒት ዝነበሮ ተኻፋሊ ናይቲ ኣኼባ ከም እትሰማማዕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ: ኣብ እተፈላለየ መዳያት ናይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ልኡኻት ኣምላኽ መጠን ዝፍጽምዎ ዕዮ ዘተኰረት ኢያ ነይራ። ነቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፕሮግራም እስከ ንድገሞ።
‘እቲ ሰላም ዘውሪ ክንደይ ጽቡቕ ኢዩ’
እዚ ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ ቀንዲ ኣርእስቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኢሳይያስ 52: 7 እተመስረተ ኸኣ ነበረ። ኣብዘን ኣሸገርቲ ግዝያት እዚኣተን: ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ኵነታት ኰይኖም ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። እታ “ካብቶም ቀናኣት ኣወጅቲ ሰላም ምስማዕ” እትብል ዝርርብ ምስ ገለ ካብዞም እሙናት ሰባት እተገብረ ቃለ-መጠይቕ ዝሓዘት ኢያ ነይራ። ነቲ ብሕታዊ መግለጺታቶም ምስማዕ ብሓቂ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ: በዚ ኸምዚ እቶም ኣኼበኛታት ንዓኣቶም ድማ የሆዋ ንኽጽመሙ ክሕግዞም ኢሉ ‘ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ’ ብምሃብውን ከይተረፈ ከጽንዖም ከም ዝኽእል ኣረጋጊጾም ኢዩም።—2 ቈረንቶስ 4:7
የሆዋ ዝደልዮም ነገራት ጾር ኣይኰኑን። (1 ዮሃንስ 5:3) እዚ ኸኣ: ኣብታ ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ ዘርእስታ 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ብምሕባር ዝዛዘመት ናይ ንግሆ ፕሮግራም ናይ መወዳእታ ዝርርብ ተገሊጹ ኢዩ። እዛ ምልኩዕ ስእላዊ መግለጺ ዘለዋ ሓዳስ ናይ መጽናዕቲ ሓገዝ: ንብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ንኽፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ ኣገዳሲ ግደ ከም ዝህልዋ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣጠቓቕማ ናይዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ ዝምልከት ርእይቶታት ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ናይዛ መጽሔት ከምኡውን ኣብ ገጽ 16ን 17ን ይርከብ ኢዩ።
እታ “ኣብቲ ሰናይ ዕዮ ምጽማም” እትብል ዝርርብ: የሆዋ ነቲ ዘጋጥመና ፈተናታት ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ ምዃኑ ኣጕሊሓ ኢያ። ምጽማም: ካብ ቦታኻ ፍንትት ዘይምባል ተስፋ ኸኣ ዘይምቝራጽ ማለት ኢዩ። የሆዋ ክሕግዘና ኢሉ ቃሉ: መንፈሱ: ከምኡውን ማሕበሩ ሂቡና ኢዩ። ንምስባኽ ምጽማም የድሊ: ጌና ግን ምስባኽ ንኽንጽመም ይሕግዘና ኢዩ: ከመይሲ ንእምነትና ህያው ኢዩ ዝገብራ። ናብቲ ናይ መወዳእታ መስመር ኣዚና ስለ ዝቐረብና: ግድላት ነቲ ዘሎና ቅንኢ ከቕህሞ ክንፈቕደሉ ኣይግብኣናን: ከመይሲ እቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝጽመሙ ኢዮም ዝድሕኑ።—ማቴዎስ 24: 13
