ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/12 ገጽ 20-23
  • ወዲ ሚእቲ ዓመት: ጌና ድማ ሓያል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወዲ ሚእቲ ዓመት: ጌና ድማ ሓያል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ኣረኣእያ ለውጢ
  • ንፈተናታት ምግጣም
  • ዘገርም ምብጻሕ
  • ብሞት ንዝመጽእ ምፍልላይ ምግጣሙ
  • ንየሆዋ ብምግልጋለይ ሕጉስ እየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/12 ገጽ 20-23

ወዲ ሚእቲ ዓመት: ጌና ድማ ሓያል

ብራልፍ ሚሸል እተዘንተወ

ኣቦይ: ማእከላይ ዝቝመቱ: ናይ ሜቶዲስት ሰባኺ ኢዩ ነይሩ። ነታ ብ1895 እተወለድኩላ ኣብ ሕ.መ.ኣ.: ሰሜናዊ ካሮሊና: እትርከብ ኣሸቪል: ሓዊስካ: ብተኸታታሊ መብዛሕትኡ ኣብ ንኣሽቱ ዓድታት እናኸደ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ካብ ቤተ-ክርስትያን ናብ ቤተ-ክርስትያን ይዘዋወር ነበረ። ስለዚ ምስ ህዝበ-ክርስትያን ደሓን ሌላ ገይረ ኢየ ዓብየ።

ከም ንእሽቶ ወዲ መጠን: ኣብ ግዜ ናይ ምሕዋይ ኣኼባታት: መንፈስ ቅዱስ ንኽመልኣኒ​—⁠ከምቲ ንሳቶም ዝጽውዕዎ “ሃይማኖት ንምርካብ”​—⁠ናብቲ “ናይ በኸይቲ መንበር” ገጸይ ክውሰድ ይዝከረኒ። ሓጢኣተይ ክናዘዝ: ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ክሕሉ: ከምኡውን ንፉዕ ክኸውን ተነግረኒ። በዚ ከምዚ ድማ ምስ ሞትኩ ናብ ሰማይ እኸይድ። ንገዛእ ርእሰይ ‘እሞ ኣነ ድኣ ናብ ሰማይ ክኸይድ ብቑዕ ክኸውን ስለ ዘይክእል ናብ ሲኦል እንድየ ክኸይድ’ በልኩ። ዓበይቲ ጥራይ​—⁠ብፍላይ ሰበኽቲ​—⁠ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነብሩ ገይረ ሓሰብኩ።

እንተዀነ ግን: ጌና ኣብ ዕድመ ኰተቴ ከይበጻሕኩ ከሎኹ: ኣብ ሃይማኖት ዘሎ ግብዝና ከስተውዕል ጀመርኩ። ንኣብነት: ኣብቲ ሓፈሻዊ ዋዕላ: ናብቲ ናይ ጳጳስ ማዕከን ብዙሕ ገንዘብ ምእንቲ ከቕርብ ኣቦይ ነቲ ናይ ስድራቤቱ ስጋዊ ድሌት ክስውእ ነበሮ። ከምዚ ምግባሩ ድማ ኣብ ዝዓበየ ቤተ-ክርስትያን መዝነት ክረክብ ከም ዘኽእሎ ተስፋ ገበረ። ሓደ ናይቲ ከባቢ ሰባኺ: ከምኡውን ናይ ጡጥ ሓረስታይ ዝነበረ: እዝከረኒ። ዝለዓለ ቦታ ንምርካብ ህንጡይ ስለ ዝነበረ: ሚእቲ ቦንዳታት ጡጥ ሸይጡ: ጅባኡ ገንዘብ መሊኡ ናብቲ ኣኼባ ኸደ። እቶም ተኣከብቲ​—⁠ዝበዝሑ ሰበኽቲ ዝነበሩ​—⁠እቲ ዝነበሮም ኵሉ ገንዘብ ምስ ተኣከበ: እዚ ናይ ጡጥ ሓረስታይ ሰባኺ: ዘሊሉ ብምውጻእ “ንጳጳስኩም እትህብዎ እዚ ጥራይ ድዩ፧ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰባኺ ዘምጽኦ ሓሙሽተ ዶላር: ብዓሰርተ ዶላር ገይረ ክሽፍኖ ኢየ!” ኢሉ ጨደረ። ልዕሊ ሽሕ ዶላር ተኣከበ: እቲ ጳጳስ ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ኣቦ መንበር ሽማግለ ክኸውን መዘዞ። ከምዚ ዝዓይነቱ መዝነት ካብ ኣምላኽ ኢዩ ዝመጽእ ኢለ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ካብኡ ንድሓር: ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ምስ ሃይማኖት ዝተሓሓዝ ነገር ተጠራጣሪ ነበርኩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ኣተወት ብግዴታ ኣብ ውትህድርና ተኸተብኩ። እቶም ናይ ሰራዊት ኣቕሽሽቲ ንዓና ወተሃደራት ብተኣማንነት ምእንቲ ሃገርና ክንዋጋእ ክሰብኩ ከለዉ ጽቡቕ ገይሩ ይዝከረኒ: እዚ ድማ ነቲ ንሃይማኖት ዘነበረኒ ምፍንፋን ኣበርትዖ። ሸቶታተይ ብህይወት ክተረፍ: ትምህርተይ ክውድእ: ከምኡውን ክምርዖ ኢዩ ነይሩ። ንመጻኢ ኣብ ዝነበረ መደባተይ ሃይማኖት ምንም ቦታ ኣይነበሮን።

