ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 1/2 ገጽ 12-17
  • ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርብ ዓቢ ጭፍራ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርብ ዓቢ ጭፍራ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም”
  • “ጻዕዳ ክዳውንቲ ተኸዲኖም”
  • “ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም”
  • “ለይትን መዓልትን ቅዱስ ኣገልግሎት”
  • ‘ካብ ኩሎም ኣህዛብ ዓሌታት: ህዝብታት: ከምኡውን ቋንቋታት’
  • “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ”
  • ኣዝዮም ብዙሓት ዓቢ ጭፍራ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • “እንሆ፡ . . . ብዙሓት ህዝቢ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ዘለዉ ብዙሓት ሰብ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ብየሆዋ እተባረኹ ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት ህዝቢ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 1/2 ገጽ 12-17

ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርብ ዓቢ ጭፍራ

“ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን [ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርብሉ “ትሓዓ” ] ኣለዉ።” ​—⁠ራእይ 7:⁠15

1. ብ1935 ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ መንፈሳዊ ምርዳእ ኢዩ እተበጽሔ?

ብ31 ግንቦት: 1935 ኣብ ዋሺንግቶን: ዲ. ሲ. ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መንጎ እቶም ልኡኻት ዓቢ ሓጐስ ነበረ። ኣብኡ: ንመጀመርያ ጊዜ: ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ ከምኡውን ምስቲ ድሮ ክገሃድ ጀሚሩ ዝነበረ ፍጻመታት ብምስናይ እቶም ናይ ራእይ 7:9 ብዙሓት ሰብ (ወይ ዓቢ ጭፍራ) ክልለዩ ጀመሩ።

2. ቁጽሮም እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ሰባት ኣምላኽ ንሰማያዊ ህይወት ከም ዘይጸውዖም ተረዲኦምዎ ከም ዝነበሩ ዘመልክት እንታይ ኢዩ?

2 ቕድሚኡ ሽዱሽተ ሰሙን ኣቢሉ ይገብር: ካብቶም ኣብቲ በዓል ድራር ጐይታ ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሩ 10,681 (ዳርጋ 1 ካብ 6) ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ኣይተኻፈሉን: ከምኡውን ካብዚኣቶም 3,688 ንጡፋት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። ስለምንታይ ኢዮም ግን ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ምክፋል እተቖጠቡ? ምኽንያቱ ብመሰረት እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማሃርዎ: ኣምላኽ ንሰማያዊ ህይወት ከም ዘይጸውዖም ኣብ ክንድኡ ግን ኣብቲ ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ምድላዋት ብኻልእ መገዲ ከም ዝካፈሉ ስለ እተረድኡ ኢዮም። ስለዚ ኣብቲ ኣኼባ: እቲ ተዛራባይ:- “ኩሉኹም እቶም ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ንምንባር ተስፋ ዘሎኩም በጃኹም ደው በሉ” ኢሉ ምስ ሓተተ እንታይ ተፈጸመ? ኣሽሓት ደው በሉ: ካብቶም ተኣከብቲ ከኣ ቀጻሊ ዕልልታ ሰዓበ።

3. እቲ ምልላይ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ነቲ ግራት ኣገልግሎት ሓድሽ ድፍኢት ዝሃቦስ ስለምንታይ ኢዩ: እቶም መሰኻኽርከ ብዛዕባዚ ከመይ ተሰምዖም?