እቲ “ከም ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም መጠን ዘሎና ግደ” ዝብል ሕመረት ዝርርብ ናይቲ ኣኼባ ድማ: ናብቲ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ናይ ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ሓራ ንምውጻእን ምምላስ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ የሩሳሌምን ኢዩ ቆላሕታ ገይሩ። እቲ ተዛራቢ: እዚ ፍጻመ እዚ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ኣብ መላእ ዓለም ክትፍጽሞ ዘለዋ ነገር: ንኡስ መርኣዪ ጥራይ ምንባሩ ገለጸ። (መዝሙር 72:7፣ ኢሳይያስ 9:7) ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና መዝነት: ነቲ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዝእወጅ ብስራት ምስባኽን ምስዚ መልእኽቲ እዚ ተሰማሚዕና ምንባርን ኢዩ። እቲ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘሎና ፍቕሪ ከየብኰርና ኣብቲ ዕዮ ምእንቲ ክንቅጽል ክድርኸና ይግብኦ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:42
እቲ ኣብ ናይ ዓርቢ ፕሮግራም ጐሊሑ ዝነበረ ኸኣ “ነቲ ኣብ መዘናግዒ ዘሎ ሕቡእ መፈንጠራታት ተጠንቀቕሉ” ዝብል ዓወደ-መጽናዕቲ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ዘሎ ሙዚቃ: ፊልምታት: ቪድዮታት: ናይ ቴሌቪዥን ምርኢታት: ናይ ቪድዮ ጸወታታት: መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ከምኡውን ዋዛታት መብዛሕትኡ ግዜ ጋኔናዊ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘንጸባርቕ። ስለዚ እምበኣር: ‘ንኽፍኣት ክንፍንፍኖን ናብቲ ሰናይ ክንለግብን’ የድልየና። (ሮሜ 12:9) እወ: ነቲ ብልሹው መዘናግዒ ከም ፍንፉን ነገር ክንቆጽሮን ካብኡ ክንሃድምን ኣሎና: ከምዚ ክንገብር ከሎና ድማ ነቲ ንጹህ: ወረጃ: ከምኡውን ዝንኣድ ዘበለ ንሓስብ። (ፊልጲ 4:8) ብማሕበር የሆዋ እተዋህቡና ጽሑፋትን ናይ ምርምር መሳርሒታትን: ንኣእምሮና ብሃናጺ ሓሳባት የነቓቕሕዎ ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ድማ የለማምዱና። (እብራውያን 5:14) ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ ዝናወጽ ባሕሪ ናብ ሓንቲ ጃልባ እንጠብቕ: ናብዞም ምድላዋት እዚኣቶም እውን ከምኡ ገይርና ክንጠብቕ ይግብኣና።
ቀጺላ ኸኣ “ንድያብሎስ ተቓወምዎ—ንምውድዳር ዘበለ ኣይትጻወርዎ” እትብል ዝርርብ ሰዓበት። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ምድሪ ተስፋ ንኽኣትዉ ቑሩብ ምስ ተረፎም ኣብ መፈንጠራ ናይ ዘይስነ-ምግባር ወደቑ። ፊንሃስ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝወዳደር ነገር ኣይተጻወሮን። ኣብ ልዕሊ እቶም በደልቲ ዘየማትእ ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ: እቲ ምሉእ ተወፋይነቱ ድማ ንየሆዋ አሐጒስዎ ኢዩ። (ዘሁልቍ 25:1-13) ሰይጣን: ነፍሲ ወከፍና ናብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንኽንኣቱ ከም ዘይንበቅዕ ክገብረና ሸቶኡ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ከም ፊንሃስ ነቲ ሰይጣን ንዓና ከርክስ ዝገብሮ ጻዕርታት ክንቃወሞ ኣሎና። እተመርዓና ንኹን ወይ ንጽል ‘ካብ ምንዝርና ክንሃድም’ ይግብኣና።—1 ቈረንቶስ 6:18