ናይ ኣረኣእያ ለውጢ

ብ1922: ምስ ሓንቲ ሌዊዝ እተባህለት መንእሰይ ሰበይቲ ፍቕሪ ሓዘኒ። ጸኒሑ ከም እተገልጸ: ውፍይቲ ካቶሊክ ኢያ ነይራ: ክንምርዖ ምስ ወሰንና ድማ ናይ ካቶሊክ መርዓ ደለየት። ይኹን እምበር: ኣነ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ጽንብል ኣይደለኹን: ስለዚ ድማ ኣብቲ ናይ ኒው ዮርክ ናይ ምምሕዳር ከተማ ህንጻ ክንምርዖ ተሰማምዐት።

ኣብ መጀመርያ ሃይማኖታዊ ግርጭታት ኣይነበረናን። ብሓጺሩ: ኣብ ሃይማኖት ምንም እምነት ስለ ዘይብለይ: ብሰላም ክንነብር እንኽእል ብዛዕባ ሃይማኖት ምስ ዘይነልዕል ጥራይ ምዃኑ ኣብራህኩላ። ጸኒሑ: ኣብ መንጎ 1924ን 1937ን ኣብ ዝነበረ ዓመታት ቈልዑ ተወልዱ​—⁠ሓደ ድሕሪ ሓደ ክሳዕ ሓሙሽተ ኣወዳትን ሓሙሽት ኣዋልድን ዝዀኑ ወለድና! ሌዊዝ ደቅና ኣብ ናይ ካቶሊክ ቤት ትምህርቲ ክማሃሩ ደለየት። ኣነ ግን ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ልምምድ ክወስዱ ስለ ዘይደለኹ: በዚ ተጨቓጨቕና።

ኣብ መጀመርያ ናይ 1939: ነቲ ኣብ ሃይማኖት ዘሎኒ ኣረኣእያ ብምሉኡ ዝቕይር ገለ ነገር ኣጋጠመ። ክልተ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሄንሪ ወበርን ሃሪ ፕያትን: ናብቲ ኣብ ሮሰለ: ኒው ጀርሲ ዝነበረ ገዛይ መጹ። ብዛዕባ እቲ ክዛራረበሉ ምንም ተገዳስነት ዘይብለይ ኣርእስቲ​—⁠ሃይማኖት​—⁠ክዛረቡ ከም ዝደለዩ ቀልጢፉ ግሁድ ኰነ። በቲ እቶም ኣብቲ ሰራዊት ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ‘ንሃገርኩም ተዋግኡ’ እናበሉ: እቶም ኣብ ገዛ ምስ ተመለስካ ዘለዉ ሃይማኖታውያን ‘ኣይትቕተል’ ዝብልዎ: እምነተይ ጌና ጕህይቲ ኢያ ነይራ። እንታይ ዓይነት ግብዝና ኰን ኢዩ! ነዞም ክልተ መሰኻኽር ድማ ክእርሞም ኢየ ኢለ ሓሰብኩ። “ሓደ ነገር ክነግረኩም” ድማ በልክዎም። “ሃይማኖትኩም ሓቀኛ እንተድኣ ኰይና: ካልኦት ኵለን ሓሶት ኢየን። ካብተን ካልኦት ሓንቲውን ትኹን ሓቂ እንተድኣ ኰይና ድማ: ካልኦት ዝተረፋ ኵለን: ናትኩም እውን ሓዊስካ: ሓሶት ኢየን። ሓንቲ ቅንዕቲ ሓይማኖት ጥራይ ኢያ ክትህሉ እትኽእል።” ኣዝዩ ዝገረመኒ ድማ ምስ ሓሳባተይ ተሰማምዑ!