3 እቲ እቶም ተኻፈልቲ ኣብቲ ኣኼባ እተማሃርዎ ነቲ ኣገልግሎቶም ሓድሽ ድፍኢት ሃቦ። ሕጂ: ቅድሚ መወዳእታ ናይዚ ኣረጊት ኣገባብ: ሒደት ጥራይ ዘይኮኑስ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ ክነብሩ ብምጽባይ ህይወቶም ንምዕቃብ ኣብቲ ናይ የሆዋ መደብ ክኣትዉ ኣጋጣሚ ክወሃቦም ብምዃኑ ኣመስጊኖም ኢዮም። ንኣፍቀርቲ ሓቅስ ከመይ ዝበለ ልቢ ዘምውቕ መልእኽቲ ኰን ኢዩ ዝቐረበሎም! ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ዓቢ ዕዮ ክግበር ከም ዝነበሮ ተገንዘቡ​—⁠እወ ሓደ ዘሐጕስ ዕዮ። ዓመታት ጸኒሑ: ጆን ቡዝ: ኣባል ናይቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝኾነ: “እቲ ኣኼባ ብዙሕ እንሕጐሰሉ ነገራት ገይሩልና ኢዩ” ብምባል ዘከሮ።

4. (ሀ) ካብ 1935 እቲ ምእካብ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሰፊሑ ዝነበረ? (ለ) በየናይ መገዲ ኢዮም እቶም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝኾኑ እምነቶም ህያው ምዃና መረጋገጺ ዝሃቡ?

4 ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመታት: እቲ ቍጽሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘደንቕ ወሰኸ። ኣብ ጊዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሽሕኳ ኵሉ ግዜ ሕሱም መስጐግቲ ኣብ ልዕሊኦም እንተነበረ: ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ቍጽሮም ዳርጋ ሰለስተ ዕጽፊ በጽሐ። እቶም ብ1935 ህዝባዊ ምስክርነት ዝህቡ ዝነበሩ 56,153 ኣስፋሕቲ: ብ1994: ኣብ ልዕሊ 230 ዝኾና ዓድታት ልዕሊ 4,900,000 ኣወጅቲ መንግስቲ በጽሑ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ክፋል ካብቶም የሆዋ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ህይወት ክህቦም ዝሰመሮም ክኾኑ ብህንጡይ ትጽቢት ኣማዕድዮም ዝጥምቱ ኢዮም። ምስቶም ሒደት መጓሰ ክነጻጸሩ ከለዉ: ብሓቂ ሓደ ዓቢ ጭፍራ ኢዮም ኰይኖም። ንሳቶም እምነት ኣሎና ዝብሉ ግናኸ ኣብ ተግባር ዘየውዕሉ ሰባት ኣይኰኑን። (ያእቆብ 1:22፣ 2:​14–17) ኵሎም ነቲ ብስራት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት የካፍልዎ ኢዮም። ንስኻኸ ሓደ ካብዞም ሕጉሳት ጭፍራ ዲኻ? ሓደ ንጡፍ ምስክር ምዃን ሓደ ፍሉይ ምልክት ኢዩ: ይኹን እምበር: ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ዘድሊ።

“ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም”

5. እቶም ዓቢ ጭፍራ ‘ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን . . . ደው ምባሎም’ እንታይ የመልክት?

5 ኣብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህቦ ራእይ: “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን . . . ደው ኢሎም” ረኣዮም። (ራእይ 7:⁠9) ከምቲ ኣብቲ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ: እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ደው ምባሎም: ንልዕልነት የሆዋ ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዝሃቡ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ብዙሕ ዘጠቓለለ ኢዩ: ንኣብነት: (1) የሆዋ ነቲ ንኣገልገልቱ ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ክፉእ ክውስን ዘለዎ መሰል ኣፍልጦ ይህቡ። (ዘፍጥረት 2:​16, 17፤ ኢሳይያስ 5:​20, 21) (2) የሆዋ ብቓሉ ገይሩ ክዛረቦም ከሎ ይሰምዕዎ። (ዘዳግም 6:​1–3፣ 2 ጴጥሮስ 1:​19–21) (3) ነቶም የሆዋ ክዕዘቡ ሕድሪ ዝሃቦም ተገዛኢ ናይ ምዃን ኣገዳስነት የማስዉሉ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:​22, 23፣ 6:​1–3፣ እብራውያን 13:17) (4) ሽሕኳ ፍጹማት እንተዘይኰኑ: ንቲኦክራቲካዊ መምርሒ ክእዘዙ ብልቢ ኢዮም ዝጽዕሩ: ነዚ ድማ ብሓይሊ ዘይኮነስ: ብቕሩብነት: ካብ ልቢ ኢዮም ዝገብርዎ። (ምሳሌ 3:1፣ ያእቆብ 3:​17, 18) ንሳቶም ነቲ ኣዕሚቖም ዘኽብርዎን ዘፍቅርዎን የሆዋ ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኢዮም ዝኾኑ። ናይዚ ዓቢ ጭፍራ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን “ደው” ምባል: ስምረት ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ዘመልክት ኢዩ። (ምስ ራእይ 6:​16, 17 ኣነጻጽሮ።) እዚ ስምረት እዚ ግን በየናይ መሰረት ኢዩ?

