ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/9 ገጽ 7
  • እቲ ምንቀኛ ሰብኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ምንቀኛ ሰብኣይ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ቅንኢ ብምቅላስ፡ ሰላም ስዓብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ቅንኢ ንኣእምሮና ኺምርዞ ዚኽእል ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ብዛዕባ ቅንኢ እንታይ ክትፈልጥ ከም ዝግብኣካ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንርእስኻ ምስ ካልኦት ተወዳድራ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/9 ገጽ 7

እቲ ምንቀኛ ሰብኣይ

ቋንቋ እብራይስጢ ን“ቅንኢ” ሓደ ሱር-ቃል ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። ንሓጥኣን ሰባት ከተመልክት ከላ: እታ ናይ እብራይስጢ ቓል “ምንቀኝነት” ወይ “ተወዳዳርነት” ኢያ እትትርጐም። (ዘፍጥረት 26:14፣ መክብብ 4:⁠4) ይኹን እምበር: ቋንቋ ግሪኽ: ን“ቕንኢ” ካብ ሓንቲ ቃል ንላዕሊ ኢዩ ዘለዎ። እታ ዜʹሎስ እትብል ቃል ከምታ ናይ እብራይስጢ መመዛዝንታ: ንኽልቲኡ ማለት ጻድቕን ሓጥእን ቅንኢ ከተመልከት ትኽእል ኢያ። ካልእ ፋቶʹኖስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ምሉእ ብምሉእ ኣሉታዊ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኵሉ ግዜ “ምንቀኝነት” ኢያ እትትርጐም።

እዛ ፋቶʹኖስ እትብል ቃል ኣብ ጥንታዊ ግሪኽ ኣብ ከመይ ኢያ እትውዕል ነይራ፧ ዘ ኣንኮር ባይብል ዲክሸነሪ “እዚ ብፋቶኖስ እተጠቕዐ ሰብ ከምቲ ስሱዕ ሰብ ኣይኰነን: ነቲ ናይ ካልእ ሰብ ጥሪት ግድን ይደልዮ ማለት ዘይኰነስ፣ እቲ ካልእ ሰብ እዞም ነገራት እዚኣቶም ክህልውዎ ኣይደልን ኢዩ። ዕላማኡ ካብቲ ተወዳዳሪ ሰብ እተፈልየ ኢዩ: ከምቲ ተወዳዳሪ ሰብ: ክዕወት ጥራይ ዘይኰነስ: ካልኦት ንኸይዕወቱ ንምዕንቃፍ ኢዩ” ብምባል ትገልጽ።

እዚ ምንቀኛ ሰብ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣረኣእያኡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ጸገሙ ምዃኑ ኣይርዳእን ኢዩ። እዛ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ዲክሸነሪ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሓደ ካብቲ ናይ ፋቶኖስ ፍሉይ ጠባይ ንገዛእ ርእሳ ዘይትፈልጥ ምዃና ኢዩ። ፋቶኔሮስ ዝዀነ ሰብ: ናይ ጠባዩ ቅኑዕነት ከረጋግጽ እንተድኣ ተሓቲቱ: ኵሉ ግዜ ንርእሱን ንኻልኦትን: እቶም ንሱ ዝዝልፎም ሰባት ዝግብኦም ምዃኑን ንኽነቕፎም ዝድርኾ ድማ ናይቲ ኵነታት ዘይቅኑዕነት ምዃኑ ይዛረብ። ከመይ ኢሉ ብዛዕባ ዓርኩ ከምቲ ኣገባብ እቲ ገይሩ ከም ዝዛረብ ምስ ዝሕተት: ነቐፌታኡ ንዝበለጸ ጥቕሚ ናይ ዓርኩ ምዃኑ ይዛረብ።”

እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል: ማቴዎስን ማርቆስን: ነቲ ድራኸ ናይቶም ንቕትለት የሱስ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ንምግላጽ ነዛ ፋቶʹኖስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢዮም ተጠቒሞም። (ማቴዎስ 27:18፣ ማርቆስ 15:10) እወ: ብምንቀኝነት ኢዮም ተለዓዒሎም። ተመሳሳሊ ጐዳኢ ስምዒት ድማ ንኸሓድቲ ነቶም ናይ ቅድም ኣሕዋቶም ሕሱማት ጸላእቲ ከም ዝዀኑ ገበሮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:​3-5) ምንቀኛታት ሰባት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከይኣትዉ እንተ ተኸልከሉስ ዘገርም ኣይኰነን! የሆዋ ኣምላኽ ኵሎም እቶም “ምሉኣት ቅንኣት” ምዃን ዝቕጽሉ ሰባት “ሞት ከም ዚግብኦም” ወሲኑ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 1:​29, 32፣ ገላትያ 5:​21

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ምንቀኝነት ንህይወትካ ክዕንዎ ኣይተፍቅድ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