ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/9 ገጽ 8-14
  • ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ዝቐንእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ዝቐንእ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ወርቃዊ ምራኽ
  • በዓል-ጴዖር
  • ናይ መጠንቀቕታ ትምህርቲ
  • ናይ ኣምላኻዊ ቅንኢ ዳሕሮት ኣብነታት
  • ቅንኢ ኣምላኽ ንህዝቡ ይጠቅም
  • ናይ መሎኮታዊ ቅንኢ መጻኢ ተግባራት
  • ፍቕሪ ነቲ ዘይግቡእ ቅንኢ ትስዕሮ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ክርስትያናት ቀናኣት ክዀኑ ኣለዎም ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብዛዕባ ቅንኢ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዝግብኣካ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ዮሴፍ ግዳይ ቅንኢ ዀነ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/9 ገጽ 8-14

ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ዝቐንእ

“እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር: ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ።”​—⁠ዘጸኣት 34:⁠14

1. ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ እንታይ ኢያ: ምስ ቅንኢኸ ብኸመይ ኢያ እትተኣሳሰር፧

የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ከም “ቐናእ ኣምላኽ” ይገልጻ። እታ “ቅንኢ” እትብል ቃል ኣሉታዊ ትርጉም ስለ ዘለዋ: ስለምንታይ ምዃኑ የገርመካ ይኸውን። ርግጽ ኢዩ: ናይ ኣምላኽ ቀንዲ ባህርይ ፍቕሪ ኢያ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) ብወገኑ ዝርአ ዝዀነ ይኹን ናይ ቅንኢ ስምዒት እምበኣር ንጽቡቕ ደቅሰብ ክኸውን ኣለዎ። አረ: ናይ ኣምላኽ ቅንእስ ንሰላምን ስምምዕን ናይዚ ኣድማስ ኣድላዪ ምዃኑ ክንርኢ ኢና።

2. ገለ ካብቲ እታ ን“ቕንኢ” እትኸውን ናይ እብራይስጢ ቃል እትትርጐመሉ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

2 እተን ምስ “ቅንኢ” ተተሓሒዘን ዘለዋ ሱር ቃላት: ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ልዕሊ 80 ግዜ ይርከባ። ዳርጋ ፍርቂ ናይዞም ጥቕስታት እዚኣቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዝምልከቱ ኢዮም። ጂ. ኤች. ሊቪንግስቶን “እዚ ናይ ቅንኢ ኣምር ኣብ ኣምላኽ ክውዕል ከሎ: ንጕልቡብ ስምዒት ዘመልክት ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡ: ኣብቲ ፍሉይነት ኣምልኾ የሆዋ ዝጸቅጥ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። (ዘ ፔንታቲዩክ ኢን ኢትስ ካልቹራል ኢንቫይሮንመንት) ስለዚ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ሓድሓደ ግዜ ነታ ናይ እብራይስጢ ስም “ኣብ ፍሉይ ተወፋይነት ምጽቃጥ” ኢሉ ይትርጕማ። (ህዝቅኤል 5:13) ካልእ ግቡእ ትርጕማት ድማ “ውዕዉዕ ስምዒት” ወይ “ቅዱስ ቅንኢ” ኢዩ።​—⁠መዝሙር 79:5፣ ኢሳይያስ 9:⁠7

3. ቅንኢ በየናይ መገድታት ኢያ ሓድሓደ ግዜ ንሰናይ ዕላማ ክትውዕል እትኽእል፧

3 ሰብ ቅንኢ ክስምዖ ከም ዝኽእል ኰይኑ ኢዩ ተፈጢሩ: ይኹን እምበር ናይ ደቅሰብ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕ ናይ ቅንኢ ምዝምባል ኣስዓበ። እንተዀነ ግን: ናይ ሰብ ቅንኢ ንሰናይ ነገር ሓይሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንሓደ ሰብ ንፍቑሩ ካብ ሕማቕ ጽልዋታት ንምክልኻል ከለዓዕሎ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሰባት ንየሆዋን ኣምልኾኡን ግቡእ ቅንኢ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ነገስት 19:10) ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ንየሆዋ ዝርአ ቅንኢ እቲ ቅኑዕ ምርዳእ ንምትሕልላፍ: እታ ናይ እብራይስጢ ስም ንእኡ ‘ዝወዳደር ዘይምጻር’ ተባሂላ ክትርጐም ትኽእል ኢያ።​—⁠2 ነገስት 10:⁠16 ትሓዓ 