“ጻዕዳ ክዳውንቲ ተኸዲኖም”

6. (ሀ) እቶም ዓቢ ጭፍራ “ጻዕዳ ክዳውንቲ ተኸዲኖም” ክብል ከሎስ እንታይ ማለት ኢዩ? (ለ) ከመይ ኢሎም ኢዮምከ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጻድቕ ኣቃውማ ዝረኽቡ? (ሐ) እምነት ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ንናብራ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ ዝጸልዎ?

6 እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ዝሃቦ መግለጺ: እቶም ኣባላት ናይዚ ዓቢ ጭፍራ “ጻዕዳ ክዳውንቲ ተኸዲኖም” ኢዮም ኢዩ ዝብል። እቲ ጻዕዳ ክዳውንቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘለዎም ጽፉፍ: ጽድቃዊ ኣቃውማ ዘመልክት ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ኣቃውማ ከመይ ገይሮም ረኺቦሞ? ኣብቲ ራእይ ንሳቶም “ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል” ደው ኢሎም ከም ዝነበሩ ድሮ ተዓዚብና ኢና። ንሳቶም ንየሱስ ክርስቶስ ከም “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ገይሮም ተቐቢሎሞ ኢዮም። (ዮሃንስ 1:29) ዮሃንስ: ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝፋን ኣምላኽ ዝነበሩ ሽማግለታት: “ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ: ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም” ኢሉ ክገልጽ ከሎ ሰምዐ። (ራእይ 7:​14, 15) ኣብቲ ዘድሕን ደም ናይ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምርኣይ: ብምሳልያዊ መገዲ ክዳውንቶም ሓጺቦም ኢዮም። ነቲ ብዛዕባ በጅነት ዝተማህርዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ተረዲኦም እተሰማምዕሉ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ንዕኡ ዘለዎም ሞሳ ነቲ ውሽጣዊ ባህርያቶም ይትንክፎ ኢዩ፣ ስለዚ: ‘ብልቦም’ ኢዮም እምነት ዘርእዩ። (ሮሜ 10:​9, 10) እዚ ኣብ ናብራኦም ንዝገብርዎ ዘበለ ዓሚቍ ጽልዋ ዘለዎ ኢዩ። ንበጅነት ክርስቶስ መሰረት ብምግባር: ብእምነት ገዛእ ርእሶም ንየሆዋ ወፍዮም ኢዮም: ነቲ ወፈያኦም ብማይ ጥምቀት ኣርእዮም: ብሓቂ ምስቲ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ከኣ ይነብሩ: በዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎ ርክብ የስተማቕሩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ተጠንቒቕካ ክሕሎ ዘለዎ መሰል ኰን ኢዩ!​—⁠2 ቈረንቶስ 5:​14, 15

7, 8. ማሕበር የሆዋ እቶም ዓቢ ጭፍራ ክዳውንቶም ንኸየርክሱ ከመይ ገይራ ኢያ ዝሓገዘቶም?

