የሆዋ ፈጺሙ ኣይደርበየናን
ብናሾ ዶሪ እተዘንተወ
መብረሽታን ካብ ግሪኽ ብዙሕ ዘይረሓቐት ኣብ ደቡባዊ ኣልባንያ ኣብ እምባ እትርከብ ንእሽቶ ቁሸት ኢያ። ብ1907 ኣብኣ ተወለድኩ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኰንኩ ኣብ ናይ ግሪኽ ቤት ትምህርቲ ክማሃር ጀመርኩ: ይኹን እምበር ሓይልታት ጣልያን ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንኣልባንያ ምስ ወረርዋ ትምህርተይ ተቛረጸ። ድሕሪ እቲ ውግእ: ብቋንቋ ኣልባንያ ትምህርተይ ቀጺለ ኢየ።
ወለደይ ኣዝዮም ሃይማኖተኛታት እኳ እንተ ዘይነበሩ: ነቲ ናይ ኣልባንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ልምድታት ግን የኽብሩ ነበሩ። ዓቢ ሓወቦይ (ኣኮይ) ኣብ መብረሽታን ቀሺ ስለ ዝነበረ: ኣብቲ ቤተ ክርስትያን እዓዪ ነበርኩ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝግብር ድማ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ረኸብኩ። እቲ ወግዕታት ዋጋ ዘይብሉ መሲሉ ተራእየኒ: እቲ ግብዝና ድማ ኣሻቐለኒ።
ብመሰረት ናይቲ ከባቢ ልምዲ: ወለደይ ዝምርዓዋ መንእሰይ ሰበይቲ ሓረዩለይ። ኣርጂሮ ኣብታ ኣብ ጐደቦና ዘላ ግራቦቫ እተባህለት ቁሸት ኢዩ ዓዳ: ኣብ መበል 18 ዓመት ዕደሜኣ ብ1928 ድማ ተመርዓና።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምሃር
ዳርጋ ኣብቲ እዋን እቲ ኣቢሉ ንሓደ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክበጽሕ ኢሉ ዝመጸ ወዲ ሓወቦይ ብዛዕባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኣዕዘምዘምክሉ። ንሱ ድማ “ኣብ ኣመሪካ ኣብ ጥቓ ገዛይ ቤተ ክርስትያን ዘይብሎም: ግን መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ጕጅለ ሰባት ኣለዉ” ኢሉ ነገረኒ። ብዘይ ቤተ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ዝብል ሓሳብ ባህ ኣበለኒ። ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክልእኸለይ ዝኽእል እንተድኣ ዀይኑ ድማ ሓተትኩዎ።
ዳርጋ ዓመት ጸኒሑ ካብ ሚልዋኡኪ ዊስኮሲን ሓንቲ ጥቕላል ክሳዕ ዝቕበል እቲ ዝገበርናዮ ዝርርብ ፈጺመ ረሳዕኩዎ። ኣብ ውሽጡ ብቛንቋ ኣልባንያ እተዳለወት በገና ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍን ናይ ቋንቋ ግሪኽ ግምቢ ዘብዐኛን ነበረ። ነታ መጽሓፍ ሕልፍ ጥራይ በልኩዋ: ንሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ዝጠቅስ ሓሳባት ድማ ኣስተብሃልኩ። እዚ ኸኣ ቅጭ ኣምጽኣለይ። ንገዛእ ርእሰይ ድማ ‘ቤተ ክርስትያን ዝበሃል ነገር ኣይደልን ኢየ’ በልኩ። ስለዚ ኸኣ ነታ መጽሓፍ ጽቡቕ ገይረ ኣየንበብክዋን።
ብ1929: ኣብ ውትህድርና ኣተኹ: ናብ ቲራነ ርእሰ ከተማ ኣልባንያ ድማ ተለኣኽኩ። ኣብኡ ኸኣ ሓደ ናይ ግሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ዝነበረ: ስታዚ ሙቺ እተባህለ ሰብ ረኸብኩ። “ንቤተ ክርስትያን ትኸይድ ዲኻ፧” ኢለ ሓተትክዎ። “ኣይከይድን ኢየ። ቤተ ክርስትያን ሓዲገዮ ኢየ። ሓደ ካብ ኣህጉራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢየ” ኢሉ ድማ መለሰለይ። ኣነን ሓደ ካልእ ወተሃደርን ሰንበት ምስ ስታዚ ኴንና ናብ ኣኼባ ከድና። ኣብኡ እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ህንጻ ወይ ሃይማኖት ዘይኰነትስ: ብቕቡኣት ናይ ክርስቶስ ኣገልገልቲ ዝቘመት ምዃና ተማሃርኩ። ሽዑ እታ በገና ኣምላኽ እትብሎ ዝነበረት ተረዳእክዎ።