እቲ ወርቃዊ ምራኽ

4. ኣብቲ ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ንጽድቃዊ ቅንኢ ዝምልከት እንታይ ትእዛዝ ኢዩ ጕሉሕ ዝነበረ፧

4 ሓደ ኣብነት ናይ ጽድቃዊ ቅንኢ: እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ነቲ ሕጊ ድሕሪ ምቕባሎም እተፈጸመ ኢዩ። ብተደጋጋሚ: ሰብ ዝሰርሖም ኣማልኽቲ ከየምልኹ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኢዩ። የሆዋ ከምዚ በሎም:- “ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: [ፍሉይ ተወፋይነት ዝደሊ ትሓዓ ] ኣምላኽ እየ [ወይ “ቀናእ (ቅዱስ ቅንኢ ዘሎኒ)፣ ምውድዳር ዘይጻወር ኣምላኽ ኢየ”።]” (ዘጸኣት 20:​5 ትሓዓ  እግረ-ጽሑፍ፣ ምስ ዘጸኣት 20:​22, 23፣ 22:20፣ 23:​13, 24, 32, 33 ኣነጻጽሮ።) የሆዋ ክባርኾምን ናብታ ምድሪ ተስፋ ድማ ከእትዎምን ብምምብጻዕ: ምስ እስራኤላውያን ኪዳን ኣትዩ ኢዩ። (ዘጸኣት 23:​22, 31) እቲ ህዝቢ ኸኣ “እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብር: ንእዘዝ ድማ” በለ።​—⁠ዘጸኣት 24:⁠7

5, 6. (ሀ) እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ሰፊሮም ከለዉ: ብኸመይ ኢዮም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ፧ (ለ) የሆዋን እቶም እሙናት ኣምለኽቱን ኣብ ሲና ቅዱስ ቅንኢ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

5 እንተዀነ ግን: እስራኤላውያን ሽዑ ንሽዑ ኣንጻር ኣምላኽ ሓጥኡ። ጌና ኣብ እግሪ ከረን ሲና ኢዮም ሰፊሮም ነይሮም። ሙሴ ካብ ኣምላኽ ተወሳኺ መምርሒ ክቕበል: ኣብቲ ከረን ነዊሕ መዓልትታት ገይሩ ነበረ: እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሓው ሙሴ: ኣሮን: ጣኦት ክሰርሓሎም ደፋፍእዎ። ኣሮን ተሰማምዐ እሞ ካብቲ እቶም ህዝቢ ዝሃብዎ ወርቂ ገይሩ ምራኽ ሰርሐ። እዚ ጣኦት እዚ ንየሆዋ ዝውክል ኢዩ ተባህለ። (መዝሙር 106:20) ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ መስዋእቲ ኣቕረብሉን “ሰገዱሉን።” ድሕርዚ ድማ ‘ክስሓቑ ተንስኡ።’​—⁠ዘጸኣት 32:​1, 4, 6, 8, 17-19

6 እስራኤላውያን እናኣብዓሉ ከለዉ ሙሴ ካብቲ ከረን ወረደ። ነቲ ዘሕፍር ጠባዮም ምስ ረኣየ: “ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ናባይ ይምጻእ” በለ። (ዘጸኣት 32:​25, 26) እቶም ደቂ ሌዊ ናብ ሙሴ ተኣከቡ: ንሱ ኸኣ ኣስያፍ ወሲዶም ነቶም ዘውክዑ ዝነበሩ መምለኽቲ ጣኦት ክቐትልዎም ኣዘዞም። ነቲ ናይ ኣምላኽ ጽሩይ ኣምልኾ ዘለዎም ቅንኢ ብምግላጽ: እቶም ሌዋውያን ካብቶም ገበነኛታት ኣሕዋቶም ዳርጋ 3,000 ዝዀኑ ቐተሉ። የሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተረፉ መዓት ብምስዳድ ነዚ ተግባር እዚ ኣበራትዖ። (ዘጸኣት 32:​28, 35) ድሕርዚ ኣምላኽ ነቲ “እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር: ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ: ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ” ዝብል ትእዛዝ ደገሞ።​—⁠ዘጸኣት 34:⁠14