7 ማሕበር የሆዋ ንነባሪ ጥቕሞም ኢላ ብፍቕራዊ ሓልዮት: ነቲ ናይ ሓደ ሰብ መለለዩ ክዳውንቲ ከበላሹ ወይ ከርክስ ዚኽእል ኣረኣእያታትን ጠባይን ደጋጊማ ከም ዝትኮረሉ ገይራ ኢያ: እዚ ድማ: ሓደ ሰብ ብደገ ደሓን ስለ ዝመስል ጥራይ ብሓቂ ነቲ ናይ ራእይ 7:​9, 10 ትንቢታዊ መግለጺ ኣይበቕዖን ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 1:​15, 16) ነቲ ኣቐዲሙ እተሓትመ ብምድጋፍ: ግምቢ ዘብዐኛ ብ1941 ከምኡውን ድሕሪኡ እተሓትመ: ንኻልኦት እናሰበኽካ ኣብ ናጻ ዝኾንካሉ ሰዓታት ድማ ኣብ ምንዝር ወይ ዝሙት ዝኣመሰለ ጠባያት ምእታው ፈጺሙ ዘይግባእ ምዃኑ ሓቢሩ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:3፣ እብራውያን 13:⁠4) ብ1947 እቲ ናይቲ ከባቢ ባህሊ ዘፍቅዶ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ኣብ ኵለን ዓድታት እቲ ናይ የሆዋ ክርስትያናዊ ናይ መርዓ መለክዒ ክግበር ከም ዘለዎ ተጸቕጠሉ: እቶም ብዙሓት ኣንስቲ ሒዞም ዝቕጽሉ ዝነበሩ ሰባት መሰኻኽር የሆዋ ክኾኑ ኣይከኣሉን።​—⁠ማቴዎስ 19:​4–6፣ ቲቶስ 1:​5, 6

8 ብ1973: ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምሉኦም ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ​—⁠ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ወይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ወይ ኣብ ገለ ህዝቢ ዘይርእዮ ግልል ዝበለ ቦታታትውን ከይተረፈ​—⁠ካብ ዝኾነ ይኹን ከም እኒ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ትምባኾ ዝኣመሰለ ዘርክስ ተግባራት ክቑጠቡ ተሓቢሮም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 7:⁠1) ብ1987 ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ ጽፉፍ ኣቓውማ ምእንቲ ክሕዙ ብኽልተ ዓይነት ናብራ ካብ ምንባር ክጥንቀቑ ጽኑዕ ምኽሪ ተዋህቦም። (መዝሙር 26:​1, 4) ግምቢ ዘብዐኛ: ደጋጊሙ ኣንጻር እተፈላለየ መዳያት መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ: ኣጠንቂቑ ኢዩ: ምኽንያቱ ድማ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ” ንምሓዝ “ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም” ምሕላው ዘጠቓለለ ብምዃኑ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠27

9. ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ መን ኢዮም ብሓቂ ስምረት ረኺቦም ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ደው ዝብሉ?

9 እቶም ብመንፈስ ከምኡውን ብስነ–ምግባር ጽፉፋት ምእንቲ ኪኾኑ እምነቶም በዚ ዓይነት መገዲ ክነብሩ ዝደፋፍኦም ኢዮም ከም ተቐባልነት ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኮይኖም ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን . . . ደው” ዚብሉ። እዚኣቶም ኣብቲ ክርስትያናዊ ናብራ ጀመርቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ብተኣማንነት ኣጽኒዖም ዝሕዝዎ ሰባት ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠24

“ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም”

10. እቲ ብዮሃንስ ኣብ ኣእዳው ናይቶም ዓቢ ጭፍራ እተራእየ ጨነፍር ስየ እንታይ ትርጉም ኢዩ ሒዙ ዘሎ?

