ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/3 ገጽ 29-31
  • በታ ዜና ናይታ መንግስቲ እተገብረ ዕዉት ወፈራ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በታ ዜና ናይታ መንግስቲ እተገብረ ዕዉት ወፈራ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ወፈራ እተገብረ ውዕዉዕ ደገፍ
  • ቅልጡፍ መልሰ-ግብሪ
  • ህዝቢ ኣብቲ ምዝርጋሕ ሓገዘ
  • ሓደ’ኳ ዝተረፈ የልቦን
  • ካብ 20 ጥቅምቲ ኽሳዕ 16 ሕዳር ትራክት ንምዕዳል ዚግበር ፍሉይ ወፈራ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሰፊሕ ዝርጋሐ ከም እትረክብ ግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ምዃን’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጅምር እትሕግዝ ሓዳስ ጽሕፍቲ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/3 ገጽ 29-31

በታ ዜና ናይታ መንግስቲ እተገብረ ዕዉት ወፈራ

“ስለምንታይ ኢያ ህይወት ብኽንድዚ ዝኣክል ሽግራት ተዋሒጣ ዘላ፧​—⁠ካብ ሽግር ናጻ ዝዀነት ገነት ክትህሉ ትኽእልዶ፧” እዚ ኣርእስቲ ናይታ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምሉእ ዓለም ብ139 ቋንቋታት እተዘርግሐት ኣርባዕተ ገጽ ዘለዋ ትራክት ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34 ኢዩ ነይሩ። ኣብ ጃማይካ ዘለዉ መሰኻኽር ነዚ ናይ ኣገልግሎት ወፈራ እዚ “ሓደ ካብቲ ናይቲ ዓመት ዝጐልሑ ነገራት” ኢሎም ገለጽዎ። ኣብ ቤልጅም ዘለዉ መሰኻኽር ድማ “ንኣሕዋት ዝኸውን ዝዓበየ ምንጪ ሓጐስ” ኢሎም ጸውዕዎ። ኣብ ቼዝ ረፓብሊክ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምዝርጋሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ኣጋጣሚ ዝረኸብሉ ናይ መጀመርታ ግዜ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጨንፈር ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ይህብ:- “እቲ ወፈራ መንፈስ ቅንእን ውዕዉዕ ስምዒትን ኣለዓዒሉ ኢዩ።” ካብ ብዙሕ ሃገራት ተመሳሳሊ ርእዮታት ተረኺቡ ኢዩ።

ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34 ነቶም በቲ ብስም ሃይማኖት ዝግበር ፉንፉን ነገራት ዝጕህዩን ዝትክዙን ሰባት ዝኸውን ፍሉይ መልእኽቲ ነይሩዋ ኢዩ። (ህዝቅኤል 9:4) ነቶም ብምኽንያት እቲ ክቈጻጸርዎ ዘይክእሉ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” ህይወቶም ዝሳቐ ሰባት ዝኸውን ምጽንናዕ ነይሩዋ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 ትሓዓ) እታ ትራክት ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምልካት ናይ ህይወት ግድላት ብቕልጡፍ ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጻ ኢያ። ካብ ሽግር ናጻ ዝዀነት ገነት ርግጽ ኢያ። (ሉቃስ 23:43) ነታ ዜና ናይታ መንግስቲ ዘንበቡዋ ብዙሓት ሰባት በቲ መልእኽታ ተሳሒቦም ኢዮም። ኣብ ቶጎ ዝርከብ ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ምስክር “እቲ ገሊጽኩምዎ ዘሎኹም ነገር ዘየካትዕ ኢዩ” በሎ።

ምዝርጋሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ዘይተለምደ ቈላሕታ ከም ዝሰሓበ ዘይከሓድ ኢዩ። ኣብ ደንማርክ ዝርከብ ሓደ በዓልቤት እታ ትራክት ንዝዓደሎ ምስክር ከምዚ ብምባል መለሰሉ:- “ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕጂ ሕጂ ኢየ መጺአ። ካብኡ ቅድሚ ምንቃለይ ሓደ ሰብ ትራክትኹም ሃበኒ። ሕጂ ኣብዚ ምጽእ ምስ በልኩ ድማ ሓደ ዓይነት ትራክት ብቋንቋ ዳኒሽ ይዝርጋሕ ኣሎ!”