በዓል-ጴዖር

7, 8. (ሀ) ብዙሓት እስራኤላውያን ኣብቲ ምስ በዓል⁠-​ጴ⁠ዖር እተተሓሓዘ ብዕሉግ ኣምልኾ ጣኦት ዝወደቑ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እቲ ካብ የሆዋ ዝመጸ መቕዘፍቲ መወዳእታ ዝረኸበኸ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ኣርባዓ ዓመታት ጸኒሑ: ህዝቢ እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ክኣትዉ ምስ ቀረቡ: መልከዔኛታት ሞኣባውያንን ሚድያናውያንን ኣንስቲ ንብዙሓት እስራኤላውያን ናብአን ክመጹን ንኣቀባብላ ጋሸአን ከስተማቕሩን ኣስደዐኦም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ምስ ኣምለኽቲ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ጥብቂ ርክብ ምግባር ክነጽጉ ነበሮም። (ዘጸኣት 34:​12, 15) ኣብ ክንድኡ: ምስተን ኣንስቲ ምንዝር ብምፍጻምን ኣብቲ ናይ በዓል-ጴዖር ስግደት ምስአን ብምሕባርን: ከምቲ ናብ ማሕረድቲ ዝዅብኰብ በጊዕ ኰኑ።​—⁠ዘሁልቍ 25:​1-3፣ ምሳሌ 7:​21, 22

8 የሆዋ ነቶም ኣብዚ ዘሕፍር ጾታዊ ኣምልኾ ዝኣተዉ ሰባት ንኽቐትሎም መቕዘፍቲ ለኣኸ። ኣምላኽ ነቶም ንጹሃት እስራኤላውያን ንገበነኛታት ኣሕዋቶም ክቐትሉ እውን ኣዘዞም። ዚምሪ ዝስሙ ሓደ እስራኤላዊ ሓለቓ: ሕንከት ብዘይብሉ እምቢታ: ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ኢሉ ሓንቲ ሚድያናዊት ጓል መስፍን ኣምጽአ። ነዚ ምስ ረኣየ: እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ካህን ፊንሃስ ነዞም ርኹሳት ጽምዲ ቀተሎም። ድሕርዚ እቲ መቕዘፍቲ ደው በለ: ኣምላኽ ከኣ “ፊንሃስ . . . ንዅራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ፣ ከምቲ ንዓይ ዘለዓዓለኒ ቍጡዕ ቅንኢ ስለ ዝቐንኤ: ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን” በለ። (ዘሁልቍ 25:​11: ዘ ኒው እንግሊሽ ባይብል) ሽሕ’ኳ እታ ሃገር ካብ ጥፍኣት እንተ ደሓነት: ብውሕዱ 23,000 ዝዀኑ እስራኤላውያን ግን ሞይቶም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 10:8) ነቲ ንነዊሕ ግዜ ዝሓብሓብዎ ናብታ ምድሪ ተስፋ ናይ ምእታው ተስፋኦም ኣጥ⁠ፍኡ።

ናይ መጠንቀቕታ ትምህርቲ

9. ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ነቲ ናይ የሆዋ ጽሩይ ኣምልኾ ቀናኣት ብዘይምንባሮም እንታይ ወረዶም፧

9 ዘሕዝን ግን: እስራኤላውያን ሽዑ ንሽዑ ነዚ ትምህርትታት እዚ ረስዕዎ። ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ቀናኣት ምዃኖም ኣየርኣዩን። “ብተወቕረ ምስልታቶምውን [ንኣምላኽ] ኣቕንእዎ።” (መዝሙር 78:58) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: የሆዋ ዓሰርተ ነገድ እስራኤል ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. ብኣሶራውያን ክማረኹ ኣፍቀደ። እቶም ዝተረፉ ክልተ ነገድ ናይ መንግስቲ ይሁዳ ድማ ርእሰ ከተማኦም: የሩሳሌም: ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ዓነወት ተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ወረዶም። ብዙሓት ተቐትሉ: እቶም ዝተረፉ ኸኣ ንምርኮ ናብ ባቢሎን ተወስዱ። ንዅሎም እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ኰን ኢዩ!​—⁠1 ቈረንቶስ 10:​6, 11