10 ብሃዋርያ ዮሃንስ ከም እተራእየ: ሓደ ካብቲ ጉሉሕ ገጻት ናይቲ ዓቢ ጭፍራ “ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም” ምንባሮም ኢዩ። እዚ እንታይ ትርጉም ኢዩ ሒዙ ዘሎ? ብርግጽ እዚ ጨነፍር ስየ ንዮሃንስ ነቲ ኣብ ናይ ኣይሁድ ዓውደ ኣዋርሕ ኣዝዩ ዘሐጉስ: እቲ ናይ ክረምቲ ምህርቲ ምስ ተኣከበ ስዒቡ ዝግበር ዝነበረ: በዓል ዳስ ናይ ኣይሁድ ኣዘኻኺርዎ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ሕጊ: ኣቑጽልቲ ስየ ምስ ጨነፍር ናይ ካልእ ኣእዋም ብምግባር ኣብ ጊዜ እቲ በዓል መንበሪ ዝኸውን ኣጓዱ ንምስራሕ ይጠቅም ነበረ። (ዘሌዋውያን 23:​39–40፣ ነህምያ 8:​14–18) ከምኡውን ሃለል (መዝሙር 113–118) ኣብ ዝዝመረሉ እዋን ኣብቲ ቤተ–መቕደስ በቶም ኣምለኽቲ ይውዝወዝ ነበረ። እዚ በቶም ዓቢ ጭፍራ እተገብረ ምውዝዋዝ ናይ ጨነፍር ስየ: ብዘይጥርጥር ንዮሃንስ ነቲ የሱስ ናብ የሩሳሌም ክመጽእ ከሎ ጭፍራ ኣምለኽቲ ብሓጐስ ጨነፍር ስየ እናወዛወዙ ከምኡውን ነቲ “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ” እናበሉ ክጭድሩ ከለዉ እውን ኣዘኪርዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 12:​12, 13) ስለዚ እቲ ምውዝዋዝ ናይ ጨነፍር ስየ እቶም ዓቢ ጭፍራ ንመንግስቲ የሆዋን ነቲ እተቐብአ ንጉሱን ብሓጐስ መርሓባ ከም ዝብልዎም ኢዩ ዘመልክት።

11. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንየሆዋ ብምግልጋሎም ብሓቂ ሓጐስ ዝረኽቡስ ስለምንታይ ኢዮም?

11 ሎሚ እውን እንተኾነ: እቶም ዓቢ ጭፍራ ንየሆዋ ከገልግሉ ከለዉ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ናይ ሓጐስ ኢዮም ዘርእዩ። እዚ ግን ሽግር ኣየጋጥሞምን ከምኡውን ጓሂ ወይ ስቓይ ኣየሕልፉን ማለት ኣይኮነን። ይኹን እምበር: እቲ ንየሆዋ ካብ ምግልጋልን ምሕጓስን ዝመጽእ ዕግበት ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንምትካእ ይሕግዝ ኢዩ። ከምዚ ስለዝኾነ እኳ: ሓንቲ ን45 ዓመታት ኣብ ጓቲማላ ምስ በዓል ቤታ ዘገልገለት ሚስዮናዊት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ፈለማ ከቢቡዎም ዝነበረ ኵነታት ትዛረብ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ናብቲ ኣቑሻት ናይቶም ህንዳውያን ከብጽሑ ከለዉ ከቢድ ስራሕን ሓደገኛ ጉዕዞን ክፍሊ ናይ ናብራኦም ነበረ። ንሳ: “ኣብ ህይወትና ኣዚና እተሓጐስናሉ ግዜ ኢዩ” ኢላ ትድምድም። ሽሕ እኳ ሳዕቤናት ናይ ዕድመ ምድፋእን ሕማምን ይስምዓ እንተ ነበረ: ገለ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ናይቲ መዝገበ–ዕለታ ዝጸሓፈቶም ቃላት “ጻማ ዘለዎ ጽቡቕ ህይወት ኢዩ ነይሩ” ዝብሉ ነበሩ። ኣብ መላእ ምድሪ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ተመሳሳሊ ስምዒት ኢዩ ዘለዎም።

“ለይትን መዓልትን ቅዱስ ኣገልግሎት”

12. ብመዓልቲ ይኹን ብለይቲ: የሆዋ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንታይ ኢዩ ዝዕዘብ ዘሎ?