ናሾ ኢድሪዝን ስፒሮ ሩሆን ኣብ መፋርቕ 1920ታት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ኣልባንያ ተመልሱ: ነቲ ኣብኡ እተማህርዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ድማ ይዝርግሕዎ ነበሩ። ምስቶም ሒደት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃን ኣብ ቲራነ ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ። ናይ የሆዋ ማሕበር ከም ዝረኸብኩ ድማ ቐልጢፉ ርግጽ ኰነለይ። ስለዚ ኸኣ ብ4 ነሓሰ 1930 ኣብቲ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ርባ ተጠመቕኩ።
ድሕርዚ ነቲ ናይ ስራሕ ሳእኒ ሞያይ ክቕጽሎ ናብ መብረሽታን ተመለስኩ። ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ግና: ነቲ እተማሃርክዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ምስ ካልኦት ክካፈሎ እውን ጀመርኩ። “የሱስ ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ምስሊ ቅዱሳን ኣይኰነን። ንሱ ህያው ኢዩ!” ድማ እብሎም ነበርኩ።
ምጽራር እናሃለወ ኸሎ ምስባኽ
ኣኽመድ በይ ዞግየ ብ1925 ስልጣን ምስ ሓዘ: ብ1928 ንገዛእ ርእሱ ንጉስ ዞግ ቀዳማይ ገበራ: ክሳዕ 1939 ድማ ገዝአ። ናቱ ሚኒስተር ሰብኣዊ መሰላት ዝነበረ ኸኣ ንክርስትያናዊ ዕዮና ፍቓድ ሃበ። እንተዀነ ግን: ግድላት ነይሩና ኢዩ። እዚ ኸኣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ዝነበረ ሙሳ ጁካ ምስቲ ኣብ ሮማ ዝነበረ ጳጳስ ጥብቂ ዕርክነት ስለ ዝነበሮ ኢዩ። ጁካ ኣፍልጦ ዝወሃበለን ሰለስተ ሃይማኖታት—ምስልምና: ኦርቶዶክስ: ከምኡውን ናይ ሮማ ካቶሊክ—ጥራይ ክዀና ኣዘዘ። ፖሊስ መጽሓፍትና ክህግሩን ኣገልግሎትና ደው ከብሉን ፈተኑ: ግናኸ ኣይተዓወቱን።
ኣብ እዋን 1930ታት: ናብታ ሚሃል ስቬቺ ኣብኣ ኰይኑ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮና ዘካይደላ ዝነበረ: ኣብ ኣልባንያ ዝዓበየት ከተማ በራት ብዙሕ ግዜ እበጽሕ ነበርኩ። ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ናይ ስብከት ጕዕዞታት መደብና። ንኽልተ ሰሙን ናብ ከተማ ሽኮደር ተለኣኽኩ: ብዙሕ ጽሑፋት ድማ ከበርክት ከኣልኩ። ብ1935 ካባና ሓደ ጕጅለ ኣብ ከተማ ከልቺረ ምእንቲ ክንሰብኽ ኣውቶቡስ ተኻረና። ድሕርዚ ንኸተማታት ፐርመት: ለስኮቪክ: ኢርሰከ: ኮርቸ: ፖግራደክ: ኢልባሳን ንምብጻሕ ናይ ኣልባኒያ ዓቢ ጕዕዞ ስብከት ተመደበ። ንዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምእንቲ ከነብዕል ነቲ ጕዕዞ ኣብ ቲራነ ልክዕ ኣብ ግዜኡ ከም ዝውዳእ ገበ ርናዮ።