10. ንዘይናስሑ መምለኽቲ ጣኦት እንታይ ከጋጥሞም ኢዩ፧

10 ሓደ ሲሶ ህዝቢ ዓለም​—⁠ዳርጋ 1,900 ሚልዮን⁠—​ሕጂ ክርስትያን ኢና በሃልቲ ኢዮም። (1994 ብሪታኒካ ቡክ ኦቭ ዘ የር) (ናይ 1994 ናይ ብሪታኒካ ዓመት መጽሓፍ) ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ኣባላት ናይተን ኣብ ኣምልኾአን ምስሊ ቅዱሳን: ምስልታት: ከምኡውን መስቀል ዝጥቀማ ቤተ-ክርስትያናት ኢዮም። የሆዋ ነቶም ብጣኦታቶም ገይሮም ንኽቐንእ ዝገበርዎ ህዝቡ ኣይነሓፎምን። ነቶም ብሓገዝ ናይ ንዋታዊ ነገራት ገይሮም ዘምልኹ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ እውን ኣይክንሕፎምን ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም” በለ። (ዮሃንስ 4:24) ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ካብ ጣኦታት ክሕለዉ የጠንቅቕ። (1 ዮሃንስ 5:21) ዘይናስሑ መምለኽቲ ጣኦት ካብቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይወርሱ ኢዮም።​—⁠ገላትያ 5:​20, 21

11. ሓደ ክርስትያን ንጣኦት ከይሰገደ መምለኺ ጣኦት ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ: ንሓደ ሰብከ ከምዚ ዝበለ ኣምልኾ ጣኦት ከርሕቕ እንታይ ምሓገዞ፧ (ኤፌሶን 5:⁠5)

11 ሽሕ’ኳ ሓደ ክርስትያን ንጣኦት ፈጺሙ ዘይሰግድ እንተዀነ: ነቲ ኣምላኽ ከም ጣኦት: ርኹስ: ከምኡውን ከም ሓጢኣት ዝርእዮ ዝዀነ ይኹን ነገር ከርሕቕ ኣለዎ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል የጠንቅቕ:- “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ: ብሰሪ እዚ ነገርዚ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።” (ቈሎሴ 3:​5, 6 ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ነዚ ቓላት እዚ ምእዛዝ ንርኹስ ጠባይ ምንጻግ ይሓትት። እዚ ድማ ርኹስ ጾታዊ ባህጊ ከለዓዕል ካብ ዝኽእል መዘናግዒ ምርሓቕ የድሊ። ከምዚ ዝበለ ባህጊ ኣብ ክንዲ ዘርውዩ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ኢዮም ዝቐንኡ።

ናይ ኣምላኻዊ ቅንኢ ዳሕሮት ኣብነታት

12, 13. የሱስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ጽሩይ ኣምልኾ ቅንኢ ኣብ ምርኣይ ብሉጽ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ንጽሩይ ኣምልኾ ኣምላኽ ቅንኢ ብምርኣይ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ኣብነት ናይ ሰብ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመት ኣገልግሎቱ: ስሱዓት ነጋዶ ኣብቲ ኣጸድ ናይቲ ቤተ-መቕደስ ክሰርሑ ረኣየ። በጻሕቲ ኣይሁድ ነቲ ናይ ወጻኢ ገንዘቦም ናብቲ ኣብ ቤተ-መቕደስ ቅቡል ዝነበረ ገንዘብ ንኽቕይርዎ ናይቶም ሸረፍቲ ገንዘብ ኣገልግሎታት የድልዮም ነይሩ ይኸውን። ነቲ ብሕጊ ኣምላኽ ዝሕተት ዝነበረ መስዋእቲ ምእንቲ ከቕርቡ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ክዕድጉ እውን ኣድልይዎም ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ንግዲ ስራሕ: ኣብ ወጻኢ ናይቲ ቤተ-መቕደስ ኣጸድ ኢዩ ክግበር ነይርዎ። ካብዚ ዝገደደ ድማ: እቶም ነጋዶ ኣዝዩ ልዑል ዋጋታት ከም ዝኽፈል ብምግባር ካብቲ ናይ ኣሕዋቶም ሃይማኖታዊ ተደላይነታት ብርግጽ ዘይግቡእ መኽሰብ ይወስዱ ነይሮም ኢዮም። በቲ ናይ ኣምላኽ ጽሩይ ኣምልኾ ቅንኢ መሊእዎ: የሱስ ነተን ኣባጊዕን ከብትን ንምውጻእ ዅርማጅ ተጠቕመ። “ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ:” ብምባል ንሰደቓ ናይቶም ሸረፍቲ እውን ደንከሎ። (ዮሃንስ 2:​14-16) በዚ ኸምዚ የሱስ ነተን “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ” ዝብላ ናይ መዝሙር 69:9 ቃላት ፈጸ⁠መን።