12 እዞም ሕጉሳት ኣምለኽቲ ንየሆዋ “ኣብታ መቕደሱ ለይትን መዓልትን [ቅዱስ ኣገልግሎት ትሓዓ ]” የቕርቡ። (ራእይ 7:15) ኣብ መላእ ዓለም: ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብዚ ቕዱስ ኣገልግሎት ይካፈሉ ኣለዉ። ኣብ ገለ ዓድታት ለይቲ ኮይኑ ኣብኡ ዝርከቡ ሰባት ኪድቅሱ ከለዉ: ኣብ ካልእ ዓድታት ከኣ ጸሓይ ትበርቕ እሞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብስብከት ትሑዛት ይኾኑ። ምድሪ ዝሮታ እናፈጸመት ከኣ: ብዘይ ምቁራጽ: ለይትን መዓልትን: ምስጋና የሆዋ ይዝምሩ። (መዝሙር 86:⁠9) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ራእይ 7:15 ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ለይትን መዓልትን ኣገልግሎት ዝያዳ በብውልቂ ዝግበር እውን ኢዩ።

13. ቅዱሳት ጽሑፋት “ለይትን መዓልትን” ምግልጋል እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ብኸመይ ኢዮም ዝሕብሩና?

13 እቶም ነዚ ዓቢ ጭፍራ ዘቑሙ ውልቀ ሰባት ለይትን መዓልትን ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርቡ ኢዮም። ዝኾነ ይኹን ዝገብርዎስ ከም ቅዱስ ኣገልግሎት ኢዩ ዝርአ ማለት ድዩ? ሓቂ ኢዩ ዝገብርዎ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ንየሆዋ ብዘኽብር መገዲ ክገብርዎ ኢዮም ተማሂሮም። (1 ቈረንቶስ 10:31፣ ቈሎሴ 3:23) ይኹን እምበር: “ቅዱስ ኣገልግሎት” ብቐጥታ ኣብቲ ሓደ ሰብ ናብ ኣምላኽ ዘለዎ ኣምልኾ ዝምልከት ጥራይ ኢዩ ዝውዕል። ኣብ ሓደ ዕዮ “ለይትን መዓልትን” ምስታፍ ስርዓታውነት ወይ ጽንዓት ከምኡውን ዕቱብ ጻዕሪ ከም ዘድልዮ ፍሉጥ ኢዩ።​—⁠ምስ እያሱ 1:8፣ ሉቃስ 2:37፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:31፣ 2 ተሰሎንቄ 3:⁠8 ኣነጻጽሮ።

14. እቲ ናይ ብሕትና ኣገልግሎት ነቲ መግለጺ ናይ “ለይትን መዓልትን” ኣገልግሎት ከም ዚበቕዖ ዝገብሮስ እንታይ ኢዩ?

14 እቶም ነቲ ዓቢ ጭፍራ ዘቑሙ ኣብቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይቲ ናይ የሆዋ ዓቢ ቤት መቕደስ ከገልግሉ ከለዉ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ብስርዓት ከምኡውን ጸኒዖም ክካፈሉ ይጽዕሩ ኢዮም። ብዙሓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ገለ ግደ ክህልዎም ሸቶ ገይሮም ኢዮም። ካልኦት ድማ ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ይጽዕሩ ኣለዉ። እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣንጊሆም ካብ መገዲ ናብ መገድን ኣብ ድንኳናትን ብስብከት ትሑዛት ኢዮም። ገለ መሰኻኽር: ነቶም ተገደስቲ ሰባት ንኽምችእ ብለይቱ ጽንዓት ይመርሑ። ንሳቶም ኪሽምቱ ከለዉ: ክገሹ ከለዉ: ኣብ እዋን ምሳሕ: ከምኡውን ብቴሌፎን ከይተረፈ ይምስክሩ።

15. ብጀካ እቲ ግራት ኣገልግሎት: ኣብቲ ቅዱስ ኣገልግሎትና ዝጠቓለል እንታይ ኢዩ?