እታ “ንንጽህና ቃል ኣምላኽ ብተኣማንነት ምድጋፍ” እትብል ኣርእስቲ ኸኣ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ነበረት። ብዙሓት ተርጐምቲ ንገለ ክፍልታት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ይልውጥዎ ወይ የውጽእዎ። ንኣብነት: ናይ ዘ ኒው ተስታመንት ኤንድ ሳልምስ፣ ኣን ኢንክሉሲቭ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ተርጐምቲ: ንተጣበቕቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከህድኡ ኢሎም ንኣምላኽ ከም ኣቦ ዘይኰነስ ኣቦን ኣደን: ንየሱስ ድማ ኣብ ክንዲ “ወዲ ኣምላኽ:” “ሰብኣዊ ኣካል” ኢሎም ጠቒሶምዎ። ብኣንጻሩ ግን: ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) ብተኣማንነት ነቲ ቛንቋ ናይ በዅሪ ጽሑፍ ስለ ዝድግፍ: ኣብ ብዙሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጕዳያት ዝነበረና ሓሳባት ንምብራህ ሓጊዙ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ተዛራቢ “ምስቲ እታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ እተጠቕመትሉ ዝቀራረብ ኣገባብ ኰይኑ: ኣካል ሽማግለታት ብምሻም ጉባኤታት እንደገና ከም ዝመሓደራ ንኽገብረን መሰረት ዝሃበና እቲ ቅኑዕ ኣተረጓጕማ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኢዩ” በለ። ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት መዓልቲ-መዓልቲ ብምንባቡን ንምኽርታቱ ኸኣ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኢና እነርኢ። ወሲኹውን እቲ ተዛራቢ ከምዚ በለ:- “ንኻልኦት ብዛዕብኡ ብቕንኢ ብምስባኽ ከምኡውን ንኻልኦት ክንምህር ከሎና ጥንቃቐ ብምዝውታር: ነቲ ዝብሎ ብምጥዋይ ወይ ብምስፋሕ ምስ ሓሳብና ከም ዝሰማማዕ ንምግባሩ ፈጺምና ብዘይምፍታን: እሙናት ተጣበቕቲ ቃል ኣምላኽ ምዃንና ነርኢ።”
‘ሰላም ኣምላኽ ካብ ኵሉ ኣእምሮ ይበልጽ’
እዚ ኣብ ፊልጲ 4:7 እተመስረተ ቀንዲ ኣርእስቲ: ሓፈሻዊ መንፈስ ናይቲ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዝነበረ ኣኼባ ኰይኑ ወዓለ። ካብቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ዝበዝሐ: ምስቲ ሓደ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት: ስድራቤት: ወፈያ: ከምኡውን ኣብ ካልእ መዳያት መዓልታዊ ናብራ ዘለዎ ግቡእ ኣመለኻኽታ እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ።
ናይታ መዓልቲ ጥቕሲ ምይይጥ ምስ ተገብረ: “ናይ ሰላም ብስራት ዘምጽኡ ልኡኻት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ቀረበ። መልእኽትና ናይ ሰላም መልእኽቲ ስለ ዝዀነ ብሰላማዊ መገዲ ክቐርብ ኣለዎ። (ኤፌሶን 6: 15) ዕላማና ኣብ ክርክራት ክንረትዕ ዘይኰነስ ንልቢ ከነእምን ኢዩ። እቲ ካብ ማሕበር የሆዋ እንረኽቦ ልምምድን ጽሑፋትን ልክዕ ከምኡ ክንገብር ኢዩ ዝሕግዘና። ዘይተገዳስነትን ግዲ ዘይምግባርን ተስፋ ከቝርጸና ክንፈቕደሉ የብልናን። ኣብ ክንድኡስ: ጥዑይ መደብ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባር: ኣብ ኣኼባታት ብምክፋል: ከምኡውን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብምስታፍ ‘ዝከኣለና ንምግባር’ ክንቅጽል ይግብኣና። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ንኻልኦት ሰናይ ምግባር ሸለል ክበሃል ዘይብሉ ኢዩ: ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ እምነት ብጾትና። (ገላትያ 6:10) ርግጽ ኢዩ: ዝከኣለና ምግባር ክበሃል ከሎ ክሳዕ ዝውድኣና ምዕያይ ማለት ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቲ ዘለዎ ክእለትን ኵነታትን ዝገብሮ ዘበለ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅቡል ኢዩ።