13 ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት: የሱስ ስሱዓት ነጋዶ ኣብቲ ቤተ-መቕደስ የሆዋ ክዓዩ እንደገና ተዓዘበ። ንሱኸ ንኻልኣይ ግዜ ከጽርያ ድዩ፧ ነቲ ናይ ኣምላኽ ጽሩይ ኣምልኾ ዝነበሮ ቅንኢ: ልክዕ ከምቲ ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ። ንኽልቲኦም ነቶም ሸየጥትን ዓደግትን ኣውጽኦም። “ቤተይ ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሀል: ጽሑፍ ደይኰነን፧ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ” ብምባል እውን: ነቲ ስጕምትታቱ ጽኑዕ ምኽንያት ሃበ። (ማርቆስ 11:​17) ኣምላኻዊ ቅንኢ ኣብ ምርኣይ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ኣብነት ናይ ዘይምሕላል ኰን ኢዩ!

14. የሱስ ንጽሩይ ኣምልኾ ዝነበሮ ቅንኢ ንዓና ዝትንክፈና ብኸመይ ኢዩ፧

14 ናይዚ ሕጂ ከቢሩ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ባህርይ ኣይተለወጠን። (እብራውያን 13:⁠8) ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበን: ነቲ ናይ ኣቦኡ ጽሩይ ኣምልኾ ዘለዎ ቅንኢ ከምቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበሮ: ልክዕ ከምኡ ኢዩ ዘሎ። እዚ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተመዝጊቡ ዘሎ ናብተን ሸውዓተ ማሕበራት እተጻሕፈ መልእኽትታት የሱስ ክርአ ይከኣል ኢዩ። እዚ ሕጂ: “ብመዓልቲ ጐይታ” ዝዓበየ ፍጻሜ ኣለዎ። (ራእይ 1:10፣ 2:​1–3:22) ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ራእይ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ “ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ” ኰይነን ረኣየ። (ራእይ 1:14) እዚ: እተን ማሕበራት ንኣገልግሎት የሆዋ ንጹሃትን ቅቡላትን ምህላወን ንምርግጋጽ ክዕዘበን ከሎ ክርስቶስ ከየስተብሃለሉ ዘምልጥ ነገር ከም ዘየልቦ ዘመልክት ኢዩ። ናይ ሎሚ ክርስትያናት ነቲ ንኽልተ ጐይተት​—⁠ኣምላኽን ገንዘብን​—⁠ንኸየገልግሉ እተዋህቦም ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ክዝክርዎ የድልዮም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:24) የሱስ ነቶም ኣፍቀርቲ-ንዋይ ዝነበሩ ናይ ጉባኤ ሎዲቅያ ኣባላት ከምዚ በሎም:- “ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ: ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። . . . ቅናእ እሞ ተነሳሕ።” (ራእይ 3:​14-19) እተመዘዙ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ብቓልን ብኣብነትን: ንኣመንቲ ብጾቶም ንመፈንጠራ ናይ ፍቕረ-ንዋይ ኣተሓሳስባ ከርሕቁ ክሕግዝዎም ኣለዎም። እቶም ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ካብቲ ስነ-ምግባራዊ ብልሽውና ናይዛ ኣተሓሳስባ ጾታዊ ርክብ ዘለዋ ዓለም እውን ክከላኸሉላ ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚ: ህዝቢ ኣምላኽ ኣብታ ጉባኤ ንዝዀነ ናይ ኢዛቤል ጽልዋ ክጻወሩ ኣይግብኦምን።​—⁠እብራውያን 12:​14, 15፣ ራእይ 2:⁠20

