ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/12 ገጽ 24-27
  • ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ተመረቕቲ እተዋህበ ምኽሪ
  • ነቶም ተማሃሮ ጽቡቕ ገይርካ ምፍላጦም
  • ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ መበል 100 ክፍሊ ዘመረቖም ንወጻኢ ይልእኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናይ ቃል ኣምላኽ ተማሃሮ ምምራቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ብየሆዋ ተሓጐሱ ባህ ድማ ይበልኩም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኸገልግሉ ተለዓዒሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/12 ገጽ 24-27

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ሚስዮናውያን ንወጻኢ ይልእኽ

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ናይ ትምህርቲ ክፍልታት ከካይድ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ መንጎ 1943 ከምኡውን 1960: ኣብቲ ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ መሳለጥያታት: ነቲ በቶም ካብ 95 ሃገራት ዝመጹ ተማሃሮ ዝቘመ 35 ክፍልታት: ፍሉይ ልምምድ ተዋሂቡ ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ናብቲ ን28 ዓመታት ዝኸውን እተኻየደሉ: ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ናይ ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ገዓዘ። ካብ 1988 ክሳዕ መጀመርታ ናይ 1995: ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዎልኪል: ኒው ዮርክ: ኰይኑ ይምህር ነበረ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመታት እዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሓሉ ዓውዲ ኣስፊሑ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ኣላይነቱ: ኣብ መክሲኮ ናይ ዓሰርተ ሰሙን ናይ መምርሒ ኮርስ ንሰለስተ ክፍልታት ተዋህበ፣ ከምዚኣቶም ዝበሉ ክፍልታት ሓሙሽተ ኣብ ጀርመን፣ ሰለስተ ድማ ኣብ ህንዲ ተገይሮም ኢዮም። ካብ 1987 ኣትሒዙ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ንኡስ ቤት ትምህርቲ: ንብቑዓት መንእሰያት ሰብኡት: ፍሉይ ናይ ሸሞንተ ሰሙናት ናይ ልምምድ ኮርስ ብምድላው ኣብ 34 ሃገራት ትምህርቲ ሂቡ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብቲ ሓድሽ እተሃንጸ ኣብ ፓተርሰን ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ንመበል 99 ናይ ጊልዓድ ክፍሊ እተዋህበ ትምህርቲ: ናይ ብምልእታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጠቓላሊ መጽናዕቲ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘመናዊ ዛንታን ምምሕዳርን ዝምልከት ምይይጥ: ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ንዝግበር ሚስዮናዊ ዕዮ ዝምልከት ሰፊሕ ምኽሪ ዘጠቓለለ: ናይ 20 ሰሙን ኮርስ ኢዩ ነይሩ።

ብ2 መስከረም: እቲ መበል 99 ክፍሊ ተመረቐ። እቲ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ናይ ምምራቕ መደብ ኣብቲ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ዝርከብ ምልኩዕ ሓድሽ ኣዳራሽ ኢዩ ተገይሩ። ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ድማ መሊኡ ነበረ። ምስቲ ኣብ ፓተርሰን: ዎልኪል: ከምኡውን ብሩክሊን ዝርከብ ናይ ቤትኤል መሳለጥያታት ከኣ ተወሳኺ መስምዒታት ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ ተታሓሒዙ ነበረ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ነቶም ተመረቕቲ ምስ ኣዝማዶምን ናይ ቀረባ ኣዕሩኾምን ጥራይ ዘይኰነትስ: ነቶም ብኣምኣታት ዝቝጸሩ ከም ወለንተኛታት ኰይኖም ኣብ ምህናጽ ናይቲ ጽቡቕ ሓድሽ ናይ ቤት ትምህርቲ መሳለጥያታት እተኻፈሉን ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ እተረኽቡን እተሐጕስ ኢያ ነይራ።

ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል: ኬሪ ባርበር: ኣብ ናይ መኽፈቲ ዘረባኡ: ቈላሕታኡ ኣብ ቍም ነገር ናይቲ ክፍጸም ዝጸንሐ ኢዩ ገይሩ። ከምዚ በለ:- “እዚ ናይቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መለኮታዊ ትምህርቲ ንጥፈት ሕምብርቲ ክኸውን ኢዩ።” ናብ መወዳእታ ናይቲ ኣብ መንጎ ዘርኢ እታ ሰበይትን ዘርኢ እቲ ተመንን ዝግበር ውግእ ንቐርብ ከም ዘሎና ኸኣ ገለጸ። (ዘፍጥረት 3:15) ኣብ እዋን ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ: ካብቲ ዘፍርህ ግጥም ዝድሕኑ: እቶም ቅኑዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ዘለዎምን ዝእዘዝዎን ጥራይ ምዃኖም ሓበረ።