ናይ መንፈሳዊ መግቢ ቀረብ ብመንፈስ ብርቱዓት ክንከውን ስለ ዝሓገዘና ከም እተደርበና ኰይኑ ፈጺሙ ኣይተሰማዓናን። ካብ 1930 ክሳዕ 1939 ብዘይምቍራጽ ናይ ግሪኽ ግምቢ ዘብዐኛ ተቐቢለ ኢየ። ዓይነይ ቅድሚ ምድካሙ ንገለ 60 ዓመታት ዝኸውን ዝገበርክዎ: ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ናይ ምንባብ ሸቶ እውን ነይሩኒ ኢዩ። ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ ኣልባንያ ክርከብ እተኻእለ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ጥራይ ኢዩ: ስለዚ ቈልዓ ከሎኹ ቋንቋ ግሪኽ ምምሃረይ የሐጕሰኒ ኢዩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋናት ዝነበሩ ካልኦት ደቂ ኣልባንያ መሰኻኽር እውን ንብምልእታ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብዋ ምእንቲ ክኽእሉ ቋንቋ ግሪኽ ምንባብ ተማሂሮም ኢዮም።
ብ1938: ኣርጂሮ ተጠምቀት። ብ1939 ካብቶም ዓሰርተ እቶም ሾውዓተ ደቅና ተወሊዶም ነበሩ። ዘሕዝን ግን: ካብቶም ናይ መጀመርታ ሾውዓተ ደቅና እቶም ሰለስተ ብናእሽትኦም ከለዉ ሞቱ።
ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ሽግር
ብሚያዝያ 1939: ቀቅድሚ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም: ናይ ፋሽስቲ ጥልያን ወተሃደራት ንኣልባንያ ኣጥቅዕዋ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮ ተኣገደ: ይኹን እምበር እታ 50 ዝዀኑ ናይታ መንግስቲ ኣወጅቲ ዝነበርዋ ንእሽቶ ጕጅለና ምስባኽ ቀጺላ ኢያ። ገለ 15,000 ዝኸውን ዓበይትን ናእሽቱ መጻሕፍትና ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ተሃጊሩ ከምኡውን በሪሱ ኢዩ።
ጃኒ ኮሚኖ ምስ ገዝኡ እተተሓሓዘ ንጽሑፋት ዝኸውን ዓቢ መኽዘን ነበሮ። እቶም ናይ ጣልያን ሓይልታት እቲ መጻሕፍቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም እተሓትመ ምስ ፈለጡ ተቘጥዑ። “ንስኻትኩም ነዛሕቲ ፕሮፓጋንዳ ኢኹም! ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንጻር ጥልያን ኢያ!” ይብሉና ነበሩ። እቶም ቀናኣት ናእሽቱ መንእሰያት ኣሕዋት: ዞማይ ካማን ምስ ቫዚሊ ካማን ተኣስሩ: እቲ ዝዝርግሕዎ ዝነበሩ መጻሕፍቲ ካብ ኮሚኖ ከም ዝመጸ ምስ ተፈልጠ ድማ ንሱውን ተኣስረ። ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ክምርመር ብፖሊስ ተጸዋዕኩ።
“ነዞም ሰባት እዚኣቶም ትፈልጦምዶ፧” ኢሎም ሓተቱኒ።
“እወ:” ኢለ ድማ መለስኩ።
“ምስኣቶም ትዓዪ ዲኻ፧”
“እወ። ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና። ኣንጻር መንግስቲ ኣይኰናን። ገለልተኛታት ኢና” ብምባል ድማ መለስኩ።
“ነዚ ጽሑፋት እዚ ትዝርግሕዶ ነይርካ፧”
እወ ዝብል መልሲ ምስ ሃብኩ: ብመቑሕ ኣሰሩኒ: ብ6 ሓምለ 1940 ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተኹ። ኣብኡ ምስ ደቂ ዓደይ ዝዀኑ ሓሙሽተ ካልኦት—ጆሴፍ ካቺ: ሉካን ባርኮ: ጃኒ ኮሚኖ: ከምኡውን ምስቶም ደቂ ካማ ኣሕዋት ተሓወስኩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎና ካልኦት ሰለስተ መሰኻኽር—ጎሪ ናቺ: ኒኮዲም ሻይቲ: ከምኡውን ሌዮኒዳስ ፖፕ ረኸብና። ትሽዓቴና ኣብ ሓንቲ 1.8 ብ 3.7 ሜትሮ ዝዀነት ክፍሊ ተጨቓጪቕና ነበርና!
ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ኵልና ብሰንሰለት ተኣሲርና ናብ ከተማ ፐርመት ተወሰድና። ሰለስተ ኣዋርሕ ጸኒሑ ናብቲ ኣብ ቲራነ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቐየርና: ጕዳይና ከይተሰምዐ ድማ ተወሳኺ ሾሞንተ ኣዋርሕ ተኣሰርና።
ኣብ መወዳእታ: ኣብ ቅድሚ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቀረብና። ኣነን ሓውና ሻይቲን ን27 ኣዋርሕ ተፈረድና: ሓውና ኮሚኖ ን24 ኣዋርሕ: እቶም ካልኦት ድማ ድሕሪ ዓሰርተ ኣዋርሕ ናጻ ተለቁ። ናብቲ ሓውና ጎሌ ፍሎኮ ብ1943 ምውጻእና ንምርግጋጽ ዝሓገዘሉ ጂረካስተር ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተቐየርና። ድሕርዚ ስድራቤትና ኣብታ ናይ ንእሽቶ ጉባኤ ተዓዛቢ ዝዀንኩላ ከተማ ፐረት ተቐመጠት።
ሽሕ’ኳ እቲ ዕዮና እንተ ተኣገደን ካልኣይ ውግእ ዓለም ድማ ነድሩ ኣብተን ኣብ ከባቢና ዝነበራ ሃገራት እንተ ነበረን ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ናይ ምስባኽ ዕዮና ንምፍጻም እቲ ዝከኣለና ምግባር ቀጺልና ኢና። (ማቴዎስ 24:14) ብ1944 ብድምር 15 ዝዀኑ መሰኻኽር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋናት እዚ: ብየሆዋ ከም እተደርበና ኰይኑ ፈጺሙ ኣይተሰመዓናን።
ብናይ ገለልትነት ጕዳይ እተፈተኑ
ሽሕ’ኳ እቲ ውግእ ብ1945 እንተ ተወድአ: ሽግራትና ቀጺሉ ኢዩ አረ ዝኸፍአ ኢዩ ኰይኑ። ኣብቲ ብ2 ታሕሳስ 1946 ዝነበረ ምርጫ ግድነታዊ ምድማጽ ከም ዝግበር ተገይሩ ነበረ። ዝዀነ ድምጹ ንምዕቃብ ዝደፈረ ሰብ ከም ጸላኢ ናይቲ መንግስቲ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። እቶም ኣብታ ኣብ ፐርመት ዝነበረት ጉባኤና ዝነበሩ ሰባት “እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧” ኢሎም ክሓቱ ጀመሩ።
“ኣብ የሆዋ ትኣምኑ እንተድኣ ኴንኩም እንታይ ክትገብሩ ከም ዘሎኩም ክትሓቱኒ ኣየድልየኩምን ኢዩ። ህዝቢ የሆዋ ገለልተኛታት ምዃኖም ድሮ ትፈልጡ ኢኹም። ናይዛ ዓለም ክፍሊ ኣይኰኑን” ኢለ መለስኩሎም።—ዮሃንስ 17:16
እታ ናይ ምርጫ መዓልቲ ኣኸለት: ናይ መንግስቲ ልኡኻት ድማ ናብ ገዛና መጹ። ህድእ ኢሎም “ሕራይ እምበኣር: ቡን ንስተ እሞ ንዘራረብ። ሎሚ እንታይ ምዃኑ ፈሊጥካዶ ኣሎኻ፧” ብምባል ይጅምሩ።
“እወ: ሎሚ ምርጫታት ይግበር ኣሎ” ኢለ መለስኩሎም።
ሓደ ሓላፊ “እንተ ቐልጠፍካ ጽቡቕ ኢዩ: እንተዘየሎ ክሓልፈካ ኢዩ” በለኒ።
“ክኸይድ ኣይመደብኩን። ምርጫና ንየሆዋ ኢዩ” ኢለ መለስኩሉ።
“ግርም: ምጻእ እሞ ነቲ ኣንጻር ወገን ኣድምጽ።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ብምሉእ ገለተኛታት ምዃኖም ገለጽኩሉ። መርገጽና ኣጸቢቑ ምስ ተፈልጠ: ኣብ ልዕሌና ዝዓበየ ጸቕጢ መጸ። ኣኼባታት ከይንገብር ስለ እተኣዘዝና ድማ ብምስጢር ክንእከብ ጀመርና።
ንዓድና ምምላስ
