ናይ ሓቂ ልኡኻት ሰላም መን ኢዮም፧
ዕለት 31 ግንቦት 1996 ምንጭታት ዜና ሓደ ናይ ሰላም መልእኽቲ ዝመስል ነገር ኣቃልሓ። ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ: እቲ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝነበሮ ቤንያሚን ናታንያሁ “ድሕንነት ዘለዎ ሰላም ንምርካብ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገር እስራኤልን ጐረባብታ ሃገራትን ፍልስጤማውያን እውን ሓዊስካ ዝግበር መስርሕ ሰላም ንምቕጻል: ካብ ልቡ ቃል ከም ዝኣተወ” ዘረጋግጽ ወግዓዊ መግለጺ ወጸ።
ናታንያሁ ብዝለዓለ ደገፍ ህዝቢ ኣብ ምርጫ ምዕዋቱ: ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ጋህዲ ክኸውን ምዃኑ ንብዙሓት ሰባት ኣደንጽይዎም ኢዩ። ከምኡ እንተድኣ ኰይኑኸ: ካልኦት ሃገራት ፍልልያተን ብምርሳዕ ኣብነት እስራኤል ክስዕባ ድየን፧
ርግጽ ኢዩ: ንሰላም ካብ ክትረኽባ ከነምጽኣ ኢና ኢልካ ቃል ክትኣቱ ይቐልል። ነዚ ብምግንዛብ ብዙሓት ተጣራጢሮም ኢዮም። ሄሚ ሻለቭ እተባህለ ጋዜጠኛ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ፍርቂ ናይቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ህዝቢ: ናይ ተሃድሶ ግዜ ቀረባ ምዃኑ ይስምዖ: እቲ ካልእ ፍርቂ ግን እስራኤል ኣብ ከተምልጠሉ ዘይትኽእል ሕማቕ ኵነታት ከም ዘላ ይኣምን።” ኣብ መዛዘሚ እቲ ሓሳብ ከኣ “ገሊኦም ይስሕቁ፣ ገሊኦም ከኣ ይበኽዩ” በለ።
እቲ ዘሕዝን: ሰብ ሰላም ከምጽእ ክፍትን ከሎ እቲ ኵነታት ከምዚ ኢዩ ዝመስል። ናይ ሓደ መራሕን ደገፍቱን ዓወት: ናይቲ ተቓዋሚ ወገን ስዕረት ማለት ኢዩ። ዘይምዕጋብ ካብ ምድንጋር ናጻ ይገብር: ካብ ምድንጋር ናጻ ምዃን ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዕልወት ኢዩ ዘምርሕ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ: ደቡብ ኣመሪካ: ምብራቕ ኣውሮጳ: ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ቦታ—ወድሰብ ሰላም ንምምጻእ ዝገብሮ ጻዕርታት መዐሸዊ ጥራይ ኢዩ።
ናይ ሓቂ ሰላም ቀሪቡ ኢዩ!
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ብፍላይ ውዑይ ኣርእስቲ ዜና ኰይንሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ካልእ ናይ ሰላም መልእኽቲ ተሰምዐ። እዚ ሓደ ዝለዓለ ህዝባዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ፖለቲካዊ መደረ ኣይነበረን፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ውዕል ሰላምውን ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ: እዚ መልእኽቲ እዚ ነቲ ብመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ክመጽእ ዘለዎ ሰላም ኢዩ ዝኣወጀ። እዚ መልእኽቲ እዚ ኣበይ ኢዩ እተሰምዐ፧ ኣብቲ ብ1996-97 ኣብ ገለ ልዕሊ 1,900 ኣቢሉ ዝኸውን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ኣውራጃዊ ኣኼባታት ኢዩ ተሰሚዑ።
ኣብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ከምጽእ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ምምሕዳር ከም ዘየለ ተገሊጹ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ነቶም መዓልቲ-መዓልቲ ሰላም ዝሰርቁና ዘለዉ ነገራት መወዳእታ ምግባር ዝሓትት ኢዩ። ናይ ሓቂ ሰላም: ንግሆ ንግሆ ብዘይ ገለ ናይ ውግእ ወይ ናይ ዓመጽ ፍርሂ ምትንሳእ ማለት ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ገበን ዘይምህላው: ድሕሪ ደጊም ኣብ ማዕጾታትና መሸጐሪታት ዘይምህላው: ድሕሪ ደጊም ኣብ ጐደናታት ብዘይ ገለ ፍርሂ ምዝዋር: ድሕሪ ደጊም ዝበታተና ስድራቤታት ዘይምህላው ማለት ኢዩ። ኣብ ምድሪ ኣየናይ ምምሕዳር ኢዩ ነዚ ዅሉ ክፍጽሞ ዝኽእል፧ አረ: ኣብ ምድሪ ኣየናይ ምምሕዳር ኢዩ ነዚ ቃል ክኣትወሉ ዝደፍር፧
ይኹን እምበር: መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ከተምጽኦ ትኽእል ኢያ: ከተምጽኦ ድማ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይማባጻዕ:- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21: 3, 4) እዝስ ነዚ ዝሳቐ ዘሎ ወድሰብ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ ከምጽኣሉ!
የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ኣይኰነን ዝመባጻዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ የረጋግጸልና:- “ኣምላኽ ከይሕሱ: ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ: ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧” (ዘሁልቍ 23:19) እወ: ኣምላኽ እተመባጽዖ ዘበለ—ንበረኸት ኵሎም እቶም ኣብ ጐድኑ ደው ዝብሉ—ክፍጸም ኢዩ።
ናይ ኣምላኽ ልኡኻት ሰላም
ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ቅንኢ ዘለዎ ስብከቶም ፍሉጣት ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ነቲ ልቢ ዘምውቕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ንኻልኦት ኣብ ምንጋር ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት የሕልፉ። እዚ ፍጻሜ ናይቲ “እዚ ወንጌል [“ብስራት:” NW ] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ቃላት የሱስ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ መሰኻኽር ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ብሓቂ “ብስራት” ኢዩ: ከመይሲ ነታ እንኮ ተስፋ ወድሰብ: ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ ምዃና ኢዩ ዝእውጅ። ንመጻኢ ግዜ ዝኸውን ከመይ ዝበለ ጽኑዕ ተስፋ ኰን ኢዩ!
ሕጂ እውን ከይተረፈት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ተገዛእታ ናይ ሓቂ ማእሰር ሰላምን ሕውነታዊ ፍቕርን ተፍሪ ኢያ ዘላ። የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስዚ ካብ ናይ ሓቂ ክርስትና ዝድለ መሰረታዊ ብቕዓት ተሰማሚዖም ክነብሩ ኢዮም ዝጽዕሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: እቲ ዘደንቕ ሕውነቶም ንኣይሁድን ኣዕራብን: ኩርኦሽያውያንን ሰርብያውያንን: ሁቱን ቱትሲን ዘሕብር ኢዩ። እዚ ዝበዝሑ ደቅሰብ ክሓልምዎ ጥራይ ዝኽእሉ ሰላም: ሕጂ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝውንንዎ ነገር ኢዩ።
ወትሩ በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንምንባርን ነቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ንምቐጻልን ምትብባዕ: እቲ ኣብ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ፕሮግራም ጐሊሑ ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ናይቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዘስተማቐርዎ መንፈስካ ዘለዓዕል ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ: ከተንብቦ ንዕድመካ።