ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 101 ገጽ 234-ገጽ 235 ሕ.ጽ. 4
  • ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኸደ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኸደ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ኣጸቢቑ እናመስከረ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • “ክትቀስኑ እምሕጸነኩም ኣለኹ”
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 101 ገጽ 234-ገጽ 235 ሕ.ጽ. 4
ጳውሎስን ካልኦት ሰባትን ናብ ገማግም ማልታ ንምብጻሕ ይሕምብሱ ወይ ብስባር እታ መርከብ ጸምበለል ይብሉ

ትምህርቲ 101

ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኸደ

ሳልሳይ ጕዕዞ ስብከት ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም እዩ ኣብቂዑ። ኣብኡ ኸኣ፡ ጳውሎስ ተታሒዙ ተኣስረ። ብራእይ ለይቲ ድማ፡ የሱስ ንጳውሎስ፡ ‘ናብ ሮሜ ኽትከይድ፡ ኣብኣ እውን ክትሰብኽ ኢኻ’ በሎ። ጳውሎስ ከኣ ካብ የሩሳሌም ናብ ቂሳርያ ተወስደ፣ ኣብኣ እውን ክልተ ዓመት ተኣሲሩ ጸንሐ። ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ፌስጦስ እቲ ሹም ምስ ቀረበ፡ ጳውሎስ፡ ‘ኣብ ቅድሚ ቄሳር፡ ኣብ ሮሜ እየ ኽፍረድ ዝደሊ’ በለ። ፌስጦስ ድማ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” በሎ። ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኣብ እትኸይድ መርከብ ተሰቕለ፣ ሉቃስን ኣርስጠኮስን ዚብሃሉ ክርስትያናት እውን ምስኡ ኸዱ።

ኣብ ባሕሪ ኸኣ ብርቱዕ ማዕበል ኣጓነፎም፣ እቲ ማዕበል እውን ንብዙሕ መዓልትታት ቀጸለ። ኵላቶም ከኣ ዚሞቱ መሲልዎም ነበረ። ጳውሎስ ግና፡ ‘ኣቱም ሰባት፡ መልኣኽ ብሕልሚ፡ “ጳውሎስ፡ ኣይትፍራህ። ናብ ሮሜ ኽትበጽሕ ኢኻ፣ ኵሎም እዞም ምሳኻ ኣብዛ መርከብ ዘለዉ እውን ብደሓን ኪበጽሑ እዮም” ኢሉኒ እዩ። ኣጆኹም! ኣይክንመውትን ኢና’ በሎም።

እቲ ማዕበል ን14 መዓልቲ ቐጸለ። ኣብ መወዳእታ፡ ምድሪ ረኣዩ። ንደሴት ማልታ እዮም ርእዮምዋ። እታ መርከብ ድማ ኣብ ባይታ እቲ ባሕሪ ስለ እተሸኽለት፡ ተሰባበረት፣ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም እቶም 276 ሰባት ግና ብደሓን ናብ ምድሪ በጽሑ። ገሊኣቶም ሓምቢሶም፡ ገሊኣቶም ከኣ ብስባር እታ መርከብ ጸምበለል እናበሉ ናብ ገምገም በጽሑ። ህዝቢ ማልታ ድማ ተኸናኸንዎም፡ ምእንቲ ኺሞቑ እውን ሓዊ ኣጐዱሎም።

ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ እቶም ወተሃደራት ንጳውሎስ ብኻልእ መርከብ ናብ ሮሜ ወሰድዎ። ኣብኣ ኸኣ፡ ኣሕዋት ኪበጽሕዎ መጹ። ጳውሎስ ንዓታቶም ምስ ረኣየ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን። ጳውሎስ እሱር እኳ እንተ ነበረ፡ ቤት ተኻርዩ ብወተሃደር እናተሓለወ ኺነብር ይፍቀደሉ ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ክልተ ዓመት ጸንሐ። ሰባት ይመጽዎ ነበሩ፣ ንሱ እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎምን ብዛዕባ የሱስ ይምህሮምን ነበረ። ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ ንእሽቶ እስያን ኣብ ይሁዳን ንዚርከባ ጉባኤታት ደብዳበታት ጸሓፈለን። የሆዋ ንጳውሎስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኵሎም ኣህዛብ ንምዝርጋሕ ብሓቂ ተጠቒሙሉ እዩ።

“ብዅሉ ንርእስና ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጌርና ነርኢ ኣለና፣ ነዚ ድማ ብብዙሕ ተጻዋርነት፡ ብጸበባ፡ ብስእነት፡ ብጭንቂ [ነርኢ ኢና]።”—2 ቈረንቶስ 6:4

ሕቶታት፦ ስለምንታይ እዩ ፌስጦስ ንጳውሎስ ናብ ሮሜ ዝሰደዶ፧ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ፡ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧

ግብሪ ሃዋርያት 21:30፣ 23:11፣ 25:8-12፣ 27:1–28:31፣ ሮሜ 15:25, 26

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