ነቲ ወፈራ እተገብረ ውዕዉዕ ደገፍ

ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ምዝርጋሕ ናይዛ ትራክት እተገብረ ዕዮ ብውዕዉዕ ስምዒት ሓቢሮምዎ ኢዮም። ኣውስትርያ: ኤል ሳልቫዶር: ሃይቲ: ሃንጋሪ: ኢጣልያ: ኒው ካለዶንያ: ካብተን ዜና ናይታ መንግስቲ ኣብ እተዘርግሓትሉ ኣዋርሕ ካብ ናይ ቅድም ዝለዓለ ጸብጻብ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ዝሃባ ብዙሓት ሃገራት ኢየን ነይረን።

ኣብ ዛምብያ ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዲቦራ ዝስማ ሰለስተ ዓመት ዝዕድሜኣ ጓሉ ካብ ቤት ናብ ቤት ጽሑፋት ክትዕድል ኣለማሚድዋ ነበረ። ኣብ እዋን እቲ ወፈራ ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34: ዲቦራ ልዕሊ 45 ቅድሓት ናይታ ትራክት ዓደለት። ኣዲኣ ምስ ገለ ካብቶም ዲቦራ ዜና ናይታ መንግስቲ ዝዓደለቶም ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሓንቲ ጐርዞ ንሓንቲ ካሽያ ዝስማ ጓል ቤት ትምህርታ እዛ ትራክት እዚኣ ሃበታ። ካሽያ ነታ ትራክት ኣንበበታ: ከምዚ ድማ በለት:- “ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ኣዝዩ ዘደንቕ ነገር ኢዩ! ቅድሚ ሕጂ ስለምንታይ ብዛዕባ እዚ ዘይፈለጥኩ፧” ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣብ ውሽጢ ሰሙን ካሽያ ካልእ ትራክት ተቐበለት። እዛ ካልኣይቲ ትራክት ካብታ ኣብ ቆጵሮስ እትነብር ናይ ሮማ ካቶሊክ እምነት ዝነበራ ናይ ብርዒ መሓዝኣ ኢያ መጺኣ። እታ ናይ ብርዒ መሓዝኣ ናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ትምህርትታት ስለምንታይ ሓሶት ከም ዝዀነን ንሳ ድማ ስለምንታይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከም ዝደለየትን ገለጸትላ። ብርግጽ: እዚ ነቲ ካሽያ ጽንዓት ንኽትቅጽል ዝነበራ ውሳነ ዝያዳ ኣበርቲዑላ ኢዩ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ሓደ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቈልዓ ምስ ኣዲኡ ኰይኑ ኣብ ምዝርጋሕ ናይዛ ትራክት ተሳተፈ። ንሓንቲ መንእሰይ ሰበይቲ ሓንቲ ቅዳሕ ሃባ እሞ: ብጥንቃቐ ከተንብባ ድማ ኣተባብዓ። እታ መንእሰይ ሰበይቲ ነቲ ኣብቲ ገበር ናይታ ትራክት ተሳኢሉ ዘሎ: ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝህሉ ዘይውዳእ ህይወት ዝገልጽ ስእሊ ብሓቂ ዝኣምነሉ እንተዀይኑ ሓተተቶ። ናይቲ ቈልዓ መልሲ እንታይ ነበረ፧ “እወ: ከመይ ድኣ: ኣዝየ ርግጸኛ ኢየ” በላ። ድሕርዚ እታ ሰበይቲ ኣብ ሃይማኖታ ብዙሕ ተጋራጫዊ ነገራት ስለ ዘሎ ነታ ናይ ሓቂ እምነት ትደሊ ከም ዝነበረት ገለጸት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ምስ ተገብረ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።

ቅልጡፍ መልሰ-ግብሪ

ሓድሓደ ግዜ ዜና ናይታ መንግስቲ ነቶም ዘንበቡዋ ቅልጡፍ መልሰ-ግብሪ ከም ዘርእዩ ገይራቶም ኢያ። ኣብ ቤልጅም እትርከብ ሓንቲ ጓል 11 ዓመት ቈልዓ ነታ ትራክት ምስ ኣንበበታ ካብ ድኳን ትሰርቕ ከም ዝነበረት ንሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተናሰሐት። ኣደ እታ ጓል ብዛዕባ እቲ ነገር ስቕ ክትብል ደልያ ነበረት: ናይታ መንእሰይ ጓል ሕልና ግን ናብቲ ድኳን ከይዳ ነቲ ኣካያዲ ክትነግሮ ደፋፍኣ። ኣብ መወዳእታ እታ ኣደ: ንጓላ ምስታ ምስክር ኰይና ናብቲ ድኳን ክትከይድ ከተፍቅደላ ተሰማምዐት። እቲ ኣካያዲ በቲ ዘርኣየቶ ምንሳሕ ተገረመ። ከምኡ ንኽትገብር ዝደፋፍኣ ነገር እታ ዜና ናይታ መንግስቲ ምዃና ምስ ተረድአ: ክሳዕ ክንድዚ ሓያል ዝዀነ ትሕዝቶኣ እንታይ ምዃኑ ንኽፈልጥ ንዕኡ ሓንቲ ቕዳሕ ወሰደ። ሕጂ እታ ቈልዓ እናዓበየ ዝኸይድ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትገብር ኣላ።