15. ንኣምልኾ የሆዋ ቅንኢ ብምርኣይ ዝመጸ: ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ ዝመሰሎ ብኸመይ ኢዩ፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ ሰዓቢ ክርስቶስ ኢዩ ነይሩ። ነቶም ሓደስቲ እተጠምቁ ክርስትያናት ካብቲ ብመንፈስ ዘይጥዑይ ጽልዋታት ምእንቲ ክከላኸለሎም “ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ” በለ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠2) ቅድሚ እዚ: ጳውሎስ ንጽሩይ ኣምልኾ ዝነበሮ ቅንኢ: ንሓደ ዘርክስ ጽልዋ ዝነበሮ ዘይናሳሕ ኣመንዝራ ክትውግዶ: ነዛ ጉባኤ እዚኣ ንኽእዝዛ ኣለዓዒልዎ ኢዩ። እቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እተዋህበ መንፈስ ዝነፈሶ ትእዛዛት: ነዘን ልዕሊ 75,000 ዝዀና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ንጹሃት ገይሮም ንኽሕዝወን ክጽዕሩ ከለዉ: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ዓቢ ሓገዝ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:​1, 9-13

ቅንኢ ኣምላኽ ንህዝቡ ይጠቅም

16, 17. (ሀ) ኣምላኽ ንጥንታዊት ይሁዳ ምስ ቀጽዓ: ኣህዛብ እንታይ ኣመለኻኽታ ኢዮም ዘርኣዩ፧ (ለ) ይሁዳ ን70 ዓመታት ምስ ተማረኸት: የሆዋ ንየሩሳሌም ቅንኡ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ኣምላኽ ንህዝቢ ይሁዳ ንምርኮ ናብ ባቢሎን ክውሰዱ ብምፍቃድ ክቐጽዖም ከሎ: መላገጺ ኰይኖም ኢዮም። (መዝሙር 137:⁠3) አረ እቶም ኤዶማውያን እውን ከይተረፈ ቅንኢ ብዘለዎ ጽልኢ ተደሪኾም: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ሕሰም ንምውራድ ንባቢሎናውያን ሓጊዞምዎም ኢዮም: የሆዋ ኸኣ ነዚ ተዓዘቦ። (ህዝቅኤል 35:11፣ 36:15) እቶም ዝተረፉ ኣብ ምርኮ ኸለዉ ተናስሑ: ድሕሪ 70 ዓመታት ከኣ የሆዋ ናብ ዓዶም መለሶም።

17 ኣብ መጀመርታ: ህዝቢ ይሁዳ ኣብ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ኢዮም ነይሮም። ከተማ የሩሳሌምን ቤተ-መቕደሳን ድማ ዓንየን ነበራ። ምስናይ እዚ ግን እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህዝብታት ነታ ቤተ-መቕደስ እንደገና ንምህናጽ እተገብረ ኵሉ ጻዕርታት ተጻረርዎ። (እዝራ 4:​4, 23, 24) የሆዋ ብዛዕባ እዚ ከመይ ተሰምዖ፧ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጻብጻብ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ: ኣነ ብየሩሳሌምን ብጽዮንን ዓብዪ ቕንኣት ቀኒኤ አሎኹ: ቅሩብውን ኰርየ ነበርኩ: ንሳቶም ግና ንሕሰም ሐጊዞም እዮም እሞ: ነቶም ሀዲኦም ዘለዉ ኣህዛብ ኣዝየ ዀርየሎም አሎኹ: ይብል አሎ። . . . ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር: ኣነ ብምሕረት ናብ የሩሳሌም እምለስ አሎኹ: ይብል አሎ: ቤተይ ኣብኣ ኽትስራሕ እያ።” (ዘካርያስ 1:​14-16) ምስዚ መብጽዓ እዚ ብምስምማዕ: እታ ቤተ-መቕደስን ከተማ የሩሳሌምን ብዓወት ተሃኒጸን ኢየን።

18. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከመይ ዝበለ ተመኵሮ ኢዮም ዘሕለፉ፧

18 እታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ ዘበን ተመሳሳሊ ተመኵሮ ነይሩዋ ኢዩ። ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ኣብቲ ዓለማዊ ግጭታት ገለልትነቶም ኣብ ምሕላው ጽኑዓት ስለ ዘይነበሩ: የሆዋ ንህዝቡ ቀጺዕዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 17:16) ኣምላኽ እቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት ክጭቍንዎም ኣፍቀደ: ናይ ህዝበ ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ኸኣ በዚ ሕሰም እዚ ተሓጐሱ። አረ: እቶም ፖለቲካውያን ባእታታት ንዕዮ ናይቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ምእንቲ ክእግድዎ: ኣቕሽሽቲ ግምባር ቀደም ኢዮም ነይሮም።​—⁠ራእይ 11:​7, 10