ቀጺሎም መጽሓፍ ቅዱሰይ ከምጽእ እሞ ኣብ 1 ቈረንቶስ 1:10 ክግንጽል ሓተቱኒ። ኣብኡ ድማ ከምዚ ዝብል ኣንበብኩ:- “ኣሕዋተየ: ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ: ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር: ምፍልላይ ከይህልወኩም: እምዕደኩም አሎኹ።” በዛ ጥቕሲ እዚኣ ድማ ተለዓዓልኩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ገለ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ከእትውኒ ኢዮም ኢለ ድማ ሰጋእኩ። ይኹን እምበር ሓደ ነገር​—⁠ኣብ መንጎ ክርስትያናት ፍልልይ ክህሉ ከም ዘይብሉ​—⁠ተማሃርኩ። ኣብ ሓሳበይ ካልእ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ እንታይ ትኸውን፧ እዛ ሕቶ እዚኣ ምሳታቶም እንተ ዝዘራረበላስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተሓጐስኩ! እንተዀነ ግን: እዚኣ ኣብ ቤት ብዙሕ ሃይማኖታዊ ዘይምርድዳእ ክትፈጥር ኢያ ኢለ ሓሰብኩ።

ድሕሪኡ: ካብቶም ክልተ ሰባት እቲ ሓደ:- “ኣብታ ትመጽእ ዘላ ሰሙን ተመሊስና እንደገና ምሳኻ ክንዘራረብ ደስ ኢዩ ዝብለና” በለ። ብሜላ ገይረ ክሰዶም ኢየ ዝደሊ ነይረ: በዓልቲ ቤተይ ግን ሓሳባታ ንምግላጽ “ራልፍ መዓስ ከም ዝምለሱ ኢዮም ክፈልጡ ደልዮም” በለት። ሓያል ካቶሊክ ብምንባራ: ከምኡ ምባላ ኣገረመኒ! ጌና ግን: ‘ምናልባት ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ኣርእስቲ ገለ እንሰማምዓሉ ነጥብታት ክንረክብ ንኽእል ንኸውን’ ኢለ ሓሰብኩ። ስለዚ ድማ ሄንሪ ወበርን ሃሪ ፕያትን ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓርቢ ክመጹ ተሰማማዕኩ።

ስለዚ እምበኣር: ሽዑ ኢየ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዝጀመርኩ። ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ: ኣብ ማዲሶን ስኴር ጋርደን እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ክካፈል ተዓደምኩ። ኣብ 25 ሰነ 1939 እተዋህበት “መንግስትን ሰላምን” ዘርእስታ ናይ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ዝርርብ ጽቡቕ ገይረ እዝክራ ኢየ። ሓደ ካብቶም ኣብኡ እተረኽቡ 18, 000 ሰባት ኢየ ነይረ። ነቶም በቲ ብዓለምኻዊ ደረጃ እተኣሳሰረ ምስቲ ኣኼባ ተተሓሒዙ ዝነበረ ናይ ራድዮ-ፎን መስመራት ገይሮም እተኸታተሉ ሓዊስካ: ነቲ ዝርርብ 75, 000 ሰባት ኢዮም ሰሚዖምዎ።