ብ1947 ኣነን ስድራቤተይን ናብ መብረሽታን ተመለስና። ድሕርዚ ቑሩብ ጸኒሑ: ኣብ ታሕሳስ: ዛሕሊ ኣብ ዝነበሮ ድሕሪ ቐትሪ: ናብ ቤት ጽሕፈት ሲጉሪሚ (ናይ ምስጢር ፖሊስ) ተጸዋዕኩ። እቲ ሓላፊ “ስለምንታይ ከም ዝጸዋዕኩኻ ትፈልጥዶ፧” ኢሉ ሓተተኒ።
“ብዛዕባይ ክስታት ስለ ዝሰማዕካ ትኸውን: መጽሓፍ ቅዱስ ዓለም ክትጸልኣና ምዃና ስለ ዝዛረብ ግን ክስታት ኣየገርመንን ኢዩ” ብምባል መለስኩሉ።—ዮሃንስ 15:18, 19
“ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትዛረበኒ: ከጋጭወካ ኢየ” ብምባል ብቑጥዓ ተዛረበኒ።
እቲ ሓላፍን መሳርሕቱን ኣብ ደገ ኣብቲ ቑሪ ደው ክብል ኣዚዞም ሓዲጎምኒ ከዱ። ድሕሪ ቑሩብ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸውዓኒ: ኣብ ገዛና ኣኼባ ምግባር ኸቋርጾ ድማ ኣዘዘኒ። “ኣብ ዓድኻ ክንደይ ሰባት ትቕመጡ፧” ኢሉ ኸኣ ሓተተኒ።
“ሚእትን ዕስራን” በልክዎ።
“እንታይ ኢዩ ሃይማኖቶም፧”
“ናይ ኣልባንያ ኦርቶዶክስ።”
“ንስኻኸ፧”
“ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ።”
“ሚእትን ዕስራን ሰባት ብሓደ መገዲ ክኸዱ ከለዉ ንስኻ ግና ብኻልእ ትኸይድ፧” ድሕርዚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሽምዓ ከብርህ ኣዘዘኒ። ከም ዘይገብሮ ምስ ነገርክዎ በትሪ ገይሩ ክሃርመኒ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ክፍኖ ከለኹ ከባቢ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ነበረ።
ናይ ጽሑፋት ቀረብ ተቛረጸ
ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምውድኡ: እንደገና ብፖስታ ግምቢ ዘብዓኛ ክንቅበል ጀመርና: ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታ እቶም መጽሔታት ካብ ምምጻእ ኣቋረጹ። ድሕርዚ: ሓደ ምሸት ሰዓት ዓሰርተ: በቶም ናይ ምስጢር ፖሊስ ተጸዋዕኩ። “ብቋንቋ ግሪኽ ሓደ መጽሔት መጺኡ ኣሎ: ብዛዕባ እንታይ ምዃኑ ክትገልጸልና ድማ ንደሊ ኢና” ተባህለለይ።
“ቋንቋ ግሪኽ ጽቡቕ ገይረ ኣይፈልጥን ኢየ። ጐረቤተይ ዝያዳ ይፈልጥ ኢዩ። ምናልባት ንሱ ክሕግዘኩም ይኽእል ኢዩ” በልክዎም።
ሓደ ሓላፊ ብቋንቋ ግሪኽ እተዳለወ ገለ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቅዳሓት እናኣውጽአ “የለን: ንስኻ ክትገልጸልና ኢና እንደሊ” በለ።
“እዚ ድኣ ናተይ እንድዩ! ከመይ ድኣ: ክገልጾ እኽእል ኢየ። ርኢኹም እዚ መጽሔታት እዚ ካብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኢዩ ዝመጽእ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብኡ ኢዩ ዝርከብ። ኣነ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ። ግን ኣድራሻ እተጋገዩ ኢዮም ዝመስሉ። እዚ መጽሔታት እዚ ናባኻትኩም ዘይኰነስ ናባይ ኢዩ ክለኣኽ ነይርዎ” በልኩ።
