ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/3 ገጽ 32
  • ብርሃንካ ይብራህ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብርሃንካ ይብራህ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/3 ገጽ 32

ብርሃንካ ይብራህ!

ኣብ መወዳእታ: እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ነቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ በዒንቱ ዝርእየሉ ግዜ በጽሐ! ስምኦን “ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረኣዮ: ሞት ከም ዘይርኢ” ብመለኮታዊ ራእይ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 2:​26) ይኹን እምበር: ስምኦን ናብቲ ቤት መቕደስ ምስ ኣተወ: ማርያምን ዮሴፍን ድማ ነቲ ሕጻን የሱስ ከሕቝፍዎ ከለዉስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ነይሩ! “ዎ ጐይታይ: ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን: ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን: . . . ዘዳሎኻዮን ምድሓንካ: ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ: ሕጂ . . . ንባርያኻ ብሰላም ተፋነዎ ኢኻ” ብምባል ንኣምላኽ ኣመስገነ።​—⁠ሉቃስ 2:​27-​32፣ ምስ ኢሳይያስ 42:​1-6 ኣረኣእዮ።

የሱስ ካብቲ ወዲ 30 ዓመት ከሎ እተጠምቀሉ ግዜ ኣትሒዙ ክሳዕ ግዜ ሞቱ: “ብርሃን” ዓለም ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። በየናይ መገድታት፧ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ዕላማኡን ብምስባኽ መንፈሳዊ ብርሃን ዘርጊሑ ኢዩ። ከምኡውን ነቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርታት ኣቃሊዕዎን ነቲ ግብሪ ጸልማት ድማ ኣነጺሩ ኣለልይዎን ኢዩ። (ማቴዎስ 15:​3-9፣ ገላትያ 5:​19-​21) ስለዚ ኸኣ ኢዩ: የሱስ ብልክዕ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ክብል ዝኸኣለ።​—ዮሃንስ 8:​12

የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ሞተ። ድሕሪኡኸ እቲ ብርሃን ጠፍአዶ፧ ፈጺሙ ኣይጠፍአን! ጌና ኣብ ምድሪ ኸሎ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢልዎም ነበረ። (ማቴዎስ 5:​16) ብመሰረት እዚ ኸኣ: ድሕሪ ሞት የሱስ እቶም ሰዓብቱ ነቲ ብርሃን ከም ዝበርህ ገይሮምዎ ኢዮም።

ንየሱስ ብምምሳል: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብምስታፍ ናይ የሆዋ ብርሃን የንጸባርቑ ኢዮም። ብክርስትያናዊ ኣነባብራ ዘንጸባርቕ ኣብነት ምዃኖም ብምርግጋጽ: ‘ከም ደቂ ብርሃን ኰይኖም ይመላለሱ’ ኣለዉ።​—ኤፌሶን 5:8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