ይኹን እምበር: ኵነታት ጽቡቕ ኣይነበረን። ሰዓብቲ ቻርለስ ካግለን: ናይ ካቶሊክ ቀሺ: ነቲ ኣኼባ ክዘርጉ ኣፈራርሁ: ብርግጽ ከኣ ኣማእታት ዝዀኑ ቍጡዓት ሰባት ሆ እናበሉን “ሀይል ሂተለር!” ከምኡውን “ቪቫ ፍራንኮ!” ዝብል ጭርሖታት እናጨርሑን: ዳርጋ ክሳዕ ፍርቂ ዝርርብ ናይ ሓው ራዘርፎርድ ጸንሑ። እቲ ናዕቢ ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ድማ እቲ ረብሻ በቲ ናይ ቴሌፎን መስመራት ይስማዕ ነበረ! እቶም ሓለውቲ ነቲ ናዕቢ ከዝሕልዎ ዳርጋ 15 ደቒቕ ወሰደሎም። ሓው ራዘርፎርድ: በቲ ናይቶም ሰማዕቲ ጨብጨባ እናተደገፈ ብትብዓት ከየቋረጸ ምዝራብ ቀጸለ።

ኣብዚ እዋን እዚ ንኽፈልጥ ኣዝየ ተሃንጠኹ። ናይ ካቶሊክ ቀሺ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ጽልኢ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዓዕል ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ራዘርፎርድ ዝሰብኮ ዝነበረ ገለ​—⁠እቶም ካህናት ከምዚ ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባት ክሰምዕዎ ዘይደልይዎም​—⁠ክህሉ ኣለዎ ኢለ ገመትኩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ዕቤት ምርኣይን ቀጸልኩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብጥቅምቲ 1939: እቲ ንየሆዋ ዘሎኒ ወፈያ ብማይ ጥምቀት ገይረ ኣርኣኹ። ገለ ካብቶም ደቀይ ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመት ተጠምቁ: በዓልቲ ቤተይ ሌዊዝ ድማ ብ1941 ተጠምቀት።

ንፈተናታት ምግጣም

ሓቂ ምስ ተቐበልኩ ብዙሕ ከይጸነሐ: ኣደይ ሞተት: ስለዚ ኸኣ ንኽቐብራ ናብ ሰሜናዊ ካሮሊና ክምለስ ነበረኒ። ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሜቶዲስት ቤተ-ክርስትያን ዝግበር ናይ ቀብሪ ቅዳሴ ምክፋል ንሕልናይ ጽቡቕ ከምዘይከውን ተሰመዓኒ። ስለዚ ኸኣ: ጕዕዞ ቅድሚ ምጅማረይ ናብ ኣቦይ ደዊለ ነቲ ሳንዱቕ ኣብቲ ናይ ሓዘን ቤት ከጽንሖ ሓተትክዎ። ተሰማምዓሉ ድማ: እንተዀነ ግን: ኣብኡ ምስ በጻሕኩ: ብርግጽ ክሓብረና ኢዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ: ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ገጾም ክኸዱ ጸንሑ።

ይኹን እምበር: ኣይከድኩን: እዚ ድማ ኣብ ስድራይ ሕርቃን ኣስዓበ። አድና ሓብተይን ኣነን ኵሉ ግዜ ንቀራረብ እኳ እንተ ነበርና: ድሕሪ ናይ ኣደይ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ግን ኣይተዛረበትንን። ደብዳበታት ጽሒፈላ: መልሲ ግን ኣይሰደደትን። አድና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክረምቲ ኣብ ሲቲ ኮሌጅ ናይ መምሃራን ኮርስ ክትካፈል ኢላ ናብ ኒው ዮርክ ክትመጽእ ከላ ክረኽባ ፈቲነ። እንተዀነ ግን: ብስራሕ ትሕዝቲ ኢየ እናበለት ነጸገትኒ። ኣብ መወዳእታ ግን: ዝልምና ዘለኹ ስለ ዝመሰለ ኣቋረጽክዎ። እንደገና ካብኣ ገለ ነገር ክሳዕ ዝሰምዕ ድማ ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ።