ህዝቢ ኣምላኽ ንረብሓታት መንግስቲ ከደንፍዑ ኢሎም ግዜኦም: ጉልበቶም: ከምኡውን ገንዘቦም ይህቡ ኢዮም። እቲ “ኣብ ውሽጢ ማሕበር የሆዋ ብሓጐስ ምሃብ” ዝብል ዝርርብ ከኣ: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝምልስሉ ዝያዳ በጊዕ መሰል ሰባት እናበዝሑ ክኸዱ ከለዉ ተወሳኺ መሳርሒታት: መአከቢ ቦታታት: ከምኡውን ናይ ጨንፈር መሳለጥያታት ከም ዘድሊ ገሊጻቶ ኢያ። እንገብሮ ወፈያታት እታ ማሕበር ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንምፍጻም ዘድሊ ዘበለ ንኽትረክብ የኽእላ። ብልግሲ ዝግበር ምሃብ ንየሆዋ የኽብር ነቲ ወሃቢ ኸኣ ሓጐስ የምጽኣሉ። ስለዚ እምበኣር: ከም ክርስትያናት መጠን ነዚ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ኣምልኾና ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን።—2 ቈረንቶስ 8:1-7
እቲ ናይ ንግሆ መደብ በቲ—ኵሉ ግዜ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጐሊሑ ዝርአ—ናይ ጥምቀት ዝርርብ ኢዩ ተዛዚሙ። ሓደስቲ ውፉያት ሰባት ብማይ ክጥመቑ ብምቕራብ ኣስኣሰር የሱስ ክስዕቡ ክትርእስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! (ማቴዎስ 3:13-17) ኵሎም ነዚ ስጕምቲ እዚ ዝወሰዱ ሰባት ካብቲ ምንጪ ዝዓበየ ጥበብ—መጽሓፍ ቅዱስ—ኢዮም ተማሂሮም። ብተወሳኺ ድማ: ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕላማ ኢዮም ረኺቦም: ከምኡውን በቲ ቅኑዕ ዘበለ ይገብሩ ከም ዘለዉ ካብ ምፍላጥ ዝርከብ ሰላም ተባሪኾም ኢዮም።—መክብብ 12:13
ነጥቢ ዝወቅዕ ምኽሪ ድማ ኣብታ “ምስትውዓል የዕቍብኩም” እትብል ዝርርብ ተዋሂቡ ኢዩ። ኣብ ናይ ንግዲ ውዕላት ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ መንግስቲ ኣደራሽ ብሕታዊ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ክንገብር ኣይግብኣናን: ከምኡውን ንክርስትያናት ብጾትና ናይ ገንዘብ ረብሓ ክንረክብ ኢልና ክንብለጸሎም ኣይግብኣናን ኢዩ። (ምስ ዮሃንስ 2:15, 16 ኣረኣእዮ።) ኣብ ንግዲ ገንዘብ ከተውፍር ወይ ክትልቃሕ ወይ ከተለቅሕ ከሎኻ እውን ምስትውዓል የድሊ ኢዩ። እቲ ተዛራቢ “ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዝግበር ናይ ንግዲ ውዕላት ብዘይ ምዕዋቱ ጓሂ ኣስዒቡ ኢዩ: ነቶም ብሃወኽ ናብ ሓደገኛ ዝዀነ ገንዘብ ናይ ምርካብ ተንኰል ዝኣትዉ ድማ መንፈሳውነቶም ኣጥፊኡሎም ኢዩ” ብምባል ገለጸ። ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ንግዳዊ ዕዮታት ከካይዱ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኰነ: ጥንቃቐ ምግባር ግን ብርግጽ ጥበባዊ ኢዩ። ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ናይ ንግዲ ስምምዕ ክግበር ከሎ ድማ: እቲ ውዕል ኵሉ ግዜ ብጽሑፍ ክኸውን ኣለዎ።