እቲ መጽሔታት ኣይሃቡንን: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ክሳዕ 1991: ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ኣልባንያ ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣይተቐበልናን። ኣብ ውሽጢ እዚ ዅሉ ዓመታት ብመጽሓፍ ቅዱስና ጥራይ ኢና እንሰብኽ ነይርና። ብ1949 ዳርጋ 20 ዝዀኑ መሰኻኽር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበሩ: ገሊኦም ድማ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ፍርዲ ዝነበሮም ኢዮም።
ሽግራት ወሰኸ
ብ1950ታት: ሰባት ነቲ ውትህድርና ከም ዝድግፉ ዘርኢ ሰነዳት ክሕዙ ተኣዚዞም ነበሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ከምዚ ዝበለ ሰነዳት ምሓዝ ኣበዩ። ብምኽንያት እዚ ኸኣ ኣነን ሓውና ኮሚኖን ካልእ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕለፍና።
እቲ መንግስቲ ንህላዌ ናይ ገለ ሃይማኖታት ኣፍቂዱሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብመጠኑ ናጽነት ነበረና። ይኹን እምበር: ብ1967 ንኣልባንያ ብምልእታ ብወግዒ ኢዘሀራዊት ሃገር ብምግባር: ኵለን ሃይማኖታት ተኣገዳ። መሰኻኽር ኣኼባታት ምግባር ንምቕጻል ፈቲኖም ኢዮም: ግናኸ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኰነ። ገሌና ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክንሓብኣሉ ኣብ ናይ ጃኬትና ፎደራ ፍልይቲ ጁባ ሰፊና ነበርና። ድሕርዚ ምእንቲ ከነንብባ ናብ በረኻ ንኸይድ።
ኣብ ቲራነ ዝርከቡ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ኸለዉ ተታሕዙ: ሰለስተ ድማ ኣብ ርሑቕ ናብ ዝርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበታት ንሓሙሽተ ዓመታት ተፈርዱ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ስድራቤታቶም ተሳቐያ። እቶም ኣብ ርሕቕ ዝበላ ናእሽቱ ቁሸታት እንነብር: ከም ኣዝዮም ዘስግኡ ስለ ዘይተቘጸርና ናብኡ ኣይንስደድን ኢና ነይርና። ይኹን እምበር ገለልትነትና ካብቲ ናይ መግቢ ዝርዝር ከም እንሕከኽ ገይሩና ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ናብራ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ። ካብ ደቅና ክልተ ካልኦት ድማ ሞቱ። እንተዀነ ግን ብየሆዋ ከም እተደርበና ኰይኑ ፈጺሙ ኣይተሰምዓናን።
ኣብ ኣልባኒያ ፍርሂ ግኑን ኢዩ ነይሩ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ትዕዝብቲ ይግበረሉ ኢዩ ነይሩ: ናይ ምስጢር ፖሊስ ድማ ብዛዕባ ካብቲ ናይቲ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ እተፈልየ ኣረኣእያ ክገልጽ ዝደፍር ዝዀነ ሰብ ጸብጻብ ይጽሕፉ ነበሩ። ስለዚ ብዛዕባ ንንጥፈታትና ዝምልከት ናይ ጽሑፍ ጸብጻብ ምግባር ኣዚና ጥንቁቓት ኢና ነይርና። ንመንፈሳዊ ምትብባዕ ኢልና ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ ዝበዝሑ ክንእከብ ኣይንኽእልን ኢና። ጌና ግን ስብከትና ፈጺምና ኣየቋረጽናን።
ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ: እቶም ናይ ምስጢር ፖሊስ ኣብ ቲራነ ዝነበረ ሓደ ፍሉጥ ምስክር ሰላዪ ኢዩ ነይሩ ዝብል ወረ ነዝሑ። እዚ ንገሊኦም ተኣማንነት ከም ዘጥፍኡ: ብገለ መገዲ ድማ ሕብረትና ከም ዝዝረግ ገይሩ ኢዩ። ዝዀነ እዋናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ምስታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ድማ ርክብ ስለ ዘይነበረናን: ሒደት ሰባት ንፍርሂ ኢዶም ሂቦም ኢዮም።
ብተወሳኺ ድማ: እቶም ሰበ–ስልጣናት ስፒሮ ሩሆ እተባህለ ኣብ ኣልባንያ ዝርከብ ክቡር ክርስትያን ሽማግለ ርእሰ–ቅትለት ፈጺሙ ዝብል ወረ ነዝሑ። “ርኢኹም ሩሆ ከይተረፈ እውን ተስፋ ቘሪጹ” ኸኣ በሉ። ጸኒሑ ግና ሓውና ሩሆ ብርግጽ ከም እተቐትለ ተፈልጠ።
ብ1975: ኣነን ኣርጂሮን ምስ ወድና ኣብ ቲራነ ንሒደት ኣዋርሕ ጸናሕና። ኣብ እዋን ምርጫ: እቶም ኣብቲ ከተማ ዝነበሩ ሰበ–ስልጣናት “እንተድኣ ዘየድሚጽኩም ንወድኹም ካብ ስራሕ ከነውጽኦ ኢና” ኢሎም ብምፍርራህ ተጽዕኖ ገበሩልና።
ከምዚ ብምባል ድማ መለስኩሎም:- “ወደይ ኣብ ስርሑ ን25 ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ። ብዛዕብኡን ብዛዕባ ስድራቤቱን ዝርዝር ብሕታዊ መዛግብቲ ኣሎኩም። ንልዕሊ 40 ዓመታት ዝኸውን ኣየድመጽኩን። እዚ ሓበሬታ እዚ ከምቲ ልሙድ ኣብ ናይ ብሕቲ መዛግብቲ ኣሎ። ከምኡ እንተድኣ ዘይኰይኑ: መዛግብትኹም ስርዓት ኣይሓዘን ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣብ መዛግብትኹም እንተድኣ ኣሎ ኸኣ: ንኽንድዚ ዝኣክል ዓመታት ክሰርሕ ብምፍቃድኩም ነቲ ሰልፊ እሙናት ኣይኰንኩምን።” እቶም ሰበ–ስልጣናት እዚ ምስ ሰምዑ: ናብ መብረሽታ እንተድኣ ተመሊስና ነቲ ጕዳይ ከም ዘይደፍኡሉ ተዛረቡ።
ሃንደበታዊ ለውጥታት
ብ1983 ካብ መብረሽታን ናብ ከተማ ላች ተንቀሳቐስና። ድሕርዚ ቑሩብ ጸኒሑ: ብ1985: እቲ ውልቀ–መላኺ ሞተ። ካብቲ ብ1946 ዝነበረ ናይ መጀመርታ ግድነታዊ ምርጫታት ኣትሒዙ ገዚኡ ኢዩ። ጸኒሑ: ነቲ ኣብ ቲራነ ዘሎ ቀንዲ ኣደባባይ መሊእዎ ዝነበረ ናቱ ሓወልቲ: ከምኡውን እቲ ናይ ስታሊን ፈረሰ።
ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ንጥፈታትና እገዳ ተገይርሉ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት: ብዙሓት መሰኻኽር ብጭከና ተታሒዞም ገሊኦም ድማ ተቐቲሎም ኢዮም። ሓደ ሰብኣይ ንገለ መሰኻኽር ኣብ መገዲ ከምዚ በሎም:- “ኣብ ግዜ ኮሚኒስታውያን ኵልና ንኣምላኽ ሓዲግናዮ ኢና። ፈተናታትን ሽግራትን እናጋጠሞም ከሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ንእኡ እሙናት ኰይኖም ዝጸንሑ።”
