ነቲ ባህጊ ልቡ ረኸቦ
መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኵላ ምድሪ ምሉእ ምቍጽጻራ ገይራ ኽትርእስ ባህጊ ልብኻዶ ኢዩ? ትብህግ እንተድኣ ኾይንካ: ነቲ ተተስፍዩ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ ምድራዊ በረኸታት ንኽመጽእ ትናፍቕን ትጽልይን ኢኻ ማለት ኢዩ። “እተፈጸመ ድልየት ግና ኦም ህይወት እዩ” እሞ ድልየትካ ክትረክብሲ ትዕግስቲ ግበር።—ምሳሌ 13:12። ያእቆብ 5:7, 8።
ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር: ሓደ ስምኦን ዝብሃል “ጻድቕ: ንኣምላኽ ዚፈርህ” ሰብኣይ ኣብ የሩሳሌም ይነብር ነበረ። ኣብቲ ብዛዕባ መሲሕ ዝገልጽ ትንቢታት እምነት ስለ ዝነበሮ ብትዕግስቲ “ምጽንናዕ እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ።”—ሉቃስ 2:25.
መሲሓዊ ትንቢታት ተስፋ ይህብ
እቲ ንሓጢኣተኛን መዋትን ወዲ ሰብ ተስፋ ዝህብ ናይ መጀመርያ መሲሓዊ ትንቢት ካብ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ካብታ ‘ሰበይቱ’ ተባሂላ ዘላ ወይ ድማ ጠቕላላዊት ማሕበሩ ዝመጽእ ዘርኢ ተነብዩ ኢዩ።—ዘፍጥረት 3:15.
እቲ ዘርኢ እቲ ድማ: ዘርኢ ኣብርሃም ዝብል መለለዪ ነበሮ። ያእቆብውን ብዛዕባ ምምጽኡ ተነብዩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 22:17, 18። 49:10) ግርማን ዕብየትን ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ መዝሙራት ተጠቒሱ ኣሎ። (መዝሙር 72:1-20) ኢሳይያስ: እቲ ዘርኢ ካብ ድንግል ክውለድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። ሚክያስ ከኣ ኣብ ቤተ ልሄም ክውለድ ምዃኑ ተነብዩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 7:14። ሚክያስ 5:2) ብዛዕባ መሲሕ ዝገልጹ ትንቢታት ብዙሓት ኢዩም ዘለዉ: እዞም ዝተጠቕሱ ኸኣ ገለ ካብኣቶም ኢዮም።
መሲሕ ጌና ኣይተቐልቀለን!
ንድሕሪት እሞ ተመለስ: እዋን ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.አ.ዘ ይቐርብ ከም ዘሎ ገይረካ ሕሰብ። ድሮ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን እቲ ናይ መጀመርታ መሲሓዊ ትንቢት ናይ ኣምላኽ 4,000 ዓመታት ገይሩ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቶም ኣይሁድ ጥፍኣት ቤት መቕደስ የሆዋን ሃገሮም ናብ ምድረ በዳ ምልዋጣን ርእዮም ኢዮም። ከምኡውን ኣብ ባቢሎን ን70 ዓመት ተማሪኾም: ን500 ዓመታት ዝኣክል ከኣ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተገዚኦም ኢዮም። መሲሕ ግን ጌና ኣይተቐልቀለን!
እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኣይሁድሲ ንምምጻእ እቲ መሲሕ ኣየ ክንደይ ኢዮም ዝናፍቑ ነይሮም! ምኽንያቱ እቲ መሲሕ ንዕኦምን ንኹሎም ኣህዛብን በረኸታት ከውሕዘሎም ነበሮ።
ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብኣይ
ሓደ ካብቶም ንምምጻእ እቲ መሲሕ እናናፈቑ ዝጽልዩ ዝነበሩ አይሁድ እቲ ኣብ ርእሲ ከተማ ናይ ይሁዳ ዝነብር ዝነበረ ሽምግል ዝበለ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ስምኦን ኢዩ። ንስምኦን ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣጋጠሞ።
ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ስምኦን መንፈስ ቅዱስ ብምውራድ ራእይ ገለጸሉ። ስምኦን ነቲ ክመጽእ ዝነበሮ መሲሕ ከይረኣዮ ከም ዘይመውት ተነግረሉ። ይኹን ድኣ እምበር መዓልትታትን ኣዋርሕን ሓለፈ። ስምኦን ድማ ኣረገ: ነዊሕ ዕድመ ክጸንሕ ኢየ ዝብል ትጽቢት ከኣ የብሉን። እቲ ኣምላኽ ንዕኡ ዘተስፈዎ ተስፋስ ይፍጸም ደኾን ይኸውን?