“ናይዚ እዋን እዚ ትምህርታዊ ፕሮግራምና: ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝርከቡ ህዝቢ የሆዋ ናብቲ ኣብ ምሳሌ 1:​1-4 ተገሊጹ ዘሎ ዝበለጸ ደረጃ ብስለት ንምብጻሕ ኢዩ​—⁠ንሱ ድማ ጥበብን ተግሳጽን ምፍላጥ: ምርዳእ እንታይ ምዃኑ ከተስተውዕል ምኽኣል: ነቲ ፍልጠት: ጽድቂ: ፍርዲ: ቅንዕና: ከምኡውን ናይ ምሕሳብ ክእለት ዝህብ ተግሳጽ ምቕባል ኢዩ” በለ። ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ሃብቲ ክህልወካስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕቝባ ኰን ኢዩ!

ነቶም ተመረቕቲ እተዋህበ ምኽሪ

ድሕሪ እዚ ናይ መእተዊ ሓሳባት ስዒቡ: ነቶም ተመረቕቲ ዝምልከት ሓሙሽተ ተኸታታሊ ሓጸርቲ ዝርርባት ተገይሩ ኢዩ። ቅድም ናይ ጊልዓድ መምህር ዝነበረ ሕጂ ድማ ናይቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኣባል: ሃሮልድ ጃክሰን: ነቶም ተመረቕቲ “ንኣምላኻዊ ዕግበትኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ” ብምባል ተማሕጸኖም። ናይ ነዊሕ ግዜ ሚስዮናውን ሕጂ ድማ ናይቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣባል: ሎይድ ባሪ: ብዛዕባ “ንየሆዋ ብትሕትና ምግልጋል” ተዛረበ። ምስ ሓድሽ ኵነታት ምትዕርራያት ክገብሩ ኸለዉ ከምኡ ድማ ኣብቲ ምስ ሚስዮናውያን ብጾቶም: ምስተን ዘገልግሉለን ጉባኤታት: ከምኡውን ምስቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ዝህልዎም ርክባት እዛ ባህሪ እዚኣ: ነቶም ምሩቓት ኣድላይት ምዃና ገለጸ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ዘገልግል ዘሎ: ካርል ኣዳምስ: “እምነት እንታይ ንምግባር ኢያ እትመርሓኩም፧” ንዝብል ሕቶ ምስቶም ተመረቕቲ ተመያየጠሉ። ከምቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ ኵነታት ዘጕረምረሙን ንግብጺ ድማ ክምለሱ ዝናፈቑን እስራኤላውያን ዘይኰነስ: ከምቲ ንግድላት መፍትሒ ክዀኖ ኢሉ ናብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣብ ክንዲ ዝምለስ: ንመንግስቲ ኣምላኽ እተጸበየ ኣብርሃም ክመስሉ ኣተባብዖም። (ዘጸኣት 16:​2, 3፣ እብራውያን 11:​10, 15, 16) ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተሓዝ መዝገብ: ዩሊሰዝ ግላስ: ነቶም ተመረቕቲ ምእንቲ ከተባብዖም “በረኸታትኩም ጸብጽቡ” ብምባል ኣተኵሮኡ ናብቲ ኣብ መዝሙር 73 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ኣሳፍ ተመኵሮ ገበረ። ከምኡውን ናይቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ትምህርቲ ኮሚቴ ኣባል: ኣልበርት ሽሮደር ድማ: “የሆዋ ምድላው ይገብር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ኣስመዐ። ከም መረጋገጺ ናይ ከምዚ ዝበለ ምድላው ድማ ንርእሱ እቲ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርትን ኣብ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዓቢ ዕዮ ንምፍጻም ዘለዎ ግደን ጠቐሰ።