ከምቶም ካልኦት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዝነበሩ ቈልዑ: ሽዱሽተ ደቀይ እውን ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብ ስለ ዝኣበዩ ብ1941 ካብ ቤት ትምህርቲ ተባረሩ። እቶም መሰኻኽር: ነቲ ዝነበረ ሕጋዊ ናይ ትምህርቲ ብቕዓታት ንምምላእ: ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብያተ ትምህርቲ ኣቘሙ። ደቀይ: ኣብ ኒው ጀርሲ ሌክዉድ ዝርከብ: ቀደም ሆቴል ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ኢዮም ዝማሃሩ ነይሮም። ኣብቲ ቀዳማይ ደርቢ ምስቲ መንግስቲ ኣዳራሽ: ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍልታት: ክሽነ: ከምኡውን መብልዒ ቦታ ነበረ። ናይተን ኣዋልድ መደቀሲ ክፍልታት ኣብ ካልኣይ ደርቢ: ናይቶም ኣወዳት ድማ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ነበረ። ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ ኢዩ ነይሩ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብኡ ዝቕመጡ ዝነበሩ ተማሃሮ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ ኢዮም ንገዝኦም ዝኸዱ ነይሮም። እቶም ኣዝዮም ካብ ገዝኦም ዝረሓቑ ድማ ሓንቲ ሰሙን እናጸቐጡ ይኸዱ ነይሮም።

ካብተን ኣብ ሓቂ ዝነበርኩለን ቀዳሞት ዓመታት ኣትሒዘ ፓይነር: ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ: ንምዃን ውዕዉዕ ድሌት ኢዩ ነይሩኒ። ብ1941 ኣብ ሰይንት ሉዊስ: ሚዙሪ: ኣብ እተገብረ ኣኼባ: ኣብቲ ፕሮግራም ዝነበረ ሓደ ሓው 12 ቈልዑ እናዕበየ ከመይ ኢሉ ፓይነር ክኸውን ከም ዝኸኣለ ተዛረበ። ‘ንሱ 12 ቈልዑ እናዕበየ ፓይነር ክኸውን እንተድኣ ክኢሉ: ኣነውን 10 ቈልዑ እናዕበኹ ፓይነር ክኸውን እኽእል ኢየ’ ኢለ ሓሰብኩ። ይኹን እምበር: 19 ዓመታት ጸኒሐ ክሳዕ ዝጅምሮ ኵነታተይ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክጅምር ኣየፍቀደለይን። ኣብ መወዳእታ: ብ1 ጥቅምቲ 1960: ከም ስርዓታዊ ፓይነር ኰይነ ንየሆዋ ከገልግሎ ጀመርኩ።

ዘገርም ምብጻሕ

ብ1975: ካብ አድና ሓብተይ ተሌፎን ተደወለለይ። ሽዑ ወዲ 80 ዓመት ኢየ ነይረ: ንገለ 20 ዓመታት ዝኸውን ድማ ኣይረኣኹዋን ደሃያውን ኣይሰማዕኩን። ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኰይና ኢያ ደዊላ: ንዓኣን ንሰብኣያን መጺአ ክወስዶም ድማ ሓተተትኒ። ንአድና እንደገና ክረኽባ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን: እቲ ዝዓበየ ምግራም ጌና ክመጽእ ነበሮ። ናብ ገዛ እናኸድና ሰብኣያ “ዝለወጠ ኣሎኩም” በለ። እንታይ ማለቱ ከም ዝዀነ ኣይፈለጥኩን። ኣብ ገዛ ምስ በጻሕና እንደገና “ዝለወጠ ኣብዚ ኣሎኩም” በለ። በዓልቲ ቤተይ ቀልጢፋ ተረድኣቶ። ናብ ሓብተይ ግልጽ ኢላ ድማ “አድና ምስክር ዲኺ፧” ኢላ ሓተተታ። አድና ድማ “ብርግጽ ኢየ:” ኢላ መለሰት።

አድና ኸመይ ኢላ ኢያ ሓቂ ክትቕበል ዝኸኣለት፧ ነቲ ተባላሽዩ ዝነበረ ርክብና ንምዕራይ ኣብ ዝገብሮ ዝነበርኩ ጻዕሪ ብ1972 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ምዝገባ ህያብ ሰዲደላ ነይረ። ብድሕሪኡ ዓመት ጸኒሑ: አድና ሓመመት እሞ ኣብ ገዝኣ ድማ ኮፍ በለት። እቶም መጽሔታት ኣብቲ ሰደቓ ጌና ኣብቲ መጠቕለሊኦም ኢዮም ነይሮም። አድና ድማ ክትፈለጥ ብምድላይ ከፊታ ሓንቲ ብምውሳድ ከተንብብ ጀመረት። ነታ መጽሔት ምስ ወደአታ ድማ: ‘እታ ሓቂ እዚኣ ኢያ!’ ኢላ ሓሰበት። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤታ ክበጽሕዋ ከለዉ ድማ ነቲ ዝነበራ እተኣከበ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔታት ኣንቢባቶ ነበረት። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ተሰማመዐት: ጸኒሓ ድማ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነት።