19. የሆዋ ካብ 1919 ኣትሒዙ ንኣምልኾኡ ቅንኢ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

19 ይኹን እምበር: የሆዋ ቅንኢ ኣርኣየ: ኣብቲ ድሕሪቲ ውግእ ዝነበረ ዓመት ናይ 1919 ነቶም እተናስሑ ህዝቡ ናብ ስምረቱ መለሶም። (ራእይ 11:​11, 12) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ቍጽሪ ናይቶም ንየሆዋ ዝውድሱ ካብቲ ብ1918 ካብ 4,000 ዝውሕድ ዝነበሮ ሎሚ ናብ 5 ሚልዮን ኣቢሉ ዝኸውን ወሲኹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 60:​22) ድሕሪ ሓጺር ግዜ: የሆዋ ንጽሩይ ኣምልኾኡ ዘለዎ ቅንኢ ካብዚ ንላዕሊ ብዘደንቕ መገድታት ክግለጽ ኢዩ።

ናይ መሎኮታዊ ቅንኢ መጻኢ ተግባራት

20. ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣምላኽ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ዘለዎ ቅንኢ ንኸርኢ እንታይ ክገብር ኢዩ፧

20 ንዘበናት ዝኣክል ናይ ህዝበ ክርስትያን ኣብያተ ክርስትያናት መገዲ ናይቶም ንየሆዋ ንቅንኢ ዘለዓዓልዎ ከሓድቲ ኣይሁድ ኢዮም ዝስዕቡ ዘለዉ። (ህዝቅኤል 8:​3, 17, 18) ድሕሪ ሓጺር ግዜ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ሃንደበታዊ ሓሳብ ብምእታው ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። እዚ ነዞም ፖለቲካውያን ሓይልታት እዚኣቶም ንህዝበ ክርስትያንን ነቲ ዝተረፈ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ንኸባድምዎ ከለዓዕሎም ኢዩ። (ራእይ 17:​16, 17) ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ካብቲ ዘፍርህ ጥፍኣት ናይ መለኮታዊ ፍርዲ ክድሕኑ ኢዮም። ነተን “ሃሌሉያ: . . . ንሱ ነታ ብምንዘርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት [ናይ ሓሶት ትምህርትታታን ነቲ ብልሽው ፖለቲካ ምድጋፋን] ዓባይ ኣመንዝራ [ሓሶት ሃይማኖት] ስለ ዝፈረዳ: ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ” ዝብላ ናይ ሰማያውያን ፍጥረታት ቃላት ክምልሽሉ ኢዮም።​—⁠ራእይ 19:​1, 2

21. (ሀ) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍአ ሰይጣንን ኣገባቡን እንታይ ክገብሩ ኢዮም፧ (ለ) ኣምላኽከ ብኸመይ ክምልሽ ኢዩ፧

21 እዛ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ድሕሪ ምጥፍኣ እንታይ ክፍጸም ኢዩ፧ ሰይጣን ንፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ዓለምለኻዊ መጥቃዕቲ ከጻውዱ ክቕስቅሶም ኢዩ። ነዚ ንሓቀኛታት ኣምለኽቲ ካብ ገጽ ምድሪ ንምጽናት ብሰይጣን ዝግበር ፈተነ: እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብኸመይ ክምልሸሉ ኢዩ፧ ህዝቅኤል 38:​19-23 ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ፤ . . . ብፌራን ብደምን [ንሰይጣን] ክፈርደሉ እየ። ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሃድ: ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ [የሆዋ ትሓዓ ] ምዃነይ ኪፈልጡ ኢዮም።”​—⁠ጸፎንያስ 1:18፣ 3:⁠8 እውን ርአ።

22. ነቲ ጽሩይ አምልኾ የሆዋ ቀናኣት ምዃንና ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