ድሕርዚ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት: ሚልተን ሄንሸል: ብዛዕባ “ኣካል ሓድሕድ ዝዀኑ ኣባላት” ክዛረብ ከሎ: እቶም ሰማዕቲ ብተገዳስነት ጽን ይብሉ ነበሩ። ንሱ ንሮሜ ምዕራፍ 12 እናኣንበበ ብዛዕባኡ ኣስፊሑ ሓሳባት ሃበ። ገለ ካብቲ ዝበሎ “ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ መገላግልትና ኣዝዩ ጥብቂ ርክብ ከም ዘሎና ኣብ ግምት ከነእትዎ ኣሎና” ዝብል ኢዩ። ወሲኹ ድማ “ንሓድሕድና ጥሪት የሆዋ ምዃንና ኵሉ ግዜ ክንሓስብ ጽቡቕ ኢዩ: ከምኡውን ነቐፍቲ ኣብ ክንዲ እንኸውን: ኣብ ክንዲ ጕድለት እነናዲ: ኵሉ ግዜ ሓገዝቲ ንዅን። ነቲ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈሳዊ ሕብረት ምስ እንዕቅብ ንገዛእ ርእስና ኢና እንሕግዝ ዘሎና” በለ። ከምዚ ዝበለ ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ኣብቲ ናይ ሚስዮናውያን ኣባይቲ መግቢ ኣብ ምድላው: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ዓይነት መግቢ ክበልዕ ስለ ዘይክእል ድማ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክርአ ይከኣል ኢዩ። ምስቶም ብስጋ ስኡናት ዝዀኑ ክርስትያን ብጾት ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ክትካፈል ከሎኻ ኣብ ክንዲ ናይ ነቐፌታ: ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ክረአ እውን ኣተባቢዑ ኢዩ። ሓው ሄንሸል: ብሓቂ ሓገዝቲ: ሃነጽቲ: ኣብ ንሓድሕድና ድማ እንተባባዕ እንተድኣ ኴንና: “የሆዋ በዚ ከፍቅረና ምዃኑ” ሓበረ። ነቶም ካብቲ ዝለመድዎ ከባቢ ቀልጢፎም ናብቲ ብብዙሕ መዳያት ጨሪሱ እተፈልየ ሃገራት ንኸገልግሉ ዝኸዱ ሚስዮናውያን ኣየ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ምዕዶ ኰን ኢዩ!

ነቶም ተማሃሮ ጽቡቕ ገይርካ ምፍላጦም

እዞም ናይ መበል 99 ክፍሊ ተመረቕቲ ዝዀኑ 48 ተማሃሮ ብገምጋም 32 ዓመት ዕድመ ዘለዎምን: ድሮ ድማ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ውፉያት ዝነበሩን ኢዮም ነይሮም።

እቲ ከም ክፍሊ ናይቲ ናይ ምምራቕ ፕሮግራም ዝነበረ ቃለ-መጠይቓት: ነቶም ሰማዕቲ ንገለ ካብቶም ተመረቕቲ ንኽፈልጥዎም ኣጋጣሚ ሂብዎም ኢዩ። ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸት ኒከይ ለብል ከምኡውን ካብ ኢንግላንድ ዝመጸ ሳይመን ቦልተን: የሆዋ ብስጋ ዘድልዮም ከም ዝህቦም ዝገልጽ ንእምነቶም ዝፈተነ ፍጻመታት ኣዘንተዉ። ቀዳምነት ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክህቡ ከለዉ ሓልዮት የሆዋ ብርግጽ ርእዮምዎ ኢዮም።

ቋንቋኣ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዀነ: ኢዛቤል ካዛን: ነቶም ኣብ ዓዳ ዘለዉ ዓረብ ዝዛረቡ ሰባት ምእንቲ ክትምስክረሎም ቋንቋ ዓረብ ከም እተማህረት ተዛረበት። ብ1987 ክትጅምሮ ኸላ እታ ሓንቲ ንእሽቶ ጕጅለ: ኣርባዕተ ዓረብ ዝዛረቡ ኣሕዋትን ንሳን ሓንቲ ዓረብ እትማሃር ዝነበረት ካልእ ሓብትን ጥራይ ኢዮም ነይሮምዋ። (ቀሊል ኣይነበረን። ሓሳባት ክህባ ምእንቲ ክኽእላ ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክዳለዋሉ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሾመንተ ሰዓታት የሕልፋ ነበራ።) እቲ ጻዕሪ ፍረ ነይርዎዶ፧ እወ: ኣብ ምሉእ ፈረንሳ ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት እተጠርነፉ ዓረብ ዝዛረቡ መሰኻኽር ኣለዉ። ሜኮ ፑሮ እተባህለ ካልእ ተማሃራይ: እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እተማህሮ ቋንቋ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ትውልዲ ዓዱ: ፊንላንድ: ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንኽሰብከሎም ከም ዘኽኣሎ: ከምኡውን ኣብቲ ናይ ሚስዮናዊ መዝነቱ ኣብ በኒን ከም ዝጠቕሞ ተዛረበ። ባኒ ቦዝ ድማ ኣብ ኩቤክ: ካናዳ: ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ምእንቲ ከተገልግል: ቋንቋ ፈረንሳ ጽቡቕ ገይራ ንኽትዛረብ ዝገበረቶ ቃልሲ ጸብጸበት። ከምኡውን ካብ ዴንማርክ ዝመጸ ቢያርከ ራስሙሰን: ንሱን በዓልቲ ቤቱን ድሮ ኣብ ደሴታት ፎሮ ንዓመታት ዝኣክል ከም ዘገልገሉ ተመኵሮኦም ኣዘንተወ። እወ: እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እዚኣቶም ተመኵሮ ዘለዎም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኢዮም።