ሓደ መዓልቲ (ብ 2 ቅ.አ.ዘ) መናእሰይ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሓደ ህጻን ኰይኖም ካብ ቤተልሄም ናብ ቤት መቕደስ መጹ። መንፈስ ቅዱስ ንስምኦን እዛ መዓልቲ እዚኣ እታ ካብ ነዊሕ ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረት መዓልቲ ምዃና ገለጸሉ። ነቲ ነብያት ብዛዕብኡ ዝጸሓፍሉ ክርእዮ ናብቲ ቤት መቕደስ ከደ። ኣካይዳ ኣረጊት እናሰጎመ ኸኣ ከይዱ ንዮሴፍን ንማርያምን ነቲ ቖልዓን ረኣዮም።
ስምኦን ንየሱስ እቲ ቖልዓ ኣብ ኢዱ ክሓቑፎ ብምብቅዑስ ኣየ ከመይ ዝበለ ፍስሃ ኾን ኢዩ ተሰሚዕዎ! እዚ እቲ ተስፋ ተገይርሉ ዝነበረ መሲሕ ማለት “ቅቡእ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ]” ክኸውን ኢዩ። ስምኦን: ብዕድመ ኣዝዩ ደፊኡ ስለ ዝነበረ: ንየሱስ ምድራዊ ተልእኾኡ ክፍጽም ከሎ ኽርእዮ ተስፋ ኽገብር ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን ብህጻኑ ኽርእዮ ስለ ዝበቕዐ ጥራይ ዘደንቕ ኢዩ። መሲሓዊ ትንቢታት ከኣ ክፍጸሙ ይጅምሩ ኣለዉ። ስምኦንሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተሓጒሱ! ሕጂ ክሳዕ መዓልቲ ትንሳኤ ቀሲኑ ብሞት ክድቅስ ኢዩ።—ሉቃስ 2:25-28.
ትንቢታዊ ቃላት ስምኦን
ስምኦን ድምጹ ዓው ኣቢሉ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ንየሆዋ ክውድሶ ኸሎ ንሰምዖ:- “ዎ ጐይታይ: ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ [ነቲ ጕልባብ ካብ ኣህዛብ ንምቕንጣጥ ት.ሓ.ዓ.] ብርሃን: ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን: ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ: ሕጂ ከምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ”። እቲ ንየሱስ ከም ኣቦ ኰይኑ ዘዕበዮ ዮሴፍን ኣዲኡ ማርያምን በዘን ቃላት እዚአን ይግረሙ ነበሩ።—ሉቃስ 2:29-33.
ስምኦን ንዮሴፍን ንማርያምን ኣብቲ ቆልዓ ዘለዎም ሓላፍነት ክፍጽሙ ኸለዉ በረኸት የሆዋ ክዓስሎም እናተመነየ ክባርኾም ከሎ ዝስምዖ ዝነበረ ሓጎስ ኣብ ገጹ ይንበብ ነበረ። ድሕርዚ ነቲ ብእርጋን ዝዓጠረ ገጹ ዕትብ የብል እሞ: ርእይቶኡ ናብ ማርያም ጥራይ ብምግባር ወሲኹ:- “እንሆ: እዚ ንብዙሓት ኣብ ኣስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። (ንኣኺ ድማ: ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ: ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ:) በላ።”—ሉቃስ 2:34, 35።
እቲ ስምኦን ንምርያም ዝበላ ቓላት
ማርያም ከመይ ከም እተሰምዓ ገምቶ። ስምኦን ከምኡ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ? ገሊኦም ንክርስቶስ ይቕበልዎ እሞ ካብቲ ድሮ ወዲቖምሉ ዝነበሩ ኵነታት ይትንስኡ። ይኹን እምበር ካልኦት ከኣ ይነጽግዎ: ብእኡ ይዕንቀፉ: ይወድቁ ድማ። ከምቲ ብትንቢት እተነግረ የሱስ ንብዙሓት ኣይሁድ እምኒ መዐንቀፊ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። (ኢሳይያስ 8:14። 