ኣብ ካሜሩን እትርከብ ሓንቲ ምስክር ቅዳሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ንሓደ ሰብኣይ ሓዲጋትሉ ከደት: ከምዚ ብምባል ድማ ተዘንቱ:- “ምስ ተመለስና ድሮ ኣስሚሩላን ብዙሕ ሕቶታት ድማ ኣዳልዩን ጸንሐ። ዘዕግብ መልሲ ምስ ረኸበ: ከምዚ በለ:- ‘ሃይማኖት: ሰብ ንኸይሕጐስ ግዲኡ ከም ዝገበረ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ኢዩ። ትራክትኹም ብዙሕ ንኽርዳእ ሓጊዛትኒ ኢያ: ይኹን እምበር ዝያዳ ክፈልጥ እደሊ ኢየ።’ ” ሕጂ ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብር ኣሎ።

ኣብ ኡራጋይ ሓደ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝበጽሕ ዝነበረ ምስክር ንሓደ ሰብኣይ ትራክት ገዲፍሉ ከደ። እቲ ምስክር ናብቲ ናይቲ ሰብኣይ ብድሕሪት ዘሎ ማዕጾ ክሳዕ ዝምለስ ካብ ቤት ናብ ቤት ናይ ምስባኽ ዕዮኡ ኣብቲ ጐረባብቲ ቀጸለ። እቲ ሰብኣይ ነታ ትራክት ሒዙ ክጽበዮ ምስ ጸንሖ ተገረመ። ድሮ ኣንቢብዋስ ዝያዳ ሓበሬታ ድማ ይደሊ ነበረ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ጽንዓት ጀመረ።

ህዝቢ ኣብቲ ምዝርጋሕ ሓገዘ

ኣብ ጃፓን ሓደ መንእሰይ ምስክር ንሓደ ኣብ 50ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ምስታ ትራክት ኣፋለጦ። እቲ ሰብኣይ “ክርእዩ ዘይክእሉ ሰባት ምስ ዘጋጥሙኻ ነዛ ትራክት እንታይ ትገብረሎም፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ መንእሰይ እንታይ ከም ዝገብር ከም ዘይፈልጥ ተኣመነ። እቲ ሰብኣይ ሓንሳእ ተጸበየኒ ኢሉዎ ናብ ገዝኡ ኸደ። ቅዳሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ሒዙ ተመልሰ: ከምዚ ድማ በለ:- “ነዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ እዚኣ ድሮ ተቐቢለያ ኢየ። ኣዝዩ ኣገዳስን ኣድላዪን ሓበሬታ ሒዛ ኣላ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ድማ ብብረይል ኣዳልየያ ኣሎኹ። በጃኻ እዚ ዓይነ⁠-​ስዉራት ንዝዀኑ ሰባት ተጠቐመሉ።” እቲ ሰብኣይ ዓይነ-ስዉራት ካብ ትሕዝቶኣ ምእንቲ ክጥቀሙ ዜና ናይታ መንግስቲ ብብረይል ከዳልዋ ብዙሕ ሰዓታት ኣሕሊፉ ኢዩ።

ኣብ ስሎቫኪያ ሓደ ሰብኣይ ነታ ትራክት ኣዝዩ ስለ ዝፈተዋ 20 ቅዳሓት ኣዳልዩ ነዚ ናይ ጻዕዳን ጸሊምን ቅዳሓት ባዕሉ ዘርግሖ። ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ሓደ ኣስፋሒ ንሓንቲ ስድራቤት ዜና ናይታ መንግስቲ ሂብዎም ኣብቲ ላዕለዋይ ደርብታት ናይቲ እታ ስድራቤት እትነብረሉ ህንጻ ዕዮኡ ቀጸለ። ካብቲ ደርብታት ምስ ወረደ ካብታ ስድራቤት ሓደ ንእሽቶ ወዲ: 19 ተወሳኺ ቅዳሓት ናይታ ትራክት ሓተቶ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይቲ ቈልዓ: እቶም ተማሃሮ ብዛዕባ ግድላትን መፍትሒኡ ምንዳይን ክጽሕፉ ተኣዚዞም ነበሩ። ስለዚ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ኽፍሉ ዝኸውን ቅዳሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ደለየ።