22 እዚ ዝለዓለ ገዛኢ ናይ ኣድማስ ብቕንኢ ተደሪኹ ንሓቀኛታት ኣምለኽቱ ይሓሊ ምዃኑ ምፍላጥስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ነቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ካብ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ እተላዕለ: ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ጽሩይ ኣምልኾ ቀናኣት ንዅን። ብቕዱስ ቅንኢ: ነቲ ብስራት ምስባኽ ንቐጽል: ብተኣማንነት ከኣ ነታ የሆዋ ንስሙ ዘኽብረላን ዝቕድሰላን ዓባይ መዓልቲ ንጸበ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

ንምስትንታን ዝዀኑ ነጥብታት

◻ ንየሆዋ ቀናእ ምዃን እንታይ ማለት ኢዩ፧

◻ ካብ ኣብነት ጥንታውያን እስራኤላውያን እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

◻ ንየሆዋ ከተቕንኦ ኢልካ ምልዕዓሉ እነወግዶ ብኸመይ ኢና፧

◻ ኣምላኽን ክርስቶስን ንጽሩይ ኣምልኾ ቅንኢ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]

ፍቕሪ ኣይትቐንእን ኢያ

ንቅንኢ ኣመልኪቱ: ናይ መበል 19 ክፍለ ዘበን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: ኣልበርት ባርነዝ “ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ልሙድ ናይ ረሲእነት መግለጺታት: ከምኡውን ናይ ሰብ ዓሚቝ ብዕልግና ብንጹር ዘርኢ ኢዩ” ብምባል ጸሐፈ። ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ናይዞም ኵሎም ውግኣትን ባእስ​ታ⁠ትን ዓለማዊ ውጥናትን⁠—​ኵሎም ውዲታትን ዕላማታትን ናይቶም ንሃይማኖቶም ዘበላሸውዎን ዓለማዊ ዝንባለ ንኽህልዎ ድማ ዝከኣሎም ዝጸዓሩን ክርስትያናት ኢና በሃልቲ እውን ከይተረፈ: ናይቲ ልክዕ መበቈሎም​—⁠ኣሰር እተኸታተለ ሰብ: መብዛሕትኡ ካብ ቅንኢ እተላዕለ ኰይኑ ምስ ረኸቦ ክግረም ኢዩ። ካልኦት ካባና ንላዕሊ ሃብታማት ብምዃኖም ንሓምም፣ ሽሕ’ኳ መሰል እንተ ዘይብልና: ነቲ ካልኦት ዘለዎም ክንውንኖ ንብህግ፣ እዚ ኸኣ ብእኡ ንኸይሕጐሱ ዝገብር: ወይ ንርእስና ክንረኽቦ ወይ ድማ ከምቲ ክውንንዎ ዝግባእ ከም ዘይወነኑ ንምርኣይ: እተፈላለየ ናይ ገበን ሜላታት ናብ ምስዓብ የምርሕ . . . በዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሕቝፍና ዘሎ መንፈስ ቅንኢ ይረዊ።”​—⁠ሮሜ 1:​29፣ ያእቆብ 4:⁠5

ምስዚ ብምንጽጻር: ባርነዝ ነታ ‘ዘይትቐንእ’ ፍቕሪ ኣመልኪቱ ሓደ ኣገዳሲ ሓሳብ ሃበ። (1 ቈረንቶስ 13:​4) “ፍቕሪ ነቲ ካልኦት ዘስተማቕርዎ ሓጐስ ኣይትቐንኣሉን ኢያ፣ ብናቶም ጽቡቕ ባህ ይብላ፣ ከምኡውን . . . ሓጐሶም ክውስኽ ከሎ: እቶም ብፍቕሪ እተጸልዉ ሰባት . . .ነዚ ኣየጕድልዎን፣ ከምኡ ብምርካቦም ድማ ኣየሕፍርዎምን፣ ነቲ ሓጐስ እቲ ከይረኽቡ ኣየዕንቅፍዎምን፣ ንገዛእ ርእሶም ክሳዕ ክንድኡ ኣዝዮም ብዘይምምጓሶም ኣየቝረምርሙን ወይ ኣየማርሩን ኢዮም: . . . ንኻልኦት እንተድኣ ኣፍቂርናዮም​—⁠ብምሕጓሶም ባህ ዝብለና እንተድኣ ኰይኑ: ክንቀንኣሎም የብልናን።”

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ፊንሃስ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ቀናእ ኢዩ ነይሩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