28:16) ቃላት ስምኦን: እስራኤላውያን ዝኾኑ ግለ ሰባት መጀመርታ ብየሱስ ብዘይምእማኖም ክወድቁ እሞ ጸኒሖም ከኣ ንየሱስ ብምቕባል ክትንስኡ ኢዮም ማለቱ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ የሱስ ዘርእይዎ ምላሽ በበይኑ ምዃኑ: ኣብ ኣልባብ ናይ ብዙሓት ሰባት ዘሎ ምኽንያታት ይቕላዕ እሞ ንጽቡቕ ወይ ንኽፉእ ናብ ፍርዲ ኣምላኽ ይመርሖም። ንሱ ንዘይኣመንቲ ናይ ንዕቀቶም ምልክት ክኸውን ነበሮ። ካልኦት ድማ ኣብኡ እምነት ብምሕዳር ካብቲ ብምኽንያት በደሎምን ሓጢኣቶምን ከም ምውታት ኮይኖምሉ ዝነበሩ ኵነታት ተንሲኦም ምስ ኣምላኽ ብጽድቃዊ ኣቃውማ ክመላለሱ ነበሮም። እቲ ሰባት ኣብ መሲሕ ዘርእይዎ ኣቕዋም ኵነታት ልቦም ኢዩ ዝገልጽ።
ብዛዕባ እቲ “ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ” ዝብል ቃላት ስምኦንከ እንታይ ክብሃል ይከኣል? ንማርያም ቃል ብቓሉ ሰይፊ ከም ዝኣተዋ ዝገልጽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይንረክብን ኢና። እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ሰባት ንየሱስ ክነጽግዎ ኸለዉ ብምርኣያ ትጭነቕ ነበረት። ከምኡውን የሱስ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ክትርኢ ኸላስ ኣየ ክንደይ ስቓይ ኢዩ ዝነበራ! እዚ ልክዕ ሰይፊ ናብ ነፍሳ ከም ዝኣተዋ ኢዩ ነይሩ።
ስምኦን መሲሓዊ ተንቢታት ተጠቕመ
መንፈስ ኣምላኽ ንስምኦን ነቲ መሲሓዊ ትንቢታት ኣብ የሱስ ንኸውዕሎ ደሪኹዎ ነበረ። ስምኦን ‘ነቲ ኣምላኽ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን: ንህዝቡ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን: ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቡ ዘዳለዎ ምድሓን ኣዒንቱ ስለ ዝረኣያ’ ብሰላም ወይ ብህድኣት ክዓርፍ ይኽእል ነበረ። (ሉቃስ 2:30-32) ኣየ እዝስ ነቲ ትንቢታዊ ቓላት ኢሳይያስ ክንደይ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዘውዕሎ!
እቲ ነብዪ “ክብሪ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ኪግለጽ: ኵሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ።” “ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ: [ኣነ የሆዋ ንዓኻ ንመሲሕ] ብርሃን ኣህዛብ ከኣ ክገብረካ እየ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 40:5። 42:6። 49:6። 52:10) ካብኡ ንደሓር ከኣ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋትን ዝርአ ጭብጥታትን: እቲ መሲሕ የሱስ ክርስቶስ ጕልባብ ናይ መንፈሳዊ ጸልማት ቀንጢጡ ንኣህዛብ ድሕነት ዘምጽኣሎም ናይ ሓቂ ብርሃን ናይ ኣህዛብ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኢዮም።
ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሸምጊሉ ዝነበረ ስምኦን ካብዚ ንላዕሊ ኣይዛረብን ኢዩ። በዚ ዝረኣናዮ መርትዖታት መሰረት ድማ: ስምኦን: እቲ ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝወስድ መገዲ ብየሱስ ቅድሚ ምኽፋቱ ኢዩ ሞይቱ። ድሕሪ ቍሩብ እዋን ድማ ኣብ ምድሪ ንኽነብር ክትንስእ ኢዩ። ንስኻን ንሱን ኣብ ትሕቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እናነበርኩምሲ ከመይ ዝበለ ሓጎስ ኰን ከተሕልፉ ኢኹም!