ንሰብኡትን ኣንስትን እተዋህበ ስርዓታት ኣምላኽ ድማ ኣብታ “ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” እትብል ዝርርብ ተዘርዚሩ ኢዩ። ናይ ጾታ ግደ ኣብ ኵሉ እዚ ዝሓለፈ ታሪኽ ክበላሾ ኢዩ ጸኒሑ። እቲ ተዛራቢ ኸምዚ በለ:- “ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ተባዕታይ ጾታ ባህሪ ብጌጋ ምስ ጭከና ዘለዎ ዕብለላ: ትሪ: ወይ ምስ ናይ ወዲ ሕሉፍ ትዕቢት የተሓሕዝዎ። ንመረድኢ: ኣብ ገሊኡ ባህልታት ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይኹን ኣብ ብሕቱ ክበኪ ዘይተለምደ ወይ ነውሪ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዮሃንስ 11:35 ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ መቓብር ኣልኣዛር ዝነበሩ ሰባት ከሎ ‘የሱስ ነብዔ’ ትብል።” ኣንስቲኸ፧ ናይ ኣነስተይቲ ጾታ ባህሪ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣካላዊ መልክዕ ኢዩ ዝተሓሓዝ። እቲ ተዛራቢ ግን “ሓንቲ ሰበይቲ ምልክዕቲ: ግናኸ ምስትውዓል ዝጐደላ: ተሃላላኺት: ሸምጣጢት: ፍኽንንቲ እንተድኣ ዀይና: ከምቲ ልክዕ መንፈስ ናይቲ ኣንስተይቲ ጾታ ዝብል ቃል: ብሓቂ ምልክዕቲ ክትበሃል ትከኣልዶ፧” ኢሉ ሓተተ። (ምስ ምሳሌ 11:22፣ 31:26 ኣረኣእዮ።) ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ብኣዘራርብኦም: ጠባዮም: ከምኡውን ብዅልንትናዊ ኣቅውምኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንምስዓብ ኢዮም ዝጽዕሩ። እቲ ተዛራቢ “ፍረ መንፈስ ዘርኢ ሰብኣይ ከተኽብሮ ቀሊል ኢዩ: ልክዕ ከምዚ እትገብር ሰበይቲ ድማ ንኸተፍቅራ ቀሊል ኢዩ” በለ።—ገላትያ 5:22, 23
ቀጺላ ዝቐረበት ዝርርብ “ኣምላኽ ሰላም ይሓልየልኩም ኢዩ” እትብል ነበረት። ብዙሓት ክርስትያናት ናይ ገንዘብ ጸገማት ኣለዎም። ይኹን እምበር: የሆዋ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ብምባል ይመባጻዕ። (እብራውያን 13:5) ገለ ኣሕዋት ቁጠባዊ ጸገማት እኳ እንተ ኣለዎም: ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ወይ ስርዓታዊ ፓይነር ኣገልግሎት ብምጽማድ ኣብዚ መብጽዓ እዚ እምንቶ ከም ዘለዎም ኣርእዮም ኢዮም። ካልኦት ሕጂ ፓይነር ክዀኑ ዘይከኣሉ ድማ: ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ንምምስካር ብምጥቃም ረብሓታት ናይታ መንግስቲ የቐድሙ። (ማቴዎስ 6:33) ኵሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ክንኣድ ዘለዎ ኢዩ! ማሕበር የሆዋ ኣብ ኣገልግሎትና ዝድግፉናን ንግድላት ብዓወት ክንገጥመሉ ዝሕግዙናን ሓያለይ ጽሑፋት ኣዳልያ ኣላ። ነቲ ናይ የሆዋ መንፈሳዊ ምድላዋት ሞሳ እንተድኣ ኣርኢና: ኣብዚ ብቑጠባ ዝናወጽ ዘሎ ግዝያት ሰላም ብምሃብ ክባርኸና ኢዩ።—መዝሙር 29:11
ኣብ መዕጸዊ ናይታ መዓልቲ “ኣብ ውሸጢ ናብራ ስድራቤት ኣምላኻዊ ሰላም ስዓቡ” እትብል ዝርርብ ኣብ መወዳእታ ቐረበት: እቶም ኣኼበኛታት ድማ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ምስ ሰምዑ ተሓጒሶም ኢዮም። እቲ ተዛራቢ ከምዚ ኢሉ መዓደ:- “ብብሕትን ከም ስድራቤትን ኴንኩም ነዛ መጽሓፍ ብትግሃት ኣጽንዕዋ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽራ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ልቢ ጽዓሩ: ናይ ስድራቤትኩም ሰላምን ሓጐስን ከም ዝውስኽ ከኣ ርግጸኛታት ኵኑ።”
‘ነቲ ሕብረት ብማእሰር ሰላም
ጌርኩም ሓልውዎ’
እዚ ኣብ ኤፌሶን 4:3 እተመስረተ ጥቕሲ ነታ ናይቲ ኣኼባ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዝሰማማዕ ቀንዲ ኣርእስቲ ኢዩ ነይሩ። ካብ ኵሎም ህዝብታት ናይ ዓለም ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሆዋ እተማህሩ ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዮም: ሰላም ዘፍቅሩ። ናይ የሱስ ኣብነት ይስዕቡ: ‘ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ገይሮም ክሕልውዎ’ ድማ ይጋደሉ።