ብሞት ንዝመጽእ ምፍልላይ ምግጣሙ

በዓልቲ ቤተይ: ሌዊዝ: ሕማም ሽኮር ሓዛ: ብ1979 ኣብ መበል 82 ዕድሜኣ ክሳዕ እትመውት ድማ ኵነታታ እናኸፍአ ኸደ። ሌዊዝ ምስ ሞተት: ገለ ክፍሊ ኣካላተይ እውን ምስኣ ዝሞተ ኰይኑ ተሰመዓኒ። ኵሉ ነገር ጋን ኰነኒ። እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን ኢየ ነይረ። ንመጻኢ ምንም መደብ ኣየነበረንን: ስለዚ ድማ ኣዝየ ምትብባዕ እደሊ ነይረ። ገያሺ ተዓዛቢ: ሪቻርድ ስሚዝ: ናይ ፓይነር ዕዮይ ክቕጽሎ ኣተባብዓኒ። እቲ ዝዓበየ ምጽንናዕ ድማ ንኻልኦት ፍቑራቶም ብሞት ዝሰኣኑ ሰባት ምጽንናዕ ኰይኑ ረኸብክዎ።

ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ብ1979 ናብ እስራኤል ዝግበር ጕዕዞ ኣዳለወት: ኣብኡ ድማ ፈረምኩ። እዚ ጕዕዞ እዚ ንዓይ ዓቢ መነቓቕሒ ኢዩ ነይሩ: ናብ ዓደይ ምስ ተመለስኩ ድማ ቀልጢፈ ናብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተመለስኩ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚረ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብቲ ሰብ ዘይተመደቦ ወይ ኣጸቢቑ ዘይተዓየየ ዞባ ናይቲ ካልእ ክፍሊ ናይታ ሃገር ኬድካ ምዕያይ ስርሐይ ኢለ ተተሓሓዝክዎ። ብዕድመ ዝደፋእኩ እኳ እንተዀንኩ: ጌና ግን: ንገዛእ ርእሰይ ነዚ መሰል እዚ ቅርብቲ ክገብራ እኽእል ኢየ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ብግምት ዳርጋ 50 ዝዀኑ ሰባት ኣብ መገዲ ህይወት ንኽመጹ ብምሕጋዘይ ሓጐስ ረኺበ ኢየ። ዝበዝሑ ደቀይ ኣብ ሓቂ ኢዮም ዘለዉ። ክልተ ካብተን ኣዋልድ ደቀይ ስርዓታውያን ፓይነራት ኢየን። ካልእ ጓለይ: ሉዊዝ ብላንተን: ምስ ሰብኣያ ጆርጅ: ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ: ዘሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ተገልግል ኣላ: ሓደ ካብቶም ደቀይ ድማ ከም ሽማግለ ኰይኑ ንብዙሕ ዓመታት የገልግል ኣሎ።

ልክዕ ኢዩ: ብሰንኪ እቲ ካብቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣውያን ወለድና ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና: ኵላትና ንሕማምን ሞትን እተቓላዕና ኢና። (ሮሜ 5:12) ርግጽ ኢዩ ህይወተይ ካብ ቃንዛን ስቓይን ናጻ ኣይኰነትን። ሕጂ በቲ ኣብ ጸጋመይቲ እግረይ ዘሎ ኣርትራይትስ እሽገር ኣሎኹ። ሓድሓደ ግዜ ብዙሕ ተሸግረኒ: እንተዀነ ግን ካብ ምንቅስቃስ ኣይዓገተትንን። ንዝመጽእ እውን ከይትዓግተኒ እጽሊ ኢየ። ክንቀሳቐስ ኢየ ዝደሊ። እቲ ዝዓበየ ባህገይ: ስም የሆዋን ዕላማኡን ንኻልኦት ንምፍላጥ ዝከኣለኒ ኵሉ እናገበርኩ: ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክቕጽል ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ሪታ ጓለይ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