እቶም ተመረቕቲ ናብ 19 ሃገራት​—⁠ኣብ ኣፍሪቃ: ማእከላይን ደቡባውን ኣመሪካ: ምብራቕ ኤውሮጳ: ከምኡውን ርሑቕ ምብራቕ​—⁠ኢዮም ተመዲቦም። ናይተን ኣቐዲመን ዝነበራ ክፍልታት ተመረቕቲ ድሮ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ኣገልጊሎም ኢዮም። ብዙሓት ካብዞም ምሩቓት እዚኣቶም ኣብ መደባቶም ጌና ትሑዛት ኣለዉ። እዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን እዚኣቶም ነቲ ናይታ መንግስቲ ምስክርነት ቀጺሎም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንኸብጽሑ ሕጂ ይሓብርዎም ኣለዉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ካብ ዘሎ ናይ ትምህርቲ ኽፍሊ ትርኢታት

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 99 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ ተዘርዚሩ ዘሎ።

(1) ሄፌ ኤስ.፣ ሪለ ኢ.፣ ሞርተንሰን ዲ.፣ ኦነብል ኤይ.፣ ቦልተን ጀይ.፣ ፑል ጀይ.፣ ሰሜስ ጂ.፣ ሶዛ ኤል. (2) ፓሽኒትስኪ ቢ.፣ ሸፐርድ ዲ.፣ ፓሽኒትስኪ ዳብሊው.፣ ያራቪነን ጀይ.፣ ፖልሰን ከይ.፣ ራስሙሰን ኢ.፣ ሽዌቫ ከይ.፣ ኦልሰን ኤል. (3) ፖልሰን ኢ.፣ ሳምሰል ቲ.፣ ቦወስ ቢ.፣ ሃሪስ ኢ.፣ ካዛን ኣይ.፣ ለይብል ኤን.፣ ሶውሳ ፒ.፣ ፑሮ ጀይ.፣ (4) ሌገር ከይ.፣ ሌገር ቪ.፣ ጎልደን ከይ.፣ ቦልተን ኤስ.፣ ጆንሰን ኤም.፣ ጆንሰን ኤስ.፣ ለይብል ኤ.፣ ራስሙሰን ቢ. (5) ሃሪስ ዲ.፣ ሳምሰል ዳብሊው.፣ ሽዌቫ ኦ.፣ ሄፌ ኣር.፣ ካዛን ኤል.፣ ሪለ ቲ.፣ ያርቪነን ኦ.፣ ፑሮ ኤም.፣ (6) ሞርተንሰን ዲ.፣ ጎልደን ኣር.፣ ኦነብል ኤል.፣ ሸፐርድ ኤም.፣ ቦወስ ኣር.፣ ሲመስ ቲ.፣ ፑል ኢ.፣ ኦልሰን ጀይ.

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ጌና ኣብ መዝነቶም ዘለዉ:- (ጸጋም) ናይ መበል ቀዳማይን ሻዱሻይን ክፍሊ ናይ ጊልዓድ ተመረቕቲ: ቻርለስ ሌኣትኮ ምስ በዓልቲ ቤቱ: ፈርን: ኣብ ብራዚል (ታሕተዋይ) ናይ መበል ሻብዓይ ክፍሊ ናይ ጊልዓድ ምርቕቲ: ማርታ ሄስ: ኣብ ጃፓን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