3ይ ክፋል
ዘመነ መሲሕን ሰዓብቱን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ሓደ ዘመን ኣቢሉ ዚኸውን ንውሓት ክንሽፍን ኢና። ኣብ ኣጋ መጀመርታ፡ የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ዝሃቦ ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት ብዛዕባ እተሰከመት ማርያም ዝስማ ትሕትቲ ኣይሁዳዊት ድንግል ከነንብብ ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ብግዜ እርጋኑ ዘሕለፎ ነገራት ከነንብብ ኢና። ኣብ መንጎ ድማ፡ ብዛዕባ ኸም እኒ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ማርያም መግደላዊት፡ እስጢፋኖስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ብሉጻት ኣብነታት ትብዓት ክንምርምር ኢና። ንሳቶም ድማ የሱስ ብህዝቡ ተቐባልነት ዘይብሉ ኽነሱ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ኣዊጆም፡ መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ ኣስኣሰሩ ስዒቦም፡ ኣደዳ ተቓውሞን ጽልእን እናዀኑ ኽነሶም ብዛዕባኡ ኣበሲሮም እዮም።