15 ኣብ ኣኼባታት ናይ ጉባኤ ምክፋል እውን እንተኾነ ክፍሊ ናይቲ ቅዱስ ኣምልኾና ኢዩ፣ ነቲ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝኸውን ቦታታት ምህናጽን ምክንኻንን እውን ከምኡ ኢዩ። ነቶም ክርስትያናት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ኮይኖም ምእንቲ ክቕጽሉ ብመንፈስን ስጋን: ንምትብባዕን ንምድጋፍን ዝግበር ጻዕሪ እውን ኣብኡ እቱው ኢዩ። እዚ ነቶም ምስ ሆስፒታል ዝረዳድኡ ኮሚቴታትናውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ብምልኡ እቲ እተፈላለየ መልክዓት ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ይኹን እቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ዝግበር ናይ ወለንተኛታት ኣገልግሎት: ኩሉ ቅዱስ ኣገልግሎት ኢዩ። ብሓቂ: ናብራና ምስቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እተተሓሓዘ እንተደኣ ኰይኑ: ብቕዱስ ኣገልግሎት ዝመልአ ኢዩ። ከምቲ እቲ ጽሑፍ ዚብሎ: ህዝቢ የሆዋ “ለይትን መዓልትን ቅዱስ ኣገልግሎት” የቕርቡ ኢዮም: ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ዓቢ ሓጐስ ይረኽቡ ኣለዉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11

‘ካብ ኩሎም ኣህዛብ ዓሌታት: ህዝብታት: ከምኡውን ቋንቋታት’

16. እቲ ዓቢ ጭፍራ “ካብ ኩሎም ኣህዛብ” ከም ዝመጸ ሓቅነቱ ዝረጋገጽ ከመይ ኢሉ ኢዩ?

16 እዞም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝኾኑ: ካብ ኵሎም ህዝብታት ኢዮም ዝመጹ ዘለዉ። ኣምላኽ መዳለዊ ኣይኮነን: እቲ ብየሱስ ክርስቶስ እተገብረ በጅነታዊ ምድላው ንኹሎም ዝኣክል ኢዩ። እቶም ዓቢ ጭፍራ ብ1935 ንመጀመርታ ግዜ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ምስ ተፈልጡ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 115 ዓድታት ንጡፋት ነበሩ። ኣብ 1990ታት: እቲ ምድላይ ናይ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ናብ ልዕሊ ዕጽፊ ዝኾና ሃገራት ተዘርግሐ።​—⁠ማርቆስ 13:⁠10

17. ነቶም ካብ ኵሎም ‘ዓሌታትን: ህዝብታትን ቋንቋታትን’ ዝመጹ ሰባት ምስቲ ዓቢ ጭፍራ ክጽንበሩ ንምሕጋዝ እንታይ ኢዩ ዝግበር ዘሎ?

17 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ትጽቢት ዝግበረሎም ኣባላት ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ክደልዩ ከለዉ: ንሃገራዊ ጉጅለታት ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራት ዘለዉ ዓሌታትን ኣህዛብን ከምኡውን ናይ ቋንቋ ጉጅለታት እውን ኣቓልቦ ይገብርሎም ኢዮም። ኣብ ሰባት ምእንቲ ክበጽሕ ብልዕሊ 300 ቋንቋታት ገይሮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ይሓትሙ። ነዚ ንምግባር: ናይ ኪኢላታት ተርጐምቲ ጉጅለታት ምልምማድን ምእላይን: ነዚ ኹሉ ቋንቋታት ክዓዪ ዝኽእል ናይ ኮምፒተር መሳርሒ ምቕራብ: ከምኡውን እቲ ግቡእ ሕትመት ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ: ብገለ 98,000,000 ዝኾኑ ሰባት ዝዝረብ: 36 ቋንቋታት ናብቲ ዝርዝር ተወሲኹ። ብተወሳኺ: እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ነቶም ሰባት ንቓል ኣምላኽ ክርድኡ ምእንቲ ክሕግዝዎም ንኽበጽሕዎም ብብሕቶም ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 28:​19, 20

“ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ”

18. (ሀ) እቲ ዓቢ ጸበባ ምስ ተባርዐ: መን ኢዮም ዑቑባ ዝረኽቡ? (ለ) ሽዑኸ እንታይ ዘሐጉስ ኣዋጃት ኢዩ ዝእወጅ?

18 እቶም መላእኽቲ ነቲ ኣብ ራእይ 7:​1 ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ንፋሳት ምስ ፈነዉዎ: “እቶም ባሮት ኣምላኽና” ጥራይ ዘይኮኑስ እንተላይ እቶም ኣብ ኣምልኾ ዝሓበሩዎም ዓቢ ጭፍራ እውን ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ዑቕባ ኪረኽቡ ኢዮም። ከምቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተባህለሉ: እዞም ዓቢ ጭፍራ እዚኣቶም: “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚመጹ” ደሓንቲ ክኾኑ ኢዮም። “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ” ብምባል ከመይ ዝበለ ናይ ሞሳን ምስጋናን ጭድርታ ኰን ኢዮም ከስምዑ! ኩሎም እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድምጾም ምስኦም ብምሕባር ከምዚ ኪብሉ ኢዮም “ኣሜን: ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘልኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን: ኣሜን።”​—⁠ራእይ 7:​10–14

19. እቶም ደሓንቲ ኣብ እንታይ ዘሐጉስ ዕዮ ኪካፈሉ ኢዮም ሃንቀው ዝብሉ?

19 ከመይ ዝበለ ዘሓጕስ ግዜ ኰን ክኸውን ኢዩ! ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣገልገልቲ ናይቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ኪኾኑ ኢዮም! እቲ ዝዓበየ ናይ ኵሎም ሓጐስ ንየሆዋ ምግልጋል ኪኸውን ኢዩ። ሽዑ ክግበር ዘለዎ ኣዝዩ ብዙሕ ስራሕ ኪህሉ ኢዩ​—⁠ምድሪ ናብ ገነት ክትልወጥ ኢያ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ስራሕ ኢዩ! ካብቶም ሞይቶም ዘለዉ ኣሽሓት ሚልዮናት ኪትንስኡን መገድታት የሆዋ ከኣ ኪማሃሩን ኢዮም። ኣብዚ ግደ ክህልወካስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!

እንታይ ሓሳብ ምሃብካ?

◻ ብ1935 ዝነበረ ፍጻመታት እንታይ ጽልዋ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ግራት ኣገልግሎት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮ?

◻ እቶም ዓቢ ጭፍራ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን . . . ደው ኢሎም” ምርኣዮም እንታይ የመልክት?

◻ ኣብቲ ደም ናይቲ ገንሸል ዘሎና ሞሳ ከመይ ገይሩ ኢዩ ንናብራና ክትንክፎ ዝግባእ?

◻ ጨነፍር ስየ ምውዝዋዞም እንታይ ዘመልክት ኢዩ?

◻ እቶም ዓቢ ጭፍራ ከመይ ገይሮም ኢዮም ለይትን መዓልትን ቅዱስ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ዘለዉ?

[ኣብ ገጽ 14, 15 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ቅዱስ ኣገልግሎቶም: ስርዓታውነት: ትግሃት ከምኡውን ዕቱብ ጻዕሪ የንጸባርቕ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