ዝያዳ ናጽነት ምስ ተረኽበ: ብሰነ 1991 ትሽዓተ ሰባት ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንጥፈት ከም ዝነበሮም ጸብጻብ ተረኽበ። ብሰነ 1992: እቲ እገዳ ምስ ተላዕለ ድሕሪ ወርሒ: ኣብ ዕዮ ስብከት 56 ተኻፈሉ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ 325 ምስ ተኣከቡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢልና ኢና። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ናይቶም ኣብቲ ስብከት ዝካፈሉ ሰባት ቍጽሪ ናብ 600 ደይቡ ኢዩ: ከምኡውን ብ14 ሚያዝያ 1995 ኣብቲ ዝኽሪ ብድምር 3,491 ሰባት ተኻፊሎም ኢዮም! ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብዙሓት መንእሰያት ናብተን ጉባኤታትና ክውሰኹ ምርኣየይ እዚ ክበሃል ዘይክኣል ሓጐስ ኢዩ ዝስማዓኒ።
ኣርጂሮ ኣብ ውሽጢ እዚ ብዙሕ ዓመታት ንየሆዋን ንዓይን እምንቲ ኰይና ጸኒሓ ኢያ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርኩሉ ወይ ንኣገልግሎት ኣብ ዝገሸሉ ዝነበርኩ እዋን ብትዕግስቲ ብዘይምዕዝምዛም ንስድራቤትና ዘድሊ ነገራት ትሓሊ ነበረት። ሓደ ካብ ደቅናን በዓልቲ ቤቱን ብ1993 ተጠምቁ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሐጐሰና።
ንመግስቲ ኣምላኽ ጥራይ
ኣብ ኣልባንያ ዘላ ማሕበር የሆዋ ኣዝያ ሓቢራ ንመንፈሳዊ ብልጽግና ድማ ከተስተማቕር ክርእያ ከለኹ ሕጉስ ኢየ። ከምቲ ቅድሚ ሙማቱ ነቲ ንነዊሕ እዋን ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ናይ ምርኣይ ክቡር መሰል ዝረኸበ: ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ብዕድመ ዝደፍኣ ስምኦን እተሰምዖ ኢዩ ዝስማዓኒ። (ሉቃስ 2:30, 31) ሕጂ ኣየናይ ዓይነት መንግስቲ ከም ዝመርጽ ምስ ዝሕተት “ኮሚኒዝም ይኹን ካፒታሊዝም ኣይመርጽን ኢየ። ንመሬት ህዝቢ ይኹን ዋላ መንግስቲ ይወንኖ ኣየገድስን ኢዩ። መንግስታት መንገድታት ይሰርሑ: ኣብ ርሑቕ ናብ ዝርከብ ዓድታት ኤሌክትሪክ የእትዉ: ከምኡውን ብመጠኑ ስርዓት ከም ዝህሉ ይገብሩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መንግስቲ: ሰማያዊት መንግስቱ: ጥራይ ኢያ ነቲ ንኣልባንያን ካልእ ዝተረፈ ክፍሊ ዓለምን ዘጋጥሞ ዘሎ ኣሸጋሪ ግድላት መፍትሒት እትኸውን” ኢየ ዝብል።
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ዓለም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ከለዉ ዝገብርዎ ዕዮ ናይ ዝዀነ ሰብ ዕዮ ኣይኰነን። እዚ ናይ ኣምላኽ ዕዮ ኢዩ። ንሕና ኣገልገልቱ ኢና። ኣብ ኣልባንያ ብዙሕ ሽግራት እኳ እንተ ነበረና ከምኡውን ካብታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ንብዙሕ እዋን ርክብ ኣቋሪጽና እኳ እንተ ነበርና: ብየሆዋ ፈጺምና ኣይተደርበናን። መንፈሱ ኵሉ ግዜ ኣብዚ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ናይቲ መገዲ መሪሑና ኢዩ። እዚ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ርእየዮ ኢየ።