ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/1 ገጽ 23
  • “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንየሆዋ ዘኽብር ሰናይ ግብሪ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/1 ገጽ 23

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

“ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ”

እታ ክርስትያናዊት ማሕበር ምስ ቈመት ኣብ ውሽጢ ሒደት ግዜ ካብ 120 ናብ ልዕሊ 3,000 ኣባላት ዓበየት። (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:41) መጽሓፍ ቅዱስ “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ: ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ” ብምባል ይገልጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:⁠7) ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ እታ ሓዳስ ዝቘመት ማሕበር ኣብ ኣፍሪቃ: ኤስያ: ከምኡውን ኣውሮጳ ክርስትያናት ዘለውዋ ኣህጉራት እትሓቁፍ ማሕበር ኰነት።

ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቅልጡፍ ምዕባለ ተርኢ ኣለ። ንኣብነት: ኣብ ሜክሲኮ እቲ ቍጽሪ ናይታ መንግስቲ ኣወጅቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 130,000 ወሰኽ ብምግባር ናብ 443,640 ዓበየ! ብ1995 ኣብ ሜክሲኮ ካብ ዘለዉ 59 ሰባት 1 ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘብዓልዎ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተኻፊሉ ኢዩ። ጌና ግን ከምዚ በዛ እትስዕብ ተመኵሮ እተገልጸ: እቲ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዘሎ መንፈሳዊ ምእካብ ኣይተወድአን።​—⁠ማቴዎስ 9:​37, 38

ኣብ ሓንቲ ከተማ ናይ ኣውራጃ ቺያፓስ: ኣብታ ቦታ ንገለ 20 ዓመታት ሰቢኾም ክነሶም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጽንዕ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ብዘይጥርጥር ድማ ብዙሓት ናይቲ ከተማ ህዝቢ ንሓደ ዓመጸኛ ብምዃኑ ፍሉጥ ዝነበረ ሰብኣይ ይፈርሁ ነበሩ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ምህላዎም እንተድኣ ሰሚዑ ከርእዮ ዝኽእል መልሰ-ግብሪ ብምሕሳብ ይፈርሁ ነበሩ።

ናብቲ ቦታ ገጾም እተንቀሳቐሱ ክልተ ተባዓት መሰኻኽር ድማ ናብቲ ዝፍራህ ዘሎ ሰብኣይ ብቐጥታ ብምኻድ ነቲ ግድል ክፈትሕዎ ወሰኑ። ኣብ ገዝኡ ምስ በጽሑ ድማ ሰበይቱ ነቲ ማዕጾ ከፈተቶ: ነቲ መልእኽቶም ድማ ተጠንቂቓ ሰምዓቶ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዝገልጾ ብፍላይ ተገዳስነት ኣርኣየት። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ እንተድኣ ኰይና: ሰብኣያ ንዅነታታ ዝኸፍአ ከም ዝገብሮ ኣፍልጦ ሃበት። እቶም መሰኻኽር ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ተጠንቂቓ እንተ ዘይመርሚራቶ: ንኣምላኽ ከመይ ገይራ ከም እተገልግሎን ኣብ ምድሪ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ከም እተስተማቕር ክትማሃርን ፈጺማ ከም ዘይትኽእል ገለጹላ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ድማ ተሰማምዐት።

ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ድማ ሰብኣያ በቲ ዝገበረቶ ውሳኔ ኣይተሓጐሰን። ሽሕ እኳ ማኪናኣ ንኻልእ ዕላማ ክትጥቀመላ እንተፍቀደላ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምኻድ ከይትጥቀመላ ግን ከልከላ። እናተቓወማ ክነሱ ድማ ናብቲ 10 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ዝቐረበ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንግስቲ ኣዳራሽ ስርዓታዊት ኰይና ትኸይድ ነበረት። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብቲ ከተማ ዘለዉ ካልኦት ትብዓታን ቈራጽነታን ተዓዘቡ። እቶም ሰባት ድማ መሰኻኽር ኣብ ገዝኦም ክመጽዎም ከለዉ ክሰምዑ ጀመሩ። አረ ገሊኦምስ ነታ ሰበይቲ ናብ ኣኼባታት ክትከይድ ከላ ከሰንይዋ ጀመሩ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ እቶም መሰኻኽር ኣብቲ ከተማ ዳርጋ 20 ዝዀኑ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ነበሩ!

ማሕዛኣ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ እውን ሰብኣያ እናተጻረራ ክነሱ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ወሰነት። እቲ ዝገርም ድማ: ነዛ ሰበይቲ ከምኡ ክትገብር ዘተባብዓ ሰብኣይ እታ ናይ መጀመርያ ሰበይቲ ነበረ። ምስ ሰብኣያ ምስ ተዛረበ ድማ እቲ ተቓውሞ ኣቋረጸ። ስለዚ ነዘን ክልተ ሕጂ ነዚ ብስራት ዘስፍሕኦ ዘለዋ ኣንስቲ ሓዊስካ ልዕሊ 15 ዝዀኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑን ኣብ ናይ ክርስትያን ኣኼባታት ክካፈሉን ብምጅማር ድሕሪ 20 ዓመት እቲ ዘርኢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ መጨረሽታ ክዕንብብ ጀመረ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