እቲ ንማሕበር ኣምላኽ ዓሲልዋ ዘሎ ሰላም ከኣ: ኣብቲ “ነቶም ናይ ሓቂ ልኡኻት ምልላዮም” ዝብል ዓውደ መጽናዕቲ ጐሊሑ ነበረ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ነብያት ሓሶት ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ልኡኻት ኣምላኽ—ከም በዓል ኢሳይያስ: ህዝቅኤል: ከምኡውን ኤርምያስ ዝኣመሰሉ ነብያት—ብዛዕባ ምውዳቕ የሩሳሌም: እዋን ምርኮ: ከምኡውን ነቲ ብድሕሪኡ ክኸውን ዝነበሮ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ሓራ ምውጻእ ኣቐዲሞም ብልክዕ ነጊሮም ኢዮም። ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዩ ዘሎ። ኣብ ዓውድታት ፖለቲካን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ሓሰውቲ ልኡኻት መሊኦም ኢዮም ዘለዉ። ይኹን እምበር: የሆዋ ብዛዕባ እዚ ኣገባብ እዚ ዘለዎ ዕላማ ክእውጁ ንመሰኻኽሩ ኣተንሲእዎም ኢዩ። ብፍላይ ካብ 1919 ድማ: ኣገልገልቲ የሆዋ መልእኽቲ ኣምላኽ ክእውጁ ጸኒሖም ኢዮም። ካብቶም ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሓሰውቲ ልኡኻት ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ኰን ኢዮም! የሆዋ ተወዲኡ ኢዩ ክሳዕ ዝብል: ኣብዚ ዕዮ እዚ ግደና እነበርክት ይግበረና።
እታ “ንቓል ኣምላኽ ጽን በሉን ተኣዘዙን” እትብል ዝርርብ: ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ዝዓበየ ምንጪ መምርሒ: ምጽንናዕ: ከምኡውን ተስፋ ከም ዝዀነ ኣጕሊሓ ኢያ። (ኢሳይያስ 30:20, 21፣ ሮሜ 15:4) ሎሚ ዘላ ዓለም ዘይጽንዕቲ እናዀነት ኢያ ትኸይድ ዘላ። ስለዚ እምበኣር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽን ማሕበሩን ዝመጽእ ምኽሪ ምስማዕ የድልየና። የሆዋ ድኽመታትና ይፈልጥ ኢዩ: ኣብ ቃሉ ኸኣ እቲ ክጠቕመና ዝኽእል መገዲ ሓቢሩና ኣሎ። የሆዋ ይድግፈና ከም ዘሎ ምፍላጥና: ነቲ ካባና ዝሓቶ ዝዀነ ይኹን ነገር እናኣማልእና ንቕድሚት ክንቅጽል እምንቶ ይህበና።
እዚ ንኣእምሮ ናይቶም ሰማዕቲ ነቲ ቐጺሉ ዝነበረ ታሪኽ ምሉእ ብምሉእ ብዘንጸባርቕ ክዳውንቲ ዝቐረበ ድራማ ከም ዝዳሎ ገበሮ። እቲ ድራማ “ንቲኦክራስያዊ ስርዓታት ምኽባር ዘድልየሉ ምኽንያት” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ ጊዴዎን ጸብጻብ ከም መሰረት ብምጥቃም: እዚ ድራማ እዚ—ንመምርሒታት ኣምላኽ ክንስዕብ ከም ዘሎና ከምኡውን ብናይ ገዛእ ርእስና ኣተሓሳስባ ክንትክኦ ወይ ንቲኦክራሲያዊ ምኽሪ ክንጐስዮ ከም ዘይብልና—ዝገልጽ ሓያል ትምህርቲ ጽቡቕ ገይሩ ኣጕለሐ።
እቲ ህዝባዊ ዝርርብ “ኣብ መወዳእታ ዝህሉ ናይ ሓቂ ሰላም!—ካበየናይ ምንጪ፧” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እቲ ኣምላኽ ዝመባጽዖ ሰላም ካብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ክትግምቶ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ሓለፍ ዝበለ ኢዩ። እቲ ተዛራቢ ከምዚ በለ:- “ናይ ሓቂ ሰላም: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰላም ማለት ኢዩ። . . . ሰላም ኣምላኽ ሕማም: ስቓይ: ሓዘን: ከምኡውን ሞት ዘይብላ ዓለም ማለት ኢዩ።” መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ‘ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ [ከም] ዝገብረሉ’ ይነግረና ኢዩ። (መዝሙር 46:9) ነዚ ከመይ ገይሩ ኢዩ ክገብሮ፧ ነቲ መጐሃሃሪ ውግእ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ብምልጋስ ኢዩ። (ራእይ 20:1-3) እዚ ኸኣ ትሑታት ሰባት ‘ንምድሪ ኽወርስዋን ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ክብሎምን’ መገዲ ክኸፍት ኢዩ።—መዝሙር 37:11
ካብቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ዝቐረበ ጽማቝ ሓሳባት ስዒቡ እቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ተዋህበ። “ከም ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ኴንና ንቕድሚት ንሰጒም” ዝብል ኣርእስቲ ኸኣ ነበሮ: እዚ መንፈስካ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ናይ ስብከት ዕዮና ፍሉይን ህጹጽን ከም ዝዀነ ጸቒጥሉ ኢዩ። ሕጂ እተራጥጠሉ: እትቝሕምመሉ ወይ ናብ ግጉይ ሓሳባት እትምለሰሉ ግዜ ኣይኰነን። በቲ ዘድልየና ዘበለ—ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ: ቅዱስ መንፈሱ: በታ ፈቃር ቲኦክራስያዊት ማሕበሩ ዝግበር ሓያለይ ምድላዋት—ተዓጢቕና ኢና። ስለዚ እምበኣር: ከም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን: ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም ብምዃን ንቕድሚት እንስጕም ይግበረና!
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ንስድራቤታት ዝኸውን ፍቕራዊ ምድላው
እቶም ኣብቲ ካልኣይ መዓልቲ ናይ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ: እታ ምስጢር ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል ሓዳስ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ምስ ሰምዑ ተሓጒሶም ኢዮም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንዅለን ንኣምላኽ ዘፍቅራ ስድራቤታት ዝጠቅም ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ዝሓዘት ኢያ።
ሓደ ሽማግለ ካብ ከኔክቲከት: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዚ ኢሉ ርእይቶኡ ሃበ:- “15 ሰነ እታ ሓጐስ ስድራቤት እትብል መጽሓፍና ተቐበልና። 16 ሰነ ድማ ፍርቂ እታ መጽሓፍ ኣንቢበዮ ነበርኩ። ዕለት 17 ኸኣ ብኣኣ ናይ መጀመርታ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ገበርና: ኣዚና ኸኣ ተተባባዕና! ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ነታ መጽሓፍ ኣንቢበ ወዳእክዋ። እዛ ጽብቕቲ ጽሕፍቲ እዚኣ ኵሎም እቶም ዝጥቀሙላ ሰባት ክብርቲ ገይሮም ከም ዝርእይዋ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ናይታ መጽሓፍ ቅኑዕን እዋናውን ፍልጠት: ‘እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ’ ‘መግቢ በብግዜኡ’ ይህብን ኣብዘን ፈተንቲ ግዝያት እዚኣተን ንድሌታትና ይግንዘቦ ከም ዘሎን ተወሳኺ መረጋገጺ ኢዩ ዝህብ።”—ማቴዎስ 24:45-47
ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
መንእሰያት ከምኡውን ዓበይቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝደሊ ክፈልጡ ይደልዩ ኢዮም