ሓደ’ኳ ዝተረፈ የልቦን

እቶም ኣብቲ ወፈራ ተኻፊሎም ዝነበሩ ሰባት ሓደ’ኳ ከም ዘይተረፈ ንኸረጋግጹ ኣበርቲዖም ጽዒሮም ኢዮም። ኣብ ኒው ካለዶንያ ዝርከቡ ክልተ መሰኻኻር ነታ ዜና ናይታ መንግስቲ ናብቶም ኣብ ርሑቕ ቦታ ዘለዉ ዓሌት ምእንቲ ክዝርግሕዋ ናብቲ ኣብኡ ዘሎ ቦታ ተጓዕዙ። እናተጓዕዙ ኸለዉ: ሓንቲ ተኸይዱላ ዘየፈልጥ እትመስል መገዲ ረኣዩ: ኣብቲ መወዳእታ ናይታ መገዲ ዝነብር ሰብ እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ ክርእዩ ድማ መደቡ። ነታ መኪና ሓዲጎምዋ ቀስ ኢሎም ወሓይዝ እናኣቋረጹ ነዊሕ ድሕሪ ምጕዓዝ ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ገዛ ረኸቡ። ኣብኡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዖም ዘይፈልጡ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ: ቅዳሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ኸኣ ተቐበሉ። ጸኒሖም እቶም ኣስፋሕቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ገበሩሎም: ዘገርም ድማ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን እቶም መሰኻኽር መኪናኦም ክሳዕ እቲ ገዛ ምእንቲ ከእትውዋ ኢሎም ነቲ መገድን ሓድሓደ ድንድላትን ኣዐርዮምዎ ጸንሑ። ስርዓታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተጀመረ።

ኣብ ፖላንድ ሓደ ምስክር ንሓደ በዓልቤት ቅዳሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ምእንቲ ክዕድሎ: ብሓደ ዝስራሕ ዝነበረ ህንጻ ክሓልፍ ነበሮ። እቶም ሰራሐተኛታት ብጥቓ እቲ ናይ ህንጻ ቦታ ክምለስ ከሎ ረኣይዎ። ኣብ መወዳእታ: ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ረሲዕዎም ከይሓልፍ ሓተቶ። ናብኣቶም ምስ ቀረበ ድማ ስርሖም ደው ኣቢሎም ነቲ ኣቀራርባ ናይታ ትራክት ጽን ኢሎም ሰምዕዎ። ቅዳሓት ዜና ናይታ መንግስቲ: ከምኡውን መጽሔታት: ጸኒሑ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብር ከሎ ድማ መጻሕፍቲ ተቐበሉ።

ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34 ብብዙሕ ቋንቋታት ተዘርጊሑ ኢዩ። እቲ መልእኽታ ድሮ ሓያል ሳዕቤን ነይርዎ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ካብ ሽግር ናጻ ዝዀነት ገነት ክትህሉ ከም እትኽእል ፈሊጦም ኢዮም። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት መለሽቲ ምዃን ክቕጽሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቶም ‘ንምድሪ ዝወርስዋን ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ዝብሎምን’ “ትሑታት” ሰባት ክዀኑ ጸሎትና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:11

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

መጽሔታት ምዝርጋሕ ቀጽል!

ሚያዝያን ግንቦትን 1995 ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34 ንምዝርጋሕ ዝለዓለ ዕዉት ወፍሪ እተራእየለን ኢየን ነይረን። ኣብተን ክልተ ኣዋርሕ እቲአተን: ዝለዓለ ዝርጋሐ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት እውን ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ቼዝ ረፓብሊክ ዝርከብ ሓደ ሓው ኣብ ሚያዝያ 250 ቅዳሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ከምኡውን 750 መጽሔታት ከም ዝዓደለ ጸብጻብ ሃበ። ኣብ ጓደሎፕ: ቀዳም 15 ሚያዝያ ፍልይቲ ናይ መጽሔት መዓልቲ ክትከውን ተመርጸት። ዳርጋ ኵሎም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣስፋሕቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ነበሩ! ስሎቫክያ ኣብ ሚያዝያ ሓድሽ ዝለ⁠ዓለ ዝርጋሐ ናይ መጽሔት ነበራ። ካብ ብዙሓት ካልኦት ሃገ⁠ራት እውን ተመሳሳሊ ጸብጻባት ተረኺቡ ኢዩ።

ስለዚ: ስለምንታይ ንሚያዝያን ግንቦትን ናይ 1996 መጽሔት ንምዝርጋሕ ፍሉያት ኣዋርሕ ዘይንገብረን፧ ጉባኤታት ፍሉይ ናይ መጽሔት መዓልትታት ክምድባ ይኽእላ ኢየን። ውልቀሰባት ኣብ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። በዝን ብኻልእ መገድታትን: መጽሔታት ንምዝርጋሕ ምትብባዕ ክግበር ይከኣል ኢዩ: እቲ በታ ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34 እተኣወጀ ኣድላዪ መልእኽቲ ድማ ምዝርጋሕ ክቕጽል ኢዩ። ድሕርዚ: ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተራእየ: የሆዋ ነቲ እነርእዮ ውዕዉዕ መንፈስ ብርግጽ ክባርኾ ኢዩ።​—2 ጢሞቴዎስ 4:​22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